Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 7ይ ክፋል

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና "ህግደፍ" 7ይ ክፋል ኣምልኾ መላኺ ኢሳያስ ሓደ ካብ ተልእኾታት ሚኒስትሪ ዜና ንኢሳያስ ልዕለ ሰብ (Super Human) ወይ ኩለንትናዊ ሰብ ኣምሲልካ ምቕራብ እዩ። ኢሳያስ ኣብ ዓውድታት ፖለቲካ፣ ሕርሻ፣ ምህንድስና፣ ቁጠባ፤ ኮታ ኣብ

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 7ይ ክፋል

ኣምልኾ መላኺ ኢሳያስ

ሓደ ካብ ተልእኾታት ሚኒስትሪ ዜና ንኢሳያስ ልዕለ ሰብ (Super Human) ወይ ኩለንትናዊ ሰብ ኣምሲልካ ምቕራብ እዩ። ኢሳያስ ኣብ ዓውድታት ፖለቲካ፣ ሕርሻ፣ ምህንድስና፣ ቁጠባ፤ ኮታ ኣብ ኩሉ ዝተማልአ ፍልጠት ዘለዎ ሊቕ ኮይኑ ንዝቐርበለን መደባት ኤሪ ቲቪ ዘየስተብሃለ ሰብ ክህሉ ኣይክእልን። ምስሊ ኢሳያስ ብኸምዚ ኣገባብ ኣብ ሚድያ ክቐርብ ስለዝድለ እምበኣር ኣብ ህዝቢ ከም ዓበይቲ መምሃራን ዝጥመቱ ሓለፍቲን ካድራትን ካብ ሚድያ ተኣጊዶም ኢዮም። ምኽንያቱ ነቲ ክስራሕ ዝድለ ምስሊ ኢሳያስ ዝወዳደር ካልእ ምስሊ ኣብ ማዕከናት ዜና ክፍጠር ኣይድለን።

ንኣብነት ኢሳያስ ኣብ ሓደ ፍርያቱ ናብ ህዝቢ ዘየብጽሕ ሕርሻዊ ከባቢ ዑደት ገይሩ እንተተመሊሱ፡ ኣብቲ ቦታ ዑደት ከም ዘካየደን ንኣካየድቲ እቲ ስራሕ መምርሒ ስራሕ ከም ዝሃበን ዝገልጽ ዜና ይስራሕ። ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኮፍ ኢሉ ዝወዓለ ኢሳያስ ንሓደ ኣብ ቦታ ስራሕ ኮይኑ ስራሕ ዝመርሕን ዘካይድን ክኢላ መምርሒ ስራሕ ሂብዎ ተባሂሉ ክዝረብ ሃየንታ ኣለዎ። ኣብ እንዳ “ህግደፍ” ግን ሕንከት ስለዘየለ፡ ኢሳያስ መሃንድስ ባዕሉ፡ ነዳቓይ ባዕሉ፡ ክኢላ ሕርሻ ባዕሉ፡ ኢኮኖሚስት ባዕሉ፡ ዲፕሎማት ባዕሉ፡ ፖለቲከኛ ባዕሉ፡ ሓጋጊ ባዕሉ፡ ፈራዲ ባዕሉ፡……….እንታይ’ከ ባዕሉ ዘይከዉን!?

ኣብ ሃገርና ብህዝቢ ከም ዓበይቲ ፓብሊክ ፊገርስ ዝጥመቱ ሓያለ ሰባት ብመደብ ካብ ሚድያ ተኣጊዶም እዮም። ገለ ካብቶም ዉሑዳት ንነዊሕ እዋን እጉዳት ዝነበሩ፦ ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ፤ ኣቶ ዘምህረት ዮሃንስ፤ ደራሲን ተመራማሪ ታሪኽን ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ተኪአ በየነ፡ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነበር ኣቶ ጠዓመ በየነ፤….ወዘተ ክኾኑ ከለዉ ከከም እዋኑ ከኣ በዓል ነፍስሄር ሚኒስተር ሳልሕ መኪ፤ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬምን ካልኦትን እጉዳት ነይሮም። እቲ ናይ እገዳ ዉሳነ በብእዋኑ ስለ ዝሕደስ፣ ቅድሚ ኵሉ ዝሕበሩ ናይ ቴለቪዥን ኤዲተራት እዮም። ካብ ወጻእተኛታት ድማ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ኔልሰን ማንዴላ ኣብ ማዕከናት ዜና “ህግደፍ” እንተስ ብጽቡቕ እንተስ ብሕማቕ ክለዓል ዘይድለ ሰብ እዩ። ብፍላይ እዞም ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎም ኤርትራዉያን ኣብ ሚድያ ቀሪቦም ከም ሰቦም ቃለ መሕትት ክገብሩ ወይ ብዛዕባኦም ገለ ነገር ንኽበሃል ዓሊ ዓብዱ ክፈቅድ እንተኾይኑ ናይ ግድን ፍቓድ ኣያኡ ክረክብ ኣለዎ። ስለዚ እቲ እገዳ ኢሳያስ ዝዉስኖ ዓሊ ድማ ዝትግብሮ እዩ።

(ኔልሰን ማንዴላ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ስሙ ክርቋሕ ዘይድለ ሰብ ምዃኑ ብኣጋጣሚ እየ ፈሊጠ። ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣዳላዊ ዓምዲ “ተጠመትቲ ሰባት” ዝነበረ ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤል ምስ ኣባላት ሬድዮ ባና ምስ ተኣስረ ነታ ዓምዲ መተካእታ ሰብ ክሳብ ዝግበረላ ኣነ ብግዝያዉነት ሒዘያ ነበረኩ’ሞ ሓደ መዓልቲ ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት ኔልሰን ማንዴላን መንእሰያት ካብኡ እንታይ ክንመሃር ከም ዝግበኣናን ዝገልጽ ዓንቀጽ ኣዳልየ ንኽሕተም ናብ ዋና ኣሰናዳኢ ሒዘሉ ምስ ከድኩ ብዛዕባ ማንዴላ ምዝራብ ፍቑድ ከም ዘይኮነ ብዘየወላዉል ቃላት ሓቢሩ ብዛዕባ ካልእ ተጠማቲ ሰብ ክጽሕፍ ኣዘዘኒ። ሽዑ በቲ ዝተዋህበኒ ሓበሬታ ኣመና እናተገረምኩ “እሞ ብዛዕባ ፕሮፌሰር ፍረድ ሆሎውስ እንተጸሓፍኩ’ኸ” በልኩዎ። “ፍረድ ሆሎውስ ደኣ መሓዛ ሰዉራ ኤርትራ ስለዝነበረ ዝበለጸ!” ኢሉ መለሰለይ። ኣነ’ዉን ብዛዕባኡ ጸሓፍኩ። ንእግረ መገደይ ግን ክፈልጦ ዘይነበረኒ ሓበሬታ ፈለጥኩ)

* * *

መራሒ ሰሜን ኮርያ ዝነበረ ዳግማዊ ኪም ኢል ጆንግ ምስ ሞተ ህዝቢ ሰሜን ኮርያ ኣብ ከቢድ ሓዘን ከም ዘሎ ዘርኢ ምስልታት ብመደበራት ቴሌቪዥን ሰሜን ኮርያን ቻይናን ናብ ዓለም ይፍኖ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ፕረዚደንት ኪም ኢል ጆንግ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሕልፍ ዝበለ ጭቈና ዝገብር ጸረ ህዝቢን ጸረ ደሞክራሲን መራሒ ብምንባሩ ብማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ብኣሜሪካ ወትሩ ኢዩ ዝኹነን ዝነበረ። ዓሊ ዓብዱ ግን ነቲ ብሞት መራሒ ሰሜን ኮርያ ኣብ ኮርያ ተራእዩ ተባሂሉ ዝተፈነወ ናይ ሓዘን ሃዋሁ ናብ ረብሓ ስርዓት “ህግደፍ” ብምቕያር ነተን ወትሩ ንኢሳያስ ዝኹንና ሃገራት ምዕራብ ንምጥቃዕን ንስም ኢሳያስ ንምዕባይን ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክጥቀመሉ ሓሰበ። ስለዚ ድማ፡ “መራሒ ሰሜን ኮርያ ከምቲ በዓል ኣሜሪካ ዝብላኦ እንተዝነብር ደኣ ከመይ ኢሉ ህዝቡ ምስ ሞተ ይበኽየሉን ይሓዝነሉን ኣሎ!?” ዝብል ሕቶ ዘለዓዕል መደባት ብኹለን ማዕከናት ዜና ንኽመሓላለፍ ኣዘዘ። ቅኒት ናይቲ ክመሓላለፍ ዝደለዮ ትሕዝቶ መደባት ኪም ኢል ጆንግን ኢሳያስን ሃገራቶም ብኣሜሪካ ንኸይንብርከኻ መዘና ኣልቦ ተራ ዝጻወቱ ዘለዉ መራሕቲ ምዃኖም ዝገልጽ ነበረ። ብኡ መሰረት ድማ ኣብቲ እዋን ካብ ኣገልግሎት ዜና ሰሜን ኮርያ ዝዝርግሑ ዝነበሩ ናይ ፈጠራ ዜናታት ናብ ትግርኛ እናተተርጎሙ ንህዝቢ ኤርትራ ክቐርቡሉ ጀመሩ። ከም ኣብነት ንሓንቲ ካብተን ሽዑ ኣብ ናይ 26 ታሕሳስ 2011 ሕታም ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝወጸት ዜና ክጠቕሰልኩም። እዝከረኒ እታ ዜና ከም ዘላታ ካብ ሓዳስ ኤርትራ ተቘንጪላ ኣብ ኣሰና ወጺኣ ዝነበረት ኮይና መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ኢል ጆንግ ካልኣይ፤ ቅድሚ ምዕራፉ ኣብ ዝነበረ ሒደት ደቓይቕ ኣብታ ሃገር ‘ወዝቢ’ ክትብሎም ዘየድፍሩ ኣገረምቲ ፍጻመታት ከም ዝተኸስቱ ብምግላጽ ነቲ ፍጻመታት ብኸምዚ ዝስዕብ ዘርዚራቶ ነይራ፦

“ኪም ጆንግ ቅድሚ ምዕራፉ ኣብታ ሃገር ዝረግፍ ዝነበረ ብርቱዕ ዉርጪ ብቕጽበት ክቋረጽ እንከሎ ኣብ ልዕሊ ‘ፓይክቱ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቅዱስ እምባ ዝነበረ ሰማያት ድማ ሃንደበት ናብ ቀይሕ ተለዊጡ። ብዘይካ’ዚ እቲ መራሒ ቅድሚ ዕረፍቱ ኣብ ዝነበራ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ባቡር ተሰቒሉ ሰንጢቕዎም ዝሓለፈ ናብ በረድ ዝተለወጡ ቀላያት ብኡ ንብኡ ብርቱዕ ድምጺ ፈጢሮም ፈጋዕጋዕ ከም ዝበሉ፤ ብዝሒ ዘለወን ናይቲ ከባቢ ፍሉያት ኣዕዋፍ’ዉን ንሓወልቲ ወላዲ ናይቲ መራሒ ክኾላኦ ከም ዝወዓላ ኣገልግሎት ሰሜን ኮርያ ሓቢሩ።” እናበለ እቲ ዜና ትሕዝቶኡ ይዛዝም። ኣገልግሎት ዜና ሰሜን ኮርያ ከምዚ ዓይነት ዜና ክሰርሕ ከሎ ንኪም ኢል ጆንግ ካብ ተራ “ሰብ”ነት ኣውጺኡ መለኮታዊ ሓይሊ ዘለዎ ፍጡር ከምስሎ ስለዝደለየ እዩ። ነዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ፈጠራ ዜና ናብ ትግርኛ ተርጒምካ ንህዝቢ ኤርትራ ምንጋር ግን እንታይ ማለት ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ ነይሩ። ኢሳያስ’ዉን ልክዕ ከም መራሒ ሰሜን ኮርያ ብማሕበረሰብ ዓለም ኩኑን ስለዝኾነ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ኪም ኢል ጆንግን ምምስሳላት ብምፍጣር፤ “ህዝቢ ሰሜን ኮርያ ጥራይ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ’ዉን ዘይከም’ቲ በዓል ኣሜሪካ ዝብልኦ ሞይቱ ዝሓዝነሉን እናበኸየ ዝቐብሮን መራሒ ዝተዓደለ ህዝቢ እዩ” ንምባል ነበረ።

ቅድሚ እዚ ፍጻመ’ዚ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣልጀዚራ ኔትዎርክስ ዝነበረ ሚስተር ወዳሕ ኸንፈር ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምግባር ንኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ኣኼባ ገይሩልና ነበረ። ነቲ ኣኼባ ዓሊ ዓብዱን ሚስተር ወዳሕ ኸንፈርን ጎኒ ንጎኒ ኮፍ ኢሎም እዮም ኣካይዶምዎ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ብዙሕ ነገር ተወርየ። “ሚኒስትሪ ዜና ምስ ኣልጀዚራ ኔትወርክ መስሪትዎ ዘሎ ዝምድና መቐጸልታ ናይቲ ብደረጃ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ቐጠር ዘሎ ዱልዱል ዝምድና ስለዝኾነ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ” እናተባህለ ብዙሕ ተዘርበ። ድሕሪ’ቲ ምስ ሚስተር ወዳሕ ኸንፈር ዝተገብረ ርክብ ኣብ ዉሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ ንኤርትራ ዝምልከት ሓደ ዶኲመንታሪ ፊልም ተፈነወ። ኣርእስቲ ናይቲ ፊልም “ኤርትራ፡ ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ” ዝብል ነበረ። ሽዑ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዓሊ ዝተፈጥረ ዕግርግር ሎሚ ኮይኑ ይረኣየኒ። “ኣልጀዚራ እንታይ ወሪድዎም!? ከመይ ገይሮም ንዓና ምስ ሰሜን ኮርያ የመሳስሉና። ንሕናን ስሜን ኮርያን’ዶ ሓደ ኢና!?” ዝብል ድምጽታት ተሰምዐ። ዓሊ ሓሲብዎ ዝነበረ “ምስ ኣልጀዚራ ዝምድና ስለዝተገብረ ኣብቲ ቴሌቪዥን ንስርዓት ህግደፍ ዘቃልዕ ሓበሬታ ኣይክወጽእን እዩ” ዝብል ግጉይ ግምት ነበረ። ብርግጽ ኣልጀዚራ ዝምድና ዝጸልእ ትካል’ኳ እንተዘይኮነ ንሓቂ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእትዩ ምስ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” ዝመሓዞ ትካል ግን ኣይኮነን።

እቲ ኣልጀዚራ ዘዳለዎ መደብ ምስ ተፈነወ ዓሊ ዓብዱ “ንሕናን ሰሜን ኮርያን ሓደ ኣይኮናን። ኩነታትናን ኩነታት ሰሜን ኮርያን ይትረፍ ክመሳሰል ዝቀራረብ’ዉን ኣይኮነን” እናበለ ከንጸርጽር ከም ዘይጸንሐ መራሒ ሰሜን ኮርያ ምስ ሞተ ግን ንኪም ኢል ጆንግን ኢሳያስን ኣመሳሲሉ ህዝቢ ከደዓዕስ ምፍታኑ ዝገርም እዩ። ፈቲና ጸሊእና ግን ሃገርና ኤርትራ ንጹል መንግስቲን ንጹል ሕብረተሰብን ዝነብረላ ዕጽዉቲ ሃገር ስለዝኾነት ምስ ሰሜን ኮርያ ትመሳሰል ጥራይ ዘይኮነ ንሰሜን ኮርያ’ዉን ትሓልፋ እያ። ዓሊ ግን ክሳብ ክንዲ’ዚ እዩ በታ ዘይተኸንሸበትን ፊደል “ረ” ኣጥዕያ ዘይተድምጽን ኮርታዕ ልሳኑ ገይሩ ህዝቢ ከደናግር ዝፍትን።

ዓሊ ዓብዱ በቲ ሸሓጢ ባህርያቱ ንኢሳያስ ከም ዘምልኾ ተዋስኦ ክገብር፤ ድምጻዊት ሄለን መለስ ኣብ በዓል ፈንቅል ዝደረፈታ ንጽል ዜማ ስሌኡ ከም ዝድረፈሉ ገይሩ እዩ። “ኣድሃ!” ዘርእስታ ዜማ! ትርጉም ‘ኣድሃ’ ኣብ ናይ ተክአ ተስፋይ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ገንጺልኩም እንተትርእይዎ እዚ ኹሉ’ስ ንኢሳያስ ምበልኩም። ዓሊ ዓብዱ ከምቲ ቈልዑ ሃገርና ኣብ ግዜ በዓላት ገዛ ገዛ እናኸዱ ዝደርፍዎ “ኣያየ ወርቂ ስዓቱ ኦፔል እያ መዛወሪቱ” ዝዓይነቱ ደርፊ ንኢሳያስ ዘድረፈሉ ኮይኑ ምተሰምዓኩም። ግጥሚ ናይዛ ደርፊ መን ድዩ ደሪስዎ ዝብል ሕቶ ምስ እትሓቱ “ሰሎሞን ድራር” ዝብል መልሲ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ሬድዮ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርኩዎ ቃለ መሕትት ንዓሊ ዓብዱን ሰሎሞን ድራርን “ኣብ Odd ሰዓታት እናተራኸቡ Odd ስራሕ ዝሰርሑ ናይ ተንኮል ኣዕሩኽ!” ብዝብል ቃላት ገሊጸዮም ነይረ። ስለዚ እታ ዜማ ዓሊ ዓብዱ ንስነ ጥበባዊ ዓቕሚ ሰሎሞን ድራር ተጠቒሙ ንኢሳያስ ዝወደሰላ ዜማ እያ ነይራ። ንምዝኽኻር ገለ መስመራት ግጥሚ እዛ ደርፊ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፦

ኣድሃ ንበረልና ንበር
ሃገር ክትዉስኽ ተኣምር
ኣድሃ ንበረልና ንበር
ዓለም ጸገማታ ክትምርምር

ተመዚንካ ሚዛን ስብእነት
ነቕ ዘይብል ዘይነጽፍ ሓሞት
ኣበደን ኢልካ ኣይንብርከኽን
ይትረፍ ንሰብ ንጸሓይ ተድንን

ኣብዛ “ዉዳሰ ወ ኢሳያስ” ዝኾነት ግጥሚ ብዙሕ ክዛረብ ኣይደልን። እንተኾነ ግን ነተን “ኣድሃ ንበረልና ንበር ዓለም ጸገማታ ክትምርምር” ከምኡ’ዉን “ይትረፍ ንሰብ ንጸሓይ ተድንን” ዝብላ መስመራት ኣስተዉዒልኩም ከተንብቡወን እሓተኩም።

ሻምናይ ክፋል ይቕጽል…

ኣማኑኤል ማህደረ
(iamamanuel@yahoo.com)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • shawley February 14, 2013

    ንሕና ኤርትራዊያን እንታይ’ዩ ዓንዚዙኩም! ባዕለይ ዶ ክመርሓኩም! ከም ሕዝቢ ዝዓንዘዘና ዋኒን ኣብ ብዙሐት ንፁሓት ዜጋታትናን ካልኦት ዜጋታት ሕዝብታት ዝፈጠርናዮ ግፍዕታትን ማእሰርቲን ደምን ካሕሳ ኢና ንከፍል ዘለና እዚ ንክቀለልና ንኣምላክ ንኣላህ) ፀሊና ንለምን ሓደራ ሓደራ የሕዋተይ ኣሓተይን
    In order to have changes in Eritrea what mandatory points to be considered are:
    1. We have to have an excusse to those who suffers by some evil Eritrean right after independence(specially Ethiopians who were resided in Eritrea) just for the sake of GOD, Not for the sake of yohana and banana and the fake freedom at all.
    2. We have to avoid any blame to weyane, external and Ethiopia. we have to admit the main problem is internal issue. Which creates the leaders for the last 50 years.
    3. We have appreciate and take experience of tolerance policy at all, in my assumption with the prevalnce of hidden issues in the heart of Ertreans I prefer to have FEDERAL system of governance, Because we know each other in order to resolve the case of Awraja, Jahad, etc which was created by Jebha, Alwahda and Shabia was not clear for the society at large
    4. we have to adopt our constitution by the approval of the society.
    5. we have to start normalization internal with all members of the society and also with opposition.
    5. The agreement with Ethiopian and Djibouti, Yemen international communities a is not unavoidable due the prevalence of blood relation, existing for the several years with the same system of governance and culture and economic relation. It is very difficult to live without them in island. We have to take the best and reject the worst thing thinking the tolerance specially with Ethiopian,
    6. the first and the most important thing is we have to respect the dignity of human-being from wherever.
    ውዲ ኤሬ

  • Aman February 14, 2013

    The reason why the govt. survived all these years despite all the negatives and atrocities is because there are people who can write colorful words which are very inviting to read or listen even when there is no truth in them. People like you should use your ball points more and more to beat those who are still serving the monster in Asmara. Good job Amanuel and keep writing more and more.

POST A COMMENT