ኣብ ኤርትራ ዝርከባ፡ ኣሽሓት ሰራዊት ዝሓቖፋን፡ ጌና ሕጂ ‘ውን ኣብ ምምልማል ዘለዋ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ቀንዲ ዕላማአንን ዕለታዊ ምንቅስቓሰንን፡ ኣንጻር ኢሳያስ ዝኾነ ይኹን ውሽጣዊ ተቓውሞ ኣብ ዝለዓለሉ እዋን ዘራይ ብምእታው፡ ነቲ ምልዕዓል ብምጭፍላቕ፡ ዕድመ ስልጣኑ ምንዋሕ ምዃኑ ሓደ ስመይ ይተዓቀበለይ ዝበለ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኣባል መሪሕነት ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ንምንጭታትና ሓቢሩ።
ዋና ፋብሪካ ሳምናን ኦሞን መሓመድ ሳልሕ መሓመድ ሓጎስ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ “ብድንገት” ከምዝዓረፈ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ የፍልጥ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባን-ኪ ሙን (Ban Ki-moon ) ንኤርትራዊ ተኣምራት ሳሙኤል ከም ምኽትል ፍሉይ ልኡኹ ኣብ ኔፓል ( Deputy Special Representative for Nepal) ከምኡ ‘ውን ምኽትል ሓላፊ ተልእኾ ውድብ ሕብራት ኣብ ኔፓል (Deputy Head of the United Nations Mission in Nepal ) ከምዝመዘዞ ሎሚ 20 ሰነ ካብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኒው-ዮርክ፡ ዝተዘርግሐ
ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኮይኑ ከገልግል ከም ዝተመዘዘ መርበብ ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።