ኣብ ናይ 27 ሚያዝያ ዜና ኣሰና ስርዓት ህግደፍ ብ21 ሚያዝያ፡ ማለት ሓሙስ ጽግቦ፡ ኩለን ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቑ ኣስታት 00 ንጹሃት ኤርትራውያን ጸሎተ ፍትሓት ድሕሪ ምግባረን፡ በዚ ዘይተሓጎሰ ስርዓት ህግደፍ፡ ንሰለስተ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምዝኣሰሩዎም ሓቢርናኩም ኔርና። ኣስማቶም ከኣ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ንብጹእ ወ ቅዱስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ኣቦና ኣንጠንዮስ ንዝገብረሎም ዘሎ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝዅንን ናይ ጸሎት ስነስርዓት ኣብ ለንደን ከምዝተኻየደ ቢቢሲ ኣብ ሰስፈሮ ዓንቀጽ ሓቢሩ።