Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

UPDATE 3: ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ግፍዓዊ ቅንጸላ ሓንቲ ጋል ኣንስተይቲ እትርከቦም ብድምር 6 ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝተቐዝፉ ክረግገጽ ከሎ፡ ኣብ ጋሽ ባርካ 5 ንጹሃት ዜጋታት ከምዝተረሸኑ ተፈሊጡ።

በቲ ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብ 3 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ዘካየዶ ናይ ተመልከተለይ ግፍዓዊ ርሸና ሓንቲ ጋል ኣንስተይቲ እትርከቦም ብድምር 6 ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝተተቐዝፉ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። እተን ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ድሕሪ ዝተኻየደሎም

በቲ ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብ 3 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ዘካየዶ ናይ ተመልከተለይ ግፍዓዊ ርሸና ሓንቲ ጋል ኣንስተይቲ እትርከቦም ብድምር 6 ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝተተቐዝፉ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

እተን ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ድሕሪ ዝተኻየደሎም ታዕሊም 4200 ተዓለምቲ ጽዒነን ብኣስመራ ናብ ዓሰብ ዝሓልፋ ዝነበራ 18 ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ኣስመራ ድሕሪ ምእታወን ዝተኸፍተ ቶኽሲ ናይ ፍርቂ ሰዓት ካ እንተነበረ ብድሕሪኡ ህዝቢ ተነዓዒቡ ግፋን ተፍትሽን ክሳብ ሰዓት ሓደ ወጋሕታ ከምዝቐጸለ ኣብቲ ትማሊ ብኢንተርነት ዝዘርጋሕናዮ ዜና ተጠቒሱ እዩ።

ህዝቢ ኣብ መንጎ ናብቶም ብቶኽሲ ዝህደኑ ዝነበሩ መሳኪን ተዓለምቲ ተሓዊሱ ተቓውሞኡ ብምግላጽ ነቲ ቅንጸላ ናይቲ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደው እንተዘየብሎ እቲ ስርዓት ገበናዊ ተግባሩ ደው ናይ ምባል ኣንፈት ከምዘይነበሮ ‘ውን ይግለጽ።

ቁጽሪ ናይ ቁሱላት ክንደይ ምኻኑ ዛኢግት ኣይተፈልጠን፡ ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ናብ ሆስፒታል ኦሮታ ህዝቢ ምእታው ከልኪሉ ከምዘሎ ውን ‘ቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ድሕሪ ‘ቲ ግፍዓዊ ፍጻሜ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት መንፈስን ሃዋህውን ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ እቲ ደቂ ማህጸኑ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ክዝሕዝሑ ዝረኣየ ህዝቢ ኣስመራ በዚ ጉዳይ’ዚ ተባሒቱ ቁጥዐን ሕርቃንን ዝተሓወሶ ዕላሉ እዚ ጉዳይ ‘ዚ ኮይኑ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ‘ውን ናብ ሱዳን ክትሰግሩ ሓሲብኩም ተባሂሎም ሓደ ኤርሚያስ ዝብሃል ዘዋሪ ታክሲ ወዲ ኣስመራ (ገዛ ባንዳ) ዝርከቦም 5 መንእሰያት ‘ውን ኣብ ጋሽ ከምዝተረሸኑ ምንጭታት ብኻልእ ወገን ሓቢሮም።

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጥፍኣትካ ዝወጠነ ኣረሜናዊ ምልካዊ ስርዓት ኣሊኻ ብሕጊ ዝሕተት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክሳብ ዘይተኸልካ እዚ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ኣመና ስለ ዝተጻወርካዮ ዝደጋገመካ ዘሎ ቅዝፈት መንእሰያትካ ገና ክቕጽል እዩ። ስለዚ ስለ ሰላምን ቅሳነትን ፍትሕን ረኺብካ ክትቀስን፡ ብሩህ መጻእን ቀጻልነትን ወለዶኻ ‘ውን ከተውሕስ ብህጹጽ ተለዓል።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
64 COMMENTS
  • ዮኒ April 5, 2016

    ኢዚ ቀቅቅሊሉኢዩ። ጌና ክቕጽሎ ኢዩ። ናይ ዕርበቱ ምልክት ኢዩ

  • Berhe April 5, 2016

    በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርካ ። ጸላኢ ኣብ ዓሰብ ኣይኮነን ዘሎ ጸላኢ ኣብ ኣስመራ ኢዩ ዘሎሞ ፥ ህዝባዊ ሰራዊት እቲ ፍታሕ ኣብ ኢድካ ።ድሕሪ እዚ ኩሉ እንታይ ትጽበ።

  • AHMED SALEH !!! April 5, 2016

    Deki Erey
    Pardon me if I said deep from my injured heart that we deserve it to
    awaken our sleepy consciousness . For the last couple years we heard
    many tragic events while the majority prefer silence or denial for their
    stupid politically influenced reasons . Now let them witness in day light
    why our youth are dying in deserts and in oceans . And we will see how
    they react with HGDF officials excuses in this regard .

  • Nakfa April 5, 2016

    This is not true story,it is fabricated by asena and weyane groups.

    • AHMED SALEH !!! April 5, 2016

      I remember one ignorant person when he tried to say Adi Abeto killings was fabricated story . Sinai And Mediterranean Sea victims were also
      African refugees . I hope you feel good now to save your king good name.
      By the way we WEYANE group do not commit atrocities on own people but
      you guys with HGDF group judgement time is getting closer . You better
      prepare to answer solely for inner self consciousness like DERGHI remnants did to ask for forgiveness after their masters dumped them .
      My sympathy to your alike , good luck .

    • helen2 April 5, 2016

      Nakfa, wait ERiTv to report for you. I know you are blind means you will not believe what is reporting but for your information i have confirmed by calling Asmara may be you should the same.

    • Debre April 6, 2016

      Nakfa
      Are you really Eritrean? Why Assenna fabricate such open news?

    • gergish Hansu April 6, 2016

      ቆርባዕ

  • Peace for all April 5, 2016

    My condolences to them and their families

    Its really sad story, what makes this one different is it happen in Asmara otherwise such barbaric act is happing to our people daily especially on the boarder.

    Instead of blaming only the top leaders its also good to identify to those who are doing the barbaric acts. I f we can get their names and their full address and broad casted on the opposition medias and FB it will have some impact, at the same time it will be evidence for next time….I know the only solution is the whole regime has to go for good, unfortunately we are toothless so far and we are too divided

  • AHMED SALEH !!! April 5, 2016

    Sometimes to blame Issayas doesn’t make a sense because from day one in
    Ghedli his reputation was full of contradictory personality but people
    refuse to accept facts rather choose to conceal his bad side .
    Even after independence people ignored the perpetuated injustices just
    to justify his highest power in Eritrean affairs . After all these yrs
    we can’t expect blood thirsty evils can transform themselves to act as
    respectful human beings . The way they started their mission it will
    continue until the last day of their presence .
    THE ONE AND ONLY ANSWER COMES WHEN SECOND ROUND FORTO OPERATION TOOK PLACE WITHIN ERITREAN ARMY FORCE . Enough is enough for good people
    who care about human value . For heaven sake they do not serve such
    cruelty for no apparent reason .
    EHH HGDF mendef zihalefet idkum terkbkum , ALLAH YINALKUM YA KILAB .

  • ኪዳነ: ወ/ሚካሌል April 5, 2016

    አንሆ ቆልዓን ሰበይቲን ምጉዳዕ ከም ቀዳማይ ፕሮግራም ሒዝዎ ዘሎ ቸቔኒ ሰርዓት አልቦ ዓገብ ዝብል ዘይብሉ ዉፁእ ጀግና መንእሰይ ሒወቱ ከንቱ ይጠፍዕ አሎ።
    እዙይ መንፈሱ ጉዱእ ዝኾነ ጉጅለ ናይተስፉ ምቁራፅ ስጉምቲ ይወስድ አሎ።

  • Oromai Eritrea April 5, 2016

    Berhe
    says..
    ¨በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርካ ። ጸላኢ ኣብ ዓሰብ ኣይኮነን ዘሎ ጸላኢ ኣብ ኣስመራ ኢዩ ዘሎሞ ፥ ህዝባዊ ሰራዊት እቲ ፍታሕ ኣብ ኢድካ ።ድሕሪ እዚ ኩሉ እንታይ ትጽበ።¨
    ሰራዊት ከምቲ ኣብ ጊዜ ረፈረንደም ጸብሖም እዮም ዘብስሉ ዘለዉ

    ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳያስ ወይ ህግደፍ ኢዩ ምባል ኤይድስ ዝብሃል ቀዛፊ ሕማሙ ቀንዲ ጸላኢኡ ስልኪ ክሳዕ ትመስል ስለ ዘቕጥነካ እዩ ከም ምባል እዩ።እቲ ጸላኢ ከምቲ ሓው ተኽላይ ዝበሎ ገድሊ ኣእምሮና ስለ ዝ ኣሰሮ እዩ።ኢሳያስን ህግደፍን ውጽ ኢት ናይቲ እኩይ ገድሊ እምበር ቀንዲ ጸላእቱ ኣይኮኑን።ኢሳያስን ህግደፍን እውን እንተውደቕና እቲ ጽውጽዋይ ገድሊ ክሳዕ ዝሓቖፍናዮ ሕማምና ኣይክሓውን እዩ።እወ እታ ሃገር ብጥርኑፍ ዝኾነ ስርዓት ሸፋቱ ሃገር ኮይና ኣላ፣ ንቕድሚት ንገድሊ ከም ጸሊም ነቝጣ ናይ ታሪኽና ኣሚንና ምሕዋይ ጌርና፣ንህዝቢ ዓፋርን ኩናማን ከይፈተወ ስለ ዝተገንጸለ ሬፈረንደም ሂብና ና ብራና ክንቅጽል ይግባእ።

    • Nsane April 6, 2016

      Entay eika anta tbil ንህዝቢ ዓፋርን ኩናማን ከይፈተወ ስለ ዝተገንጸለ ሬፈረንደም ሂብና ና ብራና ክንቅጽል ይግባእ. fetikayom mesiluka Afarn Kunaman tbil zeleka …. Afar bahri nmrkab Kunama dima sibuh kfal meriet Eritrea n mrkab zgber tactic eiyu. Ember si mnalbat endhir geyrkumo kem kalay zegatat kemtgebruwom filut eyu. Hzbi Eritrea Aslamay kirstyan Metahtetay Kebesatay, Afar, Kunama, Tigrigna,Bilen,Tigre,Saho,Jeberti,Rashayda,…..Muhur zeymuhurn bhabar HGDEF yhmsena eyu zelo. Hanti mealti kitmexie eya kuluna nfas harnetna enastemakerna wenenti habti bahrnan meretnan kinkewn. Ente eti Referendum zbelkayo etom txbeyom zeleka gorebet nbaelom ayteamomun alo.

  • simon April 5, 2016

    robot zikone serawit bi ferhen rahden ziabeye kem eplf leweti kemezi akilen iu

  • Dawit kflezghi April 5, 2016

    ሙስሙዑ ዘደንጹ ወግሔ ጸብሔ፡
    እንብዛ ጭካኔ ዘይቡሎም ርህራሄ
    ማፍያዊ መለኮት ካብ ኑጉሆ ዝነብሔ፡
    ጋኒናዊ ሳሕል ኣብ ከተማ እኔሄ፡

    ኦም ብሓኽላ፡ቁሮጾ፡ስልዓዮ፡
    ትልሙ ዘርኢ ኽርዳድ፡ኮሙኡ”ዩ”ዝደልዮ፡
    ካብ ኣረሜን የለን ሰናይ ንጽበዮ፡
    ሓንሳብ ንሓዋሩ ሓቢርና ንእለዮ፡
    ኩውን ኣብ ሙዃኑ ኣብዛሓ ንድልዮ፡

    ጉልባቡ ዝቀለዔ ማፍያ፡ኣብ፡በረኻ ከተማ፡
    ዓሌታት ኣብ ምጽናት ወፊሩ ኣልማማ፡
    ኣሻሓት ቀዚፉ ዱሑሩ ፈለማ፡
    እታ ሳሕላዊት ሚስጢር ብግህዶ ይደግማ፡
    ኣብ ጀጋኑ ሱንኩላን ማይ ሓባር ዝሰወደ፡
    መንከ ተዛሪቡ ዓገብ ኢሉ ሓደ፡ ከይዱ፡እናገደደ፡
    ጃምላዊ ቅዝፈቱ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ፡
    ህጻናት ኣጥፊኡ መንኣሎ! ዝሓቶ፡
    ድክመታት መዝሚዙ ናትና ኢዩ ኮቶ፡
    ተወልደ፡ ከጽንት ጋኒን ዝባሓቶ፡

    ስጋብ ተአማሚና ኣይፋልና ንብለሉ፡
    ግዳያትና ቅዱሙ ዱሑሩ፡
    ኣምላኽ ይቀበልኩም ኣብ ዓንደ መስቀሉ!!!
    ጽንዓት ንቤተሰብ ኤርትራ ብኹሉ

    04/05/16
    ብዳዊት ክፍለዝጊ

POST A COMMENT