Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

women pሎሚ 18 መስከረም 2010 እዩ። እቶም ኤርትራ ካብ ምልካዊ ስርዓት ድሒና፡ መዳርግቲ መብጽዓ ስዉኣትና ንኽትከውን ፡ ቅዋማዊ ስርዓት፡ ፍትሒ፡ ግዝኣተ-ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን ክነግስ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠለቡ ሓርበኛታት ኤርትራውያንን፡ ኣፍ ዝኾኑዎም መንእሰያት ጋዜጠኛታትን፡ ኣብ ምስጢራዊ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ተሓይሮም ሃለዋቶም ካብ ዝጠፍእ ትሽዓተ ዓመቶም ኮይኑ ሎ።

dictatorብሕልና ኣብ ቤትማእሰርቶም ኣቲና ነዚ ኩነት’ዚ ክነስተማቕሮ እንተንፍትን፡ ምሕሳቡ ጥራይ ‘ኳ ከምዘስካሕክሓና ፍሉጥ እዩ። ሓርበኛታት ተጋደልቲ፡ ዑቕበ ኣብርሃ፡ በራኺ ገብረስላሰ፡ ማሕሙድ ሸሪፎ፡ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ወዲ ኬክያ፡ ኣስቴር ፍጽሃጼን ድሩዕ፡ ሓምድ ሕምድ፡ ብርሃነ ገረዝጊሄር፡ እስቲፋኖስ ስዩም፡ ጀርማኖ ናቲ፡ ቢተወደድ ኣብርሃን ኩሎም እቶም ብፖለቲካዊ ምኽንያት ተኣሲሮም ዘለዉ ተጋደልትን ጋዜጠኛታትን ግን ንሸውዓተ ዓመታት በልዮሙሉ። ጸብጻብ ሞቶምን ህላዊኦምን ‘ውን እቲ ዓጽመ-ስጋኦም ዝፈላለየ ኣራዊት ጥራይ እዩ ዝፈልጦ።