Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

UPDATE: ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ቶኽስን ቅዝፈት መንእሰያት ተዓለምትን ኣብ ኣስመራ ተኸሲቱ ዘሎ ወጥርን

ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ልዕሊ 'ቶም ናብ ዓሰብ ገጾም ዝጋዓዙ ዝነበሩ ተዓለምቲ መንእሰያት ቶኽሲ ከፊቱ ምዉታትን ቁሱላትን ምስገበሮም ህዝቢ ኣስመራ ተቖጢዑ ነቶም ግዳያት ብምድጋፍ ምስቶም ሰራዊትን ተዓለምትን ተሓዋዊሱ

ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ‘ቶም ናብ ዓሰብ ገጾም ዝጋዓዙ ዝነበሩ ተዓለምቲ መንእሰያት ቶኽሲ ከፊቱ ምዉታትን ቁሱላትን ምስገበሮም ህዝቢ ኣስመራ ተቖጢዑ ነቶም ግዳያት ብምድጋፍ ምስቶም ሰራዊትን ተዓለምትን ተሓዋዊሱ ተቓውሞኡ ክገለጽን ከዕገርግርን ስለዘምሰየ፡  ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሓይልታት ጸጥታን ሰራዊትን ኣዋፊሩ ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት ሓደ ግፋን ተፍትሽን ከካይድ ከምዝሓደረ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ወረ ቅትለትን ግፍዕን ናይቲ ስርዓት ናብ መላእ ሃገር በጺሑ፡ በቲ ኩነታት ዝተፈጥረ ወጥሪ ክሳብ ሎሚ 4 ሚያዝያ ቀጺሉ ብምውዓሉ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ እቲ ኩነታት ናብ ሓደገኛ ኣንፈት ከይምዕብል ብምስጋእ ንምሸቱ 46 ናይ ስለያ ጋንታት ኣብ ኣስመራ ኣዋፊሩ ኩነታት ይጸናጸን ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

ብቕንያቱ ኣብ መላእ ኤርትራ ተፈጢሩ ዝቐነየ ከቢድ ኩነታት በዚ ናይ ትማሊ ቶኽስን ዕግርግርን ኩነታት ተነሃሂሩ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገር ኩነታት ተኣፋፊ ኮይኑ ከምዘሎ ‘ውን ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ድሒሩ ዝበጽሓና ሓበሬታ እቲ ናይ ትማሊ ቶኽሲ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ካልኣይ መደበር ፖሊስ እዩ ኣምስዩ።

እቲ ብእከይ ተግባሩ ዘይቀሰነ ርእሰ ምትእምማን ኣጥፊኡ ዘሎ እኩይ ስርዓት፡ ከም ሓብሓቢ ናጽነትን ህዝብን ‘መበል 25 ዓመት ናጽነት ብሩራዊ ኢዮቨልዮ’ እናበለ ዳንኬራ ዝገብረሉ ዘሎ ምድላው ውራይ በንጻር ውጥኑ ነገር ከየምጽኣሉ ሰጊኡን ተጨኒቑን፡ ነቶም ደረት ኣልቦ ጊላነት ሃገራዊ ኣገልግሎት መሪሩዎም ነነዊሕ ዓመታት ኮብሊሎም ኣብ ከተማታት ዝጸንሑ መንእሰያት ፡ ንገሊኦም ብደሞዝ ቀሺሹ ንገሊኦም ገፊፉ ካብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን  መንእሰያት ክለቅም ከይደቀሰ ኣብ ዝወርሓሉ እዋን እዩ እቲ ካብ ኣስመራ ከርሕቖ ዝሓሰበ ሓደጋ ናብ ኣስመራ ተመሊሱዎ።

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
45 COMMENTS
  • helen2 April 5, 2016

    Nothing will happen. As always this will be forgotten too.

  • Selie Menghse April 5, 2016

    Nekefiata bzey aberkto
    tetsabio eyu.

  • Yunus April 5, 2016

    Innocent youth been killed by coldblood under the sun light what s cruel regime is.almost the enemy of our nation is isias and his regime no one else …ya allah irham mautana

  • asgedesolomon April 5, 2016

    u know what i am saying those who support this regime specially diaspora shame for them innocent young eritrean killed bydictators issays .Rip.

  • Massawa April 5, 2016

    ቅድም ሽፍታ፤ ሎሚ ሽፍታ። ካብዚኦም ለውጢ ዝጽበ ወዲ ገርሂ ልባ ጥራይ እዩ።

  • Iron fist April 5, 2016

    ስራሕ ህግደፍ “ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ”
    ብ1989 ድሮ ምሕራር ባጽዕ ዓመት ጸኒሕካ ድማ ናጽነት ኣብ ቤሄረ ዓፋር ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ ምስዚ ናይሎሚ ኣብ ኣስመራ ብዓይነይ ዝራኣክዎ ከዘንትወልኩም። ኣብቲ እዋን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ናይ ሎሚ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ሰሜን ዳንካልያ ሰፊሕ ናይ መንእሰያት ግፋ ኣካይዱ። እቲ ግፋ ኣነዘን ዝስዕባ ዓድታት ዓፋር ተካይዱ ማለት ዙላ፡ እንገል፡ኣፍታ፡እገልዓሎ፡ዓከሎ፡መንካዕሊለ፡ኢራፋይለ፡ቦርደለ፡ቡያ፡ዓሳዒላ ፡ባዳ፡ሲሙቲ ብሰፊሕ ተካይዱ። ፎሮ ግን ኣብ ትሕቲ ደርግ ስለዝነበረት ግፋ ክካየደላ ኣይክኣለን። እዞም ካብዘን ዝተጠቅሳ ዓድታት ዓፋር ዝተገፈፉ መንእሰያት ብመራክብ ንሳሕል ክዕለሙ ንክኸዱ ናብ እገልዓሎ ኣከብዎም እንተኮነ ግን ብባሕሪ ክንወስዶም እንተፈቲንና መንእሰያት ዓፋር ንፉዓት ሓምበስቲ ስለዝኮኑ እተን መራክብ ቁሩብ ካብ ገምገም ንውሽጢ ባሕሪ ምስተበገሳ ነነጢሮም ከምልጡ ስለዝኽእሉ ፡እቲ ሓሳብ ተቓሩጹ ብመርየት ብእግሮም ክኸዱ ስለዝተሓስበ ተኸቢቦም ብሓልዋ ብእግሮም ናብ ዓሳዒላ ተኣከቡ። እቲ መደብ ጉዕዞ ብእግሮም ብመንገዲ ዊዓ ሩባሓዳስ፡ማይሰራው፡ኮዓቲት፡ሃዘሞ፡ጸሮና ገርካ ንሳሕል ንምውሳድ ዩ እቲ መደብ። እንተኮነ ግን ኣብ ዓሳዒላ ከለው እቲ ናዕቢ ተላዒሉ። ኣነ ኣብ ታሕተዋይ ናይቲ ዓዲ ማለት ጋራጅ መጎዓዝያ ነረ እቶም ግፉፋት ድማ ኣብላዕሊ መንገዲ 15 ደቃይቅ ጠሓኒት እኽሊ ዝነበረቶ ንሮም። እቶም ግፉፋት ጸላም ተኸዲኖም ፋሕ ኢሎም ከምልጡ ስለዝፈተኑ እቲ እዋን ከባቢ ሰዓት 10 ናይ ሚሽት እዩ ነሩ። በቲዘጋጠመ ተኽሲ ተኸፊቱ ብዙሓት መንእሰያት ዓፋር መይቶም። ኣነ ሹዑዑ ሚሽት ኣይከድኩን ካብ ኣሃዶይ ግና ሓላፊና ዘለዎም ተዋጺኦም ከይዶም እቲ ተክሲ ክሳብ ፍርቂለይቲ ቀጺሉ። ንጽቢሒቱ ነቲ ሓላፊና ከመይ ነበረ ኢለ እንተሓተትክዎ እንዳስተንተነ ሙሉእ ለይቲ ረሳታት ክንቀብር ሓዲርና ህዝቢ ከይወገሐ ከሎ ከይርኦ ኢሉኒ። ክንደይ ሰባት ድዮም መይቶም ኢለ እንተሓተትክዎ 100 እኮኑ ኢሉኒ። ንጽባሑቱ ኣብቲ ሩባ ከይደ ኣነባዕለይ ህዝቢ ከይሪኦ ከመሳስልዎ ሓዲሮም ተባሂሉ እቲ ሑጻ ናይቲ ሩባ ካብ ንዝሕሒ ህሩማት ደም ዝፈሰሰ ቀይሕ ተቀይሩ ጸኒሑና። ህዝቢ ዓፋር በቲ ዝተፈጸመ ተግባር ስለዝተቆጠዐ ናብ ደርጊ ንባጽዕ ከይዱ ጠረዐ። ሰራዊት ደርጊ ድማ ሰፊሕ ህውፍሪ ብምክያድ ንብሙሉኡ ዓድታት ዓፋር ተቆጻጸሮ። ምዝላቅ ኮነ ህድማ ኣብ ሩባ ዒንደልሊ እትርከብ ዓዱ ራንዳኮማ ኣብ እትብሃል ዓዲ ዓረድና። እቲ ህድማ ናይቶም ዓፋር ዕውት ነሩ ፍርቆም በታ ለይቲ እቲኣ ሃዲሞም፡ ንሳሕል ውን ኣዝዮም ውሑዳት ከምዝኣተው ዳሕራይ ሰሚዐ። ህዝቢ ዓፋር ካብቁጠዐ ዝተላዕለ ቁጽሮም ዘይነዓቅ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ደርጊ ተሰሊፉ ኣንጻር የሕዋቱ ተዋጊኡ ብዙሓት ውን ሞይቶም። ካብ ሳሕል ተላኢኩ ዝመጸ ኣላህ ይርሓሞ ላዕለዋይ ሓላፊ ነፍሲሄር ማሕሙድ ሽሪፎ መጽዪ ህዝቢ ዓፋት ነጺግዎ። እንደገና ወዲ ተወላዲ እንገል ዓፋር ዝኮነ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ እብ ዓዱ መጽዩ ነቶም ለባማት ዓበይቲ ዓዲ ከዛራርቦም ፈቲኑ ብኣንስቲ ገሮም እቲ ዘይክላእ ማይን እንገራን ሊኢኮም ንወዶም ፎእ ኢሎም ነጺጎሞ። ንዓመቱ 1990 ባጽዕ ስለዝተታሕዘት ብጭፍራ ኢሰያስ ኩሉ ተረሲዑ ብዓወት ሰኺሮም።
    ፎእ ፎእ ፎእ ህግደፍ መንደፍ

  • hayu hayu April 6, 2016

    mesakin

  • Mic April 6, 2016

    This regim will never change, Issayas and his followers will pay the price one day.RIP

  • የማነ April 7, 2016

    ኣታ ኣማኑኤል እያሱ ክንደይ ክትሕሱ ኢኻ? ምስ ወያነ ሕግብግብ ካብ ትብል እቲ ሕማም ሓሶት ለጊብካ። እዚ ብዛዕባ ኣብ ኣስመራ ኣጋጢሙ ኢልካ መዓልታዊ ትፍብርኾ ዘለኻ ሓሶታት’ዚ ንዋላ ሓደ ኤርትራዊ ኣይጠቅምን እዩ – እንትርፎ ነቶም መሳርሒ ወያነ ክትኮኑ ዝወሰንኩም ሽዩጣት ሕልና። ኣነ ኣብ ፖለቲካ ዝኾነ ይኹን ተገዳስነት የብለይን፡ እንተኾነ ህዝቢ ብንቕሓት ኣብ ፖለቲካ ክሳተፍ እንተኾይኑ ቅኑዕ ሓበሬታ ክረክብ ከምዘለዎ እኣምን። ኣብ ኣስመራ ስለዝነብር ከኣ ብዛዕባ’ዚ ኣጋጢሙ ዝበሃል ዘሎ ጉዳይ እኹል ሓበሬታን ኣፍልጦን ኣሎኒ። ብልክዕ ብሰንበት ገለ መካይን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኾኑ መንእሰያት ጽዒነን ብኣስመራ ክሓልፋ መጺአን። እዞም መንእሰያት ዳርጋ ኩሎም ኣብ ዝተፈላለየ ገበናት ተዋፊሮም ዝነበሩ (human trafficking፡ ስግረ ዶብ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ፡ ካብ ኣሃዱታቶም ዝኾብለሉ…)እዮም። መንግስቲ ብዝገበሮ ምሕረት ከኣ፡ እቶም ዘይተዓለሙ ተዓሊሞም ኣብ ልምዓታዊ መደባት ክሳተፉ ናብ ዝተመደብዎ ቦታታት ዝኸዱ ዝነበሩ እዮም። ገሊኦም ከኣ ብቐጥታ ናብ’ተን ዝነበርወን ኣሃዱታት ዝምለሱ ዝነበሩ’ዮም። እተን ጽዒነንኦም ዝነበራ መካይን ኣብ ከባቢ ስታድዩም ኣብ ዘላ ሴማፎሮ ምስ በጽሓ ክዘሉ ፈቲኖም። ኣብ’ዚ ከኣ ገለ ገለ መንእሰያት ተጐዲኦም። ኣብ ከባቢ ሹቕ’ውን ብተመሳሳሊ ምስ ዘሎ ጻዕቂ ምንቅስቓስ ሰብን መካይንን ገለ መንእሰያት ክዘሉ ፈቲኖም። እንተዀነ ካብ’ተን ኣን ምንቅስቓስ ዝነበራ ነዋሕቲ መካይን ብዘይኣገባብ ዘሊልካ ክትድሕን ዘለካ ተኽእሎ ጸቢብ’ዩ። ስለዚ ቀዳምይ ገበኖም ተማሒሮም ንሃገሮምን ህዝቦምን ክኽሕሱ መንግስቲ ምሕረት ገይርሎም ከብቅዕ፡ ካልኣይ ገበን ፈጺሞም። ምልማዕን ምክልኻን እዛ ሃገር ናይ ኩልና ሓላፍነት (ናይ’ቶም ኤርትራውያን ኢና ንብል)’ዩ። ስለዚ፡ እዞም መንእሰያት ብልክዕ ካብ ሕጊ ወጽጻኢ ክገብሩ ፈቲኖም፡ ግን ኣይሰለጦምን። ብጥይት ናይ’ቶም ዝሕልውዎም ዝነበሩ ዝተቐትለ ከምዘየለ የረጋግጸልካ። ህይወቶም ብምስኣኖም ዘሕዝንኳ እንተኾነን ዝሕጐስ ኤርትራዊ’ውንኳ እንተዘየለን፡ ዘይሕጋዊ ተግባራቶም ከኣ ንመንግስቲ ብምጽላም ክነጽህ ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ዝኾነ ዓለም፡ ኣኽበርቲ ጸጥታ ንሓደ ገበን ፈጺሙ ዝሃድም ሰብ ካብ እግሩ ንታሕቲ ተኵሶም ከውድቝኦ ከምዘለዎም ኩልና ንፈልጦ ሓቂ’ዩ። እዞም ነዞም ክሃድሙ ዝፈተኑ ዝሕልዉ ዝነበሩ ግን ከምኡ’ውን ኣይገበሩን። ንላዕሊ ጥራይ’ዮም ተኲሶም። ስለዚ፡ ንፖለቲካዊ ረብሓኻ ክትብል ነቲ ሓቂ ኣይትጠምዝዞ። ህዝቢ ቅኑዕ ሓበሬታ ሃቦ። እቲ ፍርዲ ከኣ ንዕኡ ግደፈሉ። እምበር ባዕልኻ ብሓሶት ህዝባዊ ርእይቶ (public opinion)ክትፈጥር ኣይትፈትን።

    • Yonas April 7, 2016

      Ata kindey metaleli hasabat tmhz . Fekis eka gin eti haki gin etom zihlwuwom zineberu tequisom ketilomom ember . eta ade quolia ke dea kabey zelila mis weda moita . Nlaeli eyo tequisom tbl mesarhi isayas mkanka flut hatsabi meako hgdef eka.

  • bikila April 7, 2016

    mot for the isayasawiyan and his followers

Post a Reply to shengeb Cancel Reply