ብዝኾነ ፋና ናይ ነብሳ ጭካነ ድኣ ሓዊሳትሉ እንበር ካብ ህግደፍ ዘይተለኣኸቶ ዶ ጌይራ ኮይና።…ዝዓበናሉ ቦታታት ኩሉ ፈሪሱን ባዲሙን ኣሎ። ንሕና ከኣ ናብ ዓዲ ጓና ሰፊርና ኣሎና። ከማና ዘጋጠሞምውን ብዙሓት ኣሎዉ። ብሕጂውን ክሳብ ዘሎዉ ኣይክገድፉናን እዮም። እንተኾነ ግን በትሪ ሓቂስ ትቀጥን እንበር ኣይትስበርን ከምዝበሃል፣ ፋናን መሰልታን ናብ ዓይኒ ሕግን ፍትሕን ጠጠው ዝብሉሉን፣ በቲ ኩሉ ዝገበርዎ ግፍዒ ፍዳኦም ዝኽፈሉልን ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ።
ምጽዋዕ ብዙሕ መከራታት ኢያ ርእያ። እዚ ኣብ ነባሮ ኣማተረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቶም ውሱናት ህዝቢ ዝወረደ ግፍዒውን ሓደ ካብኡ እንተ ተባህለ ዝተጋነነ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ከም ቀጻልነት ምስቲ ኣብ ውሽጢ ባጽዕ ገማግም ባሕሪ ዝነበሩ ገዛውቲ ካብ እንዳ ደናዳይ ነበር ጀሚርካ ክሳብ ርእሲ ምድሪ ዝተደምሰሰ ዝተታሓሓዘ እዩ።