Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

VOICE OF ASSENNA: ህዝባዊ ነብሰ-ፍተሻ (national soul-searching) – ብኣማኑኤል ሳህለ

https://www.youtube.com/watch?v=BZD5QDmLD80&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Berhe Tensea November 6, 2017

    .Excellent presentation . we just finished listening to your message with great respect and admiration.
    Thank you
    Death to the Tembenay and his puppets.

  • AMEN November 6, 2017

    Eritrean Spinoza
    I can tell Amanuel Sahle is a well read Eritrean.
    He has not only read but also embodied the
    life and works of world giants like Spinoza, Martin
    Luther, Descartes and many others……………
    Good Job Amanuel Sahle.

  • habte ghebre November 7, 2017

    ክቡር ሓው ኣማኑኤል ሳህለ፡

    መጀመርታ፡ ተበግሶ ወሲድካ ንዓና ንኤርትራውያን ነብስና ክንፍትሸ ምዕዳምካ፡ የመስግነካ። ከሉ ገዛእን ጨቋንን ስርዓት፡ ባዕዳዊ ይኹን ዘቤታዊ፡ ደልዲሉን ሓዩሉን ጭቆናኡ ዘስፍን፡ ብናይቲ ህዝቢ ውሽጣዊ (sub-conscious) ፍቃድ እዩ ዝበልካዮ እውን ክም ዝርዕመሉ ክሕብረካ ደስ እብለኒ። ኮይኑ ግን፡ ኩሎም ዝጠቐስካዮም ኣገባባት ቃልሲ ተጠቒምካ፡ ዘሎ ስርዓት ክትኣልዮ ይከኣል ይኸውን፤ ዝጠቐስካዮም ዕላማታት ማለት “ህዝቢ ካብ ጭቆና ከም ዝናገፍ ክትገብርን፡ ድሕነት ሃገር ከተውሕስን” ግን ዝከኣል ኣይመስለንን። ነዊሕ ከይተጓዓዝና፡ ናይ ትማሊ ተመክሮ ጎረቤት ሃገር ክንጠቕስ ንኽእል ኢና። ኢትዮጲያውያን፡ ነቲ ጨቋኒ ስርዓት ሃጸይ ሃይለ-ስላሴ፡ ኩሎም እቶም ዝጠቐስካዮም ዓይነት ኣገባባት ተጠቒሞም ምስ ኣለይዎ፡ ብኻልእ ዝሓሸ ስርዓት ዘይኮነ፡ ካብኡ ብዝኸፍአ ጨቋኒ ስርዓት (ደርግ) እዮም ተኪኦሞ። ሶማልያውያን የሕዋትና እውን ብተመሳሳሊ ተመክሮ ኢዮም ዝሓልፉ ዘለው። ንሕና ኤሪትራውያን፡ ዲሒርና ናጻ ዝወጻና ህዝቢ ምስ ምዃና፡ ካብ ኣሉታዊ ተመክሮ ጎረባብትና ክንመሃር፡ንሶም ዝፈጸምዎ ጌጋታት ንሕና ከይንደግሞም ክንጥንቀቕ ዝግብኣና ዃይኑ ይስምዓኒ።
    ብምቅጻል፡ ነቲ ኣበጊስካዮ ዘሎኻ ናይ ነብስና ምፍታሽ ኣጀንዳ ንምህብታም ሓጋዚ እንተኾነ ብማለት፡ ንሎሚ፡ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ከቀድመልካ። ንርእይቶኻ ድማ ብሃንቀውታ እጽበ።
    ቀዳማይ፡ ገለና ንነብስና ከም ናጻ (ሓራ) ኣውጻእቲ፡ ገለና ድማ ከም ናጻ (ሓራ) ወጻእቲ ንቆጽራ እንተ ድኣ ዄና፡ ከም ዜጋታት፡ ማዕረ ተሳታፍነትና ኣብ ጉዳይ ሃገር ብኸመይ ኸነረጋግጽ ንኽእል?
    ካልኣይ፡ ሕቶ ሉኣላዊነትን ቀጻሊ ተጻብኦታት ናይቲ ወራሪ ሓይሊን ጎሲና፡ ህልዊ ኩነታትና ክንርድኦን፡ ንሱ ዝህበና ዘይ ሙሉእ ስእሊ መሰረት ጌርና፡ ዘሎናዮ መድርኽ ዝጠልቦም ብድሆታት ከነለልን መኸተና ከነሕይልን ንኽእልዶ?
    ሳልሳይ፡ ኣብ ሃገርና ከነተኣታትዎ እንደሊ ለውጥታት ኣብ ምሕደራ ይኹን ካልእ፡ ምስ ምሕያልን ምድኻምን ናይቲ ሊዒሉ ዝተጠቕሰ ተጻባኢ ሓይሊ ቀጥታዊ ዝኾነ ርኽክብ ክህልዎ ዝኽእልዶ ይመስለካ?
    ራብዓይ፡ ህግደፍ፡ ድሕሪ 2000 ዓመተ ምህረት፡ ከም ውዳቤ እንዳ ተዳኸመ ድኣምበር እንዳ ሓየለ ምስ ዘይምምጽኡ፡ ብኣንጻሩ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ማለት ኩሉ ግዚያዊ ሽግራቱ ናይ ቁጠባ፡ ፖለቲካን ካልእን ጸይሩ ክውን ኩነት ፈጢሩ ናጽነቱ ክጭብጥ ከም ዝበቕዐ፡ ሕጂ እውን፡ ኩዉን ኩነት ብምፍጣር ሉኣላዊነቱ ንምውሓስ ምምካቱ፡ ንዘይተንበርካኽነቱ ከም ዘንጸባርቕ ጌርናዶ ክንገልጾ ንኽእል?
    ሓሙሻይን፡ ሓያል ጎረቤት፡ መራሒኹም ንዓኹም ዝበቅዕ ኣይኮነን እሞ ለውጥዎ ምስ ዝብለና፡ መን ይመርሓና መዓስን ንዓና ንኤርትራውያን ዝምልከት ጉዳይ ድኣምበር ንዓኻ ዝምልከት ኣይኮነን ኢልና ካብ ምምካት ሓሊፍና፡ ንሸውሃቱ ኸነሳስን ኣብቲ ናቱ ናይ ግዜ ሰሌዳ ድሌቱ ከነተግብርን ቁሩባት ዄና ክንርከብ ይግባኣና ድዩ?
    እምበኣርከስ ክቡር ሓው ኣማኑኤል፡ ንሎሚ፡ ነብስና ክንፍትሽ ትዕድም ዓንቀጽካ ኣመልኪተ ዝህቦ ርእይቶ፡ በዛ ትስዕብ ምልእቲ ሓሳብ ክድምድም። ብዛዕባ “ወራር” ኣመልኪትካ ዝሃብካዮ መግለጺ እርዕመሉዃ እንተኾንኩ፡ ሉኣላዊ መሬትና ብሓይሊ ንዝጎጠን፡ ዝምድና ህዝብናን ህዝቢ ኢትዮጲያን ጅሆ ዝሓዘን፡ ብቀሊሉ ክንድህስሶን ከነለሊዮን እንኽእል ናይ ደገ “ወራሪ” ሓይሊ፡ ብኹሉ ዓቅምና ክንምክቶ ፍቃደኛታት እንተድኣ ዘይኰና፡ በየናይ ስነ-መጎት ኢና ነቲ ክንድህስሶን ከነለልዮን ቀሊል ዘይኮነ ዘቤታዊ “ወራሪ” ሓይሊ ክንምከቶ ንኽኣል? ናይ ደገ “ወራር” ብኹሉ ዓቅምና እንዳመከትና፡ ማለት፡ ንሱ ከስዕቦ ዝኽእል ግዚያዊ ናይ ፖለቲካ፡ ቁጠባን ካልእን ተጻዊርና፡ ጎኒ ንጎኑ ድማ፡ ኣንጻር ዘቤታዊ “ወራር” ምምካትዶ ኣይምተገብኣናን? ዝገርምዩ። ሓቅኻ ኢኻ። ነፍስ-ወከፍና፡ ነብስና ክንፍትሽ ምዕዳምካ እምባኣር ኣይተጋገኻን።

    • amanuel sahle November 8, 2017

      Thanks Habte, I will try to present my comments some time later. I appreciate your interest in the subject

      • amanuel sahle November 8, 2017

        ክቡር ሓው ሃብተ ፡ ነቲ ሕቶታትካ ኣሕጽር ኣቢለ ክምልሾ ክፍትን እየ፥

        ቀዳማይ – ኩሉ ዜጋ ሓራ ኣውጻኢ እዩ፡ ኣውጻእን ተቐባል ሓራን ዚብሃል ነገር የልቦን። ኩሉ ድማ በቲ ዝኽእሎ መገዲ ይቃለስ። ኩሉ ጠበንጃ ይዕጠቕ ማለት ኣይኮነን። ቃልሲ ብዙሕ ኣገባባት ዘለዎ ተቓውሞ እዩ። ኣብዚ ግን ተቓላስን ተዓዛብን ኪህሉ ኣይግባእን።

        ካልኣይ፥ እወ ንኽእል ኢና፡ ግን መጀመርታ ዕላማና ከነነጽር ይግባእ። ዕላማ ምስ ነጸረ፡ ነቲ ዕላማ ዚዓግት መሰናኽላት ምልላይ ቀሊል ይኸውን። መሰናኽላት ምስ ተለለየ ድማ መፍትሔኡ ምንዳይ ከቢድ ኣይከውንን።

        ሳልሳይ፥ ከም ባህርያት ኩነታት፡ ካብ ባዶ ዚትከል ነገር የልቦን። ስለዚ ገለ ቀጥታዊ ይኹን ዘይቀታዊ ርኽክብ ወይ ጽልዋታት ኪህሉ ይኽእል እዩ።

        ራብዓይ፥ እወ ከምኡ ጌርና ክንገልጾ ንኽእል ኢና። ኣብዚ ግን እቲ ምውዳብን፡ ዕላማኻ ምንጻርን፥ ካብ ዝሓለፈ ተመክሮ ምምሃርን ኣብ ቦታኡ ኪህሉ ይግባእ።

        ሓምሳይ፥ ጽቡቕ ጉርብትና ብኹሉ መዳይ ኣርባሒ እኳ እንተ ኾነ፡ ግን ናይ መተዅተዅን መንበርከኽን መፈራርህን መድረኽ ወይ ኣጋጣሚ ኪኸውን ኣይግባእን።

        ነቲ ሕቶታት ተረዲአ መሊሸዮ ክኸውን ተስፋ እገብር። በቲ ተገዳስነትካ አመስግነካ።

  • Kiflemariam November 8, 2017

    Thank you Amanuel for your reflective input.

Post a Reply to Kiflemariam Cancel Reply