Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Pastor Gebremichael Yohannes, a Dutiful Shepherd

[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/04/Pastor-Gebremichael-Yohannes-.pdf"]

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • Mehari Tewelde April 27, 2015

    ዶክቶር ርእሶም፥ ካብ ትዕዝብትኻን ብኣካል ተረኺብካን ዝሃብካዮ ምስክርነት ነቲ ክቡር ቀሺ ገብረሚካኤል ዮውሃንስ ኣብ ምጽንናዕ ሕዙናትና፥ “ራእይ ዘይብሉ ወለዶ፥ ራእይ ዘይብሉ ህዝቢ፥ ራእይ ዘይብሉ መሪሕነት፥ ዝፈጠሮ ጥፍኣት ክብሉ ናይ ከበቢ 35 ደቓይቕ ሰሓቢ ስብከት እዞም ቀሺ ምስ ሰማዕኩ፥ ንጽሑፍካ ሓቅነቱ ደሪዑለይ። ንቀሺ ደኣ ኣይምረቕን ከይከውን እምበር፥ ተባረኹ ሞገስ ኣይፈለየኩም፥ ሓቂ ዋጋ ከተኽፍለኩም እያ። ግን ደቂስኩም ክትሃድሩ ኢኹም ክቡር ኣባ ቀሺ ከማኹም 10 እንተዝህልዉና ክንደይ ምኾራዕናን ምተኦኣወትናን። ኣብ ከባቢና ንርእዮም ኣቕሽሽቲ ኣብ ቅድሚ ሰብን ኣብ በይንኻን ዝዛረቡኻ በበይኑ፥ እዩ። በዓል ቀሺ ገብረሚካኤል እኮ ትኽክል ኣለዉ፥ ንሕና ህዝቢ ከይፈላለየና ኢልና እምበር ሓቂ መዓስ ጠፊኡና። እናበሉ ምስ ህግደፍ ዝዘሉ ኢና ንርኢ ዘሎና።
    በጃካትኩም እዛ ስብከት ጊዜ ወሲድኩም ስምዕዋ፥ በቲ ብኽያት በቲ ድማ ትብዓት ትህብ እያ።

    https://www.youtube.com/watch?v=GOvPMK16Hgo

  • oromay April 27, 2015

    It is surprising that some of us are losing time tested our good manners. An idle lip is the mouthpiece of harsh words. Taming our tongues is very important maintain good relations with fellow people. We should respect others if we want to be treated respectfully. Above let us love to speak the truth and appreciate others who do their. Blaming others without any contribution to our common good is nonsense. Spitting venom words like a snake bruises somebody’s ego. Sitting behind computers to write gibberish messages will take you nowhere. Therefore, ket us speak words that encourage,inspire, comfort or edify our fellow folks. The nation is in silence grief, if you have good heart,you can support the mourning families in prayers, moral, material or financial.

  • Wedifre April 28, 2015

    Dear Dr. Russom,
    Thank you for appriciating the forgotten GREAT FEW!!!!
    We have everything but we are loosing it because we failed to appreciate it.
    As the Amharas say ” ASA SIGHEMA KECHINKILATU NEW ” the translation is ” Fishes go rotten from the head. As we all know we are all going astray and banana because of our mentally sick leader.
    God Bless Eritrea and its lovely people!!!!

  • Truly Truly i say to you April 28, 2015

    ኣብ ጓል መንገዲ ኣቲካ ምዝራብ ብዙሕ ትርጉም ስለዘየብሉ እንበር፡ ብቀደምውን ዝብልኹ እቶም ቀሺ ነዚ ሕልው ዕዋናዊ ጉዳይ ብዝምልከት ዝሓብዎ ፍሉይ ተሪር መልዕክቲ እንተሎ ብቪድዮ ተደጊፉ እንተዝቀርብ ናይቲ ጸሓፋይ ዝሓቦ ምስክርነት ንተኣማኒነቱ ጥራይ ደይኮነ፣ ሕዝብም ክመሓረሉን ክበራበረሉን ብዙሕ ምሓገዘ ነሩ ካብ ዝብል ሰናይ ምክሪ በልዎ ወቀሳ ኣቕረብኩ እንበር፣ ነቲ ዝተገበረ ሰናይ ተግባር ንምንእኣስ ዕላማ ስለዝነበረኒ ኣይነበረን። ብቅንእና ነቲ ሪኢቶይ ስልዘቕረብኵዎ፡ ኣምላኽ ኣየሕፍረንን ደሓን ይእተው ዉፉያት፣ ነቲ ክቀርብ ዝሓተትኵዎ ጥራይ ደይኮነ፡ ክልተ ተወሳኪ ቪድዮታት ስለዘቅረቡልና ብዙሕ ክንመሓር ክኢልና።
    ዾክተር ርዕሶም ውርድ ኢልካ ስለምንታይ እዩ ነቲ ናይ ሽምዓ ዝኽሪ
    ክወሓጠልካ ዘይከኣለ? ኢልካ ሓቲትካኒ። ኣንታ ሓውና ኣብ ክንዲ ኣነ ዝምልሰልካ እቶም ቀሺ ባዕሎመ ኣብ መበል 18 ደቃይቕ ነቲ ዝተዛረብዎ ኣተስተዊኢልካሉ ተኮይንካ ካብቲ ናተይ ርኢቶ ብምንታይ ይፈለ? ንሶም “ጀጋኑ ደሞም ኣፍሲሶም ኣካሎም ኣሰንኪሎም ሕይወቶም ዝከፈሉሉ ዕላማ ተጨውዩ፤ ኣደ ሰለስተ ኣርባእተ ደቃ ከፊላ ብሕጂ ድማ ዝተረፈ ሕሳስ ደቃ ስለዝሰኣነት ዝተረፋ ዘየብላ ኣይናይ ቃል እዩ ድሕሪ ደጊም ከጽናንዓ ዝኽዕል? ንሶም ቀሺ ስልዝኾኑ በጃኩም ተንስኡ ጸልዩ ተበሉ፣ ኣን ድማ ቀሺ ስለዘይኮንኩ እቲ ናይ ሽምዓ ዝኽሪ፣ መንግስተ ስማይ የዋርስኩም ዝብል ቃል መፍትሔ ክከውን ስለዘይክዕል በጃኹም ሕግደፍ በቲ ዝርድዖ ቛንቛ ንክንድርዕሞ ንበገስ ተበልኩ እንታይ ሓጥያት ኣለዎ? ብዝኾነ እቲ ቀንዲ ዕላማይ ነቲ ዝደቀሰ ሕዝቢ በጃኻ ገለ ግበር ተበራበር ንምባል፡ ካልእ ፍሉይ ዕላማ ስለዘይነበረኒ፣ ካብቲ ቀሺ ገብረሚካኤል ተወሳኪ ብፍላይ ብፍላይ ናይ ቀሲስ ተስፎም ገዛኢ ረዚን መልዕክቲ ነቲ ክወቕዖ ዝደለኹ ሽቶ ሙሉእ ብሙሉእ ስለዘሰመረለይ፣ ንኹሉኹም ክመስግነኩም እፈቱ።

  • ERITRAWIT April 28, 2015

    Aboy Keshey kulu elkumo etey dkmetna hakey B hakey. Ezey nay selam megedey tmhrtey ab Kulen radiotatna kmehalalef tezkele nay behakey sebuke nerew Amlak ytarekena.

  • sahle April 28, 2015

    ፓስተር ዝብል ቃል መሠረቱ ግሪኽ ክኸውን ከሎ ትርጉሙ ጓሳ አመንቲ ማለት እዩ:: ኩሎም መራሕቲ እምነታት በብእምነቶም ጓሶት ተኸተልቶምኳ እንተኾኑ
    ፓስተር ንዝብል ቃል ከም ናይ ማዕርግ ቅጽል ዝጥቅሙሉ ተኸተልቲ እምነት ፕሮቴስታንት ድኣምበር ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊካውያንን: ኣይኮኑን:: ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ክንዲ “ፓስተር” ንጥቀመሉ ቃል “ካህን” ክኸውን ከሎ እዚ ድማ ነቲ ሥራሕ ዝገልጽ ቃል ደኣምበር ከም ማዕርጋዊ ቅጽል ኣይንጥቀመሉን:: እቲ ካህን ቀሺ: መምህረየይ ፈላሲ እንተኾይኑ ድማ ኣባ እገለ ተባሂሉ ይጽዋዕምበር ካህን እገለ ተባሂሉ ኣይጽዋዕን:: ብቋንቋ እንግሊዝ ነዚ ዝትክእ ድማ PRIEST ደኣምበር PASTER ኣይኮነን:: ዶር ርእሶም ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ክነሶም ነዚ ከመይ ከም ዝሰሐትዎ ዘገርም እዩ::

    ኣብቲ ጽሑፍ ካልኣይ መስደመም ኮይኑ ዝረኸብኩዎ ድማ ብዛዕባ በዓልቲ ቤቶም ነቶም ካህን: ቀሺ ገብረ ገብረሚካኤል ክጽሕፉ ከለዉ ኣብ ክንዲ “Mrs” “Ms.” ዝብል ቃል ምጥቃሞም እዩ:: እዚ መዓርግ እዚ ሓንቲ ሰበይቲ በዓልቲ ሓዳር ትኹን ንጽል ኣብ ዘይንፈልጠሉ ጊዜ ንጥቀመሉ ኮይኑ ከሎ: መቸስ ነተን በቃል ኪዳን ጸኒዐን ዝነብራ ቆራቢትን ሰጋዲትን ዝኾና ወይዘሮ እየሩሳሌም ምርዕውትን በዓልቲ ሓዳር ምዃነን ኣይዘንግዑወን::

    ኣብ መወዳእታ ከይጠቀስኩዋ ክሓልፍ ዘይደሊ ” Made a clear break with regime in Eritrea” ትብል ሓረግ እያ:: ቀሺ ገብረሚካኤል ኮኑ ካልኦት ብዛዕባ ኤርትራ ኮነ ካልእ ሀገር ብዘለዎም ፖለቲካዊ እምነት ክኣምኑ መሰሎም እኳ እንተኾነ ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር እንታይ ኣእተዎ:: ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀንዲ ዕላማኮ ኣብ መንጎ ተኸተልታ መንፈሳዊ ሓድነት ምፍጣር: እቲ መንፈሳዊ እምነት ኣብ ልዕሊ ኩሉ ነገር ጸብለልታ ረኺቡ ነቲ ስጋዊ ፍልልይ ኣለስሊሱ ክዕብልሎ ምግባር እዩ:: በዚ ተግባሮም እዞም ካህን ካብተን ዝጓስዩወን ዝነበራ ኣባጊዕ ገሊአን ከም ዝተበተና ገይሮም ኣለዉ:: ሕጂውን ከምቲ ንተስዐን ትሽዓተን ኣባጊዕ ሓዲጉ ነታ ዝጠፍአ ሓንቲ በጊዕ ክደሊ ዝኸደ ንሶምውን ነቶም ዝተበተኑ ኣባጊዖም ደልዮም ክረኽቡሞ
    ከም ብሓዱሽ እግዚኣብሔር ጥበብን ኣኻእሎን ይሃቦም ኢልና ክንጽሊ ደአምበር ሕዝቢ ንክፈላለ ንዝነበሮም ታራ ክነሞግሶም ልክዕ ኣይመስለኒን

    ካህን ዝብል ቃል ንጥቀሞ ካህን

  • Almaz Gual Asmera April 28, 2015

    ዝኸበርካ ኣቶ ሳህለ ስለ ርእይቶኻ የመስግን። ብፍላይ ንቁ. 1 ን 2 መኣረምታኻ ልክዕን ኣብ ቦትአን እየን ዘለዋ። ኣብ ቁ. 3 ግን ኣይግድን። በዚ ሎሚ ኣብ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ በቲ ዝኣመንናዮ መንግስቲ (ዝኣመንካዮ ኣይጥለምካ)፡ ባዕዳውያን ነገስታት እንኮላይ እቲ ደም-ሰብ ጸገብ ደርጊ፡ ዘይደፈሮ ጥንታዊ ሃይማኖት ብሕግ-ግደፍ ከምዝተጋህሰን መራሕቱ ኣደዳ ማእሰርትን ስቃይን ከምዝኾኑ ዘይፈልጥ ጋሻ ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን። ከምቶም እንተስ ብጉርሒ እንተስ ብጥቕሚ ገበን መንግስቲ ኪኽውሉ ብሰርኩላር ናይ ሕጊ-ግደፍ ተላኢኾም ንቤተክርስቲያን …እቲ ዝተፈጸመ ግህሰት ይኹን ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ…ብዘየገድስ …ምስ መንግስትና ጥራይ ከይተባኣስና ንኺድ ዝብሉ ምእመናን…ኢኻ ትመስል። ንቤተክርስቲያን እኮ ጽድቂ ደሊኻ’ዩ ዝምጻእ፡ ጽድቂ ኸኣ ብመገዲ ሓቂ እያ ትርከብ። ስለዚ እምነት ክርስትና ምርጫ እዩ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈታኒ እዋን ወይ ንምድራዊ መንግስቲ ወይ ድማ ንሰማያዊ መንግስቲ ሓዲኡ እምበር …ብኽልተ እግርኻ እንዳሓንከስካ ትርከብ መንግስተሰማያት የላን። ከምዚ እንተዝኾውን እቶም ኩሎም ኣማልዱልና እንብሎም ቅዱሳትን ሰማእታትን (ከም ብዓል ቅ. ጊዮርጊስ)…ምንባር መኣስ ጸሊኦም…ክሳዶም ንሰይፊ ዝሃቡ፡ ናይ እምነት ነገር ስለዝኾነዶ ኣይኮነን? እቲአን ጠፊአን ትብለን ዘሎኻ ኣባጊዕ …ሓቂ ዝሓዘት ብፖለቲካ ዘይኮነስ ብቀኖና ትምራሕ ቤተክርስቲያን ስለዘላተን …ብሓቂ ጽድቂ ዝደልያ እንተኾይነን ኪምለሳ እየን፡ ካህን ገብረሚካኤልን ኩሎም እቶም ኣብ ሓቂ ረጊጾም ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፍሉ ዘሎዉ ድማ …ክልተ ኢዶም ዘርጊሖም ከምዝቕበልወን ኣነ ናይ ዓይኒ ምስክር እየ። ምእንቲ መዓት ኤርትራ ኪውዳእ…በጃኻ ንስኻን መሰልትኻን ኣይንጎራራሕ…ንሓቅን ንማዕተብናን ንመስክር። ሓሶት ሓጺር እዩ ዕምሩ፡ ሓቂ ግን ንትውልዲ ሰጊራ እያ ትኸይድ ዘመንውን ኣይቅይራን እዩ።

  • russom Mesfun April 28, 2015

    Hi Sahle,

    Since the pastor is addressed as such it is standard protocol to address him accordingly. If in your communication you refer yourself as a pastor, then you should be called so. It’s a matter of courtesy.

    On the Ms. or Mrs. part, please note that Ms. is used when one is referring to a woman who uses her surname. As you know most Eritrean women do not assume their husbands surname upon marriage, hence Ms. So and So. According to grammar, “an adult woman using her maiden name (regardless of marital status) should be addressed as Ms. exclusively. ”

    On the “clear break” with regime: Given the pressure Eritrean religious authorities have been subjected to and the increasing manipulation of religion by the PFDJ, the pastor was one of the first to show courage by sticking to his religious principles. Residents in Atlanta are only too familiar with the unscrupulous practices of the regime in pressuring religion to be an instrument of state. We can thank the pastor for his firm and principled stand.

    I should thank all responders for engaging in what is useful conversation. Please keep it civil, as we can all learn from each other. It’s always better to ask than to assume.

    Thank you,
    RM

  • Debas Haile April 28, 2015

    ሰላም ሳህለ ኣብ እርማትካ 1-2 ትኽክል እዩ። ኣብ ቁጽሪ 3 ግን ናይ ተበላጺ መገዲ ሒዞም ዝኸዱ፥ ደም ህዝብናን ዕሸላትናን ዘይዓጦም፥ ተለማመጽቲ ዝብልዎ ቃል ኢኻ ተዛሪብካ። ጠባሪ ቀሺ ኣይንሰብ ኣይንርእሱ እዩ። ብዓይኒ ሓቂ እስከ ሰብ ኮንና ንምዘን፥ እዞም ካህን ኣቦ ኤርትራ ዝኾኑ ቀባኢ ኣቦኦም ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ጉድጓድ ማእሰርቲ እናበለዩ፥ ነቲ ኣቦኦምን ኣቦ ኩላትና ዝኣሰረ፥ ሓይልን እሺ ፍቓድካ እናበሉ፥ ከምቶም፥ “በዓል ወይ ስራሕ ክሳብ ዘፍልጥ፥ ኣብ ዓሙቕ ጽመድ” ዝብሉ ተበላጺ ዘይኮኑ ዲኻ እዞም ካህን? ሰብ ኣጥፊኦም ኢልካ ክትወቕሶም ትፍትን? ሓቂ ዝመረሮ ደኣ እሞ ይትረፍ እዞም ካህንሲ ጎይታና የሱስ ዶ ክኽልክሎ ይኽእል እዩ? ንምዃኑ እቲ ናይዞም ቀሺ ካብ ውሽጢ ልቦም ዝወጸ ስብከት ሰሚዕካዮዶ? ብዛዕባ ራእይ ዘይብሉ ወለዶ ዝብል ትምህርቲ ዝሃብዎ? ውሽጥኻ ዝስርስር
    ዘይረኣኻዮ እንተ ኮንካ ክትርእዮ ይዕድመካ
    https://www.youtube.com/watch?v=GOvPMK16Hgo
    ኣስተውዒልካ ስምዓዮ። ዘበን ደርጊ ዝመረሮም ኣቕሽሽትና በረኻዶ ኣይወጽኡን እዮም። ህዝቦም ኣብ ቅድሚ ኦኣይኖም ክእሰር ክሕረድ ክስደድ ምስ ረኣዩ? ዘበን ጣልያን ኣቡነ ጴጥሮስ ኣብ ኣደባባው ደው ኢሎም ኣታ ኣረሜን ህዝበይ ወዳእካላይ ኣታ ሰይጣን ኢሎም ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሮም መስዋእቲ ኣይኮኑን ድዮም? ዶስ ህግደፍን መራሒኡን ትጋገ ኣሎኻ ዝበለ ኩሉ ግጉይ እዩ ማለትካ ኢኻ።
    ሳህለ ስለ እቲ ጽቡቕ እርማትካ ትምስገን፥ እቲ ካልእ መገድኻ ግን ምልስ ኢልካ ክትርእዮ እላበወካ። ጥበራ የብቅዕ ይኣኽለና።

  • Abadi Z. April 28, 2015

    Thank you kubur haw Dr.Russom for your great observation and appreciation of pastor G/michael Yohannes.
    It is best and advisable to ignore useless and arrogant people like this guy called Truly Truly and his likes.
    Sister Almaz Gual Asmera, you always make valid points and good senses and please keep it up brilliant sister.

Post a Reply to በረከት Cancel Reply