Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓዉደ – መጽናዕቲ ኤርትራዉያን ሞያዉያን5 – 10 መስከረም 2011

ከምቲ ኣብ ማዕከናት ዜና ኪቓላሕ ዚቐነየ፡ኣብታ ርአሰ-ከተማ ኢትዮጰያ ዝኾነት አዲስ ኣበባ፡ ዝተፈላለየ ሞያን ድሕረ ባይታንዘሎዎም ኤርትራዉያን፡ ዓዉደ መጽናዕቲ ኣካይዶም ነይሮም፡፡ ኣብዚ ዓውደ -መጽናዕቲ ከኣ ተሳቲፈ ነይረ፡፡ ነዚ መድረኽ እዚ ዝፈጠረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ፡ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሸን

ከምቲ ኣብ ማዕከናት ዜና ኪቓላሕ ዚቐነየ፡ኣብታ ርአሰ-ከተማ ኢትዮጰያ ዝኾነት አዲስ ኣበባ፡ ዝተፈላለየ ሞያን ድሕረ ባይታንዘሎዎም ኤርትራዉያን፡ ዓዉደ መጽናዕቲ ኣካይዶም ነይሮም፡፡ ኣብዚ ዓውደ -መጽናዕቲ ከኣ ተሳቲፈ ነይረ፡፡ ነዚ መድረኽ እዚ ዝፈጠረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ፡ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሸን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢድማ ነቲ መደብ ኣወሃሂዱ፡፡
ሓፈሻዊ ዕላማ ናይዚ ዓዉደ-መጽናዕቲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተ ብቐጥታ እንተ ብተዘዋዋሪ መገዲ፡ ኣብ ኤርትራ ዝፍጠር ምዕባለታት ስለ ዝጸልዎ፡ተሳተፍቲ ኣብ ህሉዉ ኩነታት ኤርትራ ዘሎና ኣመለኻኽታን መረዳእታን ካባና ንኽሰምዕ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዉን ብወገኑ፡ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘለዎ ርድኢት ንዓና ንኸካፍለና፡ ባይታ ዘተንምፍጣር ኢዩ፡፡ ንኣንባቢ ንጹር ምእንቲ ኪኸዉን፡ እቲ ዛዕባ ኤርትራዊ ዛዕባ ኮይኑ፡ ነቲ አኼባ ዝአልዩ ካብ ሞንጎና ብዝመዘዝናዮምክልተ ሰባት ኢዩ ተመሪሑ፡፡ 
እቲ ዝቐረበ ዓበይቲ ዛዕባታት ድማ፡ ብኸምዚ ዚስዕብ መቓቒልካ ክርኣይ ይከአል፡፡
ሀ. አብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብኸመይ ክግለጽ  ይከኣል፡ህሉዉ ኩነታት ኤርትራኸ ከመይ ይመስል
ለ. ህሉው ኩነታት ደንበ ተቓወሞ ብኸመይ ይግምገም
ሐ. ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ለወጢ ንምምጻእ፡እንታይ ስትራትጂ ምሕንጻጽ  ይከኣል
መ. ተራ/ ጽልዋ መንግሰቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ይርከብ
ሰ. ለበዋታት

ሀ. አብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብኸመይ ክግለጽ  ይከኣል፡ ህሉዉ ኩነታት ኤርትራኸ ከመይ ይመስል
አብዚ እዋን እዚ፡ ንኤርትራ ናይ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ባህርያትብንጹር ምቕማጥ፡ ህሉዉ ኩነታት ናይታ ሃገር ንምግምጋም ስለ ዝሕግዝ፡እንታይነቱን ኣቓዉምኡን ብጭቡጥ ተዘርዚሩ፡፡
እዚኣብስልጣንዘሎመንግስቲ፡ንፖለቲካዊ፡ቁጠባዊ፡ማሕበራዉንባህላውን ሂወትናይታሃገርብሒቱዝርከብ፡ቶታሊታረያንወይስርዓት-ገበተሙኻኑ፡ተሳተፍቲተረዳዲኦምሉ፡፡ዝያዳኩሉባህርያትንብቕዓትናይቲስርዓትንምምዛን ክከኣል ምእንቲ፡ቑጠባዊስነ-ሓሳቡከምቐንዲሮቓሒኣብዝዉሰደሉ፡እንታይነቱጎሊሑከምዝወጽእሓባራዊመረዳእታተወሲዱ፡፡እቲስርዓት፡ዳርጋኩሉኣብቲሃገርዘሎ፡ክቆጻጸሮዝኽእልጽላታትቁጠባ፣ማለትሕርሻ፣ምስናዕ/ኢንዱስትሪ/፡ህንጻ፡ንግድ፡ቱሪዝም፡ሃብቲዓሳንጨዉን፡ ጸዓት፡ ዕደና፡መጉዓዝያ፡ኣገልግሎትሸርፊወጻኢ…ወዘተገቢትዎይርከብ፡፡እዚድማ፡ምስቲሶቨየትሕብረት-ነበር፡ሰዓብታንስርዓትደርግንዝኽተልዎዝነበሩ እሞ፡ኣብመፈለምታ 90ታትዝፈሸለ፡ለካሚስርዓተ-ቁጠባሙኻኑበሪሁ፡፡ሕሉፍሓሊፉ፡ ኣብ  ኤርትራ ዘሎስርዓት፡እተንዉጹዕሓረሰታይናብኽንደይ ጻዕሪዘፍረየን፡ ሒደት እኽሊንምግባትክብል፡ ታሕቲ ወሪዱ፡ኣብምቁጽጻርቢሑቕኣቲዩከምዘርከብ፡መዘኻኸሪ ተዋሂቡ፡፡
ኩነታት ናይቲ ኣብ ትሕቲ እዚ ዝተጠቕሰ ስርዓት ዝነብር፡ ህዝቢ ኤርትራ ሃለዋት እዉን ብተሳተፍቲ ተዳህሲሱ ነይሩ፡፡ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ህዝብን ከም ዜጋን፡ እቲ ኣሎ ዝበሃል ሰብኣዊ መሰላቱ ከም ዘተጋሀሰን፡ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተቓለሰሉ ፍረ ናጽነትከየስተማቐረ፡ ብሒደት ጉጀለ ብዝምራሕ ስርዓት፡ ከም ዝተመንጠለ ብምረት ተገሊጹ፡፡ ገለ ካብቲ ዝተጋህሱ መሰላቱ ንምጥቓስ ዝኣክል፡ሓሳባትካ ናይ ምግላጽ መሰል፡ ናይ ምቕዋም መሰል፡ኣብ ፖለቲካ ናይታ ሃገር ናይ ምስታፍመሰል፡ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል፡ኣብ እትደልዮ ዓዉዲ-ዕዮ ናይ ምስራሕመሰል፡ናጻ ማሕበር ናይ ምምሰራት መሰል፡ ናይ ምቕዋም መሰል፡ ካብ ሃገርካ ናይ ምዉጻእን ናብ ሃገርካ ናይ ምምላስን መሰል፡ቤተሰብ ናይ ምምስራት መሰል፡ኣብ ሃይማኖት ናይ ምእማን መሰል፡ ኣብ ቑጠባዊ ንጥፈታት ናይ ምስታፍ መሰልን ብሕጊ ናይ ምድናይ መሰል ይርከብዎ፡፡
ምስዚ ብዝዛመድ፡ነቲኣብ 1997 ዝጸደቐቕዋምናይታሃገር፡ እቲ ስርዓት፡ዝተሓንጸጸዶብኣብባይታከይተመልከተ /ዲማርከሸን/ብዝብልምኽንያት፡ ትግባሪኡ ዛጊት ኣወንዚፍዎ ከም ዝርከብ፡እቲተሳታፊኣዉኪኡ፡፡ርሑቕከይተከደ ኸኣ፡አብኣፍሪቓዶባተንኣብ ባይታ ዘይተመልከተሃገራትከምዘለዋን ወይ ከም ዝነበራን፡እቲዶብኣብባይታዘይምምልካቱግን፡ቕዋማዊስርዓትንምትካልንሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ንምክያድን፡ክዓግተንከምዘይተራእየ ተገሊጹ፡፡ምስዚብዝተኣሳስር፡ናይጀርያንካሜሩንን፡ኣብጉዳይዶብምስሕሓብኣጋጢምወን ከም ዝነበረን፡ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምምስራት: ዝዓንቐፈን ነገርከምዘይነበረንከምኣብነትቐሪቡ፡፡ ነቲ ኣሰሓሒብወን ዝጸንሐ ጉዳይ ዶብ፡ ብሰላማውን ብሕጋዉን አገባብ ከም ዝፈትሖኦኦ እዉን ተገሊጹ፡፡
ብተወሳኺ፡ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጀለ፡ንዝኾነ ይኹን ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ኣዉራጃ፡ ወይዉን ካልእ ክፋል ሕብረተስብ ኤርትራ ጠሪሹ ከም ዘይዉክል፡ ሓባራዊ መረዳእታ በቶም ተሳተፍቲ ዓዉደ መጽናዕቲ ተወሲዱ፡፡ ከም መዘኻኸሪ ዝኣክል ድማ፡ ምስ ታሪኽዓለምና ብምዝማድ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣብነታዊ መወከሲ ተዋሂቡ፡፡ኣብ ኣዉስትርያ ዝዓዱ ኣዶልፍ ሂትለር፡ ንጀርመን መሪሑ ኣብ ሰሎሎ ዘእተዋን፡ ንመላእ ዓለም ኣብ ዉግእ ዝጸመደን፡ ወዲ ኣዉስትርያ ስለ ዝነበረ ኣይኮነን፡፡ እንታይ ደኣ፡ ክቱር ባህጊ ሰልጣኑን ረብሑኡን ንምርዋይ ስለ ዝሃቐነ ኢዩ፡፡ ብተመሳሳሊ፡ጆርጂያ ዝዓዱ፡ መራሒ ሶቨየት ሕብረት-ነበር ጆዘቭ ስታሊን ህዝቢ ዝቐጥቐጠ፡ ወዲ ጆርጂያ ሰለ ዝነበረ ኣይኮነን፡፡ ዉልቐ ምልካዊ ባህርይ ሰለ ዝነበሮን፡ ንዕኡ ንምዕጋብን ስለ ዝተበገስን ጥራሕ አዩ፡፡እምበኣርከስ፡ ናብ ኩነታት ሃገርና ከኣ እስኪንመለስ፡፡ ብኢደ-ዋኒኑ ሰልጣን ጨቢጡ ዘሎ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያሰ ኣፈወርቂ እዉን፡ እዚ ኹሉ ኣደራዕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘዉርዶ ዘሎ፡ ንሓደ ወይ ንካልእ ብሄር፡ ቐቢላ፡ ኣዉራጃ፡ ሃይማኖት ወይ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ሰለ ዝዉክል ኮይኑ ኣይኮነን፡፡ እንታይ ደኣ፡ ልክዕ ከምቶም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ናይ ታሪኽመዘናታቱ፡ ዉልቐ-ምልካዊ ባህርያቱከንጸባርቖ ግድን ስለ ዝኾኖ ጥራሕ እዩ፡፡
ለ. ህሉው ኩነታት ደንበ ተቓወሞ ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ ከመይ ይግምገም
ምልላይ ዓይነት ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓትን ህሉው ኩነታት ናይታ ሃገርን ምስ ተዳህሰሰ፡ናብገምጋም ኩነታት ደንበ ተቓወሞ ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ ተኣትዩ፡፡
ኣብዚዛዕባእዚዓሚቑንሰፊሕንዘተኢዩተኻይዱሉ፡፡ካብዘንዝሓለፋከባቢ 12 ዓመታት፡እቲዝበዝሕእዋንደንበተቓወሞብሓፈሻ፡ፖለቲካዊዉድባትንሰልፍታትንድማብፍላይ፡ኣብክንዲኣብቶም ቐንድን ዘይላብዉን ጉዳያት ዘተኩር፡ኣብካልኣዊዝኾኑ ዘይመሰረታዉያንጉዳያትን፡ዉድበይዉድብካብዝመበገሲኡማሕለኻታትተቖሪኑምጽንሑ፡ተሳተፍቲገሊጾም፡፡ብመንጽሩ፡ኣብዘን ዝሓለፋ 2 – 3 ዓመታት፡ብምጡን ደረጃ እዉን ይኹን፡ ሓይሉብምትእኽኻብ፡ኣብቲቀዳማይደመኝኡከድህብጀሚሩከምዘሎተጠቒሱ፡፡ተሳተፍቲ፡እዚኣንፈትእዚተስፋዝህብ ይኹን እምበር፡ ኣብ መጻኢብዝያዳክደፍኣሉዘለዎጉዳይሙኻኑ፡ጸቒጦምተዘራሪቦምሉንለበዋኣመሓላሊፎምሉን፡፡እቲሓሓሊፉዝርአሕድሕዳዊዘይምትአመማንንንኽዉገድ እዉን፡ምሕጽንታቐሪቡ፡፡
ምስዚ ብምትእስሳር፡ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን/ኤዲኪ/ ብወገኑ ጸብጻብ ኣቕሪቡ፡፡ ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ካብ ሕሉፍ ተሞክሮ ሰዉራ ዝተወርሰ፡ዘይሃናጺ ዉድድር ምጽንሑ፡ ነቲ ኪዳን ንኸካይዶ ትጽቢት ዝግበረሉ ዕማማት ብግቡእ  ንምስልሳል ከኣ፡ቁጠባዊ ዓቕሚ ዝሓጽሮ ሙኻኑን ካልኦት ሮቓሒታትን ከም ጸገማት ተጠቒሶም፡፡ጎድኒ ጎድኒ እዚ፡ ኪዳን ነዚ ንምብዳህ፡ጸኒዑ ይቓለስ ምህላዉን፡ ብዉሱነ ደረጃ ተቐራሪብካ ናይ ምስራሕ ጻዕርታት የካይድ ምህላዉን፣ ብመገዲ ሃገራዊ ዋዕላ ኣቢሉ፡ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ጽላል ደንበ ተቓዉሞ ናይ ምጥርናፍ ዕማም የሳልጥ ምህላዉ ሓቢሩ፡፡
ሐ. ኣብኤርትራዲሞክራሲያዊለወጢንምምጻእአንታይስትራትጂምሕንጻጽ ይከኣል
ብተሳተፍቲ ኣብዘን ዚስዕባ ነጥብታት ሐባራዊ መረዳእታ ተወሲዱ፡-
1. ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ለወጢ ንምምጻእ ክከኣል ምእንቲ፡ ነቲ ቐንዲ ጸላኢ ስርዓት መሚኻ ብምፍላጥ፡ እቲ ስርዓት  ካብ ስልጣን ዝእለየሉ ኣገባብ ምህንዳስ ኢዩ፡፡ እቲ ምሉእ ብምሉእ ዘይሃሰሰ ዘሎ ዘይምትእምማን፡ ኣብ ዝከኣል ዝሓጸረ ግዜ ምዉጋዱ፡ ንጽባሕ ዘይበሃሎኣገዳሲ ዕማም ሙኻኑን፡ እዚዘይምትእምማን እዚ ምስ ዝዉገድ ከኣ፡ ሓደ ንጹር ራእይ ንምስኣል ናይ ገዛእ ርእሱ ኣበርክቶ ክህልዎ ኢዩ፡፡.

2. ሓደ ንጹር ራእይ ኣብ ዝገሃድሉ እዋን እዉን፡ እቲ ራእይ ኣብ ባይታ ዉጽኢት ክህልዎ ክኽአል አለዎ፡፡እቲ ራእይ ተሰሪሑሉ፡ ኣዎንታዊን ጭቡጥንዉጽኢት ኣብ ዝርከበሉ ድማ፡ ፖለቲካዊ ይኹን ዲፕሎማሲያዊ ደገፋት፡ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ክዉሕዝ ይኽእል፡፡
3. ኣተኣላልያን ኣተሓሕዛን ሓይልታት ተቓዉሞ ብምልላይ፡ዲሞክራሲያዊ ለዉጢ ንምምጻእ ክከኣል ምእንቲ፡ ኣገዳሲ ተራ ዝጻወት ክፋል ሕብረተሰብ ዝኾነ መንእሰይ፡ብጽፈት ወዲብካ ምቕላሰ ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ፡፡

4. እቲ ስርዓት ዝፍጽሞ ዘሎ ገዘፍትን ማእለያ ዘይብሎም ምግሃስ ስብኣዊ መሰላት ዜጋታት፡ ናብ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ብዝሰፍሐ ኣገባብ ከም ዝቓላዕ ብምግባር፡ እቲ ስርዓት ዝያዳ ዝዳኸመሉን፡ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ መመሊሱ ዝንጸለሉን ሜላታት ምሕንጻጽን ምትግባርን የዐዉት ኢዩ፡፡
መ. ተራ/ጽልዋ መንግሰቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታትይርከብ
ንሓፈሻዊ ፖሊሲ ወጻኢ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት፡ ክቡር ሚኒሰተር መራኸቢታት ኣቶ በረኸት ስምኦን፡ ዘለዎም መርገጺ ኣብሪሆም፡፡
ሚኒሰተር በረኸት ንጉዳይ ኤርትራ ብዝምልከት፡ ዉድቦም ኢህወደግ ኣብ በረኻእንከሎ ኣትሒዙ፡ መሰል ርእስ-ዉሳነ ህዝቢ ኤርተራ ከም ዝኣመነን፡ ኤርትራ ናጽነታ ኣብ ዝኣወጀትሉ እዋን እዉን፡ እታ ፈለማ ከም ልኡላዊት ሃገር ንኤርትራ ብወግዒ ዝፈለጠታ ሃገር ኢትዮጵያ ሙኻና አዘኻኺሮም፡፡ እቲ ርክባት ክልቲኤን ሃገራት፡ ከመቲ ዝተመነይዎ ከም ዘይከደ ብምጥቓስ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ሰላምን ምርግጋእን ንምዝራግ ተበጊሱ፡ብዕቱብ ጠሚቱይሰርሓሉ ከም ዘሎ ኣዉኪኦም፡፡  እቶም ሚኒሰተር፡ ሓንቲ ካብተን ጸቒጦም ዝተዛረቡለን ነጥብታት ከኣ፡መንግሰቶም ንስርዓት ህግደፍ ናይ ምእላይ ድልየት ጠሪሱ ከም ዘይብሎም ኣፍሊጦም፡፡ ሓደ ሓደ መንግስታት፡ መንግስቲ ናይ ምእላይ መደብ ዘለወን ከህልዋ ከም ዝኽእላ ጠቒሶም፡፡ እንተኾነ፡መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናይ ካልእ ሃገር መንግስቲ ናይ ምእላይ ድልየት፡ መደብ ወይ ፖሊሲ ከም ዘይብሎም ብምዝኽኻር፡ ካብ መንግሰቲ ኤርትራ ንዝመጾም፡ንሰላም ዝዘርግ መጥቓዕትታት ኣብ ዝህልወሉ ግን ክክላኸሉ ግድንሙኻኑ ኣተሓሳሲቦም፡፡
ብተወሳኺ፡ እቶም ሚኒሰተር፡ ኣብ ኤርትራንዝህሉ ዓይነት መንግስቲ ዝዉስን፡ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ኢዩኢሉ መንግስቶም ከም ዝኣምንኣስሚሮምሉ፡፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኽተልዎ፡ ፖሊሲ ወጻኢ መንግስቶም ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተሰረተ ኮይኑ፡ ብተመሳሳሊ፡ ፖሊሲኦም ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራትሰላም፡ ምርግጋእን ምዕባለን ንምምጻእ ዝኣመተ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

ሰ. ለበዋታት
ተሳተፍቲ ናይቲ ዓዉደ-መጽናዕቲ፡ ኣብዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ዛዕባታትድሕሪ ምዝታይና፡ ከምዚ ዚስዕብ ለበዋታት ኣመሓላሊፍና፡፡ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ለዉጢ ንምምጻእ፡ ኣብ ደገ እንቕመጥ ኤርትራዉያን ማለት ኣባላት ፖለቲካዊ ዉድባት፡ በርገሳዊ ማሕበራት፡ ዉልቀ-ሰባት፡ ብጥርኑፍን ብዘይ ጥርኑፍን ኣገባብ እንቓለስ ዜጋታት፡ኣበርክቶና ንኸነዕዝዝ ለበዋ ተመሓላሊፉ፡፡ነቲ ኣብ ደገ ዝቕመጥ ኤርትራዊ፡ ከከም ተርኡን ኣሰላልፍኡን ብምዝርዛር፡ኸምዚ ዚስዕብ ለበዋ ሰዲዱ፡፡

1. ንዉሑዳት ግን ከኣቐንዲ ኢደ-በይዛ ስርዓት-ገበተ
ከምቲ ኣብ ብረታዊ ቓልስናን፡ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ዓለም ዝረኣናዮን ንርእዮ ዘሎናን፡ ስርዓት ዉልቀ – መለኽቲ፡ ኣብ ናይ ታሪክጉዋሓፍ ኢዮም ተደርብዮም፡፡ኣብ ኤርትራ፡በዚ ስርዓት እዚ ዘይተሳቐየት ቤተሰብ ከኣ የላን፡፡ እዚ ንዓኻትኩምዝኽወለኩም ኣይመስለናን፡፡ ክንዲ ዝኾነ፡ ነዚ ሕሱም ስርዓት ቶባ ኢልኩም፡ ነቲ ስርዓት እትህብዎደገፍደዉ ብምባል፡ኣብ ዲሞክራሲያዊ ደንበ ተጸንቢርኩም ንኽትቓለሱ ንላቦ፡፡

2. ንተወላወልቲ  / skeptics /

እቲ ጥርጣረታትኩምን ስግኣታትኩምን ይርድኣና ኢዩ፡፡ እንተኾነ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ፍታሕ ዝርከብ፡ ኣዎንታዊ ተሳትፎ ብምግባር፡ ኣብቲ ቓልሲ ብምስታፍ ኢዩ፡፡  በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ ኸኣ፡ ብዙሓት ተሳተፍቲ ናይዚ ዓዉደ-መጽናዕቲ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝተገበረሎም ዕድመ ተቐቢሎሞ ዝመጹ፡፡ ንሕና ትጽቢታትና አዝዩ ልዑል እዩ፡፡ በዚ ኸኣኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን/ኤዲኪ/፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ ከምኡዉን ህዝብን መንግሰትን ኢትዮጵያን ቕር ከም ዘየብሉናንተኣማመን ኢና፡፡ ኣልማሲ ፍርሒኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ምስራጽ፡ ንስርዓት ኢሳያስ ከድልደሎ፡ ንስቕያት ህዝብና ደማ ከግደዶን ከናዉሖን ኢዩ ጸኒሑ፡፡  ነቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ስቕያት ህዝቢ ኤርትራ ንምሕጻርን፡ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኤርትራን ጎረባብቲ ሃገራትን፡ ብፍላይ ድማ ምስ ጎረቤት ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ መራኸቢ ድልድል ምህናጽ፡ ሓላፍነት ነብሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ኢዩ፡፡

ጎድኒ ጎድኒ ናይዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም፡ኣጽቒጥኩም ዘሎኹም ብዙሃን /Silent Majority/እዉን ኣሎኹም፡፡
እቲ ስቕታኩም ነቲ ስርዓት ዘርብሕን ንህዘቢ ዘድምን ኢዩ ኮይኑ ጸኒሑ፡፡ስቕታኩም ፍታሕ ኣየምጽእን ኢዩ፡፡ ህዝብኩም እንዳተሳቐየ እንከሎ፡ገጽኩም ስለ ዝኸወልኩም ጥራሕ፡ ይሓልፍ ማለት ኣይኮነን፡፡  ከምኡ ምግባርኩም ነብስ-ምትላል ኢዩ፡፡ስለዚ ሓላፍነት ተሰሚዑኩም፡ ለዉጢ ንምምጻእን ነቲ ዝተዋረደ ክብርናንኽንመልስን፡ኣብ እንገብሮ ዘሎና ቓልሲ ክትጽንበሩና ንላቦ፡፡Silence is a crime. An outlooker is either a traitor or a coward. ዝብል ለባም መልእኽቲታት፡ ንዓኻትኩም እዉን ይምልከተኩም ሙኻኑ ኣሰተብሂልኩም፡ ናብ ልብኹም ንኸትምለሱ ንላቦ፡፡
3. ተቓዋሚ ሓይሊ
ካብዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ክፋል ሕብረተሰብ ወጻኢ፡ ማለት ናብ ኩነታት ደንበ ተቓዉሞ ምስ እንምለስ፡ ኣብቲ ትሕቲ ዝተፈላለየ ምትእኽኻባት ዝቓለስ ዘሎ ኣካል ኮይኑ፡ ነቲ ሓባራዊ ዓላማ ደለይቲ ለዉጢ / ምእላይ ስርዓት ዉልቀ-መላኺ/ ንምዉቓዕ፡ ነቲ ኣገባብ ኣጠራንፍኡ ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ንላዕሊ ክሰርሓሉ ከም ዝግባእ፡ ሓደን ክልተን ዘድልዮ ጉዳይ ከምዘይኮነ ተሳተፍቲ ኣስሚሮምሉ፡፡

ተሳተፍቲ፡ ነቲ ስርዓት ዉልቐ-መላኺ፡ ብቐጻሊ ዝጥቐመሉ፡ዘሎ ከፋፊልካ ግዛእን ገረብ ብሓኽላን ዝሕመረቱ ሜላ፡ ብግቡእ ኣስተብሂሉሉ፡፡ እቲ ስርዓት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምግራፍ ዝጥቐመሉ ሓለንጊ ብሄር፡ ኣዉራጃ፡ ቀቢላ፡ እንዳ፡ ሃይማኖትን ካልእን ዝብል ሕብርታት ዝለኽየን እኩዋ እንተኾነ፡ እቲ መግረፍትስ በብመልክዑንኹሉ በጺሕዎን ኣረኻኺቡሉን ኢዩ፡፡ ተሳተፍቲ፡ ነዚ ብምርዳእ፡ ኣገዳስነት ምልጋስ ናይቲ ስርዓት፡ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘይኣቱ፡ ህጹጽን ግብራዊ ስጉምትን ዝጠልብ ሃገራዊ ጉዳይ ሙኻኑ ተሰማሚዖምሉ፡፡ ካብዚ ብዘይፍለ፡ ድሕሪ ምእላይ ስርዓት-ገበተ፡ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ስርዓታት ዝተመንጠሎ መሰላት፡ ኣብ ትሕቲ ፍትሒ ዝነገሰላ፡ስርዓተ-ሕጊ ዝኽበረላ፡ ዲሞክራሲያዊትን ስምርትን ኤርትራ ክረጋግጽ ሙኻኑ፡ ተሳተፍቲ ጽኑዕ እምነቶም ገሊጾም፡፡
ኣብመደምደምታ፡እዚካብ5 – 10 መስከረም 2011 ዝተኻየደዓዉደመጽናዕቲ፡ከምሓደኣተባባዕን ዓቢስጉምቲ ንቕድሚትገይረእወስዶ፡፡እቲ ሓሓሊፉ ተሳተፍቲ ነንጸባርቖ ዝነበርና በጨቕታ፡ዘይዕግበት፡ ስክፍታታትን ስግኣታትን፡ ኣብ ፈለማ ከም ኣሉታ ዝመስል ተነበረ፡ ምስ ሕማምካ ንዘይምሕዳር ዝደረኾ ሃዋህዉ ብምንባሩ፡ ኣብ መድረክ ብኽፉት ክንዛተየሉ ምኽኣልና፡ ሓደ ካብቲ ዘሐጎሰኒ ተርእዮ ነይሩ፡፡እዚ ኣብቲ ዓዉደ-መጽናዕቲ ዝተመያየጥናሉ ጉዳያትን ዝቐረበ ኣበርክቶን፡ ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ፡ ሐጋዚ ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ነዚ ዓዉደ-መጽናዕቲ ንዝወደበ መንግሰቲ ኢትዮጵያን፡ ነቲ መደብ ንዘወሃሃደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሸን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ ከመጉስ እፈቱ፡፡ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ዉድባትን ሰልፍታትን እዉን፡ ነቲ ጀሚሮሞ ዘለዉ፡ ኣብ ዲሞክራሲያዊ ቓልሲ ተወሳኺ ሓይሊ ናይ ምእንጋድ ተበግሶ ብምንኣድ፡ ኣብ መጻኢ ብዝያዳ ክሰርሕሉ እምነተይ ኢዩ፡፡
ዓወት ንዲሞክራሲያዊ ቓልሲ!!!

ቢንያም የማነ
ተሳታፊ ዓዉደ-መጽናዕቲ ኤርትራዉያን ሞያዉያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ – ኢትዮጵያ
ካብ ስዊዘርላንድ

ንርእይቶታትኩም፡-
b.yemane-tekle@bluewin.ch

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • yosef October 3, 2011

    issayas must go

  • bisha October 6, 2011

    nehna eritrawian zetiwenan zewtsianan nifelit ina ab kindana aitisekefu.Atum aklikum tsebibkum zelo binafikot yikun wei b economi ghele sirah ghiberu.nab meles endakedka bezeydemoz ghizieka mitfea tirghum yebelun.Almeno naiti adi wereket hazu hadig keytiterfu nehna naykilite zeri bidehrihiji ainikbelin ina kedmihiji tsibuk aifedekumnan nab deki adikum asharikum ikum atum kedeat telamat bikedemu wedi sebeytis wedisebeytidea kidu tifulna nihna ikulat timurat ina kemakum keynimeslekum eritrawi eritrawi u hansab tenetsilkum ikum viaaaaaaaa ciao.

  • andom_berhe@yahoo.com October 12, 2011

    bealmon eyom muhuran ezom korakur nay meles dyom bzkune mhura mbal wey eritreawyan mbal yhdegwo

Post a Reply to bisha Cancel Reply