
ውልቀ መላኺ ኣቶ ኢሳይያ ኣፈወርቂ ካብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ማለት ካብ 1976 ኣትሒዙ ዝተኣከበን ዝተጸንዐን ዝተሰነደን ንታሪኽን ቋንቋን ባህልን መበቆልን ሃይማኖትን ሃብቲ ባሕርን መሬትን ያታዊ-ሕግታትን ዘጠቓለለ፡ ብድምር ክሳብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ገጻት ዝሓዘ ሰፊሕ መዝገብ፡ ዝኾነ ይኹን ቅዳሕ ከይተርፍ ኣጻርዩ፡ ብምሉኡ ነቲ ሰነድ ካብ ቤት ጽሕፈት መጽናዕትን ስነዳን ምርምርን ናብ ቤትጽሕፈቱ ብምውሳድ፡ ፡ ንኸይሕተም ከምዝኣገዶ ምንጭታትና ምስናይ መሪር ሓዘን ገሊጾም።
ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሙሉእ ኤርትራ ዝርከባ 22 ገዳማት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ንብረተን ዝኾነ ጥንታውን ታሪኻውን ቅርስታት ብምህጋር፡ ነተን ገዳማት ናብ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ኣብያተ ማእሰርትን ክቕይረን መዲቡ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሩ።