ብሕልና ኣብ ቤትማእሰርቶም ኣቲና ነዚ ኩነት’ዚ ክነስተማቕሮ እንተንፍትን፡ ምሕሳቡ ጥራይ ‘ኳ ከምዘስካሕክሓና ፍሉጥ እዩ። ሓርበኛታት ተጋደልቲ፡ ዑቕበ ኣብርሃ፡ በራኺ ገብረስላሰ፡ ማሕሙድ ሸሪፎ፡ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ወዲ ኬክያ፡ ኣስቴር ፍጽሃጼን ድሩዕ፡ ሓምድ ሕምድ፡ ብርሃነ ገረዝጊሄር፡ እስቲፋኖስ ስዩም፡ ጀርማኖ ናቲ፡ ቢተወደድ ኣብርሃን ኩሎም እቶም ብፖለቲካዊ ምኽንያት ተኣሲሮም ዘለዉ ተጋደልትን ጋዜጠኛታትን ግን ንሸውዓተ ዓመታት በልዮሙሉ። ጸብጻብ ሞቶምን ህላዊኦምን ‘ውን እቲ ዓጽመ-ስጋኦም ዝፈላለየ ኣራዊት ጥራይ እዩ ዝፈልጦ።