መብዛሕትኦም ብጾቱን ደቅዓዱን መሳርሕቱን፡ ከም ጋዜጠኛ ዘይኮነ በቲ ዘይጽገብ ዒላሉን መስሓቕ ጭርቃናትንዮም ዝዝክርዎ። በዐል ቤቱን ወላዲ ኣቡኡን ከይተረፈ ክሳብ ሕጅዮም ክዝክርዎ እንከለው ክርትም ኢሎም ዝስሕቁ። ኣብ ሞያ ጋዜጠኛውን ኣዝዩ ንጡፍን ድምጺ ህዝቢ ብምኹዋን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናውን ሃገራውን ጉዳያት ብዙሕ ዘበርከተ ፍሉጥ መንእሰይ ናጻ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛዩ ነይሩ ኣብ ክፍላ መጋቢት 2003 ብኣባላት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ተባሂሎም ብዝፍለጡ ዓፈንቲ ካብ ገዝኡ ተጨውዩ ናብ ማሕቡስ ክድረበ እንከሎ።መንግስትን ኣኽባር ሕግን ቅድሚ 2023 ፈጺሙ ኣይፍታሕንዩ ክብሉ ዝገለጽዎ እዚ እሱር ናይ ሕልናን ሞያን ኣብ ከተማ ሲየጎ ዲ ኣቪላ ኣብ ቤት ቀይዲ ሞሮን ዲ ሙኒሲፓል፡ነቲ ነዊሕን መሪርን ጎደና ማእሰርትን ጽምዋን ተታሓሒዝዎ ኣሎ ምስ ብዙሓት ካሎኦት ግዳያት ምልክን ፋሽስትነትን ዝኾኑ ደቂ ሃገሩ።
በሉ ወይ ወረስ ኣይትበሉኒ፡ ወይ ድማ እቲ ዝግባኣኒ ሕድሪ ስውእ ኣውርሱኒ፡ ልዕልና ሕጊ ዘረጋግጽ፡ ኩናት ብሰላም፡ ዓመጽ ብፍትሒ፡ ዝትክእ። ሓድነት እዚ ሕላገቱ፡ ፍትሒ እዚ ባይትኡ፡ትርግታ ህዝቢ ኤርትራ ብኣንኹሮ ዝሰምዕ። ኣራግጻ እግሪ ሓደ፡ ንጥምርትን ስምርትን ብልጽግቲ ኤርትራ ዝሰርሕ ደምበ ተቓውሞ ኣውርሱኒ።