Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Desalegn December 19, 2016

    ዕለት: 19/12/2016

    ሓተታ:

    ዕንደራ ጭፍራ ሸፋቱ መግትኢ ክበረሉ ኣለዎ!

    ማሕበር ሰላም ትግርኛ ሕብረተሰብ ኣንጻር ሰላሙ ንዝሰርሑ ጭፍራ ማሕበር የሕዋት ኣግኣዝያን ንምግጣም ዘለዎ ዕላማ ንጹርን ዘየዳግምን እዩ። ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ብፍላይ ትግርኛ ሕብረተስብ ተኸባቢሩ ክነብር ዝግበኦ ብጭፍራ ማሕበር የሕዋት ኣግኣዝያን ዝግበር ዘሎ ጣልቃ ናይ ምእታው ኣብ ልእላዊት ሃገር ኤርትራን ህዝባን ዶብ ጢሕስካ መሬታን ባሕራን ምግባት ዝብል መሰረት ዘይብሉ ዝንቡዕ ዝኾነ ስነሞጎት ጥርዙ ሓሊፍ ኤርትራዊ መንነት የብሉን ኣብ ዝብል ዕሸላዊ ኣበሃህላ ሓሸዉየ ተበጹሑ እሎ። ኣብ ሓንቲ ልእላዊት ንዝኾነት ሃገር ኤርትራ ህዝባ ኤርትራዊ መንነት የብሉን ኢሎም ክዛረቡ ሕፍር ዘይብሉ ሸፋቱ እዮም። ኣብ ሞንጎ ምስልምናን ክርስትናን ሃይማኖት ኣፋላላይ ብምፍጣር ኣብ ሞንጎኦም ንዝነበረ ስጡም ሓድነትን ፍቕርን ንምዝርግን ብዓብይኡ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ዘይንቡር ኩናት ንምዉላዕ ማሕበር የሕዋት ኣግኣዝያን ብዝብል ስም ይዝንብዩ ከምዘለዉን ብግብሪ ይስራሓሉ ከምዘሎ ይፈልጥ። ማሕበር ሰላም ትግርኛ ሕብረተሰብ ነዚ ሓደግኛ ኩነት እዚ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ሰሪዑ ብኣግኡ መዕለቢ ክገብረሉ ምኻኑ እንዳገለጸ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ መንእሰይ ኤርትራ ነዚ እከይ ተግባር ሽፍትነት ናይ “ሕሶት ማሕበር የሕዋት ኣግኣዚያን” ዝብል ብዕቱብ ክሪኦ ከምዘለዎን ብኣግኡ ፍታሕ ከናድየሉን ይባእ።

    ጊዝያዊ ሓይሊ ዕማም ማሕበር ሰላም ትግርኛ ሕብረተሰብ

  • Desalegn December 20, 2016

    ካብ ሓደ ማህጸን ዝወጹ የሕዋት ደኣበር
    ሓደ ኣይኮኑን!

    ካብ ሓደ ማህጸን ዝወጹ የሕዋት ደኣበር ሓደ ክኾኑ ከምዘይኽእሉ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን እዉን የሕዋት ክኾኑ ይኽእሉ ይኾኑ፥ ሓደ ዝኾንሉ መንግዲ ግና ከቶ ፈጺሙ ክህሉ ኣይኽእልን እዩ። ስለዚ ህዝቢ ክልትኤን ሃገራት ከም ሃገራት መጠን ርክበን ኣብ ሰናይ [ንቡር] ዝኾነ ግርቡትና ዘተኮረ ጥራሕ ክኸዉን ይግባእ። ኣብዘይ ሃገርካ ዘየድልን ሓደገኛ ዝኾነ ተግባራት ክትፍጽም ምህቃን ግና ሳዕቤኑ ልክዕ ከም ጽምብላሊዕ ባዕልኻ ንነብስኻ ኣብ ሓዊ የእቲኻ ምሕራር (ምጥባስ) እዩ።
    ጊዝያዊ ሓይሊ ዕማም ማሕበር ትግርኛ ሕብረተሰብ

  • Desalegn December 20, 2016

    ትሕዝቶ ሳሆ ትግረ ጀበርትን ተስፋጽዮን ምስ ዝብሎ ፍጹም ኣይሳነን!

    ኣብ ቀጻሊ ብዛዕባ ኣካል ሕብረተሰብና ዝኾኑ ሳሆ ትግረ ጀበርትን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ብሕጽር ዝበለ መልክዑ ከቕርበልኩም ክፍትን እየ። ኣነ ኩሉ ጊዜ ኣብ ጽሑፈይ ንዘቕርቦም ብትሕትኦም ይኹን ሓቅነቶም ንዝምልከት ህዝቢ ዝምስክረሎም እዮም። ትሕዝቶ ጽሑፈይ ብኣካል ዝፈልጦን ዝሰራሕኩሉን ኮይኑ ናይ ዝኾነ ጸግዒ ዘይብሎም ብግብሪ ንዝፈልጦም ነገራት ከምዘንጸባርቕ ምኻነይ ኣቐዲመ ክሕበር እፈቱ። ብሓፈሻ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ንህዝቢ ትግርኛ ወኪለ ዘለኒ ድጋፈይ ንኽገልጽ መሰረታዊ መሰለይ ስጋብ ዝኾነ ንዘቕርቦ ጽሑፋት ደገፉ ዝህብ ይኹን ተቓውሞ ዘለዎ ሰብ ንዘለዎ ርኢቶ ብስነ ስርዓት ዝተሰነየ ምስ ዝኸዉን ግቡእ ዝኾነ ምላሽ ከምዝረክብን ኣብ መወዳእትኡ ከም እንረዳዳእ ዘጠራጥረ ነገር የለን እዩ። ሰላም የራኽበና!

  • Desalegn December 21, 2016

    ዕለት፥ 21/12/2016

    ክቡር ሕዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ብኣካል ንዝፈልጦ ኩነት ምስክርነተይ ንኽህብ ኣፍቅዱለይ

    ኣነ ንዝ ህቦ ቃለ ምስክርነት ንሓቅነቱ ዘረጋግጾ ብዓብይኡ ፈጣሪና ዝኾነ ኣምላኽ ክኸዉን እከሎ ብኻልኣይ ደረጃ ዘረጋግጹለይ ብኣካል ዝፈልጡ ህዝቢ ኤርትራ [ክርስትናን ምስልምናን] ስለዝኾኑ ንዝህቦ ምስክርነት ኩሉ ሓቅነቱ ንዝምልከት ነገር ናብ ኣቶም ክገድፎ እየ።
    ህዝቢ ኤርትራ ንኹን ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ትግርኛ ሕብረተሰብ ንምንታይ ኢና ፈጣሪና ኣምላኽ ዘይፈትዎ ስራሕ ንሰርሕ ዘለና። ህዝቢ ክልቴና ሃገራት ብፍላይ ሕብረተሰብ ትግርኛ ዝኾና ፈጣሪና ኣምላኽ ዝፈትዎን ዝሕጎሰሉን ሕብረተሰብና ሰላምን ቅሳነትን ረኺቡ ነንሕድሕዱ ፍቕርን ሕዉነትን ከምእዉን ምትሕግጋዝ ዝሰፍነሉ ተግባራት ኣይንትግብርን ዘለና። ብእንገብሮ ስራሕን ነጸብራቓትናን ፈጣሪና ኣምላኽ ክሕጎሰልናን ክሕግዘናን ኣስላማይ ክስታናይ ከይተበሃሃልና ንሰላም ሓቢርና ንስራሕ እንዳበልኩ ናብ ዝህቦ ቃለምስክርነተይ ክሰግር ኣፍቑድለይ።
    ሕጂ ዝህቦ ቃለ ምስክርነት ብኣካል ዝፈልጦ ብዛዕባ ሳሆ ትግረ ጀበርትን ሕብረተሰብና እዩ።

    1. ብሄረ ሳሆ ህብረተሰብና ብመሰረቱ ምስ ትግርኛ ሕብረተስብ ዝፈልዮም ሳሆ ዝብል ስምን ምስልማና ሃይማኖቶም ኮይኑ ኣብ ጊዜ ሓጎስ ይኹን ኣብ ጊዜ ሓዘን ኣብ ሓደ ዳስ መርዓ ይኹን ሓዘን ዝገብሩ እዚ ክብል እንከለኹ እታ ዝሰርሑላ ጻሕሊ ወይ ድስት ስጋ ስለ ዝስራሓላ ነናቶም ክጥቀሙ እንከለዉ ኩሉ ነገር ብሓደ ዝጥቀሙ ሕብረተሰብና ኣብዝኾነ ዓለም ዘየለ ናይ ምስልምናን ክርስትናን ፍቕሪ ኣሎ እንተተባሂሉ ኣብ ሞንጎ ሳሆን ክርስትና ሕብረተስብና ዘሎ ሕዉነታዊ ዝኾነ ፍቕሪ እዩ። ብሄረ ሳሆ ይኹኑ ብሄረ ትግርኛ ህዝቢ ኣከለጉዛይ ዳርጋ መብዛሕቲኡ ኣካል ሕብረተሰብ ትግርኛን ሳሆን ቋንቋ ዝዛረብ እዩ እንተበልና ብዙሕ ካብ ሃቂ ኣይክርሕቕን ኢና። ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ሞንጎ ክልተ ብሄራት ሰላም ኣበይ ኣሎ እንተኢልና ኣብ ሞንጎ ብሄረ ሳሆን ብሄረ ትግርኛ ህብረተሰብ ኣዉራጃ ኣከለጉዛይ እዩ ዘሎ ኢለ ይድምድም። ነዚ ኣፍሉጠይ ንነዉሕ … ዓመታት

    2. ብሄረ ትግረ ሕብረተሰብና ምቕሉል ንትግርኛ ሕብረተሰብ ዘኽብርን ቀልጢፉ ዘቕርበካን እምነት ዘሕድርን ሰላማዊ ዝኾነ ሕብረተሰብና ምኻኑ ጥራሕ ዘይኮነ መልሓሱ ዘይቕይር ፍጥረት ብሄረ ትግረ ኢለ ከቐምጦ ይመርጽ። ነዚ ኣፍሉጠይ ብኣካል ልዕሊ 10 ዓመታት

    3. ጀበርቲ ሕብረተስብና ብመሰረቱ ብኹሉ መዳይ ካብ ትግርኛ ሕብረተሰብና ብጀይካ ሃይማኖት ዝፈልየና ካሊእ ክህሉ ኣይኽእልን እዩ። ኩነታት ጀበርቲ ክንርኢ ምስ እንፍትን ንትግርኛ ሕብረተስብ ጠንቂ ኣይኮኑን እዮም። በንጻሩ ትግርኛ ህብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ጀበርቲ ጸቕጢ ይገብር እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብፍላይ ኣብ ኣዉራጃ ሰራየ ዝረአ ተርእዮ እዩ። ዓድታት ብዙሕ ምጥቃስ ኣየድልየንን እዩ። ንሓደ ኩነት ግን ብንጹር ክጠቕስ እየ። ኣብ 1992 ኣብ ሞንጎ ጀበርቲ ዓዲ ኣባ ዕቦን ዓዲ ዓብሻን ኣዉራጃ ሰራየ ዓናግር ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ተበጋጊሱ ዝነበረ ዘይምቅዳው ነገራት ዶብ ሰጊሩ ኣብ ብዓል ስዑዲ ዓረብ ዝነበሩ ጀበርቲ ፈጢርዎ ዝነበረ ስሚዕት ሓደ ዝዓበየ ዓመጽ ትግርኛ ህብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ጀበርቲ እዩ ኔሩ። ነቲ ተላዒሉ ዝነበረ ጉዳይ ብኣግኡ ንምእላዩ ዝተኻእለሉ ቀንዲ ምኽንያት ጀበርቲ ዓዲ ኣባ ዕቦ ይቅረ በሃልትን መስተውዓልትን ብምኻኖም ተፈጢሩ ንዝነበረ ወጥሪ ኣብ ሓጺር ሰዓታት ነቲ ኣሰሓሒቡ ዝነበረ ቦታ ሓዱሽ ስም ብምሃብ ዓዲ ዓብሻን ዓዲ ኣባ ዕቦን ሰላም ጌሮም ተጀሚሩ ዝነበረ ፕሮጀክት ተዛዚሙ ኣብ ኣገልግሎት ከምዝውዕል ተገይሩ እዩ። ነዚ ጉዳይዚ ብፍሉይ ዝፈልጦ 2 ዓመት ኮይኑ ብሓፈሻ ኣብ ዝፈላለየ ቦታታት ሃገና ጀበርቲ ኣብ ትግርኛ ሕብረተስብ ስክፍታታት ከምዘለዎም ትዕዘብ ኢኻ። እዚ ከኣ ጸብለልትነት ትግርኛ ኣብ ልዕሊ ጀበርቲ ዘንጸባርቕ እዩ። እዚ ነገርዚ ከኣ ሕብረተሰብ ትግርኛ ከወግዶ ዘለዎን ክእረም ዝግበኦን ጉዳይ እዩ።

    ኤርትራዊያን ምስልምና ሃይማኖት ተኸተልቲ ንትግርኛ ሕብረተሰብ ኤርትራ ጠንቂ ወይ ኣስጋእቲ ስጋብ ዘይኮኑ ከም ጸላእትኻ ክተቐምጦም ምፍታን ንፈጣሪና ምቕያምን ንዘፍቑሩና የህዋትና ምስልምና ምኽሓድን ስለዝኾነ ብማሕበር የሕዋት ኣጋዝያን ኢና በሃልቲ ንሕብረተሰብ ትግርኛ ዘይዉክሉ ኣብዝሕጂ እዋን ዝቀላቐል ዘሎ ዘይንቡረ ኩነታት ኣጻር ምስልምና ኩላትና ኤርትራዊያንን ትግራይ ትግርኚ ሕብረተሰብን ሓቢርና ክንቃወሞ ኣለና።

    ብሄረ ሳሆ ትግረ ጀበርቲ ምስልምና ሃይማኖት እዮም። ኣነ ምስክርነተይ ዝህብ ዘለኹ ኣካል ትግርኛ ሕብረተሰብ ክርስትና ሃይማኖት ተኸታሊ እየ። ብኣካል ንዝፈልጦ ብሕጽር ዝበለ መልክዑ ንኸቕርብ ዘገደደኒ ቀንዲ ሕልናይ ኮይኑ ከምኡዉን ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ሓቂ ተዘረብ ዝብል ቕዱስ ሃይማኖት ስለዝኾነ ንዝፈልጦ ኽምስክር “እዝጋብሄር ኣብ” ሓይሊ ዝሃበኒ ልዑል ምስጋናይ ይቀበለኒ። የቐንየለይ ከቡራት የሕዋተይ

POST A COMMENT