ህጹጽ ጻውዒት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር፡ ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንምእላይ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ – ካብ ስልጣን
10/10/2018 ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብሰላማዊ መንገዲ ሃገራዊ ልኡላውነቱ ንምርግጋጽ ዘካየዶ ቃልሲ ስለ ዘይተዓወተን ካልእ መንገዲ ስለ ዘይነበሮን ኢዩ ናብ ጎነጻዊ ቃልሲ ዝሰገረ። እቲ ኣብ 1961 ዓ.ም ዝጀመሮ ብረታዊ ቃልሲ’ውን ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ኢዩ ሓሊፉ። እቲ ቃልሲ ናይ
10/10/2018
ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብሰላማዊ መንገዲ ሃገራዊ ልኡላውነቱ ንምርግጋጽ ዘካየዶ ቃልሲ ስለ ዘይተዓወተን ካልእ መንገዲ ስለ ዘይነበሮን ኢዩ ናብ ጎነጻዊ ቃልሲ ዝሰገረ። እቲ ኣብ 1961 ዓ.ም ዝጀመሮ ብረታዊ ቃልሲ’ውን ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ኢዩ ሓሊፉ። እቲ ቃልሲ ናይ ብምሉኡ’ቲ ህዝብን፡ ድምር ዓወታት ኩሎም ተጋደልትን እኳ እንተነበረ፡ ኣብ 1991 ዓ.ም ነቲ ብረታዊ ቃልሲ መሪሑ መንግስታዊ ስርዓት ዝተኸለ ግን ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኢዩ። ናይ ሎሚ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተተኽለ ሓድሽ መንግስቲ ክመርሕ ዝበቕዐ፡ መራሒ ናይቲ ሽዑ ብዓወት ዝኣተወ ህዝባዊ ግምባር፡ ስለ ዝነበረ ጥራይ ኢዩ።
ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባርን ኩሉቲ ዓንዲሕቖ ኮይኑ ነቲ ኲናት ዘዐወተ ህዝብን ከኣ፡ ናይ ሎሚ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኮነ፡ ምስኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ፡ ፍረ ጻማ ናይቲ ን30 ዓመታት ዝጠፍአ ህይወትን ዝሃለኸ ጉልበትን ንብረትን ከዕትሩና ትጽቢት ነይሩና ኢዩ። ኣብቲ ዝሰዓበ ዓመታት ግን ተስፋን ትጽቢትን ናይ ህዝብን ተጋደልትን እናተባሕጎጐ ክኸይድ ጸኒሑ። ሎሚ ድሕሪ 27 ዓመታት፡ ተስፋ ህዝቢ ኤርትራ ተጸንቂቑ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ብመስዋእቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝተረጋገጸ ልኡላውነት ሃገር’ውን ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኣሎ። እነሆ ከኣ ሎሚ ብዘይ ኣፈላላይ ‘ይኣክል’ እንብለሉ እዋን ኣኺሉ ኣሎ።
ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 27 ናይ ናጽነት ዓመታት ዝተፈጸሙ ዓበይቲ ገበናት ብዙሓት ኢዮም። ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ ፡ –
- ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ናይ ናጽነት፡ ኤርትራዊ ክብሩን ኩርዓቱን ተሓዲጉ ኣብ ሕስረትን ሕፍረትን ጸኒሑ። ፍትሒ ጠፊኡ፡ ህዝብና – ኣብ ፍጹም ምሕረት ውልቀ-ሰባት ኣትዩ። ህግደፍ ሕጊ እንዳ’ባ ኣጥፊኡ፡ ነቲ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ዝተኣታተወ ሕግታት ኣልዩ፡ መተካእትኡ ዝኸውን ሕግታት ኣየምጽአን። ከም ሳዕቤኑ እነሆ ኤርትራና፡ ዜጋታታ ንኽብሮምን መሰሎምን ዝከላኸልሉ መባእታዊ ሕጊ ዘይብላ ሃገር ኮይና ተሪፋ።
- ህዝቢ ብዛዕባ መሰልን ፍትሕን ንኸይሓስብ፡ ብመደብ ጥሜትን ድኽነትን ኣተኣታትዩ። እዚ ከኣ ቅድም ኣብ ገዛእ ተጋደልቱ ፈቲኑዎ። ቀስ ኢሉ ከኣ ኣብ ምሉእ’ቲ ህዝቢ፡ ዕዮን ዓያዪ ጉልበትን ከም ዝጠፍእ ብምግባር፡ ኣብ ኤርትራ ብዝተጸንዐ መንገዲ ነዚ ናይ ጥሜትን ድኽነትን መደቡ ኣተግቢሩዎ።
- ናይ ህዝቢ – ብፍላይ ከኣ ናይ ተጋደልቲ ተቓውሞ ንምዕጋትን “ኣብ ኲናት ኣለና” ንምባልን፡ ምስ የመንን ሱዳንን ባይቶ ዘይፈልጦ፡ ዘይእዉጅን ዘይወግዓውን ግጭት ፈጢሩ። ነቲ ዝጸንሐ ወታደራዊ ኣሰራርዓ ንምብታንን፡ እሙናት ኣገልገልቱ ናብ እዝታት ንምምጻእን ከኣ ተጠቒሙሉ።
- ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ግጭት ብምስዋር፡ መባእታዊ መሰል ናይ እምነት ኣጊዱ፡ ዓበይቲ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ‘ክትጽልዩ ተረኺብኩም’ ንዝበሎም ኣሽሓት ምእመናንን ኣሲሩ።
- ህዝቢ ኤርትራ ንሰለስተ ዓመታት ተኻቲዑ ዘዳለዎ ቅዋም (constitution) ከይትግበር ሓንጊዱ። ብሰንኩ ኣብ ሃገርና ግቡእ ኣሰራርሓ መንግስቲ ጠፊኡ፡ ውልቀ-ሰብ ፊን ብዝበሎ መንገዲ፡ ንጉሆ ንጉሆ ብዝቀያየር መምርሒታት ኣትመሓደር ሃገር ኮይና ኣላ። ኢሳያስ ባዕሉ ቅዋም ክሰርሓልና ምዃኑ’ውን ብንዕቀት ነጊሩና።
- እቲ ዝነበረ ስማዊ ባይቶ ኮነ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምክልኻል ዘይፈልጡዎን ዘይዘተይሉን፡ ንኹሉ ዓቕምታት ኤርትራ ዝጸንቀቐ መጠነ ሰፊሕ ዶባዊ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ከፊቱ። ኲናት ምስ ጀመረ’ውን ንምኽርን ማዕዳን ላዕለዎት ሓለፍቲ ምክልኻልን፡ ላዕለዎት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ነጺጉ። ከም ሳዕቤኑ ኣስታት 20 ሽሕ ህይወት መንእሰያትና ኣብ ኲናት ጠፊኡ፡ ሓደ ሲሶ (1/3) ናይ ህዝብና ተዘናቢሉ፡ እዚ ዘይበሃል ሃብቲ ሃገር ከኣ በሪሱ።
- ኣብ 1994 ዓ.ም ዝተኻየደ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግምባር፡ ዕድመ ስልጣን ናይቶም ሽዑ ዝተመርጹ ሓለፍቲ ንሰለስተ ዓመት ኮይኑ፡ ኣብ 1997 ዓ.ም ካልእ ጉባኤ ተኻይዱ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከል ኢዩ ወሲኑ። ኢሳያስ ስለ ዘይደለዮ ግን ኣይተተግበረን። እዚ ኢሰያስ ዝመርሖ ስርዓት እምበኣር፡ ካብቲ ናይ ግዜ ገደብ ወጻኢ ዝተቐመጠ፡ ሕጋውነት (legitimacy) ዘይብሉ ኢዩ።
- ኣብቲ ንሃገራዊ ናጽነት ዝተኻየደ ቃልሲ ዝጠፍአ ህይወት ብዙሕ’ኳ ኣንተኾነ፡ ሽዑ ግን ውልቀ ሰባት ኢዮም ይሞቱ ነይሮም። ኣብዚ ዝሓለፈ 27 ናይ ናጽነት ዓመታት ግን እታ መሰረታዊት ባእታ ናይ ሕ/ሰብ ዝኾነት ስድራ ቤት ኢያ ሞይታ። ብሰንኩ ምሉእ ሕ/ሰብ እንተላይ ባህላዊ፡ ቁጠባዊ ኮነ ፖለቲካዊ ውርሻኡ ኣብ ብርሰት በጺሑ ኣሎ።
- ቀይዲ በተኻዊ ኣካይዳ “ፕረዚደንት” ገደብ ክግበረሉ ድምጾም ንዘስምዑ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ፍሩያት ዝበሃሉ ኣባላት ሃገርዊ ባይቶን፡ ኣብ እግሪ ተኽለን ንዝነበራ ልዑል ናይ ህዝቢ ተቐባልነት ዝነበረን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ኣባላተንን ቀይዱ፡ ኤርትራ ናብ ፍጹም ስርዓተ-ራዕዲ ቀይሩዋ።
- ምሉእ ሃብቲ ሃገር ናቱ፡ ንኹሉ’ቲ ህዝብን ሰራዊትን ከኣ፡ ኣብ ውሽጡ ሰፊሕን ዝተራቐቐን ሰላያዊ መርበብ ብምትእትታው፡ ልኡም ኣገልጋሊኡ ከም ዝኸውን ገይሩዎ። ካብቲ ብዘይ እዉጅ መንገዲ ካብ ዝተጻዕኖ ባርነት ክሃድም ዝፈተነ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ (ኣንስትን ቆልዑን ከይተረፉ) ብናይ “ተኲስካ ቅተል” ትእዛዝ ከም ዝሃልቁ ገይሩ።
- ነቲ ንልኡላውነት ሃገር ዝከላኸል ሓይልታት ምክልኻል (ሓይሊ ባሕሪ፡ ኣየርን ምድርን) ከም ትካል ኣምኪኑ፡ መንእሰያት ናብ ዝሳቐይሉ ዓቢ ቤት ማእሰርቲ ቀይሩዎ። ብሰንኩ፡ ሃገር ዝከላኸለላ ዘይብላ፡ ብዘይ ዋሕስ ተሪፉ።
- ኣብ ቀንዲ ብሎኮታት ናይ ተፍትሽ ንቑጣታት ብምቛም፡ ምንቅስቓስ መግብን ሃለኽቲ ነገራትን ዓጊቱ። ልሙዕ መሬት ካብ ዋናታቱ ኣሕዲጉ ፍርያምነቱ ከም ዘጥፍእ ብምግባር፡ ሰብ ሰርሖ ጥሜት ኣተኣታትዩ። ንኤርትራዊ ሰብ፡ ካብ ድኻ ናብ በተኽ ቀይሩዎ። ትጽቢት ህዝብና፡ ካብ ኣብ ደገ ዝነብሩ ቤተ ሰቡን መቕርቡን ኮይኑ። ብኣንጻሩ ሃብትን ማዕድናትን ሃገርና ተተጻዒሩ ንወጻኢ ይኸይድ ኣሎ።
- ክልቲኡ ቀንዲ ወደባትናን ሃብቲ ባሕርና፡ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ካብ ኣገልግሎት ቦዂሩ፡ መኺኑ ተሪፉ።
- ኩሉ’ዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ምእካል ስኢኑ፡ ብስምናን ብስም ሃገርናን – ኤርትራውያን ዘይንፈልጦም ሕጊ ዘይተኸተሉ በይናዊ ውዕላት ይፈራረም ኣሎ።
- ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ሃንደበትን ቅድመ- ምድላዋት ስለ ዘይተገብረሉን፡ ህዝቢ መረበቱ ገዲፉ ብእኩብ ይጠፍእ ኣሎ። ደቅና ካብ ገዛኦምን ካብ ገዛእ ሃገሮምን ይጠፍኡ ኣለዉ።
- ብኣጠቓላሊ ኢሰያስ ካብ ዝኸሓነ ጽልኢ ህዝብና ዝነቅል፡ ንኹሎም ሰበ-ስልጣንን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝውግን፡ ዕንወት ሃገርን ብርሰት ህዝብናን ዘረጋግጽ፡ ብኣንጻሩ ንስሱዕ ባህርያቱ ዘርዊ ኣካይዳ ሒዙ ኣሎ።
. . . እቲ ዝርዝራት ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ
ካብዚ ተበጊስስና ከኣ ኢና፡ እዞም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እንነብር 50 ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ነበር፡ ከምቲ ምኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ ዝበሎ፡ ህዝቢ ኣብ ዓዱ ክነብር፡ ኢሰያስ ብህጹጽ ካብ ስልጣን ከእለ ንጽውዕ ዘሎና።
ኣብ መእተዊ ከም ዝተገልጸ፡ ኢሰያስ ኮነ መሳርሕቱ፡ ኣብ እንግድዓ ውድብ ህዝባዊ ግምባር ተወጢሖም ዝኣተዉ ኢዮም። ተጋደልትን ኣባላትን ህዝባዊ ግምባር ከኣ ንጥፍኣትን ብርሰትን ሃገር ኣይተቓለስናን። ልክዕ ከምቲ ኣብ ቃልሲ ብሓደ ቃል ብሓባር ንሃገርን ህዝብን ዝሞትና፡ ሕጂ’ውን እዞም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እንነብር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር፡ ኢሰያስን ኣመራርሕኡን ንሃገር ስለ ዘየርብሐ፡ ብዘይ ወዓል-ሕደር ብህጹጽ ስልጣኑ ከረክብ፡ ኣብ ቦትኡ ንብዙሕነትና ዘንጸባርቕ፡ ህዝብን ሃገርን ዘረጋግእ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ደጊምና ንጽውዕ።
ኢሰያስን ንሱ ዝመርሖ ስርዓት ህግደፍን፡ ሃገርን ህዝብን ኣብሪሱ እምበር ኣይጠቐመን። ሎሚ ኢሰያስ ከቢድ ጾር (liability) ናይ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ጸጋ (asset) ኣይኮነን። ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምስምስ ክእለ ጥራይ ከኣ ኢዩ ዘለዎ።
ብኣጋጣሚ ናይዚ ድማ፡
- ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለኹም ኣባላት ህዝባዊ ግምባር ነበር፡ ዝተቓለስናሉ ዕላማ ንኸንቱ ከይጠፍአ፡ እቶም ዝረሓቕና ብድምጺ – ብሞራልን ንዋትን፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ዘለኹም ከኣ ዝከኣል ክትገብሩ ንጽውዕ።
- ኣባላት ሰራዊትን ንዓና ዝተካእኩም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ንስለ ህዝብኹም፡ ኣብ ምእላይ ኢሰያስን ስርዓቱን ሓላፍነትኩም ክትስከሙ ንጽውዕ።
- መላእ ህዝቢ ኤርትራ – ብሓባር “ይኣክል” ክብልን ኣብ ምእላይ ኢሰያስ ክዓስልን ንሓትት።
- ጎረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ብሞራልን ንዋትን ክተሓጋገዛ ንምሕጸን።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና !!!
Signatories ዝርዝር ኣስማት ፈረምቲ
Name ኣስማት | Address | ||
1 | Abraham Gebrekidan | ኣብርሃም ገብረኪዳን | Manchester |
2 | Ali Hayoti | ዓሊ ሓዮቲ | London |
3 | Amanuel Eyasu | ኣማኑኤል ኢያሱ | London |
4 | Amanuel Teame | ኣማኑኤል ጠዓመ | London |
5 | Amuna Mohammed | ኣምና መሓመድ | Edinburgh |
6 | Bereket Kibreab | በረኸት ክብርኣብ | Birmingham |
7 | Berhe Fisehaye | በርሀ ፍስሃየ | London |
8 | Berhane Tsegay Futur | ብርሃነ ጸጋይ ፍጡር | London |
9 | Biniam Asmelash | ቢንያም ኣስመላሽ | Nottingham |
10 | Biniam Debesay | ቢንያም ደበሳይ | Nottingham |
11 | Mehamed Ali Salih | መሓመድ ዓሊ ሳልሕ | London |
12 | Daniel G/selasie Garza | ዳንኤል ገ/ስላሴ ጋርዛ | London |
13 | Dawit Fisehaye | ዳዊት ፍስሃየ | London |
14 | Dawit Tewolde | ዳዊት ተወልደ | London |
15 | Efrem Embaye | ኢፍረም እምባየ | London |
16 | Ellen Andemariam Haile | ኢለን ዓ/ማርያም ሃይለ | London |
17 | Gebre kahsay | ገብረ ካሕሳይ | Nottingham |
18 | Genet Tsehaye | ገነት ጸሃየ | London |
19 | Habtom Tekle | ሃብቶም ተኽለ | London |
20 | Helen woldeslasie | ሀለን ወልደስላሴ | London |
21 | Isaias Asfaha | ኢሰያስ ኣስፍሃ | London |
22 | Jumeea Ahmed Hassan | ጅምዓ ኣሕመድ ሓሰን | Manchester |
23 | Jemal Siraj | ጀማል ስራጅ | Leeds |
24 | Kedija Abdelqadir Nayb | ከዲጃ ዓብደልቃድር ናይብ | London |
25 | Kenedi Measho | ኬነዲ መዓሾ | Birmingham |
26 | Kiflu Tewolde | ክፍሉ ተወልደ | Manchester |
27 | Kirubel Abraha | ኩርቤል ኣብርሃ | London |
28 | Mebrat Gebrengus | መብራት ገብረንጉስ | London |
29 | Michael Gebremichael | ሚኪኤል ገብረሚካኤል | Manchester |
30 | Mihret Haile | ምሕረት ሃይለ | London |
31 | Mogos Berhane | መጎስ ብርሃነ | London |
32 | Mohamed Birhan Abdelqadir | መሓመድ ብርሃን ዓብደልቃድር | London |
33 | Saba Yisaq | ሳባ ይስሓቅ | London |
34 | Senait Abraha Kidane | ሰናይት ኣብርሃ ኪዳነ | Birmingham |
35 | Sirak Asfaha | ሲራክ ኣስፍሃ | Birmingham |
36 | Solomon yohannes | ሰሎሞን ዮውሃንስ | Leeds |
37 | Suleiman Hindi | ሱለይማን ህንዲ | London |
38 | Surafiel yaqob | ሱራፍኤል ያዕቆብ | London |
39 | Taamrat Ghidey | ተኣምራት ግደይ | Cambridge |
40 | Tadesse Kidane | ታደሰ ኪዳነ | Birmingham |
41 | Tadesse Tesfamariam | ታደሰ ተስፋማርያም | London |
42 | Tecleab G/Michael Hidru | ተኽለኣብ ገ/ሚካኤል ሕድሩ | Birmingham |
43 | Tedros Tekle | ተድሮስ ተኽለ | London |
44 | Tesfalem Abreha | ተስፋኣለም ኣብርሃ | Nottingham |
45 | Tsegay Ghebrehiwet | ጸጋይ ገብሪሂወት | London |
46 | Tsega Weldeselsie | ጸጋ ወልደስላሴ | London |
47 | Tsige GebreSelasie | ጽገ ገብረስላሴ | Nottingham |
48 | Tsigehana Yohannes | ጽገሃና ዮውሃንስ | Cambridge |
49 | Yohannes Tsegay | ዮውሃንስ ጸጋይ | London |
50 | Zewdi Deres | ዘወዲ ደረስ | London |
- ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እትርከቡ ኣብዚ ጻውዒት`ዚ እትሰማምዑ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣስማትኩም ኣብዚ መዝገብ`ዚ ክሰፍር ምእንቲ ርኸቡና።
- ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር `ውን ብተመሳሳሊ በብዘለኹሞ ሃገር ጻውዒት ከተቕርቡ ምስ እትደልዩ ነዚ ጽሑፍን ኣገባብን መወከሲ ክትገብሩዎ ወይ ድማ ካልእ ተመሳሳሊ ጻውዒት ከተቕርቡ እዋናዊ ምዃኑ ነዘኻኽረኩም።
Wedi Hagher October 14, 2018
Ato Kidane,
From the way you write you seem to be an ordinary person like me. You couldn’t even express yourself properly in English so you had to write part of the message in Tigrigna. And yet to dare to give an unsolicited advice to K. Tewelde, who happen to be a Doctor.