ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከምቲ ኩሉ አረሜናዊ ተግባራቱ ንህዝቢ ዝነበሮ ባህሉ፤ ልምዱን መነ ባብሮኡን ንምጥፋእን ንምብራስን ኩሉ ወዲ ሃገር ብግርህነቱ ከሎ ንሱ ግን ብመደብ ህዝቢ ዝጠፍአሉን ሃገር ዝባድመሉን ካብ መጀመርያ ዝሐንጸጾ ስዉር መደብ ኢዩ፡፡ እዚ ሕጂ ተታሐሒዙዎ ዘሎ ምፍንቓል ዓድታት’ውን መቐጸልታ ናይቲ በብጊዜኡ አብ ልዕሊ መሬትን ህዝብን ዝተፈጸመ ኢሰብአዊ ተግባራቱ ምዃኑ ንኹሉ ወዲ ሃገር ብሩህ ክኸውን አለዎ፡፡
ስርዓት ኢሰያስ፡ ብተግብራቱ ንዝኾነ ኣብ ኤርትራ ዝዓንተረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብዚ ትረፍ ከምዝበሎ እቶም ምስ ጥዕናና ኣለና ንብል ንኣምነሉ ጉዳይ ይመስለኒ፡፡ ንኹሉ እከይ ተግብራት ገዛእቲ ሓይልታት በብሓደ የተግብሮ ኣሎ፡፡ እቲ ዝተረፈውን ክሳዕ ኣብ ስልጣን ዘሎ ከማልኦ እዩ፡፡ ሓደ ካብቲ ግፍዓዊ ፖሊሲታቱ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝመጽእ ዘሎ ሓበሬታት፡ ዓሰርተታት ዓድታት ካብ መበቀሎላዊ ቦትአን ብሓይሊ ከግዕዘን ይሸባሸብ ከምዘሎ ይፍለጥ፡፡
ልክዕ ከምቲ ሂትለር ንኣይሁዳውያን ’’ጥጡሕ ቦታ ተዳልዩልኩም ኣሎ’’ ብዝብል ጉልባብ ምልዮናት ህዝቢ እስራኤል ናብ ኮንሰንትረሽን ካምፕ ወሲዱ ዘጥፈኦም፡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን “ናብ ልሙዕ መሬት ክወስደኩም የ“ ብዝብል ጉልባብ፡ ኣብ 88 ዝተፈላለያ ዓድታት ንዝርከብ ህዝቢ ናብ ጋሽ ባርካ፡ ዲጋ ገርሰት፡ ብሓይሊ ንምግዓዝ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባር ይሸባሸብ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።