Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልሲ ንሕቶታት ኣንበብቲ ቁጽሪ ክተል፥

መልሲ ንሕቶታት ኣንበብቲ ቁጽሪ ክተል፥ ዝኸበርኩም ኣንበብቲ፡ ብመጀመርያ ሕውነታዊ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ ነቲ መብርሂ ንኽህበሉ ዝሓተትኩሙኒ ርእይቶታትኩም ክምልስ ፍቐዱለይ? “ርእይቶታትኩም ክምልስ ፍቐዱለይ?” ኢለ ሓቲተኩም ኣለኹ ልዕል ኢለ። መብዛሕትና ግን ብልምዲ፥ ኣብ ክንዲ ፍቐዱለይ ኣፍቅዱለይ ኢና ንብል። እዚ ግን

መልሲ ንሕቶታት ኣንበብቲ ቁጽሪ ክተል፥
ዝኸበርኩም ኣንበብቲ፡ ብመጀመርያ ሕውነታዊ ሰላምታይ ብምቕዳም፡ ነቲ መብርሂ ንኽህበሉ ዝሓተትኩሙኒ ርእይቶታትኩም ክምልስ ፍቐዱለይ?
“ርእይቶታትኩም ክምልስ ፍቐዱለይ?” ኢለ ሓቲተኩም ኣለኹ ልዕል ኢለ። መብዛሕትና ግን ብልምዲ፥ ኣብ ክንዲ ፍቐዱለይ ኣፍቅዱለይ ኢና ንብል። እዚ ግን ጌጋ’ዩ። ብኸመይ? ፍቐዱለይ ማለት ብቐጥታ ካባኻትኩም ዝሕተት ፍቓድ ኪኸውን ከሎ፤ ኣፍቅዱለይ ማለት ግን ንሳልሳይ ኣካል ፍቓድ ሕተቱለይ ማለት’ዩ። ስለዚ፡ መደረ ከነስምዕ ከለና ኾነ ክንጽሕፍ ከለና፡ ኣብ ክንዲ ኣፍቅዱለይ ንብል ፍቐዱለይ ክንብል በዚ ኣጋጣሚ ከተሓሳስብ እደሊ። ካለአይቲውን ምስዛ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዋ ትመሳሰል ኣላ፡ ንሎሚ ከተሓሳስባ ዝደሊ፥ ኣወንታዊ ትብል ቃል’ያ። ኣወንታዊ ኣይብሃልን’ዩ። እወታዊ እዩ ዝብሃል። ምኽንያቱ፡ እቲ ቃል ኣወ ዘይኮነስ እወ ስለ ዚኾነ። ስለዚ፡ እወታዊ። የቐንየለይ። ካብዚ ብምቕጻል ናብ ሕቶታትኩም ክሰግር፥
ፈለማ ግን ነዛ ብልክዕ መንነትን ኣገዳስነትን ቋንቋ ጽቡቕ ጌራ እትትንትን ጽሕፍቲ። ናይ ክቡር ሓውና ጸሃየ ክጠቕሳ ፍቐዱለይ? “There is no doubt that language is not just a communication tool. It is more than that. Language is an identity. Language is the hard drive or the store of a society’s custom and culture. “If someone loses his language, half of the person’s body/soul is dead,” said an Indian Canadian while discussing about the importance of keeping one’s own language. History also teaches us that language was often used to destroy the identity of other societies. It is amazing that there are some Eritreans who think language is nothing but a communication tool. Nothing is more idiotic than this line of thinking.” ብርግጽ እዚን ልዕሊኡን’ዩ ሞያ ቋንቋ ! ክብሪ ይሃብካ ክቡር ሓው ጸሃየ።
ክቡር ሓው መሰልውን ከምዚ ክብል ሕቶኡ ኣቕሪቡ ኔሩ፥
“1. ንስኹም ምስ ንስኻትኩም
2.ኢዩ ምስ እዩ
3.ደቂ-ኣንስትዮ ምስ ደቀንስትዮ
4.ኑክሌሳዊ ምስ ኑክሌራዊ
5.ይግበኣኒ ምስ እግበኣኒ
እናኣናጻጸርካ እስከ ትርጉሞምን ኣጠቓቕመኦምን ሓግዘና
ኣንነብዝፈልጦ
1. ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን —-ኣብዚ እዋን’ዚ ተባሂሉ ክእረም ኣለዎ
2. ሓዱሽ—–ኣብ ኣሰና ይኹን ኣብ ካልእ ወብሳይታት ንሓድሽ ዝብል ቃል ናይ ትግርኛ ተኪኡ ይረአ። ኣብኤርትራ ሓዱሽ ኣይንብልን ኢና
3. ብዝነገርናዮም ግዜ——–ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነገርናዮም ግዜ ተባሂሉ ይእረም”
ክቡር ሓው መሰል፡ ንስኹም ንጽል ኮይኑ ማለት ንሓደ ሰብ ዘመልክት ኮይኑ፡ንዓቢ ሰብን ንኣርካናትን (ብዕድመ፣ ብልቦናን ብሃብትን ተሰማዕነት ንዘሎዎምሰባት) መጸውዒ ኢና ንጥቀመሉ፤ ንስኻትኩም ድማ ንብዙሓት ኢና ንጥቀመሉማለት፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ። ብዙሕ ግዜ ክንሓዋዉሶ ንርአ ኢና። ብፍላይ ድማድምጻውያን፡ ኣብ ግጥሚ ክጥቀሙሉ ከለዉ ኣየነጽሩዎን’ዮም። ንኹሉ ንስኹምእዮም ዝብሉዎ። እዚ ግን ጌጋ እዩ። ኣብ መንጎ ኣቱምን ኣንቱምንውን ፍልልይኣሎ። ኣቱም ንብዙሓት ክንጥቀመሉ ከለና፣ ኣንቱም ድማ ንሓደ ኮይኑ ንዓቢ ሰብንኽብሪ ንጥቀመሉ።
“ኢዩ” ብሕጊ ሰዋስው ኣይጸሓፍን’ዩ ወይውን ኣይብሃልን’ዩ። እቲ ቅኑዕ “እዩ” እዩ።ምኽንያቱ፡ ቅድሚ ፊደል  ዚኣቱ ፊደል ኩሉ ኣብ ክንዲ ሳልስ ሳድስ ኪኸውን ስለ ዘለዎ። ስለዚ ኢና ድማ ኣብ ክንዲ ኢዮብ እዮብ፣ ከምኡውን ኣብ ክንዲ ኢያሱ እያሱ ወዘተ. እንብልን እንጽሕፍን።
“ደቂ-ኣንስትዮ ምስ ደቀንስትዮ” ወይውን “ጓል ኣነስተይቲ ምስ ጓለነስተይቲ ኣየኒኡ’ዩ ቅኑዕ?” ብወገነይ ክልቲኡ ቅኑዕ’ዩ ዚብል ርእይቶ’ዩ ዘሎኒ። ብክልተ ነግር ግን ካብ ደቂ ኣነስትዮ ደቀንስትዮ ምምረጽኩ። ቀዳማይ፥ ብብዝሒ ቃላት ቆጣቢ ብምዃኑ። ካልኣይ ድማ ኣቦ ዘይብለን ደቂ ኣንስቲ ስለ ዘመልክት። ደቀንስትዮ ግን ብዝያዳ ናይ ጾታ መፍለዪ ስለ ዚኾነ ንሱ ይምረጽ። ደቀተባዕትዮ ግን ኣይብሃልን’ዩ። ደቂ ተባዕትዮ እዩ እቲ ቅኑዕ። ኣብ ቋንቋ፡ ላዛውን ዓቢ ተራ’ዩ ዚጻወት።
“ኑክሌሳዊ ምስ ኑክሌራዊ” ኣብ ከምዚ ኩሉ ግዜ ካብ ግእዝ ኢኻ ክትብገስ ዘለካ። ናይ ኑክሌራዊ ግእዛዊ ቃል ከኣ ኑክሌር እዩ። ብኸምዚ ዚስዕብ ድማ ትቕይሮ፥ ነቲ ናይ መወዳእታ ፊደሉ ካብ ሳድስ ናብ ራብዕ ብምቕያር ዊ ትውስኸሉ፡ ኑክሌራዊ ድማ ይኸውን። ካልእ ኣብነት፥ ሃይማኖት ኢልና ን “ት” ናብ “ታ’ ብምቕያር ሃይማኖታዊ ንብል።
“ይግበኣኒ ምስ እግበኣኒ ኣየናይ እዩ እቲ ቅኑዕ?” ክልቲኡ ቅኑዕ’ዩ። ኣጠቓቕምኡ ግን ይፋላለ’ዩ። ይግብኣኒ ንብለሉ ግዜ እቲ ነገር ኣብ ነብስና ኪፍጸም ከሎ ጥራይ ኢና። ማለት “ይ” ንጥቀም። ይስምዓኒ፣ ይመስለኒ፣ ይፍተወኒ ወዘተ. ድማ ንብል፤ “እ” ኸኣ እፈትወኪ፣ እርኢ፣ እሰምዕ ወዘተ. ክንብል ከለና ንጥቀመሉ። ይርኢ፣ ይሰምዕ ወዘተ. ክንብል ኣይግባእን’ዩ።
“ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን —-ኣብዚ እዋን’ዚ ተባሂሉ ክእረም ኣለዎ” እዚ ክልቲኡ በበይኑ ስለ ዚኾነ ኣይተኻኻእን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ማለት ኣብዚ ህሞት’ዚ ማለት ኪኸውን ከሎ፤ ኣብዚ እዋን’ዚ ማለት ግን ኣብዚ ግዜ’ዚ ማለት’ዩ። ምኽንያቱ፡ ህሞት ማለት ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ወይ ድማ ቅጽበታዊ ኪኸውን ከሎ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ክንብል ከለና ግን ንወቕታዊ ስለ ነመልክት። ካልእ ኣብዚ ንእግረ መገደይ ክሕብረካ ዝደሊ፥ ንኣብዚ “ኣብ’ዚ” ኢልና ብጭረት ክንጽሕፎ ኣይግባእን’ዩ። ኣብ መንጐኦም ጭረት ክኣትዎም ዘይግብኦም ቃላት ኣብ ቀጻሊ ከብርህ ክፍትን’የ። ከምኡውን ተመሳሳልቲ ቃላት ብጭረት ክፍለዩ ኣይግባእን’ዩ። ንኣብነት፥ ኣብዚ ግዜ’ዚ ምጽሓፍ ጌጋ’ዩ። ተፈላልዩ ኣብዚ ግዜ እዚ ተባሂሉ ክጽሓፍ ኣለዎ።
“ሓዱሽ ዝብል ቃል ንሓድሽ ተኪኡ ይረአ” እወ። እዚ ግን ጌጋ’ዩ። ንሕና ሓድሽ ኢና ንብል።
“ብዝነገርናዮም ግዜ—–ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነገርናዮም ግዜ ተባሂሉ ይእረም” ልክዕ ኣለኻ። “ብዝነገርናዮም ግዜ” ብፍጹም ኣይበሃልን’ዩ። ዋላ ኣብ ዝነገርናዮም ግዜውን ኣባና ዝውቱር ኣይኮነን። ኣብ ክንዳኡ ምስ ነገርናዮም ወይውን ክንነግሮም ከለና እዩ ዝብሃል። ክቡር ሓው መሰል፡ ሕቶታትካ ብመጠኑ መሊሰየን ክኸውን ተስፋ እገብር።
ካብዚ ቀጺለ ናብ ሓው ሓጐስ ክሓልፍ። ሓው ሓጐስ ከምዚ ኪብል’ዩ ሓቲቱ፥ “Ita afla afle kikwin alewo zibeljayo gin silmtay kemu ilka mebrhi ziyada midelku. silemntay inte ilkani afla ane kemzfelta tirguma wey ane abziabeklu kebabi kemta iti getamay ab derfi nay tedros hagos tetekumla zelo eyu. afla nhade betsihi mensey wey mejmeryu nizgbuz zelo mesey ziglits eyu. silezi wey iti bikemu zitekemlu ekbaibi bimlue gega alo wey niska meliska trguma reaya. Wedhanka”
ክቡር ሓው፡ ሓደ ካብቲ ሃገራዊ መወከሲ ቋንቋ ዘድልየሉ ምኽንያት ከኣ እዚ ኣቐዲምካ ዝገለጽካዮ ጸገም ስለ ዘጋጥም’ዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብዘን ሰለስተ ተዛረብቲ ትግርኛ ዝቕመጡለን ኣውራጃታት ኤርትራ ዚዝውተር ቃላት ትግርኛ፡ ገሊኡ በበዞባኡ ስለ ዝፈላለ። ስለዚ፡ እዚ ዝበልካዮ ቅኑዕ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ዓዲ ምሉእ ተጋግዩ እዩ ክብል ኣይክእልን’የ። መበቈል’ቲ ቋንቋውን ኣብኡ ስለ ዚኾነ። ክልተ ነገር ግን ክብል እኽእል። ቀዳማይ፥ ብመሰረት “ዘመናዊ መዝገበ ቃላት ትግርኛ” ደራሲ ተክአ ተስፋይ፡ ብኸምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ’ዩ ተቐሚጡ ዘሎ። ካልኣይ ድማ ከምኡ እንተዘይኮይኑ ማለት ኣብ መንጐ “ኣፍለን ኣፍላን” ናይ ትርጉም ምትሕውዋስ እንተ’ልዩውን ብኸምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ መገዲ ትርጉሙ ኪፈላለ ኪኽእል ኣለዎ ዚብል ርእይቶ ኣሎኒ። ኣፍለ ማለት፡ ጎበዝ ወይ ድማ በጽሒ ኪኸውን ከሎ፣ ኣፍላ ማለት ድማ ፈለማ ወይውን ኣወል ተባሂሉ ኪንጸር ኣለዎ በሃላይ እየ። ክቡር ሓው ሓጐስ ኣነጺረልካ ክኸውን ተስፋ እገብር።
ናብ ሓው/ሓብቲ ትዊዳ ክሰግር። ሓው/ሓብቲ ትዊዳ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ/ላ ኔሩ/ራ፥ 
suggesting that we avoid or prefer one to the other. But don’t you think having many words (regardless of their origins) to express an idea or an object decreases ambiguity and increases understanding among the speakers (readers). For example , English language is said to have been greatly influenced by Latin not to mention that it has adopted many words from many other languages throughout history”
እንታይ ይመስለካ/ኪ ትዊዳ መተካእታ ዘሎዎ ቃል ሓሳብካ ንምግላጽ ጸገም ከምጽእ ኣይክእል’ዩ። ኣብ ቋንቋና’ኮ ኣዝዩ ብዙሕ ካብ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝረዓመ ባዕዳዊ ቃላት ኣሎና። ብፍላይ ድማ ንቴክኖሎጂ ኣብ ዝምልከት። ከምቲ ግቡኡ ግን ኣብ ሃገርና ብዛዕባ ሃገራዊ ክብሪ ዝግደስ መንግስቲ እንተዝህሉ ኔሩ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣቕሓ ወይ ባዕዳዊ ቃል ናብ ትግርኛ እናተርጐመ ናብ ህዝቢ መቕረቦ ኔሩ።
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ሎሚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብዘይካ ብስልጣኑ ብኻልእ ዚኾነ ይኹን ሓጀት (ጉዳይ፡ ውራይ) ዘይብል ጉጅለ’ዩ ስልጣን ብሒቱ ዝገዝእ ዘሎ። እዚ ፈንጊ’ዚ (ጉጅለ’ዚ) ኣብ ስልጣን ክሳዕ ዘሎ ኸኣ ኣብ ዚኾነ ጽላት ሃገርና ለውጢ ወይ ድማ ንቡር ክርከብ’ዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት’ዩ። ክቡር/ክብርቲ ሓው/ሓብቲ ትዊዳ፡ ተካኢ ንዘይብሎም ኣዝዮም ገለጽቲ ንዝኾኑ ቃላት መሪጽካ ናብ ቋንቋኻ ምርዓም ግን ቅቡል’ዩ። ኣብ ግእዝ ዘየለ ቃል ግን የለን። ምኽንያቱ፡ ግእዝ ኣዝዩ ሃብታም ቋንቋ ስለ ዚኾነ። ስለዚ፡ ቅሰን/ቅሰኒ። የቐንየለይ።
በሉ ካብዚ ቀጺለ ኸኣ ገለ ንደቀንስትዮ ዝምልከት ውርዙይ ቃላት ትግርኛ ወስ ከብለልኩም፥
ማመት= ውሕልነትን ጽባቐን ዝመልኣ ጓል ኣንስተይቲ
ኣዛሚት= ርግእትን ወረጃን ጓል ኣንስተይቲ
ወዛን= ሕብራን መልክዓን ጽብቕቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ምጭውቲ
ወሽፍ/ጐርዞ= ንዓቕመ ሄዋን ክትበጽሕ ዝጀመረት ጓል
ዋሕኖ/ዋሕዛ= ምልምል ቅርጺ ኣካላት ዘሎዋ ጓል ኣንስተይቲ
ደመት= ጽብቕቲ፡ ውቅብቲ፡ ምልክዕቲ፡ ቈንጆ ጓል ኣንስተይቲ
ዲፎ= ዘይምልክዕቲ ጓል ኣንስተይቲ፣ ክፍእቲ
ዓዳይት= ኣረሓሒቓ ድሕሪ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመት እትወልድ ሰበይቲ
ጻርያ= ጥንሲ ዘይብላ ሰበይቲ
ንየዋሃት ብምኽሪ፣ ንተረርቲ ልቢ ብበትሪ፣ ሻቦያ ኢልና ጓሓፍ ህግደፍ ነጽሪ!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 26/01/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
32 COMMENTS
  • Suleiman Salim January 27, 2014

    ብኸመይ? ፍቐዱለይ ማለት ብቐጥታ ካባኻትኩም ዝሕተት ፍቓድ ኪኸውን ከሎ፤ ኣፍቅዱለይ ማለት ግን ንሳልሳይ ኣካል ፍቓድ ሕተቱለይ ማለት’ዩ።

    Mesinas,

    I gree with you explanation. Do you think we should also say ” ‘za RADIO gda Aryeley – TO Aray RADIO. ” and ” ‘za RADIO gda nab Aray RADIO wesidka aAryeley – to a friend, relative …etc ” ?????

  • Suleiman Salim January 27, 2014

    ANOTHER EXAMPLE:

    EnCHeyti sbereley (baElKa) ….EnCHeyti asbreley ( n’abnet bSHEqalay gierka).

  • Suleiman Salim January 27, 2014

    “ይግበኣኒ ምስ እግበኣኒ ኣየናይ እዩ እቲ ቅኑዕ?” ክልቲኡ ቅኑዕ’ዩ። ኣጠቓቕምኡ ግን ይፋላለ’ዩ። ይግብኣኒ ንብለሉ ግዜ እቲ ነገር ኣብ ነብስና ኪፍጸም ከሎ ጥራይ ኢና። ማለት “ይ” ንጥቀም። ይስምዓኒ፣ ይመስለኒ፣ ይፍተወኒ ወዘተ. ድማ ንብል፤ “እ” ኸኣ እፈትወኪ፣ እርኢ፣ እሰምዕ ወዘተ. ክንብል ከለና ንጥቀመሉ። ይርኢ፣ ይሰምዕ ወዘተ. ክንብል ኣይግባእን’ዩ። — EXCELLENT!!

    ዲፎ= ዘይምልክዕቲ ጓል ኣንስተይቲ፣ ክፍእቲ —- When I was a kid I used to think that DIFO meant regwad, maEgwar ( difo qol’A = mCHwti,regwad,maEguar, nebsa meli’u nab mtHwswas zKede.)

    ኣፍለ ማለት፡ ጎበዝ ወይ ድማ በጽሒ ኪኸውን ከሎ፣ ኣፍላ ማለት ድማ ፈለማ ወይውን ኣወል ተባሂሉ ኪንጸር ኣለዎ በሃላይ እየ። ( ‘nda AFLE zbehalu seb akeleguzay yfelT niere)

    ብፍላይ ድማ ንቴክኖሎጂ ኣብ ዝምልከት። ከምቲ ግቡኡ ግን ኣብ ሃገርና ብዛዕባ ሃገራዊ ክብሪ ዝግደስ መንግስቲ እንተዝህሉ ኔሩ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣቕሓ ወይ ባዕዳዊ ቃል ናብ ትግርኛ እናተርጐመ ናብ ህዝቢ መቕረቦ ኔሩ። ( ab hagerna ‘ntay Aynet mengsti alo bzeyegeds, neza ” nsatom zeygebrwo ” tbl azerarba gedifna bebaElna kem TEKIE TESFAY gele zey ngebr? Hji nsKa ab weSa’i koyna ‘jamka zeytgebr? ‘ti zserHn zmeramern kab deqi hager ‘kwa ‘yu zmeS’ meAs kab BANGLADESH koynu:: )

  • ተወልደመድህን January 28, 2014

    ዝኸበርካ መሲናስ፡……………።ቋንቋ ትግርኛ እፈልጥ’የ እናበልካ ንትግርኛ ኣይተበላሹዎ። ……….፣ ሻቦያ ኢልና ጓሓፍ ህግደፍ ነጽሪ!……..ሻቦያ ናይ መን ቃል’ዩ።እንታይ’ከ የመልክት።ኣጸቢቕካ ክትርደኦ ይትስፎ።……ሳቦያ ዝብል ቃል ናብ ሻቦያ ዝብል’ዩ ተቐይሩ ይመስለኒ።ምናልባት ናይ ኣዘራርባ ይከውን ወይ ከኣ ከም ሓዲሽ ቃል ይተኣታቶ ይህሉ ይክውን።……..ግን ሳቦያ ዝበሃሉ ነገስታት ኢጣልያ ኔሮም’ዮም።ንሳቶም ብርቱዓት ስለዝነበሩ፡ኣብቲ ዘመን ንግስነቶም ንዝኮነ ብርቱዕ ነገር ንምዕዋቱ ከም መነሃሃሪ ትብዓትን ሓይልን ንምጥራይ ይጥቀምሉ።ን ኣብነት፡ሓደ ነገር ንምድፋእ….. ሶቮያ ይብሉ።ከም ሳቮያ ሃይሊ ይሃበና…….ማለትዩ።እዚ ኣዘራርባዚ ካብ መግዛእቲ ተወሪሱ ከም ቃል ትግርኛ ሰፊሩ ኣሎ።ስለዚ ጌጋ’ዩ።ኣብ ትግርና ብዙሃት ቃላት ጢልያን ኣትዮም ከም ናትና ጌርና ንጥቀመሎም ኣለው።ን ኣብነት፡…….ኡንኮ ይበሃል ብትግርና ብጢልያን unico፡ሚስጢር ንብል ብጥልያን misterio,ዋርድያ ብትግርኛ guardia, ከም ንብል ብትግርና come፡ ጋሊቡ ንብል ብትግርኛ ፡ብቋንቋ ጢልያን galoppa , ብትግርኛ ኮመደረ ንብል ብቋንቋ ጢልያን pomodero ,coperta ቋንቋ ጢልያን ብትግርኛ ኮቦርታ፡ብቋንቃ ትግርኛ ገበር ንብል ብእንግሊዝ ከኣ cover:ቋንቋ ትግርኛ ውንጅር ንብል ብቋንቋ ጢልያን ከኣ girino,ቋንቋ ትግርኛ ፍላንሳ ንብል ብቋንቋ ጢልያን finance,……ካልእን ዚ ኣመሰሉ ብ ኣስመራ ዘይኮነ ኣብቲ ርሑቕ ቁሸትን ሃገረ ሰብ ከም ቋንቋና ኮይኑ ንጥቀመሉ ኣሎና።ስለዚ ሻቦያ ከኣ ናይ ቋንቋ ጢልያን እሞ ከኣ መተካእታኣ ዝከውን ቃላር ከሎና ክትጥቀመላ ኣይግበኣካን።ካብ ጽሑፍካ ክትድምስሳ ከኣ ይላበወካ።

    • Suleiman Salim January 28, 2014

      kab kal’ot qwanqwatat qalat wesidka ms natka ademamSa asemamiEka natka mgbar newri aykonen:: The English and others have done the same thing to enrich their language.

      msTir zbehal qal kulu gizie ab TIGRIGNA znebere qal ‘yu:: mesHaq seb keytKewn dHri Hji kab Tlyan zwesednayo qal ‘yu ilka keytzareb HaderaKa::

      • ተወልደመድህን January 28, 2014

        ትግርኛ ሕጂ ትፈልጦ ዘሎካ ክብለካ ጽቡቕ ኣይኮነን ግን፡ኣብ ትግርኛ፡ኣብ ክንዲ ሚስጢር፡ሕቡእ’ዩ ዝበሃል።ቀጺለ ነቲ ካልእ ርእይቶካ ኣይሃብካሉን።ቀንዲ መጽሓፊ ብዛዕባ ሻቦያ ኢዩ።ነዚ’ውን ጎሲካዮ ሓሊፍካ።በታ ሓንቲ ጌጋ ዝቖጸርካያ ሚስጢር ተዋዚካ።ባህሪ ኤርትራውያን ኢዩ።ንሓደ ገጽ ምሉእ ብመብራህቲ ኣናድዮም ሃንቲ ቃል ምስ ሓንቲ ኣዳቒሎም ኢንቶ የውጽ ኡ’ሞ፡ሽዑ ንስካ ከምዚ ኢካ ከምቲ ይብሉ።ዘገርም ኣይኮነን።ካብ ንሃንቲ ቃል ኣምጺኣካ ብዛዕባ ሰብ ክስሕቀለይን ዘይስህቀለይን ካብ ምዝራብ ነቲ ካልእ ክትር ኢ ኔሩካ።ብዛዕባ ሚስጢር ሕጂ’ውን ኣጸቢቅካ ህሰበሉ።……ብዛዕባ ቋንቋታት ምድቓል ግን ናትካ ፍልስፍና’ዩ።ነቲ ካብ ካልእ ቋንቋ ካብ ተዳቕሎ ወይ ክተሀብትሞ ትጽዕር በቲ ቋንቋ ጌርካ ካልእ መጸውዒ ኣናድየሉ።ን ኣብነት ይጋልብ ኣሎ ካብ ምባል ይፋንን ኣሎ ክንብል ይግባእ።ሚስጢር ኣለዎ ካብ ምባል ገለ ነገር ሃቢኡ’ሎ ወይ ብሚስጢር ካብ ምስራሕ…ብሕቡእ ካብ ምስራሕ ክንብል ንኽእል።እንድዒ ንዓካ’ምበር ንዓይ ቋንቋ ትግርና ብዙሕ ክወልድ ዝኽእል ናይዝኮነ ይኹን መመላእታ ይኹን መማቐሪ ወይ መሀብተሚ ዘይደሊ ናቱ ዝከኣለ ቋንቋ ኢዩ።በቲ ቋንቋ ናይ ምዝራብ ድሌት ጥራሕ ይሃልወና።ኣብዚ ቅሩብ መኦኣልቲ ኣብ ዜና ትግረ እናሰማዕኩ፡ነቲ ናይ ወርሒ ማለት ኣብ ኡ ከሎ እቲ ናይ ፈረንጂ ክጠቅሶ ሰሚዐ።ምናልባት ኣብ ቋንቋ ትግረ መስከረም፡ጥሪ፡ሕዳር ይኩን ካልእ መጸወዒ ኣይህሉን ይከውን።ኣብዚ ግዜ’ዚ ዘይነበረ ካብ ምፍታር በቲ ዘሎ ምጥቃም ክሓይሽ ይኽእል።ኣብዚ ከኣ ናይ ካልእ ወሲኽና ነሃብቶሞ ይበሀል።ትግርኛ ግን በትግርና ጥራሕ ኣንተተዛሪብና ኢና ነሀብትሞ፡መማቕርቲ ዘየድልዮ ርእሱ ዝኸኣለ ቋንቋ’ዩ።እዚ ወድሃንኩ

        • ተወልደመድህን January 28, 2014

          መወሰኽታ ቅድሚ ሕጂ፡ሓደ ናይ ትግርኛ ኪኢላ፡………..ሚስጢር ሓቢኡ ኣሎ…..ዝብል ጽሑፍ ተቃዊሙዎ።ንሱ ሚስጢርን ሕቡእን ናይ ሓደ ነገር መግለጺ ሓደ ዓይነት ትርጉም ዘለዎም ኢዮም ማለቱ’ዩ።ስለዚ ብቋንቋ ጢልያን ሚስተርዮ ካብ ተባህለ ብትግርኛ ሚስጢር ካብ ተባህለ ወይ ጢልያን ካባና ቀዲሖሞ’ለው ወይ ንሕና ቀዲሕናዮ ኣሎና።እቲ ሕቡእ ዝብል ቃል ጽፉፍ ትግርኛ ምኳኑ ምርዳኡ ኣየጸግምን።

        • Suleiman Salim January 29, 2014

          Weldat,

          ywazeyka ‘ye niere:: nQuH seb’ay mKwanka slezfelT beta nSAVOYA zhabkala megleSit msaKa ysamamaE:: bzaEba msTir gn nsKa kem krstyan seb meTen ” msTire slasie ” zbehal amr semiEka aytfelTn aybln::

    • Meretse Asmelash January 28, 2014

      ዝከበርካ ሓው ተወልደመድህን፡
      መጀመርያ እዚ ኣብ ላዕሊ ጠቂስካዮ ዘሎካ ቛንቛ ተወራረስ ንስለ መሕለፊ ግዜ እንተ ደኣ ኮንዃ ጽሒፍካዮ ይቕረታ። ብዝተረፈ ጽሑፍ መሲናስ ወይ ቃላት መሲናስ ክትእርም ክትብል ነቲ ቛንቛ ትብድሎ ኣሎኻ። ስለ ዅሎም ዝጠቀስካዮም ቃላት ኣልዒለ ክዛረብ ግዜ ኣይፈቅደለይን ሕልናይ’ውን ዝቅበሎ ኣይመስለንን። ከም ኣብነት ግን ስለ እታ መጀመርያ ዝጠቀስካያ ቃል እስኪ ክዛረብ።
      መበቆል ኡንኮ ዝብለ ቃል ካብ ቛንቛ ጥልያን unico ዝብል ዝተወረሰ ክከውን ይክእል እዩ በሃላይ ኢካ። ከምቲ ዝብለካዮ ቛንቛ ተወራራሲ እዩ። እዚ ናትካ ኣብ ኮን ዶኮን ተመርዂስካ ዝገለጽካዮ ግን ስህተቱ ይበዝሕ።
      እንኮ ካብ ንጥልያን ንቛንቛ ሳሆ’ዶ ኣይቀርቦን። እኒክ (እንክ) ብቛንቛ ሳሆ ሓደ ማለት እዩ። ስለዚ ክጥዕመልካ ምናልባት መበቖሉ ምስ ቛንቛ ሳሆ ዝተኣሳሰረ ክከውን ይክእል እዩ ገዲፍካስ ናብ ስግር ባሕሪ እንታይ ኣንጠረካ? ዶ ዋላስ ካብቶም ብኢዶም ዝቀርቦምስ ብእግሮም ዝሓኹ ኢካ?

      • ተወልደመድህን January 29, 2014

        ብቋንቋ ክትዛረብ ኣናደለኻ፡ሕልና ዝቕበሎ ወይ ዘይቅበሎ ምኳኑ ከየለለኻ ምጽሓፍ ዓገብ።……ንሕና ከም ሃገርን ህዝብን ካብ ንፍለጥ ቅሩብ ግዜ’ዩ ኮይኑ።ኣብዚ ግዜዚ ከኣ ሳላ ህግደፍን ኣመራርሃ ኢሳያስን ታሪኽና ይኩን ቋንቋና ክንመራመረሉ ኣይከኣልናን።ናይ ቋንቋና ኣመዓባብላ ይኩን ኡንኮ ከመይ ኢላ ከምዝመጸት ወይ ካልእስ ይትረፍ ኣቲ ኣብውሽጢ 30-40 ኦኣመት ዝተገብረ ታሪኽ ቃልሲ ኣብኡዩ ተኦኣቢጡ ዘሎ።ስለዚ ኡንኮ ይኹን ካልእ ጽፉፍ መጽናዕቲ ኣይተገብረሉን።ንስካ ናብ ቋንቋ ሳሆ ኣቀራሪብካዮ።ከምቲ ኣነ ግምተይ ሚዛነይ ዝሃብኩሉ ኢዩ’ምበር፡100/100 ቅኑዕ ኣይኮነን ኣበሃህላካ።…….መረዳእታ ክህበካ።ኡንኮ ማለት ንሓደ ነገር ካልእ ከም ኡ ዚኣመሰለ ዘይብሉ ማለትዩ።ንኣብነት…..ኡንኮ ንሱ ጥራይ’ዩ ውላዳ …..ንብል ( ኣብዚ ምስቲ ኣብ ቋንቋ ጢልያን ዝጥቀምሉ 100/100 ይመሳሰል )ኣብ ቋንቋ ጢልያን ንሓደ ካብ ዓሰርተ ሰባት ፍሉይ ባህሪ ዘለዎ ( unico )ይብሉዎ።ካል ኣይ እንትዝህልዎ ነቲ ሰብቲ ብዩንኮ ኣይምገለጹዎን።ነታ ሓደ ውላድ ዘለዋ ሰብይቲ ካልእ ኔሩዋ ኣንተዝከውን ብ ኡንኮ ኣይምተገልጸን።ስለዚ ኡንኮ ኢልና ጀሚርና ክልተ ኣይንብልን ኢና።ንሕና ሓደ፡ክልተ ኢና ንብል……..ብቋንቋ ሳሆ ኢንክ ይበሃል፡ግን ኢኒክ ኢልካ ደው ኣይትብልን ናብ ኣዱሕ ኢኻ ትሓልፍ።ንቑጽሪ ዝጠቅስ ዘሎ ስለዝመሰለና ምስ ሓደ ነመሳስሎ ንከውን፡ግን ኡንኮ ክንብል ካብቲ ካልእ ብመልክዕ፡ብግዝፊ፡ብጠባይ……ፍልይ ዝበለ ምስዝከውን’ዩ።ስለዚ ኡንኮን ኢንክን ፍልልይ ኣለዎ።ብቁጽሪ ጥራሕ ክትርእዮ ከለኻ ሓደ ይምሰል ግን ንምንታይ ይገልጽ ምህላው ኣጸቢቕካ እንተተረዲእኪዮ ሃበረታ ክህበካ ይኽእልዩ።…………..ብኢዶም ዝቀርቦምስ ብእግሮም ዝሓኹ ኢካ?…….ንዝብል ጸርፊ ይኹን ወቐሳ ግን……….ከም ኡ ዓይነት ባህሪ ኔሩኒ ኣንትዝኸውን፡ክንደይ ምጠዓኹ ኔረ ይመስለካ።ሎሚ’ካ ኣብዚ ብዛዕባ ኡንኮን ሚስጢርን ኣይምተካታዕኩን።ኣነ ኮሞ፡ኮምዲኖ፡ላምፓዲና፡ኣምፑል፡ካፕረቶ፡ኮምብሽታቶ፡ፒያሳ፡ፒሳ፡ኤነትረ:ማርቻፐዲ…..ካልእ ኣይጠቐስኩን።ኣነ ነተን ፍጹም ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ስርግ ኢለን ዘለዋ ምስካልእ ዘመሳስላ ዝበልኩወን’የ ጽሒፈ።።

        • Meretse Asmelash January 29, 2014

          ክቡር ሓው ተወልደመድህን፡
          መጀመርያ ስለ እቲ ብትሕትና ዝጸሓፍካዮ ሓበሪታ የመስጋን
          ካብኡ ሓሊፈ ክብሎ ዝደሊ ነገር እንተሃልዩ ግን እዚ ዝስዕብ እዩ፡- ብቀዳምነት “እንኮ” ዝብል ቃል መበቖል ቃሉ ብዘይየገድስ ዕድምኡ ቅድሚ ጥልያን ኤረትራ ምእታዉ ከም ካልኦት ቃላት ገለ ክፋል ተዛራቢ ትግሪና ዝጥቀመሉ ዝነበረ ቃል እዩ። ስለዚ ምስ ቛንቛ ጥልያን ዘተኣሳስር የብሉን። ኣነ ምስ ቛንቛ ሳሆ እዃ’ዶ ኣይትብልን ዝበልኹ ቛንቛ ሳሆን ትግሪናን ማዕረ ዝዛረብ ክፍሊ ሕብረተሰብ ስለ ዘሎና እዩ። ማለት ንምፍላጥ ካብ ተበገስካስ ነታ ቃል ኣዝዩ ዘዘውትር ከባቢ ቅድም ዘይዳህሰስካ ዝብል ሓሳብ ከቅርብ ስለ ዝሓረኹ እየ ወስ ኣቢለያ።
          ቀጺልካ- ኣብ ሕምብርቲ ጽሑፍካ ከም መብርሂ ይጠቕምዩ ኢልካ ዝሓሰብካዮ ሓሳብ ከምዚ ክትብል ጽሒፍካ …. “ብቋንቋ ሳሆ ኢንክ ይበሃል፡ግን ኢኒክ ኢልካ ደው ኣይትብልን ናብ ኣዱሕ ኢኻ ትሓልፍ”። ሓቤረታካ ጽቡቅ ኔሩ ግን ዘሊልካ። ብኣቆጻጽራ ሳሆ ወይ ኣፋር ኢኒክ..ላማ..ሱዱሕ..ፈረይ እናበለ እዩ ዝከይድ።
          ስለዚ ሕጂው’ን ነቶም ብርግጽ ዘይነለልዮም ቃላት ንከለልይዎም ዝክእሉ ኣካላት እንተገዲፍናሎም ዝሓሸ ኾይኑ ይስመዓኒ ክብል ይመርጽ። ብዝተረፈ ስለቲ እንኮ እትብል ቃልን ኣጠቃቕመኣን ግን ፍልልይ የብለይን ምሳካ፣ እዃ ደኣ ምወሰዅልካ።
          ኣብ መጨረሻ ብዛዕባ እታ “ላምስ ብእግራ ክቀርባስ ብእግራ ትሓክክ” ኢለ ዘቅረብኹዋ ሓሳብ “እንኮ” ምስ “እኒክ” ክህልዎ ዝክእል ዝምድና ዘሊሉስ ምስ ናይ ስግር ባሕሪ unico እንታይ ኣቃረቦ ክብል ዘምጽእክዎ ሓሳብ እምበር ንዓካ ክዝልፍ ወይ ክወቕስ ዝመረጽኹዎ ሓረግ ኣይነበረን። ስለ’ዚ ብጌጋ እንተተረዲእካያ ይቕረታ!

    • Twida January 28, 2014

      Dear ተወልደመድህን , your statement that “ሳቦያ ዝብል ቃል ናብ ሻቦያ ዝብል’ዩ ተቐይሩ ይመስለኒ።” suggests that you are not sure of yourself. Needless to say, you are not sure whether ” ሳቦያ” has been adopted from a similar Italian language. Emphasis is mine.

      • ተወልደመድህን January 29, 2014

        ኣብ ዘበን ህግደፍን ቃልስን ብርእሱ ዝተኣማመን ኤርትራዊ ዓብዩ ክብል ኣይክእልን።ምኽንያቱ ቀዳማይ ትምህርቶምን ዘሎካ ደምሲስካ ንዓታቶም ክትመስል፡ነቲ ዚበልዎ እንተዘይደጊምካ፡ሕሉፍ ሃሊፉ ቃላት ሃለፍቲ ከይነከካ ከይወሰካ ዘይትደግም እንተኾንካ ተጠርጢርካ ኢካ ደሃር ትንጸል።ነዚ ኩነታትዚ ኣጸቢቑ ዝተኦኣዘበ ሰብ ከኣ ምእንቲ ሰላም ክረክብ፡ክብሩ ክሕሉ ልቡዝልቡ’ዩ ንዝበልዎ’ዩ ዝደግም።ብከምዚ ዝተጀመረ ከኣ ቀስ ኣናበለ ናብ ልምዲ ይሃልፍ’ሞ ንባህርካ ይጸልዎ።ድሕሪ ባህሪ ከኣ ዕድልካ’ውን በዚ ይወሰን።ኣዚ እቲ ሓፈሻዊ ኣብ ኣኤርትራውያን ዘሎ ባህሪ’ዩ።…..ግን ኣነ ንርእሰይ ብከም ኡ ኣይርእያን’የ።ከም ኡ ዝርእያ ኣንተዝከውን፡……ከይብሉኒ…..ክጸርፉኒ’ዮም…… ካባይ ዝሕሹን ዘይሕሹን መመሰሊ ክገብሩኒ ኢለ ኣይምጸሃፍክሉን…….ወይ ከኣ ብጌጋይ ከይስሕቁለይ ፈሪሀ ሽመይ ሃቢ አ ሳጓን ቅጽልን ኣይምተጠቀምኩን።ኣነ በቲ ዘሎኒ ይተኣማመን፡ዘይብለይ ከኣ ቀስ ኢለ ክበጽሖ’የ ዘይበጽሆ ከኣ ቻው፡ሕንቋዕ ጥራህ ብህይወተይ ከለኩ ዝኽእሎ ገበርኩ’ምበር።…………“ሳቦያ ዝብል ቃል ናብ ሻቦያ ዝብል’ዩ ተቐይሩ ይመስለኒ።” እዚ ጽሑፍዚ ምስፋረይ ምስ ሰባት ኣብ ንረዳደኣሉ ግዜ ትሕት ኢልካ፡እንድዒ ን ኣኻ’ምበር ንዓይስ ከምዚ ይመስለኒ ኣናበልካዩ ዝሕለፍ።ኣዚ ብመንገዲ ምክብባር ማለት’ዩ።ኣብ በረካ ን30 ኦኣመት ካብ ኅብረትየሰብ ተፈልዩ ካብ ዝጸንሀን ካብዚ ዚተወለደን በዚ ኣካልዚ ዚተማህረ ወለዶ ኣብዘለወሉ ግዜ፡ትኽ ኢልካ ተጋጊኻ ክትብሎ ተር ኢልካ ናብ ኩናት ምእታው ማለትዩ።ንስካ’ካ ነፍሰይ ምትሃት ገይርካ ወሲድካዮ።ዝኾነ ኮይኑ ንኩሉ ጉዳይ ወዮ ኢና።ዝሑል ኣንተረከብና ውዑይ ንደሊ።ውዑይ ኣንተረኽብና ዝሑል ንደሊ……ኣዚ ኩሉ ኣብ ሃንጎልና ክውገኑ ቅርጾምን ኣንፈቶምን ክህዙ ዝግበኦም ኮምፕሊኬት ዝኾኑ ኣተሃሳስባ ንውንን ኮይናን ኢዩ ዝረኣየኒ ( ንርእሰይ ወሲከ )ልክዕ’ዩ ከኣ 30 ዓመት ዘይቅኑዕ ምህሮ፡ዘይቅኑዓት መማህራን፡20 ዓመት ነጻነት ዘይቅኑዕ ምምሕዳር ዘይቅኑዓት ኣመሃደርቲ ዝብልዎ ክንሰምዕ ዝተደናገረ ኣረኣእያ ክህልወና ይኽእል። ኣብ ሃደ ኅብረተሰብ ዞኣብዩ ወለዶ ቅድም ካብ ስድራ ቀጺሉ ስድራቤት ማለት ኣዝማድ ድሕሪኡ ከባቢ ዓዲን ኅብረተሰብን ቀጺሉ ከኣ ካብ ትምህርቲ ዝረከቡዎ ምኽሪ ማዕዳን ኣተሃሳስባ ይወርሱ።ነቲ ዘለዎም ናይ ቁልዕነት ባህሪ ኣናጸፈፍዎን፡ነቲ ኣሉታዊ ኣናጋሃፉ ጸጽቡቁ እናወረሱ ይመጹ።ኣብ መወዳኣታ ጽፉፍ ኣረኣኣያ ክንብሎ እንተዘይከኣልና ዝተቀራረበን ዝኄሸ ኣረኣእያ ይህዙ።ዝተረፈ ከኣ ኣብ መስርህ የመሃይሹዎ።ንሕና ግን ኣዚ ኣይረከብናዮን።ወለድና ድሑራት ኢልና ኣይሰማዕናዮምን፡ትምህርቲ ስራህ ብንህዘሉ’ምበር ኅልናና ብዝህነጸሉ ኣገባብ ኣይሃዝናዮን።ኣብ ቃልሲ ተሳቲፍና ብሰንኪ ፍርሂ መራሕቲ ምስ ብጻይና ክንሰላለ ንብጻይና ንድህለሉን ንነቕፈሉን ካለት ጥራሕ ኢና ኣጥሪና።ልክዕ ከምታ ኣብ ሃንቲ መስርዕ ዚነበረ ግርጭት ሎሚ ኣብ ኅብረተሰብ ከኣ ነንሕድህዱ ምትኹኳብ’ዩ ነጊሱ ዕድመ ንህግደፍን ንካድራትን….

  • gambler January 28, 2014

    Please all do not try to fix the tigrigna language from afar, because you, your self have forgeten the tigrigna language. no boby can say this is the correct tigrigna or not. the three Eritrean Provinces who speak the language though is it is much the same, but we have some distinct difference in some areas, so how can you say this is correct and this is wrong. untill some kind national commuty chosen and make the language standardize and come up with some recommendation or referal book or dictionary and make the language with one common understanding workable for all.Till then don’t say this is correct this not correct you can say this but you can’t that. Language can’t be fix by a single author or writer. Thanks

  • Suleiman Salim January 28, 2014

    mesinas,

    awrajawnet gedifka nfuE temaramari nay qwanqwa iKa:: dro ane kabaKa gele temahire aleKu::

  • ERITRAWIT January 28, 2014

    Suleiman Salim,
    What is wrong with you u don’t have awraja why are you more concern about it? even u have different view among us but u were funny so please come back to u old comments. I am glad you are learning so do I lets enjoy our Language good work Mesinas hawna.

    • Suleiman Salim January 29, 2014

      zKeberki Haftey ( Hawtey is more correct because Haw is MALE and Haw+ti is FEMALE) Eritrawit,

      You are a nice person.

  • msgna January 28, 2014

    qanqa tgirigna nfelt ena endabelkum nay gezakum tigrigna hakegna ketemslu hrdg tblu kes belu kem bzey lugam zgalb feres aytkunu

  • Fessaha January 28, 2014

    Dear Mesinas
    I always marvel at your Tigrinia language ability and thank you for reviving this healthy debate about it.
    I would like to have your opinion on the respectful addressing of elders (akhbrot qal): Nisikhum. Where did the Bihere Tigrinia get this in addressing form for the elders? This kind of akhbrot qal does not exist in Geez or Arabic ? Certainly it doesn’t exist in Tigrayit.Are we perhaps copying from the nobility-minded neighbors in the south?

    My other observation is in one of your poems you mentioned “awtar” . I thought you gave it a meaning I do not agree with, which I forgot. Doesn’t “awtar” mean “strings” like “awtare mesenko” in Geez?

    As always, thank you Mesinas for your brilliant initiative
    Hawka Fessaha

    • Suleiman Salim January 29, 2014

      nay aKhbrot qal ab kem beAl nay aspanyan germenn kal’ot Germanic languages zre’e ter’yo ‘yu:: ab English dma ngusawi nHna zbehal aTeQaQma alo:: ab Areb ‘wn yelon knbl aynK’ln ina::

  • Simon G. January 28, 2014

    It would be nice if Mesinas can add the location of where most of these words used.

POST A COMMENT