ነዚ ሕጂ አብ ኤርትራ ዘሎ መንግሰቲ ምስ ናይ ሃይለ ሥላሴ መንግሰቲ ከማዛዝኖ ከሎኹ ብዙሕ ብጌጋ ዝርድአኒ ሰብ ከምዘሎ አይስሕቶን ኢየ፡፡ ምናልባሽ‘ውን ብናተይ ሃገራውነት ዝጠራጠሩ ሰባት ከምዝህልዉ ይርድኣኒ ኢዩ፡፡ ናይ ኤርትራ ልዕላውነት ይኣምነሉዬ ጥራይ ዘይኮንኩስ ከም መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ንናጽነት ኤርትራ‘ውን ቁርብ ግዜ ብረት ዓጢቔ ተቓሊሰ ከምዝነበርኩ ከገልጽ እፈቱ፡፡ መንግስቲ ሃይለ ሥላሴን መንግስቲ ኢሳያስ አፈወርቅን ከወዳድሮ እንከለኹ ግን ሚእቲ ካብ ሚእቲ መንግስቲ ጃንሆይ ዝሓሸ ምኻኑ ስለዝአምን ኢየ፡፡
ምጽዋዕ ብዙሕ መከራታት ኢያ ርእያ። እዚ ኣብ ነባሮ ኣማተረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቶም ውሱናት ህዝቢ ዝወረደ ግፍዒውን ሓደ ካብኡ እንተ ተባህለ ዝተጋነነ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ከም ቀጻልነት ምስቲ ኣብ ውሽጢ ባጽዕ ገማግም ባሕሪ ዝነበሩ ገዛውቲ ካብ እንዳ ደናዳይ ነበር ጀሚርካ ክሳብ ርእሲ ምድሪ ዝተደምሰሰ ዝተታሓሓዘ እዩ።