Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Voice of Assenna: Daily News – እዋናዊ ዜና – Thursday, Jan 19, 2017

https://www.youtube.com/watch?v=9mine9LTnf8&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Desalegn January 19, 2017

    ወራር ራያና ዓዘቦ (ኣግኣዝያን)ኣብ ልዕሊ ኤርትራ 1975

    ስርዓት ደርግ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣዚዩ ኣስጋኢ ኮይኑ ስለዝረኸቦ ህዝቢ ኤርትራ ፍጹም ንምጽናት ወፍሪ ወራር ራያና ዓዘቦ (ኣግኣዝያን)ኣብ 1975 ኣካይዱ። ወፍሪ ወራር 1975 ማእለያ ዘይብሉ ብኣሻሓት ዝቑጸር ህዝቢ ራያ ኣወዳትን ኣንስትን ዘካተተ እዩ ኔሩ። ወራር ራያ ብክልተ ክንፊ ማለት ብከተማ ሽረ እንዳስላሴን ብከተማ ዛላንበሳን ንኽካየድ ተኣሚሙ እኳ እንተነበረ ብሸንኽ ሽረ እንዳስላሴ ተሓሲቡ ዝነበረ ኩነታት ስለዘይጠዓመ ወራሪ ሓይሊ ካብ ሽረ ናብ ምስ ግንባር ብከተማ ዛላንበሳ ዝነበረ ወራሪ ሓይሊ ብምጽምባር ወራሩ ከካይድ ወሲኑ። ወራሪ ሓይሊ ራያና ዓዘቦ (ኣግኣዚያን) ትሕዝቶ ዕጥቁ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል ኔሩ፥ ደቂ ተባዕትዮ ምልሻ ስርናይ ብረት ዝዓጠቑን ጀሌ ዝባሃሉ ብረት ዘይብሎምን ኮይኖም ዕጥቂ ደቂ ተንስትዮ ንውሕዳት በጻብዕቲ ዝቑጸራ ብረት ዘዓጠቓ ገዲፍካ ኣሸሓት ዝቕጸራ ደቂ ኣንስትርዮ ራያና ዓዘቦ ዕጥቀን “በርበረን መስፈን*” እዩ ኔሩ። በርበረን መስፈን ክጥቀማሉ ተሓሲቡ ዝነበረ ቀንዲ ዕላማ ንኣዴታት ኤርትራ ንምጥቃዕን ብመስፈ ጌረን የዒንተን* ቦጥቂለን ንምውጻእ ዘዓለመ አዩ ኔሩ። እዚ ወራር እዚ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉኡ ንምጭፍጫፍን ንምብርካኽን ዝብል ሰፊሕ ዘመቻ ንኽካየድ ቅዲ ኩናት ብደርግ ወጺእሉ። በወገን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝቢ ኣከለ ጉዛይን ህዝቢ ሰመጃናን ከባቢኡን ዉሕሉል ዝኾነ ቅዲ ኩናት ተሓንጺጹ ድሎ ኮይኑ።

    ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝቡን ኣብ ኣከለጉዛይን ኣብ ስመጀኣናን ዕርዱ ሒዙ ተፋጠጥ ኮነ። ደርግ ዘለዎ ሰራዊቱን ወራሪ ራያና ዓዘቦ (ኣግኣዚ)ኣኽቲቱ ካብ ዛላንበሳ ንኤርትራ ፈንጢሱ ንምእታው ኣብ ዘካየዶ ፈተነ ሃያል ግጥም ኩናት ገጢምዎ ንማዓልታት ኣብ ዘካየዶ ኩናት ወፊሩ ዝነበረ ወራሪ ሓይሊ ራያና ዓዘቦ (ኣግኣዚ) ምሉእ ብምሉእ ተደምሲሲ መላሲ ኣዊያት ዘይብሉ ሓቂቑ ተሪፍ። ብፍላይ ኣብ መስሓል ወደከለ፤ ጻዕዳ ኮርሶ፤ ብሓት፤ መስሓል ኣብ ዝተባህላ ዓድታት ዝተኻየደ ኩናት እቲ ዝሓየለ ኮይኑ ኣብ መስሓል ዝብሃል ዓዲ ኩናት ተዛዚሙ ዓወት ኤርትራዉያን ህልቂት ወራሪ ራያና ዓዘቦ (ኣግኣዚ) ምንባሩ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ህዝቢ ኤርትራ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ሬሳታት ናይ ወራሪ ጭፍራ ራያ ኣዚዮ ብዙሕ ብምንባሩ ህዝቢ ኣከለጉዛይ ይኹን ህዝቢ ስመጃናን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ዝወደቁ ረሳታት ንኽቐብሮም ነዊሕ ጊዜ ስለ ዝወሰደ ከባቢ ብሕማቕ ሽታ መሕለፊ ኣይነበሮን እዩ። እዚ ታሪኽ እዚ ናይ ቀረባ ጊዜ ስለዝኾነ ብጀይካ ትሕቲ 38 ዕድመ ዘለዎም ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ህዝቢ ትግራይ ዝምስኽሮ ሓቂ እዩ።

    ነዚ ኩነት እዚ ንኽጽሕፍ ዝደረኸኒ ቀንዲ ምኽንያት ንዝሓለፉ ጌጋታት ኣብ ክንዲ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ጌጋኻ ተማሂርካ ናብ ጽቡቕ ኩነት ሕወነትን ሓድነትን ምፍጣር ነዚ ዝሓለፈ ኣሰቃቂ ኩነታት ረሲዕካ ኣብዚ ግዜዚ ሓዊ ክትዉልዕ ምፍታንን ናብ ዘይ መሬትካን ናብ ዘይ ባሕርኻን ቁልሕ ምባል እንታይ ኣምጸኦ። ሕማም ሕርሲ ተረሳዒ ዘዓይነቱ ኮይኑ ደኣምበር ንኤርትራዉን ኣዳህሊልካን ብሓይልን ከምዘይስገር ተማሂሮም* ክንሶም እንደገና [ተጋግዮም ከጋግዩና*] ዝፍትኑ ዘለዉ ኣግኣዝያን እቲ ዝሓሰመ ነገር ከይጎንፎም ኢደሙን እግረሙን ኣኪቦም ብሰላም እንተነበሩ ይሓይሽ ኢልና ምዕዶና ነመሓላልፈሎም ኣለና።

Post a Reply to Desalegn Cancel Reply