ኤርትራዊ ተቐማጣይ ለንደን ብሓደጋ ኣውቶቡስ ሞይቱ፣
ብዕለት 17 ጥሪ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ጐንደር 46 ገያሾ ሒዛ ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት ኣውቶቡስ ምስ ምስ ወላዲት ኣዲኡ ወ/ሮ ወርቄ መለስ ዝጓዓዝ ዝነበረ ኤርትራዊ ዜጋ ጌታቸው የሕደጐ ዑቕባዝጊ ፣ ኣብ ኣጻድፍ ኣባይ ጥቓ ድልድል
ብዕለት 17 ጥሪ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ጐንደር 46 ገያሾ ሒዛ ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት ኣውቶቡስ ምስ ምስ ወላዲት ኣዲኡ ወ/ሮ ወርቄ መለስ ዝጓዓዝ ዝነበረ ኤርትራዊ ዜጋ ጌታቸው የሕደጐ ዑቕባዝጊ ፣ ኣብ ኣጻድፍ ኣባይ ጥቓ ድልድል ሕዳሴ፣ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምስ ኣዲኡን 43 መጓዕዝቱን ከምዝሞተ ቤተሰቡ ሓቢሮም።
እታ ኣውቶቡስ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ መስመራ ስሒታ ብግምት 80 ሜትሮ ንቁልቁል ድሕሪ ምጽዳፋ ኣብ ልዕሊ ‘ቶም 43 ተሳፈርቲ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘውረደት ኢትዮጵያን ረቬው ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ይገልጽ።
ጌታቸው ዑቕባዝጊ ኣብ 1977 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ጐንደር ተወሊዱ፣ ኣብ 1999 ዓ.ም.ፈ. ናብ ኤርትራ ድሕር ምስጓጉ፣ ብሞዩኡ ማለት ብህንጻ መሃንዲስነት ኣብ ፖሊስ ኤርትራ ተመዲቡ ግቡኡ ዝፈጸመ፡ ኣብ ከተማ ለንደን ድማ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ኣብ መንጐ ማህበረ ሰቡ ከገልግል ዝጸንሓ ንጡፍ ዜጋ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት መዓልቲ ዝኽሪ መዋቲ ጌታቸው ይሕደጎን ወ/ሮ ወርቄን ክካየድ ምዃኑ ቤተሰብ ይሕብሩ።
ኣሰና ንበዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሩት መ.ሚካኤልን ንኹሎም ስድራ ቤትን ከምኡ ‘ውን ንኹሎም ቤተሰብ ግዳያት ናይቲ ሓደጋ ጽንዓት ይሃብኩም ትብል።
wechu February 1, 2012
who is from Temben Stupid President
Isayas or gol mendetera
hgdef mealta akilu February 1, 2012
nsdra meweti xnat yhabkum nzimetu dma mengstesemay yewrsom nasena dma bzegatatkum tegediskum btgebruwo xaery kemesgnekum yfetu
habtu haile February 1, 2012
what a pity. may god receive his soul