Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ ጻውዒት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር፡ ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንምእላይ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ – ካብ ስልጣን

        10/10/2018 ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብሰላማዊ መንገዲ ሃገራዊ ልኡላውነቱ ንምርግጋጽ ዘካየዶ ቃልሲ ስለ ዘይተዓወተን ካልእ መንገዲ ስለ ዘይነበሮን ኢዩ ናብ ጎነጻዊ ቃልሲ ዝሰገረ። እቲ ኣብ 1961 ዓ.ም ዝጀመሮ ብረታዊ ቃልሲ’ውን ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ኢዩ ሓሊፉ። እቲ ቃልሲ ናይ

        10/10/2018

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብሰላማዊ መንገዲ ሃገራዊ ልኡላውነቱ ንምርግጋጽ ዘካየዶ ቃልሲ ስለ ዘይተዓወተን ካልእ መንገዲ ስለ ዘይነበሮን ኢዩ ናብ ጎነጻዊ ቃልሲ ዝሰገረ። እቲ ኣብ 1961 ዓ.ም ዝጀመሮ ብረታዊ ቃልሲ’ውን ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ኢዩ ሓሊፉ። እቲ ቃልሲ ናይ ብምሉኡ’ቲ ህዝብን፡ ድምር ዓወታት ኩሎም ተጋደልትን እኳ እንተነበረ፡ ኣብ 1991 ዓ.ም ነቲ ብረታዊ ቃልሲ መሪሑ መንግስታዊ ስርዓት ዝተኸለ ግን ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኢዩ። ናይ ሎሚ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተተኽለ ሓድሽ መንግስቲ ክመርሕ ዝበቕዐ፡ መራሒ ናይቲ ሽዑ ብዓወት ዝኣተወ ህዝባዊ ግምባር፡ ስለ ዝነበረ ጥራይ ኢዩ።

ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባርን ኩሉቲ ዓንዲሕቖ ኮይኑ ነቲ ኲናት ዘዐወተ ህዝብን ከኣ፡ ናይ ሎሚ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኮነ፡ ምስኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ፡ ፍረ ጻማ ናይቲ ን30 ዓመታት ዝጠፍአ ህይወትን ዝሃለኸ ጉልበትን ንብረትን ከዕትሩና ትጽቢት ነይሩና ኢዩ። ኣብቲ ዝሰዓበ ዓመታት ግን ተስፋን ትጽቢትን ናይ ህዝብን ተጋደልትን እናተባሕጎጐ ክኸይድ ጸኒሑ። ሎሚ ድሕሪ 27 ዓመታት፡ ተስፋ ህዝቢ ኤርትራ ተጸንቂቑ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ብመስዋእቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝተረጋገጸ ልኡላውነት ሃገር’ውን ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኣሎ። እነሆ ከኣ ሎሚ ብዘይ ኣፈላላይ ‘ይኣክል’ እንብለሉ እዋን ኣኺሉ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 27 ናይ ናጽነት ዓመታት ዝተፈጸሙ ዓበይቲ ገበናት ብዙሓት ኢዮም። ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ ፡ –

  1. ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ናይ ናጽነት፡ ኤርትራዊ ክብሩን ኩርዓቱን ተሓዲጉ ኣብ ሕስረትን ሕፍረትን ጸኒሑ። ፍትሒ ጠፊኡ፡ ህዝብና – ኣብ ፍጹም ምሕረት ውልቀ-ሰባት ኣትዩ። ህግደፍ ሕጊ እንዳ’ባ ኣጥፊኡ፡ ነቲ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ዝተኣታተወ ሕግታት ኣልዩ፡ መተካእትኡ ዝኸውን ሕግታት ኣየምጽአን። ከም ሳዕቤኑ እነሆ ኤርትራና፡ ዜጋታታ ንኽብሮምን መሰሎምን ዝከላኸልሉ መባእታዊ ሕጊ ዘይብላ ሃገር ኮይና ተሪፋ።
  2. ህዝቢ ብዛዕባ መሰልን ፍትሕን ንኸይሓስብ፡ ብመደብ ጥሜትን ድኽነትን ኣተኣታትዩ። እዚ ከኣ ቅድም ኣብ ገዛእ ተጋደልቱ ፈቲኑዎ። ቀስ ኢሉ ከኣ ኣብ ምሉእ’ቲ ህዝቢ፡ ዕዮን ዓያዪ ጉልበትን ከም ዝጠፍእ ብምግባር፡ ኣብ ኤርትራ ብዝተጸንዐ መንገዲ ነዚ ናይ ጥሜትን ድኽነትን መደቡ ኣተግቢሩዎ።
  3. ናይ ህዝቢ – ብፍላይ ከኣ ናይ ተጋደልቲ ተቓውሞ ንምዕጋትን “ኣብ ኲናት ኣለና” ንምባልን፡ ምስ የመንን ሱዳንን ባይቶ ዘይፈልጦ፡ ዘይእዉጅን ዘይወግዓውን ግጭት ፈጢሩ። ነቲ ዝጸንሐ ወታደራዊ ኣሰራርዓ ንምብታንን፡ እሙናት ኣገልገልቱ ናብ እዝታት ንምምጻእን ከኣ ተጠቒሙሉ።
  4. ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ግጭት ብምስዋር፡ መባእታዊ መሰል ናይ እምነት ኣጊዱ፡ ዓበይቲ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ‘ክትጽልዩ ተረኺብኩም’ ንዝበሎም ኣሽሓት ምእመናንን ኣሲሩ።
  5. ህዝቢ ኤርትራ ንሰለስተ ዓመታት ተኻቲዑ ዘዳለዎ ቅዋም (constitution) ከይትግበር ሓንጊዱ። ብሰንኩ ኣብ ሃገርና ግቡእ ኣሰራርሓ መንግስቲ ጠፊኡ፡ ውልቀ-ሰብ ፊን ብዝበሎ መንገዲ፡ ንጉሆ ንጉሆ ብዝቀያየር መምርሒታት ኣትመሓደር ሃገር ኮይና ኣላ። ኢሳያስ ባዕሉ ቅዋም ክሰርሓልና ምዃኑ’ውን ብንዕቀት ነጊሩና።
  6. እቲ ዝነበረ ስማዊ ባይቶ ኮነ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምክልኻል ዘይፈልጡዎን ዘይዘተይሉን፡ ንኹሉ ዓቕምታት ኤርትራ ዝጸንቀቐ መጠነ ሰፊሕ ዶባዊ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ከፊቱ። ኲናት ምስ ጀመረ’ውን ንምኽርን ማዕዳን ላዕለዎት ሓለፍቲ ምክልኻልን፡ ላዕለዎት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ነጺጉ። ከም ሳዕቤኑ ኣስታት 20 ሽሕ ህይወት መንእሰያትና ኣብ ኲናት ጠፊኡ፡ ሓደ ሲሶ (1/3) ናይ ህዝብና ተዘናቢሉ፡ እዚ ዘይበሃል ሃብቲ ሃገር ከኣ በሪሱ።
  7. ኣብ 1994 ዓ.ም ዝተኻየደ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግምባር፡ ዕድመ ስልጣን ናይቶም ሽዑ ዝተመርጹ ሓለፍቲ ንሰለስተ ዓመት ኮይኑ፡ ኣብ 1997 ዓ.ም ካልእ ጉባኤ ተኻይዱ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከል ኢዩ ወሲኑ። ኢሳያስ ስለ ዘይደለዮ ግን ኣይተተግበረን። እዚ ኢሰያስ ዝመርሖ ስርዓት እምበኣር፡ ካብቲ ናይ ግዜ ገደብ ወጻኢ ዝተቐመጠ፡ ሕጋውነት (legitimacy) ዘይብሉ ኢዩ።
  8. ኣብቲ ንሃገራዊ ናጽነት ዝተኻየደ ቃልሲ ዝጠፍአ ህይወት ብዙሕ’ኳ ኣንተኾነ፡ ሽዑ ግን ውልቀ ሰባት ኢዮም ይሞቱ ነይሮም። ኣብዚ ዝሓለፈ 27 ናይ ናጽነት ዓመታት ግን እታ መሰረታዊት ባእታ ናይ ሕ/ሰብ ዝኾነት ስድራ ቤት ኢያ ሞይታ። ብሰንኩ ምሉእ ሕ/ሰብ እንተላይ ባህላዊ፡ ቁጠባዊ ኮነ ፖለቲካዊ ውርሻኡ ኣብ ብርሰት በጺሑ ኣሎ።
  9. ቀይዲ በተኻዊ ኣካይዳ “ፕረዚደንት” ገደብ ክግበረሉ ድምጾም ንዘስምዑ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ፍሩያት ዝበሃሉ ኣባላት ሃገርዊ ባይቶን፡ ኣብ እግሪ ተኽለን ንዝነበራ ልዑል ናይ ህዝቢ ተቐባልነት ዝነበረን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ኣባላተንን ቀይዱ፡ ኤርትራ ናብ ፍጹም ስርዓተ-ራዕዲ ቀይሩዋ።
  10. ምሉእ ሃብቲ ሃገር ናቱ፡ ንኹሉ’ቲ ህዝብን ሰራዊትን ከኣ፡ ኣብ ውሽጡ ሰፊሕን ዝተራቐቐን ሰላያዊ መርበብ ብምትእትታው፡ ልኡም ኣገልጋሊኡ ከም ዝኸውን ገይሩዎ። ካብቲ ብዘይ እዉጅ መንገዲ ካብ ዝተጻዕኖ ባርነት ክሃድም ዝፈተነ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ (ኣንስትን ቆልዑን ከይተረፉ) ብናይ “ተኲስካ ቅተል” ትእዛዝ ከም ዝሃልቁ ገይሩ።
  11. ነቲ ንልኡላውነት ሃገር ዝከላኸል ሓይልታት ምክልኻል (ሓይሊ ባሕሪ፡ ኣየርን ምድርን) ከም ትካል ኣምኪኑ፡ መንእሰያት ናብ ዝሳቐይሉ ዓቢ ቤት ማእሰርቲ ቀይሩዎ። ብሰንኩ፡ ሃገር ዝከላኸለላ ዘይብላ፡ ብዘይ ዋሕስ ተሪፉ።
  12. ኣብ ቀንዲ ብሎኮታት ናይ ተፍትሽ ንቑጣታት ብምቛም፡ ምንቅስቓስ መግብን ሃለኽቲ ነገራትን ዓጊቱ። ልሙዕ መሬት ካብ ዋናታቱ ኣሕዲጉ ፍርያምነቱ ከም ዘጥፍእ ብምግባር፡ ሰብ ሰርሖ ጥሜት ኣተኣታትዩ። ንኤርትራዊ ሰብ፡ ካብ ድኻ ናብ በተኽ ቀይሩዎ። ትጽቢት ህዝብና፡ ካብ ኣብ ደገ ዝነብሩ ቤተ ሰቡን መቕርቡን ኮይኑ። ብኣንጻሩ ሃብትን ማዕድናትን ሃገርና ተተጻዒሩ ንወጻኢ ይኸይድ ኣሎ።
  13. ክልቲኡ ቀንዲ ወደባትናን ሃብቲ ባሕርና፡ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ካብ ኣገልግሎት ቦዂሩ፡ መኺኑ ተሪፉ።
  14. ኩሉ’ዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ምእካል ስኢኑ፡ ብስምናን ብስም ሃገርናን – ኤርትራውያን ዘይንፈልጦም ሕጊ ዘይተኸተሉ በይናዊ ውዕላት ይፈራረም ኣሎ።
  15. ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ሃንደበትን ቅድመ- ምድላዋት ስለ ዘይተገብረሉን፡ ህዝቢ መረበቱ ገዲፉ ብእኩብ ይጠፍእ ኣሎ። ደቅና ካብ ገዛኦምን ካብ ገዛእ ሃገሮምን ይጠፍኡ ኣለዉ።
  16. ብኣጠቓላሊ ኢሰያስ ካብ ዝኸሓነ ጽልኢ ህዝብና ዝነቅል፡ ንኹሎም ሰበ-ስልጣንን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝውግን፡ ዕንወት ሃገርን ብርሰት ህዝብናን ዘረጋግጽ፡ ብኣንጻሩ ንስሱዕ ባህርያቱ ዘርዊ ኣካይዳ ሒዙ ኣሎ።

 

. . . እቲ ዝርዝራት ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ

ካብዚ ተበጊስስና ከኣ ኢና፡ እዞም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እንነብር  50 ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ነበር፡ ከምቲ ምኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ ዝበሎ፡ ህዝቢ ኣብ ዓዱ ክነብር፡ ኢሰያስ ብህጹጽ ካብ ስልጣን ከእለ ንጽውዕ ዘሎና።

ኣብ መእተዊ ከም ዝተገልጸ፡ ኢሰያስ ኮነ መሳርሕቱ፡ ኣብ እንግድዓ ውድብ ህዝባዊ ግምባር ተወጢሖም ዝኣተዉ ኢዮም። ተጋደልትን ኣባላትን ህዝባዊ ግምባር ከኣ ንጥፍኣትን ብርሰትን ሃገር ኣይተቓለስናን። ልክዕ ከምቲ ኣብ ቃልሲ ብሓደ ቃል ብሓባር ንሃገርን ህዝብን ዝሞትና፡ ሕጂ’ውን እዞም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እንነብር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር፡ ኢሰያስን ኣመራርሕኡን ንሃገር ስለ ዘየርብሐ፡ ብዘይ ወዓል-ሕደር ብህጹጽ ስልጣኑ ከረክብ፡ ኣብ ቦትኡ ንብዙሕነትና ዘንጸባርቕ፡ ህዝብን ሃገርን ዘረጋግእ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ደጊምና ንጽውዕ።

ኢሰያስን ንሱ ዝመርሖ ስርዓት ህግደፍን፡ ሃገርን ህዝብን ኣብሪሱ እምበር ኣይጠቐመን። ሎሚ ኢሰያስ ከቢድ ጾር (liability) ናይ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ጸጋ (asset) ኣይኮነን። ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምስምስ ክእለ ጥራይ ከኣ ኢዩ ዘለዎ።

ብኣጋጣሚ ናይዚ ድማ፡

  • ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለኹም ኣባላት ህዝባዊ ግምባር ነበር፡ ዝተቓለስናሉ ዕላማ ንኸንቱ ከይጠፍአ፡ እቶም ዝረሓቕና ብድምጺ – ብሞራልን ንዋትን፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ዘለኹም ከኣ ዝከኣል ክትገብሩ ንጽውዕ።
  • ኣባላት ሰራዊትን ንዓና ዝተካእኩም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ንስለ ህዝብኹም፡ ኣብ ምእላይ ኢሰያስን ስርዓቱን ሓላፍነትኩም ክትስከሙ ንጽውዕ።
  • መላእ ህዝቢ ኤርትራ – ብሓባር “ይኣክል” ክብልን ኣብ ምእላይ ኢሰያስ ክዓስልን ንሓትት።
  • ጎረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ብሞራልን ንዋትን ክተሓጋገዛ ንምሕጸን።

 

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና !!!

Signatories                         ዝርዝር ኣስማት ፈረምቲ

  Name                                                            ኣስማት Address
       
1 Abraham      Gebrekidan ኣብርሃም         ገብረኪዳን Manchester
2 Ali                  Hayoti ዓሊ              ሓዮቲ London
3 Amanuel       Eyasu ኣማኑኤል        ኢያሱ London
4 Amanuel       Teame ኣማኑኤል        ጠዓመ London
5 Amuna          Mohammed ኣምና            መሓመድ Edinburgh
6 Bereket         Kibreab በረኸት          ክብርኣብ Birmingham
7 Berhe            Fisehaye በርሀ             ፍስሃየ London
8 Berhane       Tsegay   Futur ብርሃነ           ጸጋይ    ፍጡር London
9 Biniam          Asmelash ቢንያም          ኣስመላሽ Nottingham
10 Biniam          Debesay ቢንያም          ደበሳይ Nottingham
11  Mehamed  Ali    Salih መሓመድ ዓሊ   ሳልሕ London
12 Daniel         G/selasie Garza ዳንኤል           ገ/ስላሴ   ጋርዛ London
13 Dawit           Fisehaye ዳዊት             ፍስሃየ London
14 Dawit          Tewolde ዳዊት            ተወልደ London
15 Efrem          Embaye ኢፍረም          እምባየ London
16 Ellen            Andemariam  Haile ኢለን             ዓ/ማርያም   ሃይለ London
17 Gebre          kahsay ገብረ             ካሕሳይ Nottingham
18 Genet          Tsehaye ገነት              ጸሃየ London
19 Habtom       Tekle ሃብቶም          ተኽለ London
20 Helen           woldeslasie ሀለን              ወልደስላሴ London
21 Isaias            Asfaha ኢሰያስ           ኣስፍሃ London
22 Jumeea        Ahmed   Hassan ጅምዓ            ኣሕመድ  ሓሰን Manchester
23 Jemal            Siraj ጀማል            ስራጅ Leeds
24 Kedija          Abdelqadir  Nayb ከዲጃ             ዓብደልቃድር   ናይብ London
25 Kenedi         Measho ኬነዲ             መዓሾ Birmingham
26 Kiflu          Tewolde ክፍሉ             ተወልደ Manchester
27 Kirubel         Abraha ኩርቤል           ኣብርሃ London
28 Mebrat        Gebrengus መብራት          ገብረንጉስ London
29 Michael       Gebremichael ሚኪኤል          ገብረሚካኤል Manchester
30 Mihret         Haile ምሕረት           ሃይለ London
31 Mogos         Berhane መጎስ              ብርሃነ London
32 Mohamed Birhan Abdelqadir መሓመድ ብርሃን  ዓብደልቃድር London
33 Saba            Yisaq ሳባ                 ይስሓቅ London
34 Senait          Abraha  Kidane ሰናይት             ኣብርሃ   ኪዳነ Birmingham
35 Sirak             Asfaha ሲራክ              ኣስፍሃ Birmingham
36 Solomon      yohannes ሰሎሞን            ዮውሃንስ Leeds
37 Suleiman      Hindi ሱለይማን          ህንዲ London
38 Surafiel         yaqob ሱራፍኤል          ያዕቆብ London
39 Taamrat        Ghidey ተኣምራት          ግደይ Cambridge
40 Tadesse         Kidane ታደሰ               ኪዳነ Birmingham
41 Tadesse        Tesfamariam ታደሰ               ተስፋማርያም London
42 Tecleab       G/Michael   Hidru ተኽለኣብ           ገ/ሚካኤል  ሕድሩ Birmingham
43 Tedros          Tekle ተድሮስ              ተኽለ London
44 Tesfalem       Abreha ተስፋኣለም          ኣብርሃ Nottingham
45 Tsegay          Ghebrehiwet ጸጋይ                ገብሪሂወት London
46 Tsega            Weldeselsie ጸጋ                  ወልደስላሴ London
47 Tsige             GebreSelasie ጽገ                  ገብረስላሴ Nottingham
48 Tsigehana     Yohannes ጽገሃና               ዮውሃንስ Cambridge
49 Yohannes      Tsegay ዮውሃንስ            ጸጋይ London
50 Zewdi            Deres ዘወዲ               ደረስ London
       
       
       
       
       
       
       
       
       
       
       
       
       
       
       
       
       

 

  • ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እትርከቡ ኣብዚ ጻውዒት`ዚ እትሰማምዑ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣስማትኩም ኣብዚ መዝገብ`ዚ ክሰፍር ምእንቲ ርኸቡና።
  • ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር `ውን ብተመሳሳሊ በብዘለኹሞ ሃገር ጻውዒት ከተቕርቡ ምስ እትደልዩ ነዚ ጽሑፍን ኣገባብን መወከሲ ክትገብሩዎ ወይ ድማ ካልእ ተመሳሳሊ ጻውዒት ከተቕርቡ እዋናዊ ምዃኑ ነዘኻኽረኩም።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • Wedi Hagher October 14, 2018

    Ato Kidane,

    From the way you write you seem to be an ordinary person like me. You couldn’t even express yourself properly in English so you had to write part of the message in Tigrigna. And yet to dare to give an unsolicited advice to K. Tewelde, who happen to be a Doctor.

Post a Reply to Wedi Hagher Cancel Reply