ኣብ ሰያትል ሕቡራት መንገስታት ኣመሪካ ከም ወዋፈሪ ንጥፈታት ስርዓት ህግደፍ ዘገልግል ዝነበረ ብኣማኑኤል ዝተባህለ ኤርትራዊ ዝውነን ገዛ፡ ‘ከም ማእከል ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ስለዝተጠርጠረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን FBI ማለት ወከልቲ ናይቲ ዝለዓለ ፈደራላዊ ጸጥታዊ መርማሪ ሓይሊ ፖሊስ ኣመሪካ ኣብቲ ገዛ ሃንደበት ተረኺቦም ብጽኑዕ ድሕሪ ምፍታሾም ፡ ዘድልዮም ሓበሬታን ጭብጥታትን ኣኪቦም፡ ኣብቲ ገዛ ንዝጸንሓኦም ኮምፒተራት ከምዝወሰዱወን ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ኣብ ለንደን ዝርከብ መንበሪ ገዛ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ሚኒስተርን ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ውሽጣዊ ጉዳያትን ኮይኑ ዘገልገለ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ: ለንደን ዝነብር ዘሎ፡ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ረፋድ ክሳብ ወጋሕታ ብፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ብጽኑዕ ከምዝተፈተሸ ተፈሊጡ።