Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልሲ ንሕቶታት ኣንበብቲ ቁጽሪ ክተል፥

መልሲ ንሕቶታት ኣንበብቲ ቁጽሪ ክተል፥ ዝኸበርኩም ኣንበብቲ፡ ብመጀመርያ ሕውነታዊ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ ነቲ መብርሂ ንኽህበሉ ዝሓተትኩሙኒ ርእይቶታትኩም ክምልስ ፍቐዱለይ? “ርእይቶታትኩም ክምልስ ፍቐዱለይ?” ኢለ ሓቲተኩም ኣለኹ ልዕል ኢለ። መብዛሕትና ግን ብልምዲ፥ ኣብ ክንዲ ፍቐዱለይ ኣፍቅዱለይ ኢና ንብል። እዚ ግን

መልሲ ንሕቶታት ኣንበብቲ ቁጽሪ ክተል፥
ዝኸበርኩም ኣንበብቲ፡ ብመጀመርያ ሕውነታዊ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ ነቲ መብርሂ ንኽህበሉ ዝሓተትኩሙኒ ርእይቶታትኩም ክምልስ ፍቐዱለይ?
“ርእይቶታትኩም ክምልስ ፍቐዱለይ?” ኢለ ሓቲተኩም ኣለኹ ልዕል ኢለ። መብዛሕትና ግን ብልምዲ፥ ኣብ ክንዲ ፍቐዱለይ ኣፍቅዱለይ ኢና ንብል። እዚ ግን ጌጋ’ዩ። ብኸመይ? ፍቐዱለይ ማለት ብቐጥታ ካባኻትኩም ዝሕተት ፍቓድ ኪኸውን ከሎ፤ ኣፍቅዱለይ ማለት ግን ንሳልሳይ ኣካል ፍቓድ ሕተቱለይ ማለት’ዩ። ስለዚ፡ መደረ ከነስምዕ ከለና ኾነ ክንጽሕፍ ከለና፡ ኣብ ክንዲ ኣፍቅዱለይ ንብል ፍቐዱለይ ክንብል በዚ ኣጋጣሚ ከተሓሳስብ እደሊ። ካለአይቲውን ምስዛ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዋ ትመሳሰል ኣላ፡ ንሎሚ ከተሓሳስባ ዝደሊ፥ ኣወንታዊ ትብል ቃል’ያ። ኣወንታዊ ኣይብሃልን’ዩ። እወታዊ እዩ ዝብሃል። ምኽንያቱ፡ እቲ ቃል ኣወ ዘይኮነስ እወ ስለ ዚኾነ። ስለዚ፡ እወታዊ። የቐንየለይ። ካብዚ ብምቕጻል ናብ ሕቶታትኩም ክሰግር፥
ፈለማ ግን ነዛ ብልክዕ መንነትን ኣገዳስነትን ቋንቋ ጽቡቕ ጌራ እትትንትን ጽሕፍቲ። ናይ ክቡር ሓውና ጸሃየ ክጠቕሳ ፍቐዱለይ? “There is no doubt that language is not just a communication tool. It is more than that. Language is an identity. Language is the hard drive or the store of a society’s custom and culture. “If someone loses his language, half of the person’s body/soul is dead,” said an Indian Canadian while discussing about the importance of keeping one’s own language. History also teaches us that language was often used to destroy the identity of other societies. It is amazing that there are some Eritreans who think language is nothing but a communication tool. Nothing is more idiotic than this line of thinking.” ብርግጽ እዚን ልዕሊኡን’ዩ ሞያ ቋንቋ ! ክብሪ ይሃብካ ክቡር ሓው ጸሃየ።
ክቡር ሓው መሰልውን ከምዚ ክብል ሕቶኡ ኣቕሪቡ ኔሩ፥
“1. ንስኹም ምስ ንስኻትኩም
2.ኢዩ ምስ እዩ
3.ደቂ-ኣንስትዮ ምስ ደቀንስትዮ
4.ኑክሌሳዊ ምስ ኑክሌራዊ
5.ይግበኣኒ ምስ እግበኣኒ
እናኣናጻጸርካ እስከ ትርጉሞምን ኣጠቓቕመኦምን ሓግዘና
ኣንነብዝፈልጦ
1. ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን —-ኣብዚ እዋን’ዚ ተባሂሉ ክእረም ኣለዎ
2. ሓዱሽ—–ኣብ ኣሰና ይኹን ኣብ ካልእ ወብሳይታት ንሓድሽ ዝብል ቃል ናይ ትግርኛ ተኪኡ ይረአ። ኣብኤርትራ ሓዱሽ ኣይንብልን ኢና
3. ብዝነገርናዮም ግዜ——–ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነገርናዮም ግዜ ተባሂሉ ይእረም”
ክቡር ሓው መሰል፡ ንስኹም ንጽል ኮይኑ ማለት ንሓደ ሰብ ዘመልክት ኮይኑ፡ንዓቢ ሰብን ንኣርካናትን (ብዕድመ፣ ብልቦናን ብሃብትን ተሰማዕነት ንዘሎዎምሰባት) መጸውዒ ኢና ንጥቀመሉ፤ ንስኻትኩም ድማ ንብዙሓት ኢና ንጥቀመሉማለት፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ። ብዙሕ ግዜ ክንሓዋዉሶ ንርአ ኢና። ብፍላይ ድማድምጻውያን፡ ኣብ ግጥሚ ክጥቀሙሉ ከለዉ ኣየነጽሩዎን’ዮም። ንኹሉ ንስኹምእዮም ዝብሉዎ። እዚ ግን ጌጋ እዩ። ኣብ መንጎ ኣቱምን ኣንቱምንውን ፍልልይኣሎ። ኣቱም ንብዙሓት ክንጥቀመሉ ከለና፣ ኣንቱም ድማ ንሓደ ኮይኑ ንዓቢ ሰብንኽብሪ ንጥቀመሉ።
“ኢዩ” ብሕጊ ሰዋስው ኣይጸሓፍን’ዩ ወይውን ኣይብሃልን’ዩ። እቲ ቅኑዕ “እዩ” እዩ።ምኽንያቱ፡ ቅድሚ ፊደል  ዚኣቱ ፊደል ኩሉ ኣብ ክንዲ ሳልስ ሳድስ ኪኸውን ስለ ዘለዎ። ስለዚ ኢና ድማ ኣብ ክንዲ ኢዮብ እዮብ፣ ከምኡውን ኣብ ክንዲ ኢያሱ እያሱ ወዘተ. እንብልን እንጽሕፍን።
“ደቂ-ኣንስትዮ ምስ ደቀንስትዮ” ወይውን “ጓል ኣነስተይቲ ምስ ጓለነስተይቲ ኣየኒኡ’ዩ ቅኑዕ?” ብወገነይ ክልቲኡ ቅኑዕ’ዩ ዚብል ርእይቶ’ዩ ዘሎኒ። ብክልተ ነግር ግን ካብ ደቂ ኣነስትዮ ደቀንስትዮ ምምረጽኩ። ቀዳማይ፥ ብብዝሒ ቃላት ቆጣቢ ብምዃኑ። ካልኣይ ድማ ኣቦ ዘይብለን ደቂ ኣንስቲ ስለ ዘመልክት። ደቀንስትዮ ግን ብዝያዳ ናይ ጾታ መፍለዪ ስለ ዚኾነ ንሱ ይምረጽ። ደቀተባዕትዮ ግን ኣይብሃልን’ዩ። ደቂ ተባዕትዮ እዩ እቲ ቅኑዕ። ኣብ ቋንቋ፡ ላዛውን ዓቢ ተራ’ዩ ዚጻወት።
“ኑክሌሳዊ ምስ ኑክሌራዊ” ኣብ ከምዚ ኩሉ ግዜ ካብ ግእዝ ኢኻ ክትብገስ ዘለካ። ናይ ኑክሌራዊ ግእዛዊ ቃል ከኣ ኑክሌር እዩ። ብኸምዚ ዚስዕብ ድማ ትቕይሮ፥ ነቲ ናይ መወዳእታ ፊደሉ ካብ ሳድስ ናብ ራብዕ ብምቕያር ዊ ትውስኸሉ፡ ኑክሌራዊ ድማ ይኸውን። ካልእ ኣብነት፥ ሃይማኖት ኢልና ን “ት” ናብ “ታ’ ብምቕያር ሃይማኖታዊ ንብል።
“ይግበኣኒ ምስ እግበኣኒ ኣየናይ እዩ እቲ ቅኑዕ?” ክልቲኡ ቅኑዕ’ዩ። ኣጠቓቕምኡ ግን ይፋላለ’ዩ። ይግብኣኒ ንብለሉ ግዜ እቲ ነገር ኣብ ነብስና ኪፍጸም ከሎ ጥራይ ኢና። ማለት “ይ” ንጥቀም። ይስምዓኒ፣ ይመስለኒ፣ ይፍተወኒ ወዘተ. ድማ ንብል፤ “እ” ኸኣ እፈትወኪ፣ እርኢ፣ እሰምዕ ወዘተ. ክንብል ከለና ንጥቀመሉ። ይርኢ፣ ይሰምዕ ወዘተ. ክንብል ኣይግባእን’ዩ።
“ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን —-ኣብዚ እዋን’ዚ ተባሂሉ ክእረም ኣለዎ” እዚ ክልቲኡ በበይኑ ስለ ዚኾነ ኣይተኻኻእን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ማለት ኣብዚ ህሞት’ዚ ማለት ኪኸውን ከሎ፤ ኣብዚ እዋን’ዚ ማለት ግን ኣብዚ ግዜ’ዚ ማለት’ዩ። ምኽንያቱ፡ ህሞት ማለት ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ወይ ድማ ቅጽበታዊ ኪኸውን ከሎ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ክንብል ከለና ግን ንወቕታዊ ስለ ነመልክት። ካልእ ኣብዚ ንእግረ መገደይ ክሕብረካ ዝደሊ፥ ንኣብዚ “ኣብ’ዚ” ኢልና ብጭረት ክንጽሕፎ ኣይግባእን’ዩ። ኣብ መንጐኦም ጭረት ክኣትዎም ዘይግብኦም ቃላት ኣብ ቀጻሊ ከብርህ ክፍትን’የ። ከምኡውን ተመሳሳልቲ ቃላት ብጭረት ክፍለዩ ኣይግባእን’ዩ። ንኣብነት፥ ኣብዚ ግዜ’ዚ ምጽሓፍ ጌጋ’ዩ። ተፈላልዩ ኣብዚ ግዜ እዚ ተባሂሉ ክጽሓፍ ኣለዎ።
“ሓዱሽ ዝብል ቃል ንሓድሽ ተኪኡ ይረአ” እወ። እዚ ግን ጌጋ’ዩ። ንሕና ሓድሽ ኢና ንብል።
“ብዝነገርናዮም ግዜ—–ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነገርናዮም ግዜ ተባሂሉ ይእረም” ልክዕ ኣለኻ። “ብዝነገርናዮም ግዜ” ብፍጹም ኣይበሃልን’ዩ። ዋላ ኣብ ዝነገርናዮም ግዜውን ኣባና ዝውቱር ኣይኮነን። ኣብ ክንዳኡ ምስ ነገርናዮም ወይውን ክንነግሮም ከለና እዩ ዝብሃል። ክቡር ሓው መሰል፡ ሕቶታትካ ብመጠኑ መሊሰየን ክኸውን ተስፋ እገብር።
ካብዚ ቀጺለ ናብ ሓው ሓጐስ ክሓልፍ። ሓው ሓጐስ ከምዚ ኪብል’ዩ ሓቲቱ፥ “Ita afla afle kikwin alewo zibeljayo gin silmtay kemu ilka mebrhi ziyada midelku. silemntay inte ilkani afla ane kemzfelta tirguma wey ane abziabeklu kebabi kemta iti getamay ab derfi nay tedros hagos tetekumla zelo eyu. afla nhade betsihi mensey wey mejmeryu nizgbuz zelo mesey ziglits eyu. silezi wey iti bikemu zitekemlu ekbaibi bimlue gega alo wey niska meliska trguma reaya. Wedhanka”
ክቡር ሓው፡ ሓደ ካብቲ ሃገራዊ መወከሲ ቋንቋ ዘድልየሉ ምኽንያት ከኣ እዚ ኣቐዲምካ ዝገለጽካዮ ጸገም ስለ ዘጋጥም’ዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብዘን ሰለስተ ተዛረብቲ ትግርኛ ዝቕመጡለን ኣውራጃታት ኤርትራ ዚዝውተር ቃላት ትግርኛ፡ ገሊኡ በበዞባኡ ስለ ዝፈላለ። ስለዚ፡ እዚ ዝበልካዮ ቅኑዕ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ዓዲ ምሉእ ተጋግዩ እዩ ክብል ኣይክእልን’የ። መበቈል’ቲ ቋንቋውን ኣብኡ ስለ ዚኾነ። ክልተ ነገር ግን ክብል እኽእል። ቀዳማይ፥ ብመሰረት “ዘመናዊ መዝገበ ቃላት ትግርኛ” ደራሲ ተክአ ተስፋይ፡ ብኸምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ’ዩ ተቐሚጡ ዘሎ። ካልኣይ ድማ ከምኡ እንተዘይኮይኑ ማለት ኣብ መንጐ “ኣፍለን ኣፍላን” ናይ ትርጉም ምትሕውዋስ እንተ’ልዩውን ብኸምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ መገዲ ትርጉሙ ኪፈላለ ኪኽእል ኣለዎ ዚብል ርእይቶ ኣሎኒ። ኣፍለ ማለት፡ ጎበዝ ወይ ድማ በጽሒ ኪኸውን ከሎ፣ ኣፍላ ማለት ድማ ፈለማ ወይውን ኣወል ተባሂሉ ኪንጸር ኣለዎ በሃላይ እየ። ክቡር ሓው ሓጐስ ኣነጺረልካ ክኸውን ተስፋ እገብር።
ናብ ሓው/ሓብቲ ትዊዳ ክሰግር። ሓው/ሓብቲ ትዊዳ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ/ላ ኔሩ/ራ፥ 
suggesting that we avoid or prefer one to the other. But don’t you think having many words (regardless of their origins) to express an idea or an object decreases ambiguity and increases understanding among the speakers (readers). For example , English language is said to have been greatly influenced by Latin not to mention that it has adopted many words from many other languages throughout history”
እንታይ ይመስለካ/ኪ ትዊዳ መተካእታ ዘሎዎ ቃል ሓሳብካ ንምግላጽ ጸገም ከምጽእ ኣይክእል’ዩ። ኣብ ቋንቋና’ኮ ኣዝዩ ብዙሕ ካብ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝረዓመ ባዕዳዊ ቃላት ኣሎና። ብፍላይ ድማ ንቴክኖሎጂ ኣብ ዝምልከት። ከምቲ ግቡኡ ግን ኣብ ሃገርና ብዛዕባ ሃገራዊ ክብሪ ዝግደስ መንግስቲ እንተዝህሉ ኔሩ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣቕሓ ወይ ባዕዳዊ ቃል ናብ ትግርኛ እናተርጐመ ናብ ህዝቢ መቕረቦ ኔሩ።
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ሎሚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብዘይካ ብስልጣኑ ብኻልእ ዚኾነ ይኹን ሓጀት (ጉዳይ፡ ውራይ) ዘይብል ጉጅለ’ዩ ስልጣን ብሒቱ ዝገዝእ ዘሎ። እዚ ፈንጊ’ዚ (ጉጅለ’ዚ) ኣብ ስልጣን ክሳዕ ዘሎ ኸኣ ኣብ ዚኾነ ጽላት ሃገርና ለውጢ ወይ ድማ ንቡር ክርከብ’ዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት’ዩ። ክቡር/ክብርቲ ሓው/ሓብቲ ትዊዳ፡ ተካኢ ንዘይብሎም ኣዝዮም ገለጽቲ ንዝኾኑ ቃላት መሪጽካ ናብ ቋንቋኻ ምርዓም ግን ቅቡል’ዩ። ኣብ ግእዝ ዘየለ ቃል ግን የለን። ምኽንያቱ፡ ግእዝ ኣዝዩ ሃብታም ቋንቋ ስለ ዚኾነ። ስለዚ፡ ቅሰን/ቅሰኒ። የቐንየለይ።
በሉ ካብዚ ቀጺለ ኸኣ ገለ ንደቀንስትዮ ዝምልከት ውርዙይ ቃላት ትግርኛ ወስ ከብለልኩም፥
ማመት= ውሕልነትን ጽባቐን ዝመልኣ ጓል ኣንስተይቲ
ኣዛሚት= ርግእትን ወረጃን ጓል ኣንስተይቲ
ወዛን= ሕብራን መልክዓን ጽብቕቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ምጭውቲ
ወሽፍ/ጐርዞ= ንዓቕመ ሄዋን ክትበጽሕ ዝጀመረት ጓል
ዋሕኖ/ዋሕዛ= ምልምል ቅርጺ ኣካላት ዘሎዋ ጓል ኣንስተይቲ
ደመት= ጽብቕቲ፡ ውቅብቲ፡ ምልክዕቲ፡ ቈንጆ ጓል ኣንስተይቲ
ዲፎ= ዘይምልክዕቲ ጓል ኣንስተይቲ፣ ክፍእቲ
ዓዳይት= ኣረሓሒቓ ድሕሪ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመት እትወልድ ሰበይቲ
ጻርያ= ጥንሲ ዘይብላ ሰበይቲ
ንየዋሃት ብምኽሪ፣ ንተረርቲ ልቢ ብበትሪ፣ ሻቦያ ኢልና ጓሓፍ ህግደፍ ነጽሪ!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 26/01/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
32 COMMENTS
  • Mesinas January 29, 2014

    ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን ሰላምን ክብርን ንኣኻትኩም ይኹን። ርእይቶታትኩምን ሕቶታትኩምን እከታተሎ ኣለኹ፡ ኣብ ግዜኡ ኸኣ መልሲ ክህበሉ’የ። ሕጂ ግን ሓንቲ ሕቶ ኣላ ናይ ሓውና ፍሳሃ ዘይበራሃትለይ። “awtar” እትብል ትርጉም ሂብካ ኢልካኒ’ሞ ኣበይን መዓስን ከም ዝበልኩዋ ስለ ዘይዘከርኩዋስ ኣበየነይቲ ናዕታ (ግጥሚ) ከም ዝበልኩዋዶ መዘከርካኒ ክቡር ሓው?

    • Fessaha January 29, 2014

      Kbur Haw Mesinas, yekeniyelley: Deliye k’hib’reka , ente zerekhebkua gin yiqreta e’hattit
      ms akhbrot
      hawka fessaha

  • OZ January 30, 2014

    ሓው መሲናስ
    ስለ እቲ እትገብሮ ኣበርክቶ እናመስገንኩ ካብ ጽሑፋትካ ገለ ትግርኛ ተማሂረ እየ. እመስግን ድማ። ኣብዚ ዚስዕብ ሓሳብካ ግና ርእይቶ ኣሎኒ.
    1. “…ምኽንያቱ፡ ቅድሚ ፊደል የ ዚኣቱ ፊደል ኩሉ ኣብ ክንዲ ሳልስ ሳድስ ኪኸውን ስለ ዘለዎ። ስለዚ ኢና ድማ ኣብ ክንዲ ኢዮብ እዮብ፣ ከምኡውን ኣብ ክንዲ ኢያሱ እያሱ ወዘተ. እንብልን እንጽሕፍን።” ኢልካ ኣሎኻ. ኣነ ከምዝፈልጦ ግና ኢዮብ፣ ኢየሩሳሌም፤ ኢየሱስ፤ ኢያሱ እዩ ዝበሃል. ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ከም መወከሲ እንተተወከስና ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ዚገልጽ። ኣብ ኣዘራርባ ካብቲ ጽሑፍ ከምዝፍለ ግና ኣይረሳዕክዎን.
    2. ኣብ ገለ ግጥምታትካ ድማ ኣነ ፈጺመ ዘይፈልጦም ናይ ትግርኛ ቃላት ኣለዉ. ንኣብነት
    ደማሒ= *መላኺ
    ገብሒ= *ብፍርሂ
    ፈያት = *ሸፋቱ
    ወዘተ ዝብሉ.

    ፈያት ዝብል ግእዝ እዩ. ቋንቋ ትግርኛ ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ካልእ ከባቢ ተዛማዲ ፍልልይ እኳ እንተለዎ ፈያት ዝብል ቃል ግና ኣብ ትግርኛ ክንጥቀመሉ ፈጺመ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን። ስለዝስ ዝኾነ ቃላት ካብ ግእዝ፡ ዓረበኛን ኣማርኛን ተለቂሕካ እዚ ትግርኛ እዩ ክበሃል ይከኣልዶ? ከመኡ እንተኾይኑ’ኸ ቃላት ካብ ሓደ ቋንቋ ናብ ትግርኛ ኣብ እትልቀሓሉ እዋን እንታይ ዓይነት ስሩዕ ኣገባብ ናይ ቋንቋ ኢኻ እትጥቀም?

    ፍቅርን ሰላምን!

    ደማሒ= *መላኺ (ፋርስ ኣርማ ፍትሒ, January 22, 2014)
    ገብሒ= *ፍርሂ (ፋርስ ኣርማ ፍትሒ, January 22, 2014)
    ፈያት = *ሸፋቱ (ፋርስ ኣርማ ፍትሒ, January 22, 2014)
    ወዘተ ዝብሉ.
    ፈያት ዝብል ግእዝ እዩ. ቋንቋ ትግርኛ ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ካልእ ከባቢ ተዛማዲ ፍልልይ እኳ እንተለዎ ፈያት ዝብል ቃል ግና ኣብ ትግርኛ ክንጥቀመሉ ፈጺመ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን። ስለዝስ ዝኾነ ቃላት ካብ ግእዝ፡ ዓረበኛን ኣማርኛን ተለቂሕካ እዚ ትግርኛ እዩ ክበሃል ይከኣልዶ? ከመኡ እንተኾይኑ’ኸ ቃላት ካብ ሓደ ቋንቋ ናብ ትግርኛ ኣብ እትልቀሓሉ እዋን እንታይ ዓይነት ስሩዕ ኣገባብ ናይ ቋንቋ ኢኻ እትጥቀም?
    ፍቅርን ሰላምን!

  • OZ January 30, 2014

    ሓው መሲናስ
    ስለ እቲ እትገብሮ ኣበርክቶ እናመስገንኩ ካብ ጽሑፋትካ ገለ ትግርኛ ተማሂረ እየ. እመስግን ድማ። ኣብዚ ዚስዕብ ሓሳብካ ግና ርእይቶ ኣሎኒ.
    1. “…ምኽንያቱ፡ ቅድሚ ፊደል የ ዚኣቱ ፊደል ኩሉ ኣብ ክንዲ ሳልስ ሳድስ ኪኸውን ስለ ዘለዎ። ስለዚ ኢና ድማ ኣብ ክንዲ ኢዮብ እዮብ፣ ከምኡውን ኣብ ክንዲ ኢያሱ እያሱ ወዘተ. እንብልን እንጽሕፍን።” ኢልካ ኣሎኻ. ኣነ ከምዝፈልጦ ግና ኢዮብ፣ ኢየሩሳሌም፤ ኢየሱስ፤ ኢያሱ እዩ ዝበሃል. ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ከም መወከሲ እንተተወከስና ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ዚገልጽ። ኣብ ኣዘራርባ ካብቲ ጽሑፍ ከምዝፍለ ግና ኣይረሳዕክዎን.
    2. ኣብ ገለ ግጥምታትካ ድማ ኣነ ፈጺመ ዘይፈልጦም ናይ ትግርኛ ቃላት ኣለዉ. ንኣብነት ኣብ(ፋርስ ኣርማ ፍትሒ, January 22, 2014)ዝብል ግጥሚ
    ደማሒ= *መላኺ
    ገብሒ= *ፍርሂ
    ፈያት = *ሸፋቱ
    ወዘተ ዝብሉ ቃላት ኣለዉ.
    ፈያት ዝብል ግእዝ እዩ. ቋንቋ ትግርኛ ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ካልእ ከባቢ ተዛማዲ ፍልልይ እኳ እንተለዎ ፈያት ዝብል ቃል ግና ኣብ ትግርኛ ክንጥቀመሉ ፈጺመ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን። ስለዝስ ዝኾነ ቃላት ካብ ግእዝ፡ ዓረበኛን ኣማርኛን ተለቂሕካ እዚ ትግርኛ እዩ ክበሃል ይከኣልዶ? ከመኡ እንተኾይኑ’ኸ ቃላት ካብ ሓደ ቋንቋ ናብ ትግርኛ ኣብ እትልቀሓሉ እዋን እንታይ ዓይነት ስሩዕ ኣገባብ ናይ ቋንቋ ኢኻ እትጥቀም?
    ፍቅርን ሰላምን!

  • Yemane February 1, 2014

    Hallo Mesinas,
    ‘errum Tigrigna’ is it a book?
    If so, where can I buy it?

    Yemane

  • Mesinas February 2, 2014

    ክቡር ሓው የማነ፡ ኣነ ካብ መጽሓፍ ኣይኮንኩን ዝጥቀም ዘለኹ። ካብ ነዊሕ ኣትሒዘ ብዛዕባ ቋንቋና ይግደስ ስለ ዝነበርኩ፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ጎይትኦም ጊለ ዝተባህለ ደራሲ ወይ ድማ ገጣሚ ዝገበሮ፡ ናይ ባዕሉ ገምጋምን ርእይቶን ብምሃብ “መባእታዊ ምዕሩይን እሩምን ቋንቋ፡ ንተጠቀምቲ ቋንቋ ትግርኛ!” ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ኣነውን ንእኡ ብምኽታል፡ ዋላ’ኳ ከምቲ ናቱ ኣይጽሓፍ’ምበር ንእኡ ብዝመስል ናይ ገዛእ ርእሰይ ገምጋምን ርእይቶን ብምሃብ’የ ካብ ኣኣምሮይ ንሓተትቲ መልሲ ዝህብ ዘለኹ። እታ ናይ ጎይትኦም ጊለ ዝጸሓፋ ብA4 ዝተታሕዘት 20 ገጽ ዘሎዋ ጽሕፍቲ ትኹን ካልእ ጽሑፋት ቋንቋ ትግርኛውን መወከሲታተይ እዮም። እንተደሊኻ ንሱ ናይ ኢ-ማይል ኣድራሽኡ ጌሩሉ ስለ ዘሎ ክህበካ’ሞ ለኣኸለይ ክትብሎ ትኽእል ኢኻ ይመስለኒ። ንእኡ ተወከሶ። (g.ghile@yahoo.com) እዩ ናይ ኢ-ማይል ኣድራሻኡ። ወደሓንካ።

    ሓውካ መሲናስ

  • Oz February 3, 2014

    ሓው መሲናስ
    ስለ እቲ እትገብሮ ኣበርክቶ እናመስገንኩ ካብ ጽሑፋትካ ገለ ትግርኛ ተማሂረ እየ. እመስግን ድማ። ኣብዚ ዚስዕብ ሓሳብካ ግና ሕቶታት ኣሎኒ.
    1. “…ምኽንያቱ፡ ቅድሚ ፊደል የ ዚኣቱ ፊደል ኩሉ ኣብ ክንዲ ሳልስ ሳድስ ኪኸውን ስለ ዘለዎ። ስለዚ ኢና ድማ ኣብ ክንዲ ኢዮብ እዮብ፣ ከምኡውን ኣብ ክንዲ ኢያሱ እያሱ ወዘተ. እንብልን እንጽሕፍን።” ኢልካ ኣሎኻ. ኣነ ከምዝፈልጦ ግና ኢዮብ፣ ኢየሩሳሌም፤ ኢየሱስ፤ ኢያሱ እዩ ዝበሃል. ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ከም መወከሲ እንተተወከስና ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ዚገልጽ። መልስካ እንታይ እዩ?
    2. ኣብ ገለ ግጥምታትካ ድማ ኣነ ፈጺመ ዘይፈልጦም ናይ ትግርኛ ቃላት ኣለዉ. ንኣብነት ኣብ(ፋርስ ኣርማ ፍትሒ, January 22, 2014)ዝብል ግጥሚ
    ደማሒ= *መላኺ
    ገብሒ= *ፍርሂ
    ፈያት = *ሸፋቱ
    ወዘተ ዝብሉ ቃላት ኣለዉ.
    ፈያት ዝብል ግእዝ እዩ. ቋንቋ ትግርኛ ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ካልእ ከባቢ ተዛማዲ ፍልልይ እኳ እንተለዎ ፈያት ዝብል ቃል ግና ኣብ ትግርኛ ክንጥቀመሉ ፈጺመ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን። ስለዝስ ዝኾነ ቃላት ካብ ግእዝ፡ ዓረበኛን ኣማርኛን ተለቂሕካ እዚ ትግርኛ እዩ ክበሃል ይከኣልዶ? ከመኡ እንተኾይኑ’ኸ ቃላት ካብ ሓደ ቋንቋ ናብ ትግርኛ ኣብ እትልቀሓሉ እዋን እንታይ ዓይነት ስሩዕ ኣገባብ ናይ ቋንቋ ኢኻ እትጥቀም?
    ንመልስካ እጽበ
    ሓውካ OZ

  • Oz February 3, 2014

    ሕቶታት ንሓው መሲናስ

  • Mesinas February 4, 2014

    ዝኸበርካ ሓው OZ ሕቶታትካ ተቐቢለዮም ኣለኹ፡ ኣብ ዝቕጽል ናይ ሕቶ መልስታተይ ከኣ ንኣኻውን መልሲ ክህበካ’የ። ምስቲ ካልእ ሕቶታት ብሓባር ክምልሶ ስለ ዝወሰንኩ’የ ብቐጥታ መልሲ ዘይሃብኩኻ። ብድንጓየይ ግን ይቕሬታ?

    ሓውካ መሲናስ

  • Senay February 12, 2014

    ዝኸበርካ መሲናስ፡
    እዛ ጀሚርካያ ዘለኻ ዓምዲ ኣዝያ ኣገዳሲትን መሃሪትን ኮይና ረኺበያ። ንስለ ተበግሶኻን ኣበርክቶኻን ከኣ ልዑል ምስጋናይ ይብጻሕካ። ኣነ፡ ዋላ’ኳ ኣፍልጦይ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ድሩት እንተኾነ፡ ተገዳስነተይ ግን፡ ከም ብዙሓት ሃገራውያን፡ ልዑል እዩ። ንጽሑፋትካ ከኣ፡ ካብታ ቀዳመይቲ ክፋል ኣትሒዘ ተኸታቲለየን። ብዙሕ ከኣ ተማሂረለን። ከም ካልኦት ብዙሓት ወሃብቲ ርእይቶ፡ ኣነ’ውን ርእይቶን ፍልይ ዝበለ ሓሳብን (መኣረምታን) ኣሎኒ’ሞ ኣኽብሮተይ ኣሰንየ ናባኻን ናብ ካልኦት ኣንበብትን አብሎ።
    1. ኣብታ ኣዎንታዊ ካብ ምባል እወታዊ ክበሃል እዩ ዘለዎ ዝበልካያ ዘረባን ዘስዓብካያ መብርሂትን ኣይሰማማዕን እየ። እዛ ኣዎንታዊ እትብል ቃል መዋእለይ ሰሚዐያ፡ ኣብ ብዙሕ ናይ ትግርኛ ጽሑፋት (እቲ ኣብ ሜዳ ዝፈረየ ከይተረፈ) ትደጋገም ቃል ከኣ እያ። ብኣንጻሩ ከኣ እዛ እወታዊ እትብል ቃል ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት እየ ክትዝውተር ዝሰምዓ ዘለኹ። ሓደ ናይ ቀረባ ብጻየይ በዛ ቃል ክንዘራረብ ከለና፡ “እንቛዕ ቀየርዋ’ምበር ኣምሓርኛ እኳ’ያ ትጥዕም” ኢሉኒ። ትግርኛን ኣምሓርኛን ሓደ ስለዝኾነ መበቆሉ ክመሳሰል ከምዝኽእል ርእይቶይ ሂበዮ። ልክዕ’ዩ ከምቲ ዝበልካዮ “እወ” እምበር “ኣዎ” ኣይንብልን ኢና። እዚ ግን ኣዎንታዊ ንከይንብል ከም መወከሲ ዝኾነና ኣይኮነን። ንወላዲትካ “ኣደይ” እምበር “እነይ/እኖይ” ኣብ ዘይበሃሎ ከባቢ ኢና “ሓትነይ/ሓትኖይ” እንብል።
    2. “ይግበኣኒ ምስ እግበኣኒ” ክልቲኡ ቅኑዕ እዩ ኢልካዮ። ኣብቲ ዝሃብካዮ ትንተና’ኳ ዝሰማማዕ እንተኾንኩ ኣብዛ ቃል’ዚኣ ግን “እ” ኣይንጥቀምን ኢና። ምኽንያቱ “እ” እንጥቀም፡ ናይቲ ተግባር/ፍጻመ በዓልቤት ኣነ ምስ እንኸውን ኢዩ። ኣነ እበልዕ፡ (እሰቲ፡ እጽሕፍ፡ እቃለስ …) ኣለኹ ክንብል ንኽእል። ኣብ “ምግባእ” እትብል ቃል ግን ኣነ ዝፍጽሞ ናይ “ምግባእ” ተግባር ስለዘየለ “እግበኣኒ” ክብል ኣይክእልን። ስለዚ “ይግበኣኒ” እዩ እቲ ቅኑዕ ኣበሃህላ። ንእግረመንገደይ ሓፈሻዊ መብርሂ ክህበሉ ፍቐዱለይ።
    • በዓልቤት ኣነ ምስ ዝኸውን እ/አ ንጥቀም (እበልዕ፡ እሰቲ፡ እጽሕፍ፡ አንብብ፡ አመስግን፡ …)
    • በዓልቤት ንሱ ምስ ዝኸውን ይ/የ ንጥቀም (ይበልዕ፡ ይሰቲ፡ የንብብ፡ የመስግን … )

    ሰናይ

POST A COMMENT