ክውንነትን ግዜን ይቀዳደምሉ ኣብ ዘለዉ እዋን ንግዜ ቀዲምካ እዋናዊ ሓቤሬታ ብምስናቕ ንኩነታት ብምምዛን ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን ይሕግዝ ኢዩ ዝብል ግምት ስለ ዘለኒ ነቲ ዋሕዚ ሓበሬታ ካብ ክዉን መንፈሱ ከይቀየርኩ ናብቲ ከም ንፋስ እናሸበብ ዝቕድመና ዘሎ ህሉው ምዕባለታት ብምትዃር ኩለትናዊ ሓበሬታ ብምዕራፋት እናኸፋፈልኩ ኣብ ቦቶኦም ከትሕዞም ምዃነይ ቃል እናኣተኹ፡ እንሆ ናብ’ቲ ቀንድን መበገስን ዝነበረ ኣገዳስን ተኣፋፍን ቴማ ብዝያዳ ኣተኵረ አቕርቦ ።
ካቡኡ ናቡኡ ኸኣ፡ ንኤርትራውያን ኣሻቒሉ ኣብ ዘሎ ኣርእስቲ ኣትየ ክጽሕፍ እንከለኹ፡ ነቲ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገብሮ ጉዕዞን፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ፋን ቤንጃንኩዝ፡ ብዕለት 12/10/2008 ዝሃቦ መደረ ምርኩስ ብምግባር፡ ንዘለኒ ሓቤሬታ ንምክፋልን፡ ኣብ ወትሃደራውን ፖለቲካውን ኩነታት ናይ’ቲ ከባቢ ኣመልኪተ ጹሑፈይ ከቕርብ እንከለኹ፡ ከም ቀንዲ ሕመረት ናይ’ዚ ጹሑፍ ከኣ፡ ነቲ ቃል ብቓሉ፡ “መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና፡ ምቕንጣጥ ኢዩ!!!” ክብል፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ቤንጃንኩዝ ኣብ ዝሃቦ ቃል እምነ መሰረት ብምንባር ኢየ።
እቲ ናይ ሽዑ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ምስ ሰበ ስልጣን ስርዓት ደርግ ኣብ ምብራቕ ጀርመን ብመንገዲ መራሕቲ ምብራቕ ጀርመን ኤሪክ ሆኒከር . . . ዘካየዶ ዝርርብ ናይቲ ምሉእ ትሕዝቶ ጽሟቕ መግለጺ ኸኣ እዚ ዝስዕብ ነበረ፦
ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ፋን ቤንጃንኩዝ፡ ብዕለት 12/10/2008 ዝሃቦ መደረ ምርኩስ ብምግባር፡ ንዘለኒ ሓቤሬታ ንምክፋልን፡ ኣብ ወትሃደራውን ፖለቲካውን ኩነታት ናይ’ቲ ከባቢ ኣመልኪተ ጹሑፈይ ከቕርብ እንከለኹ፡ ከም ቀንዲ ሕመረት ናይ’ዚ ጹሑፍ ከኣ፡ ነቲ ቃል ብቓሉ፡ “መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና፡ ምቕንጣጥ ኢዩ!!!” ክብል፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ፡ ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ቤንጃንኩዝ ኣብ ዝሃቦ ቃል እምነ መሰረት ብምንባር ኢየ።
“መደባትና ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና ምቕንጣጥ ኢዩ“ ዝብል ቃል ናይ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ “ኔቶ“ ችፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ፉን ቤጃንኩዝ ምርኩስ ብምግባር “ውሕሉል ፈዳይ ንጉሰ“ ሓያል ሚስጢር ዝሓዘ ጽሑፍ ኣብ ኣስና መርበብ ሓበሬታን ኣብ መርበብ ደቀባትን ኣንቢብና፡፡
መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና፡ ምቕንጣጥ ኢዩ!!! – ላዕለዋይ ኣዛዚ፡ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ። ቺፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ፋን ቤንጃንኩዝ።