Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ መጠንቀቕታ ንኹሉኹም ብሊብያ ናብ ሲደት እትውሕዙ ዘለኹም ስደተኛታት ኣመንቲ ክርስትና ( ናይ ሮይተርስ ቪድዮ ተተሓሒዙ ቀሪቡ ኣሎ)

ሎሚ 19 ሚያዝያ ናይቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ISIS ናይ ቪድዮ ፕሮፖጋንዳ ብምውካስ ዝተዘርግሐ ሰነድ ከምዘመልክቶ፣  ISIS ኣብ ሊብያ ንዝሓዝዎም 30 ከም ‘ኢትዮጵያውያን’ ዝግለጹ ዘለዉ ኣመንቲ ክርስትና ስደተኛታት፣ ነቶም 15 ብብረት ብኣልማማ ክርሽኑዎም ከለዉ፣ ነቶም 15 ብኻራሩ

ሎሚ 19 ሚያዝያ ናይቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ISIS ናይ ቪድዮ ፕሮፖጋንዳ ብምውካስ ዝተዘርግሐ ሰነድ ከምዘመልክቶ፣  ISIS ኣብ ሊብያ ንዝሓዝዎም 30 ከም ‘ኢትዮጵያውያን’ ዝግለጹ ዘለዉ ኣመንቲ ክርስትና ስደተኛታት፣ ነቶም 15 ብብረት ብኣልማማ ክርሽኑዎም ከለዉ፣ ነቶም 15 ብኻራሩ ከምዝጎይሑዎም የርኢ። እቶም ኢትዮጵያውያን ዝብሃሉ ዘለዉ ስደተኛታት ኩሎም ወይ ገሊኦም ኤርትራውያን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

እዞም ብሊብያ ኣቢሎም ዝሓልፉ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ይኹኑ ኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና ስደተኛታት ፣ ኣብ ርእሲ ‘ቲ ብጅምላ ዘህልቖም ዘሎ ናይ ባሕሪ ሓደጋ፣ ኣብ ባይታ ‘ውን ተወሳኺ ቕዝፈት ISIS ከምዘሎ ተገንዚቦም ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ብጥብቂ ነዘኻኽር።

ኣብ ስደት ዘለኹም ኤርትራውያን ኩኑ ኢትዮጵያውያን ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኣረሜናዊ ናይ ህልቂት ተግባር ናብ ህዝብኹም ብምትሕልላፍ ንኽብደት ናይቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሰይጣናዊ ኩነታት ክርድኡ፣ ኣብ ዓዶም ትዕግስቲ ገይሮም ክጸንሑ ወይ ለውጢ ንምምጻእ ክቃለሱ ከተዘኻኽሩዎም ግቡእ ከምዘለኩም ‘ውን ነዘኻኽር።

መሳኪን ብጸላእቲ ዝተኸቡ ስደተኛታት፣ መንግስቶም ጸላኢኦም፣ ምድረበዳ ጸላኢኦም፣ ባሕሪ ጸላኢኦም፣ ንሱ ከምዝወሓዶም ሕጂ ኸኣ ቅዝፈት ISIS ኣርኪቡሎም።

መዘኻኸሪ፣ እዚ ዝስዕብ ቪድዮ፣ ንሕና ከም ህዝቢ ንሞት ኣሽንባይ ዶ ሰሚዕናዮ ጥራይ ዋላ እናረኣናዮ ‘ውን ዘይንኣምን ህዝቢ ከም ምዃና መጠን ንክዉንነት ብልክዕ ክትግንዘቡዎ መታን ተገዲድና እነቕርቦ ዘለና ምዃኑ ተረዲእኩም፣ ምርኣዩ ዘሰንብደኩም እንተደኣ ኮይኑ ከይትኽፈቱዎ ኣቐዲምና ነዘኻኽረኩም።

https://www.youtube.com/watch?v=nr1WiyjDLnk

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • Efriem April 19, 2015

    Oh My God! ISIS, their sympathizers and their evil ideologies need to be wiped-out from our planet Earth ones forever if we are going to live in this world in peace and harmony regardless our religious or political difference. This people has gone too far towards to the abnormality. Crime at its finest is being executed by this cults. May the almighty God welcome the souls of those innocent victims in His everlasting Kingdom.

    I feel sorry for the Eritreans and Ethiopians who are in Libya and who happen to be Christians; so long the ISIS is exist Libya is no more to be a safe route to Europe. Last year when i saw in the news about the Egyptian Christians beheading in Libya by this group, given the fact that a lot of Eritreans and Ethiopians use Libya as a transit to Europe i know that this is going to happen to either Eritreans or Ethiopian Christians sooner or later. Please every one of us, let us try to create impacts in to our fellow country men/women not to think of heading towards Libya for whatever reasons; i would rather die poor and even in jail if it need to be rather than to expose my soul to ISIS.

  • rezen April 19, 2015

    Thank you Assenna for your immediate public service. It is admirable.

  • fitwi April 19, 2015

    I am feeling big sorry regarding this an awful occassion of beheading our christian brothers.what none sympazing event is happening oftenly.incredibely the Armagedon is coming closer according the Bible right.am yet in doubt what thier belief is.Are they expecting to get to heaven by doing such unbelievable scene.I could’nt get enough words to express my feelings rat the .top

  • fitwi April 19, 2015

    Taking an immidate action over ISIS would rather bring an absolute resolution.who takes a responsibilty over this incredible events?we need a huge challenge to eradicate this Evil sprit with a great determination.

  • Selamawi April 19, 2015

    ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ዝጠፍኡ ዘለልዉ ኤርትራውያን ኣሕዋትና፥ ልዑል ፈጣሪ ኣብ ሕቕፎኡ ይቀበሎም። ንቤተሰቦም ጽንዓት ይሃቦም። ንኹላትና ጽንዓት ይሃበና። ካብ ዳግማይ ሓዘን የድሕነና።

    ዜጋታትና ኣብ ሃገሮም ክነብሩ ስለዘይከኣሉ እዮም ንቕድሚኦም ዝምርሹ ዘልዉ። ኣብ ኤርትራ ንቡር መንግሥቲ እንተዝትከል፥ ሰብ ኣብ ዓዱ ምነበረ ኔሩ። ኣብ ዓዱ ምስ ሓሰረ ግን፥ ኣብ ደገወን ሓሲሩ፦ ቀለብ ዓሳን ቀለብ ኣሞራን፥ ሞፍተት ኣረማውያን ዝኾኑ ሰብን ኮይኑ። ይዋእ ኤርትራዊ!

    እዞም ኣስላም ኢና ዝብሉ መሸብራን ግን፥ ንዝረኸቡዎ ክርስትያን እዮም ዝቐትሉ። ንገሊኣቶም ኣስላምውን ኣይንሕፉዎምን እዮም። ኣብ ሲርያን ኣብ ዒራቕን ዝርከቡ ክርስትያን ኣዝዩ ከፊኡዎም እዩ ዘሎ። መቕተልትን ዓመጽን፥ ምርካስ ንዋየ ቅድሳንን ምፍራስ ነባራት ኣብያተ ክርስትያንን ይርኤ`ሎ።

    ኩሉ ክቡር ዘበለ ሰብ፡ ክርስትያኑ ኮነ እስላሙ፥ ነዞም መሸብራን ፎእ ክብሎም እዩ ዝግባእ። ኣንጻሮም ሰላምዊ ሰልፍታት ክግበር ክንርኢ ምደለና።

    ኩላትና ኤርትራውያን ኮነ ኢትዮጵያውያን፥ ክርስትያን ምስ ኣስላም፥ ካብዞም መሸብራን ክንሕባእ፥ ክንደጋገፍ የድልየና። እንተ ኽኢልናውን ርእስና ክንከላኸል ኣለና።

    ኣቱም መናእሰይ ኣሕዋትና፥ እቲ ብቐደሙ ብርቱዕ ዝነበረ መገዲ ሰሃራን፥ ምስጋር ባሕርን፥ ካብ ዝነበሮ ገዲዱ እዩ ዘሎ።ብዙሕ ሰብ እዩ ዝመውት ዘሎ። ስለዚ ምስ ክብረትኩም ኣብ ሃገርኩም ወይ ካልእ ናይ ሕይወትኩም ውሕስነት እትረኽቡሉ ቦታ ጽንሑ። መዋእል ሕሱም መግዛእቲ ጉጅለ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ዜብቅዓሉ እዋን ዝቀራረርብ ዘሎ እዩ ዝመስል። ኩሉ ኤርትራዊ ብሓደ እንተ ሰሪሑ፥ ኣቶ ኢሳያስን ጉጅለኦምን ነዊሕ ኣይጸንሑን ኢዮም።

    ዕድመ ጉጅለ ጥፍኣት የሕጽረልና ፈጣሪ። ኣሜን!

    • ሰላም April 19, 2015

      ናይ ለባማት ዘረባ ትዛረብ ዘሎኻ እንዳ መስልካ ዕሽነት ሓዊስካሉ። ንስኻ ካብ እቶም ብስም ዲሞክራሲ ናብ ገዝኦም ኣትማን ከእትዉ ዝደልዩ ሰባት ኢኻ ትመስል። ካብ እዚ ኣብ ሊብያ ዝተገብረ ኣሰቃቒ ፍጻመ ተማሃር። ትምህርቲ ዕድመ ኣይፈልይን እዩ።

      • Selamawi April 20, 2015

        ዝኸበርካ `ሰላም`

        ናይዞም ኣሕዋትና ሓዘን ንኹላትና ዝትንክፍ እዩሞ፥ ንሕዘነሎም፥ ንቤተስቦም ድማ ጽንዓት ክህቦም ጸሎተይ ናብ ልዑል ፈጣሪ ኤዕርግ። ንሳቶምን ካልኦት ገበርቲ ሽበራን ጨንቆንትን ዘይብላ ዓለም፥ ብሕጊ እትናበር ሃገር ክትህልወና ምጽዓር ድማ ናይ ኩላትና ሓላፍነት ኢዩ።

        ብዛዕባ ትምህርቲ ዝበልካዮ ግን መልሰይ እነሆልካ፦

        ንጨቋኒን ንበዓል በትርን እዩ ዝያዳ ትምህርቲ ዜድላዮ። ብሰንኪ ደሞክራስን ብሰንኪ ሕግን ተመን ዝኣተዎ ገዛ ኣይርኤናን። ብሰንኪ ሕግን ቀይድን ዘይብሉ፥ ህላላን ጨቋንን፡ ጨካንን ጉጅለ ህግደፍ ግን ተመንን ገበልን ፈርያ ሃገር፥ መንእሰይ ሃገርና ድማ ናብ ኢድዞም ትሕቲ ሰብ ዝሓስቡ፥ እኩያን ሰባት ይወድቁ ኣለዉ። ነዚ ኩነታትዚ ከሕጽረልና ንኣምላኽን ንልምን፥ ዝከኣለን ድማ ንጽዓር። ወደሓንካ።

  • Gebremichael Angosom April 19, 2015

    Btsaemi zehzn ftsame eu amlak ab genetu yqebolom

  • bere April 19, 2015

    I am very sad and feeling bad this criminals people muslims doing agenst our chirstian Brothers becouse of they dont belive of jesus and our bible .
    LONG LIVE OUR CHIRSTIANS ,,,,,,,,,,,,,,,,,,, GOD BLESS CHIRSTIANS,,,,,,,,,,,,,,,,,,

  • ETHIOPIAN CHRISTAIAN April 19, 2015

    Very sad!
    I was not brave enough to click on it and watch the video.
    Thank you Assenna for the cautionary notice.

    zgerm zeben iyu meTsyuna zelo

  • daniel April 19, 2015

    The world must do some thing to stop the criminals ,I can’t believe this is happening to my own people .stop stop stop it please

  • Simon G. April 19, 2015

    ፍጡራት ደቂ ሰባት ዮም ክትብል የጸግም። ሰብ ቀቲልካስ መንግስተ ሰማይ ክእቶ። መንዩ ግዲ ሓላፊ ናይ መንግስተ ሰማይ?
    እዘን ኩለን ኣለና ዝብላ ሃገራት የዕራብ ነዚ ሰይጣናዊ ስራሕ ብትሪ ክቃወማሉን ክኹኑናሉን ዝግባእ ሕጂ ‘ዩ። እዚ ግብረ ሽበራ ጥራይ ኣይኮነን። ንሰይጣን ከርክብዎ እንታይ ይተርፎም? ኣረሜናውያን።

1 2 3

POST A COMMENT