ብዕለት 29 ሚያዝያ 2011 ኣብ ሊድስ ብዛዕባ ሃገርናን ህዝብናን ዘተ ጌርና ምንባርና ይዝከር። እታ ዕለት ዝፈረየታ ግዝያዊት ኮሚቴ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ሰፊሕ ኣኼባ ንኽትጽውዕ ብምልባው ዘተና ብውዕውዕ ሃገራዊ ስሞዒት ዛዚምና። ግዝያዊት ኮሚቴ ዝተዋህባ ሓላፍነት ናብ ህዝቢ ንምቕራብን ንዝሰሐ ሃገራዊ ዘተ ንምግባርን ንዕልት 28 ግንቦት 2011 ሰዓት 2 ድ. ቀ. ኣብ ዩክሬንያን ኮሙኒቲ ሰንተር ክትርከቡ ትዕድም።
ነቲ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ብፍላይ ድማ ኣብ መንእሰያትና ዝወርድ ዘሎ መዘና ዘየብሉ ኣደራዕ ናብ ህዝብን መንግስትን ኣመሪካን ዓለምን ህጹጽ መጸዋዕታ ንምግባርን ፍታሕ ንምንዳይን “ብሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ” ዋሽንግተን ዲ.ሲን ከባቢኣን ዝተዳለወ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ንምክያድ ምሽብሻብ ይግበር ኣሎ።