ኣቶ ዮውሃንስ (ሃንስ) ፍረዝጊ ዝተባህለ፡ ትውልዲ ዓዱ ሰሳሕ ዝኾነ ዜጋ ኣብ ዓላ ዝርከብ ብዘመናዊ ኣገባብ ዝለምዐ ናይ ሕርሻ ቦታኡ፡ ብሳላሳ ሚልዮን ናቕፋ ንማሕበር ኣከለ ስንኩላን ተጋደልቲ ክሸጠላ ድሕሪ ምውዕዓልን ምፍራምን፡ እቲ ናይ መሸጣ ውዕልን ናይ ንብረት ምርኽኻብን ኣገባብ ምስ ተፈጸመ፡ ብውዕል መሰረት ድማ ገንዘብ ናብ ባንክ ምስተመሓላለፈ፡ ብትእዛዝ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፣ ኣባላት ጸጥታ ሃንደበት መጺኦም፡ ንዮውሃንስ ፍረዝጊ ከምዝኣሰርዎ እቲ ዝተኸፍለ ገንዘብ ካብ ባንክ ንኸይወጽእ ከምዝተኣገደን ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ኩነታት መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ደረጃ የንቆልቍል ኣሎ።
ኤርትራ ሃገርና ከም ኩለን ዘይማዕበላ ሃገራት ቁጠባ ኤርትራ አብ ሕርሻ ዝተሞርኮሰ እዩ። ስለዝኸነ ድማ 80 ካብ ሚእቲ ህዝቢ ኤርትራ ብማሕረስ ከምዝመሓደር ይፍለጥ። ቁጠባ ሃገርና ትሕቲ 15 ካብ ሚእቲ አብ ሕርሻ ዝተመርኮሰ እዩ።