Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

UPDATED:Voice of Assenna: Eritrean Stars are Missed Big Time ! – Saturday, July 12, 2014

https://www.youtube.com/watch?v=KzhzoTCPEhc&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • Meretse Asmelash July 12, 2014

    ኮዋኽብቲ ኤረትራ ሎሚ እንተዝህልዉስ እንታይ ኮን ምበሉ?

    ምዃንኻ እዚ ተሪፍዎም ዝበሃሉ ኣይኾነን
    ግን ጸማም ህዝቢ ስለ ዝሃቦም እንታይ ክገብሩ? ዝሃቦም ተቀቢሎም ከምዚ ዝስዕብ መዝሙር ክደጋግሙ ምዋዓሉ ኾይኑ ይስምዓኒ ፡-

    ሓለፍቶም ዃዃዅቶ ሰዓብቶም ደንደር
    ጣዕሞም ዝጨረሹ ዅሎም ሓደ ዒደር
    እዚኦም ከሎዉ ደቂስካ ነይሕደር
    ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ኣይትሕደር
    ሓፋሽ ህዝብና ተንስእ ተባራበር
    ዓዲ ዘጥፍእ እንክባራዕ ሓሰር

    ፈንጠዛ ናይዚኦም ምባል ሸቶ ሸቶ
    ፈውሲ ኣብ ኢዳክ ኣላ ናይ ሕማም በላዒቶ
    ዃሕ ትበል ጭጉራፍካ ንኹሉ
    እንዳበሉ ምዘመሩ ኔሮም ኾይኑ ይሰመዓኒ !!!

    ምጕዳል ኣይፈቅድን። ምውሳክ ግን ይከኣል’ዩ

    • MightyEmbasoyra July 15, 2014

      Very nice Poem, Ato Meretse!!!

  • Meretse Asmelash July 12, 2014

    ይቅረታ፡ መአረምታ
    ፈውሲ ኣብ ኢድካ ኣላ ናይ ሕማም በላዒቶ
    ዃሕ ትበል ጭጉራፍካ ንኩሉ ተልዕቶ

  • Mesinas July 13, 2014

    ይበል ናዕታ ሓው መረጸ ኣስመላሽ። ቀጽሎ።

    ዚኾነ ይኹን ስነ ጥበበኛ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኪኸውን ባህርያዊ ጥራይ ዘይኮነስ ግዴታውን እዩ። ምኽንያቱ፡ ፍርያትካ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ስለ ዚኾነ በቲ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ዚሳቐ ዘሎ ውጹዕ ህዝብኻ ብሓሶት ኪትሽቅጥ ነውሪ ጥራይ ዘይኮነስ ዘሕፍርውን ስለ ዚኾነ! ስለዚ፡ በሃር ድምጻዊ ኣቦ ዜማ ሃገር ኣተወብርሃን ሰጊድ፡ ኮዋኩብቲ ድምጻውያን የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ)፣ ዑቁባጋብር ገ/ትንሳአ፣ ኢድሪስ መሓመድ ዓሊ፣ ኣብርሃም ኣፈወርቅን ካልኦትን እቲ ኪኸውን ዘለዎ ቅኑዕ ስጉምቲ ስለ ዝወሰዱ’ዮም ብጽቡቕ ዝዝከሩ ዘለዉ። ስለዚ፡ ኣገናዕ ደቂ ህዝቢ ክብሃሉ ግቡእ’ዩ። በዚ ድማ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ ኪምስገን ይግብኦ። ንሕናውን ወጽዓ ህዝቢ ኪንጻወሮ ስለ ዘይከኣልናን ሕልናናን ሞያናን ስለ ዘይፈቐደልናን ኢና’ምበር ህግደፍ ፈቲዩና ዘይኮነስ መጋበርያ መታን ክገብረና ኢሉ ኡፉኡፍ እናበለና ኢና ራሕሪሕናዮ ኣብ ጎድኒ ፍትሕን ህዝብን ተሰሊፍና ዘለና።

    ድምጻውያን ኤርትራ ዓቢ ንእሽቶኹም
    ንስኻትኩም እኮ ጓሶት ህዝቢ ኢኹም
    ብምልኪ ክሳቐ ኣብ ማሕዩር ህዝብኹም
    ፍንጭራዕ ክትብሉ ልግዐኡ ሰቲኹም
    ብጓይላን ደበላን ተጥፍእዎ ኣለኹም!

    ህዝቢ ኣብ ቀይዲ ከሎ ከይዕንገል ሰሪሑ
    ንግሆ ምስ ቆረሰ ዘይረክብ ምስሑ
    ቆፎኡን መሶቡን እንከሎ ጥርሑ
    መዘምራን ህግደፍ ብሓሶት ክትረብሑ
    *ጦብያ ናይ መላኺ ኣብ መድረኽ ክትነፍሑ *ኣብ ዓለም ዘየሎ ኣእምሮ ዝቐረጾ ጽቡቕ ነገር
    ሽሻይ ኣሎ ትብሉ ከም ሑጻ ምብዝሑ!

    ንብዓት ማይ ወዲኡ ህዝቢ ደም ነቢዑ
    ኣእዛኑ ኣጽሚምኩሞ ከበሮ ክትወቕዑ
    ውሑዳት ሰብ ዕጫ በይንኹም ክትበልዑ
    ኣብ ጸላም እንከሎ ህዝቢ ተወጺዑ
    ብርሃን ኮይኑ ኢልኩሞ ባና ተወሊዑ!

    ካብ ሓደጋ ጥሜት’ወ ከድሕና ንነብሲ
    ንቑጽ ባኒ ኣብ *ውጩ ጠሚዑ ኪዃሲ *ብማይን ብበርበረን ጥራይ ዝስራሕ ጸብሒ ድኻታት
    ኣብታ መረበቱ ኣብ ጸላም ከምሲ
    ጐርዞ ግን ኣብ መድረኽ ምልኪ ክትውድሲ
    ሓሊፉሉ ኢልክዮ ሽሻይ ኮይኑ ራሕሲ!

    “ፍረ ጻማ ናይ ዓወት ትክክል’ዩ እቲ ዘረባ
    ጻማና’ዩ እዚ ራህዋ ንንበሮ ብዓጀባ
    ዘይውዳእ ሓጐስ ዘይረግፍ *ሕዮባ *ጻዕዳ ዕምባባ ዘሎዎ ገረብ
    ትሃንና ነውጽእ ነኹድደሉ’ዚ ከብከባ!”

    ይብለና’ሎ ህግደፍ ብልሳን ኣባጊዕ
    ልብና ኣጐምጅዩ ቀልብና ኪዘርዕ
    ኣብ ጥሙይ ከብድና ከስዐና ከጉስዕ
    ተላሃዩ ኢሉና ክንዘልል ክንስዕስዕ!

    ድምጻውያን ሃገርና ሓቂታት ንገሩ
    ንውልቀ መላኺ ኣይትቀባጥሩ
    ደጊም ነቒሉ እዩ ናብታ መቓብሩ
    ብኣረጊት *ባልዋ ኣብ ራዕዲ ኣይትንበሩ *ኣርሓ መፍለስ
    ከምቶም ሓርበኛታት ወትሩ ክትዝከሩ
    ህዝቢ’ዩ ነባሪ ምስ ህዝብኹም ሕበሩ!

    ስቓይና ክድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 13-07-2013

  • ERITRAWIT July 13, 2014

    ASSENNA VOICE FOR VOICE LESS!!!!!!!
    Yehwat kulukum ab Asenna b radione b sehfen teberktwo zelekum kelel aytraywo Ajokum keselwo ezey Gebel maltew akela eya.
    Thank you!!!!!!!!!

  • Asmara Eri July 13, 2014

    ዝኸበርካ መሲናስ
    መቸም ኣነ ፍሉይ ትዕድልቲ ናይ ዝኾነ ነገር ዘለዎ ሰብ ማለት ገጣማይ፡ሰኣላይ ወዘተረፈ ከምይ የቕንኣኒን የድንቖን መስለካ። ግን ቅዱስ ቅንኢ። ሕጂ ከኣ ንዓኻ መቸ ክገልጸካ ቃላት ዝረኽበልካ ኣይመስለንን። ከምቲዝብልዎ ግን simply magnificent and smart. ከየበላሽዎ፡ ቀጽሎ ጥራይ ኢየ ዝብለካ።
    ካብ ደላይ ፍትሒ ሓውኻ፡

  • Berhe Tensea July 13, 2014

    This people or the so called actors and singers are just tools of the dictator. It is very hard to describe these people as artists. Artists in our world are engaged in enlightenment and liberation of the people. One example of that is Bob Marley.
    Most of the actors and singers that are attending the festival will have a black history that can not be reversed or excused.

  • sara gual ertra July 13, 2014

    THANKS assenna
    altro ke guayla lomi nhizbna
    kemzom kowakbti dimtsawyan deguAA (nay sikay mezmur,
    mistw’Al zihb mel’ekti)
    u zedli

    9

    9

    9
    iyu zedli

  • sara gual ertra July 13, 2014

    ezen 9 bgega iyen ykreta
    biherat eritra dokon ykona

    • Denden July 14, 2014

      Biherat Eritra 9 tray eyen. Tishiaten tishiaten tray keme tinsi wedi seb

  • Mulgeta July 13, 2014

    Thanks you for all ur efforts Assena group. I think it is effective when one presents oneself in simple, entertaining and inclusive pattern. I believe you r doing ur best. I always wonder though what more should be done to gain all those who are against PFDJ but chose to be silent, I believe they are a good number of people, and once we win them we can guaranty our success. I have never been worried about those who are supporting the repressive and idiot PFDJ blind foldedly because they are nonsense and can be silenced once the power shifts to our side.

  • Dala Ksha July 14, 2014

    Mesina
    you are great,good job,you are the best tigryna poem writer so far,I write poem to but still I am learning a lot from you.I have written a book in tigryna in 1998 I always give my moral support to any Eritrean writer because we have a lot of story to be writen

    • selamawit2 July 14, 2014

      “we have a lot of story to be writen”
      well said Dala Ksha, the Eritrean people has endless stories to be written.

POST A COMMENT