Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍን ጉዳይ ጸባን

ጉዳይ ጸባ አብ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ህግደፍ ንረብሓ ጉጅልኡ ንኽውዕል ካብ 1991 ጀሚሩ ናይ መቆጻጸሪ ሜላታት ጊሩ ክቆጻጸሮ ዝጸንሓ ናይ አታዊ ምንጩ ኢዩ። እዚ ንዓመታት ክጥቀመሉን ክፍሕሶ ድጸንሓ ከይጽዓርካ ጸማ ሰባት ምግፋጥ ስንኩል ሜላ ንጸባ ዳርጋ ካብ

ጉዳይ ጸባ አብ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ህግደፍ ንረብሓ ጉጅልኡ ንኽውዕል ካብ 1991 ጀሚሩ ናይ መቆጻጸሪ ሜላታት ጊሩ ክቆጻጸሮ ዝጸንሓ ናይ አታዊ ምንጩ ኢዩ። እዚ ንዓመታት ክጥቀመሉን ክፍሕሶ ድጸንሓ ከይጽዓርካ ጸማ ሰባት ምግፋጥ ስንኩል ሜላ ንጸባ ዳርጋ ካብ ምድሪ ኤርትራ ነበረ ያ ነበረ ንክኸውን ቀሪቡ አሎ። ህግደፍ ቀረብ መግቢ እንሰሳ ዝምስረሕ ፋብሪካ መግቢ ብምቀጽጻርን ከምኡ ድማ ብስም ሕክምና እንሰሳ ቁጽጽርን ዝሕለባ ዝሕለባ ከብቲ ብትሪ ምቁጽጻር ንዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት ክገብር ጸኒሑ። ብስም ምጥርናፍ ማሕበር አፍረይቲ ጸባ ብዝብል ስም ነቶም ወነንቲ ስታላ መግቢ እንሰሳ ብማሕበር ተጠርነፉ፤ በዚ መንገዲ ጥራሕ ኢዩ መግቢ እንሰሳ ፉሩስካ ዝዕደል ብምባል ነቲ ቀረብ ጸባ ንዝሓለፎ ልዕሊ 18 ዓመታት ተቖጻሪርዎ ጸኒሑ። ሓረስቶት ነጻ ኮይኖም ወይውን ብመንገዲ ማሕበሮም ዋኒኖም ባዕሎም ከይገብሩ ህግደፍ ብትሪ ሒዝዎም ይርከብ። ህግደፍ ካብ ወነንቲ እስታላ ንሊትሮ ብ15 ናቕፋ እናተቐበለ ብ30 ናቕፋ ንሊትሮ ድማ ንህዝቢ ክሸይጥ ጸኒሑ፡፡ እቲ ክጥቀመሉ ዝጸንሓ አረጊት ሜላ ‘ዘይጽዓርካሉ ገንዘብ ምግፋጥ’ከምቲ ዝድለ አብዚ ሕጅ ክሰርሕ አይክአለን። ህግደፍ ዋላ እኳ ክቆጻሮ እንተፈተነ፤ ኣብዚ ሕጅ ግን መረረ አቕረብቲ ስለዝበርትዓን ዘይዕግበት ድማ ብቑሉዕ ይግለጽ ብምህላውን ኢዩ። ብተወሳኺ ድማ አብ ዞባ ማዕከል አስታት 5000 ዝገማገማ ዝሕለባ ናይ ስታላ(በጋይት) ከብቲ አብዚ ሕጅ ይርከባ። አብ 2006 ግን ልዕሊ 21000 በጋይት (ስታላ) ዝሕለባ አብ ዞባ ማዕከል ከምዝነበራ መዛግብቲ ህግደፍ የርእይ። እቲ መጉዳል ቁጽሪ ዘጋጠመ ሕማም ዓባይ ስዓል ናይ ከብቲ አትዩ ስለ ዘሎ ቀልጢፍኩም ስጉምቲ ውሰዱ ዝብል መምርሒ ንወነንቲ እስታላ ብምሕላፉ፤ ንመብዛሕትኣን ንማሕረዳን ንመሸጣን ክምዝውዕላ ስለዘገበረ ኢዩ። እቲ ካልእ ምኽንያት ድማ እቲ አብ ምርባሕ እንሰሳ ክዋፈር ዝኽል ሓረስታይ አብ ጎቦታት ኤርትራ ንዓመታት ጠበንጃ ተሓንጊጡ ከምዘየፍሪ ብምግባሩ ኢዩ። ከም ተወሰኺውን ቀረብ ሕጽረት ማይ ንእስታላ ዝኸውን ሰለ ዘለየለ እተን ዝርካበን ጥሪት እኹል ጸባ ክህባ አይክእላን ኢየን።

እቲ ንምርባሕ እንሰሳ ቀንዲ ማሕነቖ ኩይኑ ህዝቢ ድዛረበሉ ዘሎ ጉዳይ ብልሽውና ኢዩ። አብ ጉዳይ ጸባ ዘሎ ብልሽውና ብቐንዱ አብ መንጎ ሚ/ረ ሕርሻን ናይ ውልቂ ትካላትን ከምኡ ድማ እቲ ነቲ ናይ ምግቢ ትካል ዝተቐጻጸረ ትካል ህግደፍን ኢዩ። በዚ ብልሽውና ሓያለ ገንዘብ ናብ ደገ ደስገሩን አብ ውሽጢ ሃገር ከም ሮማዲ ሳዕሪ ነቲ ብልሽውና ካብ ዞባ ናብ ዞባ ዝተዘርግሓ ሓያል ናይ ምጥፍፋእ መርበብ ተሰርጉሑ ንጸባውን ከም ሓደ ሃብቲ መኻዕበቲ ይጥቀሙሉ አለው። ብፍላይ አብ ከተማ አስመራ ጸባ ከም ክቡር መድሃኔት ኢዩ ዝድለይ ዘሎ። ነዚ ጉዳይ ሓያሎ ግዱሳት ዜጋታት አብ ኤርትራ አብ ዝግበሩ አኺባታት ሕቶታት አቕሪቦሙሉ ብሰንኪ ዘሎ ብልሽውና መልሲ ክርከቦ ኣይተኽኣለን። ብተመሳሳሊ መንገዲ ነቲ ዝግበር ዘሎ ምጥፍፋእ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕሪዝደንት ከይተረፈ አብ 2012 ገለ ጉዱሳት ሓረስቶት ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ጉዳይ ብድሕረ መጋረጃ ዝግበር ዘሎ ብጽሑፍ አቕሪቦም ኢዮም፡፡ እቲ ዝተውሃቦም መልሲ ንከታተሎ አለና ዝብል ኢዩ። ቀረብ ጸባ ድማ ካብ ውሑድ ዳርጋ ናብ ሙሉእ ብሙሉእ ምጥፋእ ገጹ ተበጺሑ አሎ።

እቲ ዘሕዝን ነገር ጸባ መጋየጺ ዘይኮነስ ንወዲ ሰብ ብፍላይ ንህጻናት አዝዩ አገዳሲ ዝኸነ መግቢ ምኻኑ ኢዩ። ብፍላይ አዲታቶም ከጥቡባ ዘየክእላን፡ አዲታቶም ዝሞትኦም ቆልዑን ክምገብዎ ዝኽአሉን ጸባ ኢዩ። አብዚ እዋን አብ ከተማታት ኤርትራ ካብ የመንን ሱዳንን ብኮንትሮባንዳ ዝአትዉ እሹግ ርግኦን ጠስምን ብውሽጢ ውሽጢ ይሽየጥ አሎ። እቲ ዘሕዝን መዓልቱ ዝሓለፎ ዝወደቐ ግዜኡ ዝሐለፈ ጸባታት አብ ዕዳጋት ብብዝሒ ምህላው ኢዩ። እዚ አብ ርእሲ ጥዕና ተጠቀምቲ ከብጽሖ ዝኽእል ጉድኣት ከቢድ ኢዩ።

ጸባ አይኮነን ሎሚ ዓለምና ምስ ዘወነነቶ ምዕቡል ቴክኖሎጂን ሓደሽ አገባብ ምርባሕ እንሰሳን አመጋግባን ቅድሚ 130 ዓመት ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ከምዚ ዝኣመሰለ ሕጽረት አይነበረን። አብ ኤርትራ ንዝነበረ ጥሪት ንምዝማት ራእስታት ኢትዩጵያን፡ ምስሪ፡ ቱረኪ ከይተረፈ ኣሓ ንኽዘምቱ ናብዚ ናይ ሎሚ ኤርትራና ወራራትን ዝምታን የካይዱ ኒሮም ኢዮም።

አብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ድማ ዘመናዊ ናይ እንሰሳ መርባሕ ከምኡ ድማ ጸባን ውጽኢት ጸባን ዝኣመሰለ ናይ ኤርትራ ዕዳጋ አማሊኡ ንሰደድ ናብ ዕዳጋታት አውሮፓ ተወዳዳሪ ብምኻን የቕርብ ኒሩ። ናይዚ አሰር ተረፍ ድማ ከም ምልክት ዘሎ ሕጅ ዒላበርእድ፡ ጊንዳዕ፡ ማይ ዓይኒ ሕርሻ ኮይነን ህግደፍ ነዘን ዓብይ ተራ ክጻወታ ዝኽእላ ዝነበራ ትካላትውን ቀቲልወን ኢዩ። አብ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ህግደፍ ዘቖሞ ዝኸነ ንግዳዊ ሕርሻ አብ ኤርትራ የለን። ህግደፍ ንህዝቢ ዘርብሕ ምፍራይ እንሰሳ ዘይኮነስ፤ ቀጽሪ ቤት ማእሰርትን ወተሃደራዊ መ ዓሰከራት አብ መፍራይ እንሆ 22 ዓመት ኮይኑ።

ራህዋ ንህዝቢ ኤርትራ

ግዱሳት ካብ ኣስመራ 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Senay September 30, 2013

    ደርጊ ደርጊ ሚሊዮን ግዜ ይሓይሽን ፈረቃን ካብዞም ጠዋያት ህግደፍ

Post a Reply to Senay Cancel Reply