Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰለሰተ ዓበይቲ ህዝባዊ ፍጻሜታት ኣብ ሓደ መዓልቲ፡

ሰለሰተ ዓበይቲ ህዝባዊ ፍጻሜታት ኣብ ሓደ መዓልቲ፡ ቀዳም ሾመንተ መጋቢት፡ 2014   ኣዝዩ ሰፊሕ መደብ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ክንፍጽም ኣለና ኢልና ተበጊስና። ንኽእሎ ኢና! ኢልና ነቲ ስራሕ ብድፍረት ጀሚርናዮ። ዘተኣማምን ባይታ ግን ነይሩና፣ ኤርትራውያን ነበርቲ ደንቨርን ከባቢኣን።

ሰለሰተ ዓበይቲ ህዝባዊ ፍጻሜታት ኣብ ሓደ መዓልቲ፡

ቀዳም ሾመንተ መጋቢት፡ 2014

 

ኣዝዩ ሰፊሕ መደብ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ክንፍጽም ኣለና ኢልና ተበጊስና። ንኽእሎ ኢና! ኢልና ነቲ ስራሕ ብድፍረት ጀሚርናዮ። ዘተኣማምን ባይታ ግን ነይሩና፣ ኤርትራውያን ነበርቲ ደንቨርን ከባቢኣን። ኤርትራውያን ወነንቲ ንኣሽቱ ቢዝነስ፡ ውሑዳት ሃብሮማት ብገንዘብን ብሞራልን ዱልዱል ሕቖ ኮይናሙና። ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን፡ ከም ኩሉሳዕ፡ ነቲ ሰለስተ ውራይ፡ እምኒን ኩሮትን ኮይነነኦ። ብጠቕላላ ግን፡ ህዝቢ ደንቨር ከባቢኣን፡ ነቲ ናይ ዕለት ውራይ ይኹን ኪንኡ ንዝጥምት ናይ ህዝቢ ምልዕዓል ተበግሶ፡ ዕዉት ኮይኑ ከምዝወጽእ ኣረጋጊጾም። ልዑል ምስጋና ይኹንኩም ኤርትራውያን ነበርቲ ደንቨርን ከባቢኣን።

ሾሞንተ መጋቢት፡ መስርሕ ኣግእዞ ኣህጉራዊ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ዝዓለመ ታሪኻዊ ዕለት እዩ። መንቀሊኡ ወጽዓ ብምዃኑ፡ ንፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ሓርነትን፡ ንማዕርነታዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ከረጋግጽ ዝተበገሰ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ ንዕለት ሾመንተ መጋቢት ብኣኽብሮት ክንዝክራ ዝግበኣና ምኽንያት`ውን ኣለና። መጋቢት 8፡ 1947 ሓርበኛታት ኤርትራውያን፡  ካብ ብዙሓት ኣውራጃታት ተዋጺኦም ኣብ ዓዲ-ቀይሕ ተጋቢኦም ማሕበር ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝመስረቱላ ዕለት ስለዝኾነት።  መጋቢት 8 1947`ውን፡ ንሃገራዊ ሓድነት፡ ንመሰልን ሰብኣዊ ክብርን፡  “ረሃበኑ፡ መጥባሕትኑ፡ ምንዳቤኑ፡ ሕማምኑ፡ ሞትኑ፣ ኣህድግ ፍቅርኪ ኤርትራ እምነ ዘይከለነ መኑ፣ ማለት

ጥምየት፡ መስየፍቲ፡ ስንክልና፡ ሕማም፡ ወይ ከኣ ሞት ዋላ የጋጥም፣ ንኣዴና  ኤርትራ ካብ ምፍቃር ክሕርመና ኣይክእልን… (Neither hunger, the sword, multilation, disease or death can deprive us from loving you, our mother Eritrea፡ ደጀዝማች ኣብራሃ ተሰማ)፡ ብዝብል ዓሚቝ ሃገራዊ ፍቕሪ ዝተቓላሓትላ ዕለት እያ። ስለዚ ሾመንተ መጋቢት ድርብ በዓል`ያ።

 

ነዚ ክቡር በዓል`ዚ፡ ግቡእ ክብሪ ንምሃብ፡ ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንለውጥን ፍትሕን፡ ምስ ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ንለውጢ ፡ (1) ንዓውደ-መኣዳዊ ዘተ ምጽናዕቲ ደቂ ኣንስትዮ (2) ዘተ ምስ ናይ ኣሰና ፋውንደሽን ኣሳናዳኢ ሓው ኣማኒኤል እያሱ (3) ንወናም ስነ ጥበባዊ ሓው ዮውሃንስ ቱኳቦን መሳርሕቱ ሙዚቀኛታትን ከአንግድ ክኢሉ።  ብተወሳኺ፡ ነዚ ሰለስተ ውራይ`ዚ ምሳና ንምኽባር፡ ካብ ካሊፎርኒያ፡ ቴክሳስ፡ ዋሺንግቶን ዲ.ሲ. ኦክሎሆማ፡  መጺኦም፡  ብቁጽሪ ዘይኮነስ፡ ብትሕዝቶ ኣሀብቲሞሞን ኣድሚቖሞን  ስለዝወዓሉ ምስጋናና ወሰን የብሉን።
2. The names of the active women’s which make the day happen with us if necessary. …
3. The kid from Israel name is Rahel

 

ፈላሚ መደብ ዓውደ-መጽናዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ኢዩ ነይሩ። ፍሉይን መሳጥን ትሕዝቶ፡  ብቀጥታ ዝትንክፍ ኣገባብ ኣቀራርባ፡ ነይርዎ። እተን ሰለስተ ካብ ዝተፋላለየ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝመጻን፡ ንምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ዝውድባ ዘለዋን መንእሰያት፡ ኣድያም ሃይለ፡ ዋልታና ክፍለዝጊ፡ ኣሊሽያ ___ (ኣብ`ዚ ሃገር`ዚ ዝዓበያ)፡ ነቲ ዓወደ መጽናዕቲ መሳጢ ጥራሕ ዘይኮነስ ሃብታም ትሕዝቶ ክህልዎ ገይረናኦ። ሰለስቲአን ካብ ዝተፋላለየ መእዝን እየን ቀሪበን። (1) ከም ደቂ ኣንስትዮ ክጸምድኦ ካብ ዘለዎን ቃልሲ (2) ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝዓበያ ግን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ቃልስን ምዃኑ ዝመረጻ (3) ክሳብ ሕጂ ሰሚሩ ክቃለስ ዘይከኣለ ቃልሲ ተቓውሞን ጠንቂ ድኽመታቱን፡ ዘጠቓለለ ንቓልሲ ዘበራብን ዘለዓዕልን ነይሩ።

 

ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝፈጸመኦ፡ ጅግንነታዊ ዕጥቃዊ ቃልሲን ተሞኩሮን፡ ብክልተ ነባራት ተጋደልቲ- ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብወይ/ሮ ኤልሳ በርሀ፡ ካብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራብ ወይ/ሮ ብሪ ዮውሃንስ ቀሪቡ።  ብተወሳኺ፡ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘተሓሳስብን ናይ መንእሰይ ራሄል  ገብረጻድቕ፡ ኣብ እስራኤል ዘጋጠማ ርኡይ ኣድልዎ፡ ነቲ ዓወደ-መኣዳዊ ዘተ ዝያዳ ክብደት ሂብዎ። ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ፡ ንመንእሰይ ራሄል ገበረጻድቕ ንምብርታዕ ዝገበረኦ ሞራላውን ነገራውን ኣብነታዊ ሞያ፡ ብሓቂ ናይ ኤርትራውነት ተግባራዊ ነጸብረቕታ ክውሰድ ይግበኦ። ህዝቢ ደንቨር`ውን ኣብታ ህሞት ዝገበሮ ግብረ-መልሲ ዝናኣድ ኢዩ።

 

ቀንዲ ውራይ፡ ዕላማታት ሾመንተ መጋቢት፡  ደቂ-ኣንስትዮ፡ ማዕርነታዊ ክብረን ተሳትፎአንን ኣብ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ምጣነ-ሃብታዊ፡ ኣብ  ምውሳንን ምስታፍን  ምሉእ ብርኪ ክህልወን ዝሓትት ዕለት ብኣኽብሮት ተዘኪሩ። ንስለምዝካር ጥራሕ ግን ኣይኮነን። ከምኡ እንተኾይኑ እሞ፡  ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ`ውን፡  ሃገራዊ ቅዋም ከይህሉ ዝተጻበአ፡ ንግዝኣተ-ሕጊ ንዓቐብ ዝኣፉ እምቢ ዝበለ፡ መሰል ዜጋታት መሊኡ ዝሓረመ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን፡ ክብረ-ግስሳት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ምደረበታት ሲናይ ይኹን ካልእ፡ ክዉን ክኸውን ዝገበረ፡ ንሾሞንተ መጋቢት ዓመት መጸ፡ ተኣንጎት ተሸብሸብ እናበለ የብዕላ`ዩ።

 

ብርግጽ፡ ሾመንተ መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡  ንዓመጽትን መለኽትን ስርዓታት ወይ ጉጅለታት ኣይንታዮምን እያ ጥራይ ዘይኮነስ ብትሪ ተጻባእታ እዮም። ንባይቶ ኤርትራውያንን ኣብ ኮሎራዶ ንለውጥን ንፍትሕንን ንኩሎም ንዲሞክራሲን ማሕበራዊ ፍትሕን ዝቃላሱን ግን መትከላውን ስትራተጂካውን እምንቶኦም`ዩ።

ስዒቡ ዝቐጸለ መደብ፡ ዘተ ምስ ኣማኑኤል እያሱ ኣሳናዳኢ ኣሰና ፋውንደሽን እዩ። ልዕሊ 200 ህዝቢ ተሳቲፍዎ። ኣማኑኤል እያሱ፡ ዘሳናድኣ ኣሰና ፋውደሽ፡ ከም ተራ ናይ ሓበሬታ መርበብ ጥራሕ ዘይኮነትስ፡  ንህዝባዊ ምንቅስቓስ ንምሕያል ዘይሕለል ጻዕሪ ከተካይድ ዝጸንሐትን፡ ንቕድሚት ዝጠመተ ንምንቅስቓስ ህዝቢ፡ ንለውጥን ንፍትሕን፡ ደልዲሉን ሓይሉን ክወጽእ፡ መሰረታዊ እምነታ ምዃኑ ሓቢሩ። ሓያልን ንጡፍን ናይ ህዝቢ ናይ መራኸቢ ብዙሓን፡ ድማ መሓውራቱ ደገፍ ናይ ህዝቢ ምዃኑ ኣነጺሩ ኣቕሪብዎ። ተቓውምቲ ፖለቲካውያን ውድባት፡ ነዚ በብከተምኡ ዝበጋገስ ዘሎ ናይ ህዝቢ ምልዕዓላት፡ ሓንጎፋይ ኢለን ክቕበለኦን፡ ቃልሲ ኣንጻር ምልካዊ ጉጅለ ስርዓት ኢሳያስ ሓይሉ ክወጽእ፡ “ለውጢ ቅድም“ ዝብል መርሓ ቃልሲ ቀዳምነት ክወሃቦን ጸዊዑ።

ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥመን ዘሎ መሪር ስቅያት፡ ሰብኣዊ ግህሰት፡ ጨካንን ግፍዓወን ግብረ-ስጋዊ ግስሳት፡ ናይ ሓንቲ ካብ`ተን ኣዝየን ብዙሓት ኣሕዋትና፡ ብቓላ (ኣቐዲሙ ኣብ ኣውድዮ ዝተቐድሐ) ኣብ ልዕሊኣን ኣብ ቅድሚአን ዝተፈጸመ ኣሰቃቒ ፍጻሜ ኣኼበኛታት ብሓዘንን ብሕርቃንን ተኻታቲለምዎ።

ሳልሳይ ውራይ- “ኤረይ ንሓድነትና ሸጥ መዓንጣና“ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡  ሕሰመ-መከራ ኤርትራውያን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ይርእዮ ስለዘለኹ ስዉር ንዘይኮነ፣ ዓመጻት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብኹሉ ህዋሳተይ እናተሰማዓኒ፡ ስቓታ ኣይመርጽን።  ስቓታ ብዓንዳ ርእሳ ምስ ገበናኛ ትስራዕ መርጋጽ`ያ። ስነ-ጥበባዊ ክእለተይ ናይ ህዝቢ ዝሃበኒ ኢዩ። ንህዝበይ እምበር፡ ምስ ዓመጽቲ ኣይማሓዘወላን!!  ካብ ዝብል ሕልናን ኒያትን፡ ኩሉ ዓቕሙ፡ ንእናተዳኸመ ክኸይድ ዝጸንሐ ሓድነት ኤርትራውያን፡ ዳግም ትንሳኤ ከስፍን፡ ተዓጢቑ ንዘሎ ወናምን ህቡብን ስነጥበባዊ  ዮውሃንስ ትኳቦን ብጾቱ ንዕላማታት ኣህጉራዊ ደቂ ኣንስትዮ ንምኽባርን ንምሕያልን ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ፡ ቀዳምን ንጽባሒቱ ሰንበትን ብርቱዕ ሃገራዊ  ወኒ ኣላዓዒሉ። ብሰንኪ፡ ብቑዕ መሳርሒ ናይ ሙዚቃ ዘይምቕራብ፡ ቀዳም ምሸት፡ ዕንቅፋታት ኣጋጢሙ`ኳ እንተነበረ፡ ነቲ ጸገም ብምፍታሕ ክሳብ ሰዓት 5፡30 ናይ ንጉሆ ጸወታ ቀጺሉ ሓዲሩ።

ደንቨር ኮሎራዶ፡  ንሾሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብዝለዓለ ድምቀትን ንኽትብዕል ካብ ዘኽእለ ረቓሒታት ቀንዲ፡-

  1. ተረኽቦ ላምፓዱሳ።  ዋላ`ኳ ከም ተርኽቦን ተርእዮን ሓዱሽ ኣይኹን፡ ኣብ ናይ ኤርትራ ናይ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ኣረዳድኣን፡ ነጥበ-መቕይሮ ኣርእዩ። ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንለውጥን ፍትሕን ንክምስረት  ምኽንያት ኮይኑ፣
  2. ኣቐዲመን ከንጥፋ ዝጸንሓ`ኳ እንተኾና፡ ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ንለውጢ ክሰፍሕን ክፍለጥን ኣኽኢሉ። ሾሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምስ ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንለውጥን ፍትሕን ከብዕላ ባይታ ፈጢሩ።  ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ንለውጢ፡  ኣብ`ቲ  ከነካይዶ ዘለና ናይ ማሕበራዊ ፍትሕን ዲሞክራሲን ቃልሲ፡ ዘይፍለ ኣካል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምዃኑ፣
  3. ኣብ ሓጺር ጊዜ፡ ሰለስተ ዓበይቲ ውራያት ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ክቃናዕ ምኽኣሉ፡ ህዝቢ ደንቨር-ኮሎራዶ ክምስገንን ክምጎስን ይግበኦ።  ብገንዘብ፡ ብንያት፡ ብሞራል፡ ዝገበርክምዎ ምትሕብባር፡ ነቲ ዘይክኣል ዝመስል ዝነበረ  ውራይ፡ ክዉን ጌርኩሞ። ዕዉታት ደቂ ኣንስትዮ ደንቨርን ከባቢኣን፡ እጅገአን ሰብሲበን ስለዝተዓጥቃሉን እዩ።

 

ዝለዓለ ዝኽሪ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ

ዘልኣለማዊ ዝኽሪን ክብርን ንስውኣትና

ዓወት ንማሕበራዊ ፍትሕን፡ ማዕርነታዊ ተሳትፎን!!

ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ንለውጥን ፍትሕን

                                                                                                                        መጋቢት 8፡ 2014

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Tes April 5, 2014

    Well done Colorado!

  • birhane April 5, 2014

    Well done my people!!!

  • soyra April 5, 2014

    Thank you aman hawna

  • semhar April 5, 2014

    Good job! Way to go Colorado….
    Thank you for recognizing our heroes and remembering ተረኽቦ ላምፓዱሳ…

    Eritreans must listen the interview with
    1)Tesfay Temnewo,
    2)Yemane T/Gergish, and
    3)Wedi Bacaro.
    You will know who is who in the Eritrean straggle for independence,
    you will know who are our #1 enemies and our friends;
    you will learn our history you will see clearly how the devil, mad dog Isayas wedi Berad came to power!
    The solution is we must unite and finish the tyrant mad dog Isayas wedi Medhin Berad, his son and his blind followers just like the Libyans did to his friend Gadafi, his sons and his blind followers before it is too late.
    
As long as this crazy dog Isayas Wedi Medhin Berad is alive misery will continue

  • H.K. April 6, 2014

    AGHENAA COLORADO!!!!
    Well done and good Job!!

    Colorado is “Awate” for the US towns in all aspects!!!

    SEWIDU NI AMAZAI HIGDEF KITGOMDU!!

    SESINU SHIHN WALTAN KUNU , ATA IZA ADINA KAB HIGDEF KENEDHINA!!!

POST A COMMENT