Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Desalegn December 12, 2016

    ጠንቅን ሳዕቤናቱን ምቕያር ስትራተጂካዊ መሰረታዊ ዕላማ

    መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ህዝቢ ትግራይ ፍታሕ ንምርካብ ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ብሰንኪ ምቕያር ስትራተጂን ቀንዲ ዕላማን ዉጽኢት ዘይብሉ ክተርፍ ክምዝኸኣለ ብግብሪ ተራእዩ ኣሎ።
    ዕላማ ህዝቢ ኤርትራ ጀብሃ/ህዝባዊ ግንባር “ናጽነት ኤርትራ” ዝብል ኮይኑ እዚ ንምትግባር ኣብቲ እዋን ንዝነበረ “ገዛኢ ደርግ ካብ መሬት ኤርትራ ጸራሪካ ምዉጻእ ዝል ስትራተጂ” ኮይኑ ዕላማ ህዝቢ ትግራይን እድዩ/ ህሕዋሕት “ናጽነት ትግራይ” ዝብል ኮይኑ እዚ ንምትግባር ኣብቲ እዋን ንዝነበረ “ገዛኢ ደርግ ካብ መሬት ትግራይ ጸራሪካ ምዉጻእ ዝብል ስትራተጂ” እዩ ኔይሩ።

    ምቕያር ስትራተጂ

    ህግደፍ ይኹን ማለሊት ኣቐዲሙ ንዝነበሮም ስትራተጂ ንጎድኒ ገዲፎም ሓዱሽ ስትራተጂ ብምንዳፍ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር መረብ ብምስጋር ምስ ሰራዊት ወያኔ ብምውህሃድ ክልል ትግራይ ኣልውሃ ብምስጋር ኣብ ደሴ ክፍላገርን ከምኡዉን ብሱዳን ኣቢሉ ናብ ወለጋ ክፍለሃገር ሰሉኹ ብምእታው ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባርን ሕዋሓትን ብምውህሃድ ንመላእ ኢትዮጵያ ሓራ ከውጽኡ እንከለዉ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ንመላእ ኤርትራ ሓራ ከምዘዉጸአ ይፍለጥ።

    ምቕያር መሰረታዊ ዕላማ ህግደፍን ማለሊትን።
    ማለሊት፥ ብህዋሕት ይኹን ብእድዩ (መገሻ ስዩም ዝምርሑ ዝነበሩ) “ትግራይ ነጻ ምውጽእ” ንዝበል ዝነበረ [መሰረታዊ ዕላማ] ብምቕያር ድሕሪ ምሕራር ትግራይን ኢትዮጵያን ማለሊት ኣብ ክንዲ “መሰረታዊ ናጽነት” ዝብል [መሰል ርእሰ ዉሳኔ*] ብምባል ህዝቢ ትግራይ ን 17 ዓመታት ዘካየዶ ደማዊ ቓልሲ ናብ ትሕቲ ባዶ መለክዒ ክርከበሉ ዘይኽል: ትግራይ ካብ ንጹር ዝነበረ ናጽነት ዝብል መትከል (ዕላማ) ናብ ዕላምኡ ዘይፍለጥ መሰል ርእሰ ዉሳኔ ዝብል ኣንኬል ብምእታው ነገራት ኣብ ዕንክሊል ኮለል ምባል ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ።
    ህግደፍ – ብመሰረቱ ብጉልባብ ናጽነት ኤርትራ ክንየው ናጽነት ኤርትራ ይሰርሕ ከምዝነበረ ባይታ ባዕሉ ዝምስክረሉ ሓቂ እዩ። ምኽንያቱ ናጽነት ኤርትራ ክበሃል እንከሎ መሬት ኤርትራ ሓራ ምውጻእን ህዝቢ ኤርትራ ቕዋምን ሕግን ፍትሕን ምርካብ ዝብል ዘጠቓለለ እዩ። ኤርትራ ካብ ጊዜ ናጽነት ጀሚሩ ስጋብ እዛ ሕጂ እዋን ቅዋም ይኹን ሕጊ ዝበሃል ዘይብላ ሕጊ ኣልቦ ዝኾነትሉ ቀንዲ ምኽንያት ህግደፍ ኣቐዲሙ ማለት ካብ ጊዜ ጀብሃ ጀሚሩ ንዝነበረ ዕላማ ናጻ ኤርትራ ብሕግን ሕጋዉነትን ክትግዛእ ኣለዋ ዝብል ዝነበረ ናብ ዕላምኡ ዘይፍለጥ ሽኾርተትዶ ክንብሎስ ዕንኪላሎ ብምእታው ህግደፍ ክወጽኦ ኣብዘይኽእል ታኼላ ጢሒሉ ይርከብ ኣሎ።
    መሰረታዊ ጥራሕ ዘይኮነ ንጹር ንዝነበረ ስትራተጁን ዕላማን ህግደፍን ማለሊትን በብወገኖም “ስርዓት ደርግ ካብ ኤርትራን ካብ ትግራይን ጸራሪካ ብምውጻእ ናጽነት ምጭባጥን” ንዝብል ዝነበረ ክጭብጥዎ፤ ክቆጻጸርዎ ወይ ከማሓድርዎ ኣብ ዘይኽእሉ ዘይንጹር ዝኾነ ዕላማታት ብምእታዎም” እዚ ናይ ዶብ ባድመ ስተኸስተ ኩናት ብዙሕ ሂወት ሰብ ዘህለቐን እዚ ኢልካ ክትጽብጽቦ ዘይትኽእል ንብረት ዘዕነወን ከምኡዉን ብህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝተላዕለ ኣንጻር ተወላዶ ትግራይ ዝቐንዐ ዝተላዓዓለ ናዕብታትን ናይ ህዝቢ ትግርኛ ምምዝባላትን ንብረት ምዕናዉን “ዉጽኢት ድምር ጌጋ ስትራተጂን ምቕያር መሰረታዊ ዕላማ ህግደፍን ማለሊትን ዘኸተሎ ሳዕቤን” እዩ ብምባል ኣብ መደምደምታ ክብጻሕ ይከኣል እዩ። ምኽንያቱ ህግደፍ ይኹን ማለሊት ካብ መሰረታውን ቀንዲ ዕላምኦም ወጺኦም ማለሊት መሰል ርእሰ ዉሳኔ ብምባሉ ህግደፍ ሕጊ ኣልቦ ግዝኣት ኤርትራ ስለዝመረጸ እዚ ነገራት እዚ ብግቡእ ምስ ዝርአ ኤርትራ ክፋል ናጽነታ [መሬታዊ ናጽነት] ዝረኸበት ሃገር ክትከዉን እንከላ ህዝቢ ትግራይ ንናጽነት ተቓሊሶም ከብቅዑ ናጽነቶም ዘይረኸቡ ኣብ “መሰል ርእሰዉሳኔ ዝብል ዓንኬል ኣትዮም ይርከቡ ኣለዉ።
    በመሰረቱ መሰረታዊ ዝኾነ ዕላማኻ ምቕያር ማለት ትጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ ናጽነት ዝብል ቃል ንኽጭበጥ ዘይከኣል ሕልሚ ኮይኑ ጥራሕ እዩ ዝተርፍ። እዚ ከኣ እዚ ኣብ ግብሪ ንርኦ ዘለና ኣብ ኤርትራን ኣብ ትግራይን ዘሎ ሓቂ ዝምስክሮ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ህዝቢ ትግራይ እቲ ዘድሊ ከምቲ ዝድለ ናጽነቱ ዘይጨበጠሉ ቀንዲ ምኽንያት ንጹር ንዝነበረ ዕላማ ወያኔ ወይ ሕዋሕት ብመንገዲ ማለሊት ናብ ዕላማ ኣልቦ ስሰዐን ግዝኣት ምስፍሕፋሕ ኣብ ዝብል ሓሸዉየ ስለዝተኣትወ ከምእዉን ሕግደፍ ብዘይ ቅዋም ስልጣን ምግባት ስለዝመረጸ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ህዝቢ ኤርትራ ክወጽዎ ኣብ ዘይኽእሉ ሽግርን ጸባባን ኣትዩ ም ይርከቡ ኣለዉ።

    በሓፈሻ ህዝቢ ክልትኤን ሃገራት ብፍላይ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባርን ሰራዊት ወያኔን ኣብ ፈቖዱኡ ሩባታትን እንባታትን ሽንጥሮታትን ደሞምን የዕጽምቶምን አንዳኸስከሱ እንከለዉ [ኢሳያስ ይኹን መለስን ንጹር ንዝነበረ ዕላማ ናጽነት ዝብል ናብ ረብሕኦም ስልጣን ምግባት ዝብል ብምቕያሮም ሸፋቱ ጥራሕ ዘይኮኑ ናይ ሸፋቱ ሸፋቱ ከዳዓትን ጠላማትን ብምባል ክንስንዶን ንዉልድ መለዶ ክንዕቅቦ ይግባእ]።

    ናይ ህግደፍን ማለሊትን ኩናት ብሕጂ የሃሉ ኣየሃሉ ብዘየገድስ እዚ ንዓና ከቋስለናን ከጓድለናን ይኽእል ይኸዉን ግና ኣይከጽንተናን እዩ። እቲ ብሕጂ ዘይተርፍ “ኩናት ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ትግራዎትን ኤርትራዉያንን ንኸካይዶ ዝህቅን ዘሎ መቐጸልታ ደርግ መሬታን ባሕራን እምበር ህዝባ እየድልየናን” ንዝብል ኤርትራዊያንን ተጋሩን ብዘይ ዉዓል ሕደር ሓቢርና* ክንሰርሓሉ ይግበኣና ብምባል ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ኣብዚ ይዛዝም። የቐንየለይ!

    “ዉሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሑጅ ጽረግ!”

  • Desalegn December 13, 2016

    ኢሳያስን መለስን ሓስዮም ከሕስዉና ኣይክንፈቅድን ኢና!

    • ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ተጋድሎ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ንሙሉእ ናጽነት ኤርትራ ደኣምበር ንባርነት ኣይኮነን ተኻይዱ።

    • ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ተጋድሎ ወያኔን ተጋድሎ ኢድዩን ንሙሉእ ናጽነት ትግራይ ትግርኚ ደኣምበር ንመሰል ርእሰ ወሳኔ ኣይኮነን ተኻይዱ።

POST A COMMENT