
ኣብቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መጀመርያ ኣዋርሕ ናይ 2001 ንላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ንኣዘዘቲ ሰራዊት ዘመሓላለፎ “ምስ ዝመስለኩም ኣካል ተሓባቢርኩም ቁጠባዊ ትሕዝቶኹም ኣደልድሉ“ ዝብል ስቱር መምርሒ ብምምርኳስ፡ ንውልቃዊ ረብሕኡ ዝተወናጨፈን ድልዱል ሃብቲ ዘኻዕበተን፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ወታሃደራዊ መራሕቲ ኤርትራ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ከምዝኾነ ምንጭታት ካብ ኣሰመራ ሓቢሮም።
ኣብ ኤርትራ ዝርከባ፡ ኣሽሓት ሰራዊት ዝሓቖፋን፡ ጌና ሕጂ ‘ውን ኣብ ምምልማል ዘለዋ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ቀንዲ ዕላማአንን ዕለታዊ ምንቅስቓሰንን፡ ኣንጻር ኢሳያስ ዝኾነ ይኹን ውሽጣዊ ተቓውሞ ኣብ ዝለዓለሉ እዋን ዘራይ ብምእታው፡ ነቲ ምልዕዓል ብምጭፍላቕ፡ ዕድመ ስልጣኑ ምንዋሕ ምዃኑ ሓደ ስመይ ይተዓቀበለይ ዝበለ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኣባል መሪሕነት ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ንምንጭታትና ሓቢሩ።