VOICE OF ASSENNA: ሓዘናን ጓሂናን ባዕልና ንደብሶ! – ብ ዓለም ለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን – On 8 March, Women’s Day https://www.youtube.com/watch?v=EvfqhgQkgDE&t=5s March 8, 2018 11:27 amassenna224588Views SHARE
meretse March 8, 2018
Aman — very inspiring poem
ብምክንያት መዓልቲ ደቒ-ኣንስትዮ ኣዳልየያ ዝነበርኩ ጽሕፍቲ 1ይ — ብሕጽረት ግዜ፡ 2ይ– ከኣ ከም ኣጋጣሚ ምስ ሓው ኣማኒኤል ኢያሱ ዘዳሎዋ ካልኣይቲ ጎድና ኾይና ስለ ዝተሰመዓትኒ ፡ ጉዛያ ከቅርብ መሪጸ። ሓደ ዘተሓሳስበኒ ነገር እንተ ሃልዩ ግን፡ ነዚ መዓልቲ’ዚ ምክንያት ብምግባር ብወገን ደቒ -ኣንስትዮ ብርክት ዝበለ ጽሑፋት ዘይምንባበይ ኢዩ። እስኪ እቲ ሙሉእ ጽሑፉስ ይትረፍ ነቲ ነዚ መዓልቲ’ዚ ኣመላኪቱ ንዝወጸ ጽሑፍ’ዃ ኣንቢበን ሪእቶ ናይ ምሃብ ዓቕመን ትሑት ኮይኑ ተሰሚዑኒ። እቲ ዘገርም ዋላ እተን ሕልፍ ሕልፍ ኢለን ሓደ ሓደ ጽሑፋት ዘቕርባ ደቒ- ኣንስትዮ’ዃ ፡ ኣብ እዚ መርበብ እዚ በጺሐን ወይ ክነቕፋ ክድግፋ ክሳብ ሕጂ ኣይረኣኩን። ንምንታይ? እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሽግር’ኮ ናይ ሓደ ወገን፡ ሃይማኖት ወይ ጾታ ዝፈሊ ኣይኮነን። ስለዚ ፡ ናኡ ኩሉ ወዲ ሃገር ሽግር ክሳብ ዝኾነ፡ ንምእላዩ– “ከም ቀደምክን ፡ ከም ቀደምና፡ ኢደ-ኢድካ ምባል ንዕደም ኣሎና !
ጎርዞ ኤረትራ – ዘይትጽገብ ሸዊት
ካላሽን ደርቢያ – ብሬን ኣነቓዊት
እዙይ’ዶ ኣይነበረን’ዩ – እቲ ሓቒ
ኣብ ሎሚ – ከመይ ኢልኪ ትደቒ
ናጽነትስ ኣትያ – ብናትኪ ዳገፋ
ዘስዕባ ሲኢና – ሓርነት ተሪፋ
ንድርብ ጨቖና – ከም ዘይተመከተ
በሰር ዓይኒ ኾይኑ – ሎሚ ዝሓተተ
እሞ ድምጺ ሃባ – ሃየ ሃየ በላ
ከምቲ ናይ ቀደክን – ቕልጽምኽን ኣልዕላ
ከፊእዋ’ሎ ‘ዛ ሃገር – ካብቲ ዝነበረቶ
ፈውሲ ድቖሳሉ – ንሕማም በላዒቶ
ጨቖና ኣብ ርእሲ ርእሲ – እንተ ተተራኢሱ
ቅልጽምካ ምልዓልዶ – ኣይኮነን ‘ቲ ፈውሱ
ሎሚ’ውን ከም ቀደምክን – ከም ቀደምና
ኢደይ ኢድካ ምባል – ንዕደም ኣሎና
meretse March 8, 2018
መአረምታ
ቀዳማይቲ –ኣብ ክንዲ ጉዛያ ጉዛ ተባሂሊ ክንበብ
እዙይ’ዶ ኣይነበርን ኢዩ — እቲ ሓቒ
ኣብ ሎሚ በጺሕኪ — ከመይ ኢልኪ ትደቒ