ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ካብ ህዝቢ ብዝዘመቶ ቢልዮናት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ወፍሪ ከምዘካይድ ተቓሊዑ: ንቁጠባዊ ረብሓታት ሽወደን ብምትንካፉ ድማ ኣብ ረጽሚ ተሸሚሙ

ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝዘመቶ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣዋፊሩ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ወነንቲ ብርክታት ቻይናዊት ትካል ጊሊ ኣወቶሞቢል ሆልዲንግ ክኸውን ዝበቕዐ ፕረሲደንት ኢሰያስ፡ ሽወደናዊት ትካል መፍረ-መካይን ቮልቮ፡ ምስታ ቻይናዊት ትካል ኣብ ዝገበረቶ ውዕል ቢዝነስ፡ ገንዘቡ ኣብ ናይ ምዕራባውያን ትካላት እንተዋፊሩ ውሕስነት ከምዘይብሉ ብምግላጽ ዕቃበታት ብሰንኪ ምርኣዩ፡ እታ ቻይናዊት ትካል ነቲ መስርሕ ውዕል ስለዝሰረዘቶ፡ በዚ ኸኣ ሽወደን ከምዝተቖጥዐት ምንጭታትና ሓቢሮም።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ተንቀሳቓሲ ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ኤርትራ ንዝኾነ ዲፕሎማት ተቐቢሉ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘዘራረበሉ ኣጋጣሚ፡ “ ኒኵሌራዊ ዓወት ኢራን ምንጪ ሓበንና እዩ፡ እታ ሃገር ኣብ’ዚ ጉዳይ ‘ዚ ንዘለዋ መርግገጺ ድማ ንድግፎ” ብምባል፡ ኒኵልየራዊ ጸዓት ምውናን ዘይትንከፍ መሰል ኢራን ምዃኑ ኣገንዚቡ፡