Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምስ ህግደፍ ዝምድናታት ኣብ ምምሕያሽ ኣብ ዝግበር እዋን ብኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ንቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ዝተዋህበ ደገፍን መርገጽን ስክፍታታትን ለበዋታትን

ዝኸበርኩም ዶር/ ኣቢይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኢትዮጵያ፥ ክቡርነትኩም፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ብቤት ጽሕፈትኩም ዝተወስደ ናይ ሰላም ተበግሶን ናይ 2000 ዓ.ም ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ተቐቢሉ ንምትግባሩ ምስምምዑን ይድግፍ። ናይ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያናይ

ዝኸበርኩም ዶር/ ኣቢይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኢትዮጵያ፥

ክቡርነትኩም፡

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ብቤት ጽሕፈትኩም ዝተወስደ ናይ ሰላም ተበግሶን ናይ 2000 ዓ.ም ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ተቐቢሉ ንምትግባሩ ምስምምዑን ይድግፍ። ናይ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያናይ ደሞክራሲያዊ ግንባር (ኢህወደግ) ከምኡውን ሃገራዊ ባይቶኹም ዝወስዶ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ተበግሶታት ኣብ ከባቢና ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣህጉርና ኣፍሪቃ ክሽፍን ዝኽእል ቅኑዕ ናይ ዘላቒ ሰላም ተበግሶ እዩ ኢልና ንኣምን። ካብ ሃገርና ኤርትራ ብሰንኪ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ውትህድርናዊ ኣገልግሎት ኣካዳምያዊ ይኹን ማሕበራዊ መነባብሮኦም ከይሃንጹ ተሓሪሞም ካብቲ ጨቛኒ ስርዓት ሃዲሞም ናብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ዘለዉ ኣሽሓት ኤርትራውያን ንዘዕቆበ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ምስጋናና ነቕርብ።

ኤሃባደለ ብ2011 ኣብ ሃዋሳ ብዝተጋበአ ቀዳማይ ጉባኤኡ ዝተመስረተ፡ ቅዋማውን ደሞክራሲያዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ዝዕላምኡ ሰፊሕ ናይ ፖለቲካውን ናይ ሲቪክ ማሕበራትን ጽላል እዩ። ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ብኽልቲኡ ሃገራት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ንኽልቲኡ ሃገራት ኣዝዩ ዝሃሰየ እኳ እንተኾነ ብዝያዳ ግን ነቲ ኣብ ትሕቲ “ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን” ብዝፍለጥ ጨቛኒ ስርዓት ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ዝተሃስየ እዩ።

ዝኸበርኩም ቀዳማይ ሞኒስተር

ክቡርነትኩም ተታኣታትዉዎ ዘለኹም ሓዲሽ ፖሊሲታትን ኣተሓሕዛኹም ንኣፈታትሓ ግርጭታትን ንህዝቢ ኢትዮጵያን ንከባቢናን ተስፋ ዝህብ እዩ። ንስኹም ንሃገራዊ ዕርቂ፡ ሓድነት፡ ፍቕሪ፡ ከምኡውን ንክቱር  ግዕዝይና ሓላፍነት ምውሳድን፡ ብመንግስቲ ዝተወስደ ገበናት ጸረ ሰብኣዊ መሰላት ከምኡውን ንኣሻሓት ናይ ፖለቲካ እሱራት ምፍታሕኩም ናይ ሓደ ደሞክራሲያዊ መራሒ ኣብነት ዘብለኩም እዩ። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ተቃወምቲ ውድባት ናብ ሃገርኩም ኣትዮም ኣብ ህዝባዊ ምርጫ ምስ ኢህወደግ ብሰላም ክወዳደሩ እውን ኣፍቂድኩም ኣለኹም። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ግን ገባቲ ስርዓት እዩ፡ ኣዚ ከምዚ ዝበለ ዕድል ዝግበኦ እውን ኣይኮነን። ብዘይ ዝኾነ ጸቕጢ ስልጣኑ ናብ ብደሞክራሲያዊ መንገዲ ዝተመርጸ ብቅዋም ንህዝቢ ኤርትራ ዝውክል መሪሕነት ኣሕሊፉ ክህብ ዝኽእል ኣይኮነን።

  • ምስ ኤርትራ ዘለኩም ዝምድናታት ንምምሕያሽ ትወስድዎ ዘለኹም ቅልጡፍ ሞብልናታት ብቐረባ ንከታተሎ ስለ ዘለና ኣብ ጉዕዞኹም ኣዞም ዝስዕቡ ግንዛበታትናን ስክፍታታትናን ርእይቶታትናን ንስለ ሰላምን ድሕነትን ከባቢና ኣብ ግምት ከተእትዉ ንሓትት።
  • ናይ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያናይ ደሞክራሲያዊ ግንባር (ኢህወደግ) ከምኡውን ሃገራዊ ባይቶኹም ዝወስዶ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ተበግሶታት ኣብ ከባቢና ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣህጉርና ኣፍሪቃ ክሽፍን ዝኽእል ቅኑዕ ናይ ዘላቒ ሰላም ተበግሶ እዩ ኢልና ንኣምን።

 

  • ናይ ዶብ ግርጭት ዝተናወሐ ናይ ዘተ እዋን ከምዝሓትት ንርዳእ ኢና። ክሳብ ሽዑ ግን ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ መዓልታዊ ቁጠባውን ማሕበራውን መነባብሮኦም ክመርሑ ክፍቀደሎም ኣለዎ ንብል።
  • እዚ ናይ ዶብ ግጭት መፍትሒኡ በቶም ንዝሓለፉ ኣማኢታት ዘመናት ህዝብታት ናይ ክልቲኡ ሃገራት ከም ሓደ ህዝቢ ኮይኖም ዝጸንሑ ደቀባት ዘካተተፍታሕ ክኸውን ኣለዎ ንብል።
  • ምስቲ ብህዝቢ ዘይተመርጸ ስርዓት ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ዝምድናታት ምምሕያሽ ንረብሓ ክልቲኡ ሃገራት ስለ ዘይኮነ፡ ኢትዮጵያ ምስ ዘይሕጋዊ መንግስቲ ብታህዋኽ ኣብ ውዕላት ምፍርራም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተኣደነ ኣሉታዊ ውጽኢት ክህልዎ እዩ።
  • ብሓጺናዊ ኣገዛዝኣ ዘመሓድር ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንህዝቢ ጊሎት ጌሩ፡ ንሕብረተሰብ ኣድኪዩ፡ ንባህሎም ኣጥፊኡ፡ እምነቶምን ንብረቶም ኣብሪሱ ሓዲሽ ንሓደ ውልቀ መራሒ ጥራሕ እሙናት ዝኾኑ ሕብረተሰብ ንምፍጣር ዝሕልን ስርዓት እዩ።
  • ናይ ከባቢያዊ ሰላም ዝዕድም ሕልምኹም ሕልምናዩ። እንተኾነ እዚ ሕልምኹም ኣብ ጎረቤትኩም ዘሎ መንግስቲ ብዘይ ቅዋም፡ ብዘይ ልዕልነት ሕጊ፡ ብዘይ ነጻ ፍርዲቤት፡ ብዘይ ሓጋጊ ኣካል፡ ብዘይ ፖለቲካዊ ፓርቲታት፡ ብዘይ ተቓወምቲ/ተዋዳደርቲ፡ ብዘይ ነጻ ናይ ርእይቶን ፕረስን ሕጊ፡ ብሕቡራት መንግስታት ብግህሰት ሰብእዊ መሰላት ማዕቀብ ምስ ዝተገብረሉ መንግስቲ ሒዝካ ግን ዝትግበር ኣይኮነን።

ኣብ መደምደምታ፡

ኤሃባደለ ነዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ነጥብታት ኣብ ግምት ከተእትዉ ንደሊ፡

  1. መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ዘለዉ ናይ ፖለቲካ ተንቀሳቐስቲ፡ ኣብ ማዓስከራት ዘለዉ ስደተኛታት ከምኡውን ኣባላት ኤሃባደለን ናይ ሲቪል ማሕበራት ተንቀሳቐስትን፡ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝመጹ በጻሕትን ብዝምልከት ንስለ ድሕነቶም ሰላማዊ መነባብሮኦምን ንምርግጋጽ ሕጋውን ሞራላውን ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን  ኢትዮጵያን ኤርትራን ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ጸጥታን ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ጉዳያትን ውዕል ምስ ተፈራረማ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተጨውዮምን ተቐንጺሎምን እዮም። እዚ እናሓዘንና ንዝክሮ ናይ ሓጺር እዋን ታሪኽ ስለ ዝኾነ ምስቲ ከምኡ ዝፈጸመ ስርዓት ኣብ ውዕል ክእቶ ከሎ ክርሳዕ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ።
  2. ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዘላቒ ሰላም ክረጋገጽ እንተድኣ ኮይኑ ክቡርነትኩም ናይ ኤርትራውያን ቃልሲ  ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ንቕዋም፡ ንሃገራዊ ዕርቂ፡ ነዚ ዝውሕዝ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ናይ ሰብ ነጋዶ ኣረይ ንዝኾኑ ዘለዉ፡ ኣብ ባሕሪ ዝጠልቁ ዘለዉ ኣሻሓት ዜጋታት፡ ኣብ ሳሃራን ሲናይን ምድረበዳታት ዝጠፍኡ ዘለዉ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቤት ጽሕፈት ከፊቶም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ተቃወምቲ ውድባት ኣብቲ ቀድማይ ኣጀንዳኹም ሰሪዕኩም ምስ ስርዓት ኤርትራ ክትዘራረብሎም ንምሕጸነኩም።
  3. እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ሓደ ሰብ ፓርቲ ንዝኾነ ኣካል ተሓታትነት ዘይብሉን ዝኾነ ስምምዕ ክፍርም  ብዝኾነ ኣካል እምነት ዘይንበረሉን እዩ።  ከም ሃገር  ንስኹም ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ዘሎ መራሒ ብዝምልከት ባህርያቱን፡ ጠባያቱን፡ ነድርታቱን፡ ናይ ስምዒታቱ ቅሳነትን ኣጸቢቕኩም ከምትፈልጡ ርግጸኛታት ኢና። እቲ በቲ መንግስቲ ዝውሰድ ውሳኔታት ነቲ መራሒ ውልቃዊ ረብሓ ዝውዕል እንተኮይኑ ጥራሕ እዩ። ናይ ተበላጽን በብእዋኑ ዝገላበጥ ክትግምቶ ዘጸግም መርገጻትን ምሕዝነታትን ክድዓትን ምስ ተገራጨውቲ ሓይልታት ናይ ዞባና ናይቲ እሙን ዝየምዃንኑ መረጋገጺታት እዮም። ስለ ዝኾነ ድማ ከምዚ ናይ ሰሜን ኮርያ ዝዓይነቱ መሪሕነት ክልተኣዊ ዝምድና ክግበር ከሎ ጽኑዕ ጥንቃቐ ክግበር ዝግበኦ እዩ።

በዞም ዝስዕቡ ውሳኔታት መሰረት ኩለን ሃገራት ከኽብረኦ ዝግበአን ናይ ሕቡራት ሃገራት ውሳኔታት ኣሎ።

  • ኣብ 22 ማዝያ 2007 ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ምስ ናይ ኣልሸባብ ዝነበረ ጽምዶኣን ብዝምልከተን ሃገራት ዝወረደ ኩነነን ካብ ናይ ኢጋድ ኣባልነት ኣደስኪላ እያ።
  • ኣብ ግንቦት 2016 ብኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ዝቖመ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ካውንስል ኣብቲ ናይ ልዕሊ 450 ገጻት ጸብጻቡ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ገበን ከምዝፈጸመ ዘእምን ባይታ ከምዘሎ ርእዩ ኣሎ።

 

  • ኣብ 15 ሕዳር 2017 ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ጸጥታ ካውንስል ኣብ ኤርትራ ዝተጻዕነ ናይ ኣጽዋር ማዕቀብን ናይ መራሕቲ ኤርትራ ናይ መገሻ እገዳን፡ ከምኡውን ብ2007 ብ ዓንቀጽ 2385 ዝተወሰነ ንናይ ሶማልያ ኣሸበርቲ ስለ ዝሓገዝኩም ተባሂሉ ዝተወሰነ ማዕቀብ ንክናዋሕ ኣድሚጹሉ እዩ።

ኤሃባደለ ንስለ ሕብረሰልፋዊ ፖለቲካ፡ ዝተወሃሃደ ዞባዊ ኤኮኖምን ናይ ሓባር ዕዳጋን፡ ብሰላም ዝነበሩ በብዓይነቶም ባህልታትን ሃይማኖታትን ንኽጥጥዑ ይርኢ። ከምኡውን ኣብ ኤርትራ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ቅዋማዊ መንግስቲ ጥራሕ እዩ ዘላቒ ሰላም ምስ ኢትዮጵያን ካለኦት ጎረባብትን ከረጋግጽ ዝኽእል ዝብል እምነት ኣለዎ። ምስ ኩሎም ጎረባብትና ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ድሕነትን ኣብ ዞባናን ኣብ መላእ ኣህጉርና ኣፍሪቃን ንክሰፍን ከምእንሰርሕ ከነረጋጋጽ ንደሊ።

ምስ ሰናይ ኣኽብሮት

 

ሓጅ ዓብደልኑር – ኣቦ መንበር

 

ኤሃባደለ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ኣዲስ ኣበባ – ኢትዮጵያ

5 ሓምለ 2018

encdcleadership9@gmail.com

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Tesfai August 21, 2018

    ኣገናዕ ተወልደመድህን፤
    ከምዚ ጌርካ ደኣ ነቲ ቅኑዕ ታሪኽ ኣስተምህረልና እምበር ህዝብናስ ብጽውጽዋያዊ ዛንታ ናይ ሓሶት ብተበለጽቲ ከንተመንቱ ፤ ቋንቋታቶም መንነቶም ዝነዓቑን ዝኸሓዱን ብዙሕ ተዳናጊሩ እዩ።

    “ቅድሚ ኩሉ እቲ ኤርትራዊ ዝብል ቃል እንታይ ካበይ ዝመጸ ምኳኑ ኣጸቢቑ ኣይፈለጦን።ገለ ሰባት ብኤርትራውነቶም ይሕበኑ፡ይኮርዑ ምኳኖም ይዛረቡ ኢዮም።ኦሮማይ ኤረ በል ክትድረር ስለዝኾነ’ምበር ብሓቂ ነቲ ትርጉሙ ኣይፈለጡዎን።ትርጉሙ ፈሊጦም እንተዝኾኑ፡ብኤርትራውነት ይኾርዕ፡ይሕበን ዘይኮነ ይሃፍር፡ይሽቑረር ኢዩ።ምኽንያቱ ቅድሚ ኩሉ ኤርትራ ንመሬት መጸውዒ ዝተወሃበ’ምበር ናይ ህዝቢ ዓሌትን ቋንቋን ባህልን ዝውክል ኣይኮነን።ንሕና ንሕበነሉ ናይ ቀደም ብሕታዊ ታሪኽ ኣቦታትና ተገብረ ተባህለን ናይቲ ኣበይሉ ከባቢ ዝውክል እንተዘይኮይኑ ናይ ሃገር ታሪኽ ዘይጸንሓና፡ካብታ ኤርትራ ዝተበሃለትላ (ጢልያን እግሩ ኣምቢሩ ሽም ዝሃበላ ) ኢና ንጅምር።ሕጂ ታሪኻዊ ማለት ናይዚ ቦታዚ ተጠቀምቲ ዝነበሩ መንነት ህዝቢ ኣሎና፡ሃገራዊ መንነት ኣይብልናን።ከም ሃገራዊ መንነት ክንሕዞ ዝጀመርና ኤርትራዊነት ካብታ መግዛእቲ ጢልያን ኢዩ ዝጅምር፡ነታ ታሪኽ እቲአን ካብኣ ብምጅማር ኢና ዝተቃለስና።ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ናይቲ ኣቦታትና መሬትና ዝብሉዎ፡ኣቦታትና ዓድኩም መሬትኩም ኢዩ ኢሎም ዝገደፉልና መንነት’ምበር፡ኣቦታትና ዝገደፉዎ ሃገራዊ መንነት ኣይብልናን ኣይጸንሓናን።ናትና ተብግሶ እምበኣር ካብቲ ጢልያን ዝሓንጸጾ ዶብን ሽምን ዝተመስረተ ኢዩ።
    ንሕና ብ1896 ጢልያን ኣትዩ ክሳብብ 1941 ድሕሪ ምምሕዳሩን ድሕሪኡ ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ምስተሳዕረ ኢና ኣጥሪናዮ ሃገራዊ መንነት።ኣብዚ ግዜ’ዚ ኢዩ ከኣ ማዕቢሉ።ድሕሪዚ ከኣ መብዛሕቱ ኤርትራዊ ክቃለስ ክወጽእ ከሎ፡እቲ ዝነበሮ ሃገራዊ መንነት ኣብ ኣፍልጦን ኣብ ክብርን ኣብ ፍትሕን ዝተመስረተ ዘይኮነ ኣብ ስሚዒት ኢዩ ተሰሪቱ።ስሚዒት ገዲዱዎ ኢዩ ከኣ ቃልሲ ተጸንቢሩ።መብዛሕቶም ከኣ ክዛረቡ፡ሽዑ ሃገራዊ ስሚዒት ልዑል ኔሩ ይብሉ።ኣየናይ ሃገራዊ ስሚዒት።ስሚዒት ሓደ ኢዩ።ንሱ ከኣ ብዘይመረዳእታ ትሕዞ፡ግብዝ ኣገባብ ኢዩ።ብስሚዒት ዝወጸ ሰብ ተረዲኡዎ ኣይወጸን ማለት ኢዩ።ኣብዚ ግን ተረዲኡዎም ጥጡሕ ናብራን ሕይወትን ብሪቕሪቕ ዝብል ከተማታት ኤውሮፓ ገዲፎም ዝተቃለሱ ኣይስሓትኩን።ስሚዒት ስለዝነበረ ኢዩ ከኣ ኤርትራ ብልጽትን ምርጽትን ሃገር፡ህዝባ ፍሉይ ኮይኑ ተሰሚዑዎ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢትዮጵያ ጽል ኢ ኣሕዲሩ ብንዕቀት ዝዛረብ ( ኣድጊ ) ዝብል። …”

  • Genet-Original August 21, 2018

    Good action, I have been waiting for this kind of strong message, since DIA’s drama in Ethiopia, I have been searching for some kind of message. Thank you so much!

POST A COMMENT