Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

isuነዚ ሕጂ አብ ኤርትራ ዘሎ መንግሰቲ ምስ ናይ ሃይለ ሥላሴ መንግሰቲ ከማዛዝኖ ከሎኹ ብዙሕ ብጌጋ ዝርድአኒ ሰብ ከምዘሎ አይስሕቶን ኢየ፡፡ ምናልባሽ‘ውን ብናተይ ሃገራውነት ዝጠራጠሩ ሰባት ከምዝህልዉ ይርድኣኒ ኢዩ፡፡ ናይ ኤርትራ ልዕላውነት ይኣምነሉዬ ጥራይ ዘይኮንኩስ ከም መብዛሕትኡ ኤርትራዊ  ንናጽነት ኤርትራ‘ውን ቁርብ ግዜ ብረት ዓጢቔ ተቓሊሰ ከምዝነበርኩ ከገልጽ እፈቱ፡፡ መንግስቲ ሃይለ ሥላሴን መንግስቲ ኢሳያስ አፈወርቅን ከወዳድሮ እንከለኹ ግን ሚእቲ ካብ ሚእቲ መንግስቲ ጃንሆይ ዝሓሸ ምኻኑ ስለዝአምን ኢየ፡፡

Massawaምጽዋዕ ብዙሕ መከራታት ኢያ ርእያ። እዚ ኣብ ነባሮ ኣማተረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቶም ውሱናት ህዝቢ ዝወረደ ግፍዒውን ሓደ ካብኡ እንተ ተባህለ ዝተጋነነ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ከም ቀጻልነት ምስቲ ኣብ ውሽጢ ባጽዕ ገማግም ባሕሪ ዝነበሩ ገዛውቲ ካብ እንዳ ደናዳይ ነበር ጀሚርካ ክሳብ ርእሲ ምድሪ ዝተደምሰሰ ዝተታሓሓዘ እዩ።