Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Pastor Gebremichael Yohannes, a Dutiful Shepherd

[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/04/Pastor-Gebremichael-Yohannes-.pdf"]

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • በረከት April 28, 2015

    ሳህለ ምሁራት ቋንቋ ብክልቲኡ ይሰማምዑ እዮም ዶክቶር ርእሶም፥ ኣብ ትሕዝቶ ቋንቋ ካባይ ንላዕሊ ስለ ዝፈልጥ ንሱ ብዝያዳ ክምልሶ እመርጽ።
    ኣብቲ ሳልሳይ ዘቕረብካዮ ነቐፌታ ነዞም ክቡር ኣቦናን ካህናን ግን፥ መን ምዃንካ ክግምት ኣይጽግመንን ኣነ ብወገነይ፥ ሓቂ መራር እያ፥ ንስካ ሓደ ካብቶም ብድሕሪት ኮይኖም ዝንእዱን ዝኸሱን ኢኻ፥ ኣይትሓዘለይ ደፊረ ከይከውን። ምኽንያቱ እዚ ንስካ ትብሎ ዘሎኻ ኣባሃህላ ዝዛረቡ ሰባት፥ ፍርቂ ጎኖም ደገፍቲ ፍርቂ ጎኖም ተቓወምቲ እዮም። ክቡር ቀሺ ገብረሚካኤል ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ህግደፍ ባዕላቶም ደድሕሪኣኦም እናኸዱ፥ ከምዞም ቀሺ እዚኦም የለን፥ ሃገር ከምዚኦም በላሕቲ እዮም ዘድልይዋ፥ እንዳበሉ ይዋጥዩ ነሮም እዮም። እዞም ቀሺ ሓቂ ተኸቲሎም ስለ ዝኸዱ ግና፥ ቅዱስ እንጦንዮስ ሓላፊ ተዋህዶ ሃይማኖት ምስ ተኣስሩ ኣቦና ኣይትእሰሩልና ገበን ገይሮም እንተ ኮይኖም ብሕጊ ፍርዲ ይፈረዱ። ሕጊ ይግዝኣና ስለ ዝበሉ። ህግደፋውያን ግልብጥ ኢሎም ሲኣይኤ፥ ወያነ ዓጋመ፥ ተሃድሶ፥ ጰንጠ ጆህባ ሕልፍ ሃሊፎም ገንዘብ ካብ ሲኣይኤ ተቐቢሎም ኣብ ኣመሪካ 3 መዕደሊ ነዳዲ ኣለዎም። እንታይ እሞ ዘይሰምዐት እዝኒ። እዞም ናይ ሃይማኖት ኣቦ ቀሺ ግን ድምብርጽ ከይበሎም ነዚ ኩል ብትብዓት መኪቶም ይኸዱ ኣለዉ። እሞ ክቡር ሓውና ሳህለ እዞም ኣቦ ነቶም ኣቦና ዝገፍዑ ጸሓይ ትዓርቦም ኣላ ገፋዒ ንዘልኣለም ኣይነብርን፥ ተገፋዒ ግን ጸሃይ ትበርቀሉ ኣላ ኣምላኽ ፍትሒ ኣለዎ ክወግሓሎም እዩ ብጸልማቱ ኣይነብርን ስለ ዝበሉ። ሰብ ካብቲ ሃይማኖት ይሃድም ማለትካ ዲኻ? ተጋጊኻ ሕጅውን ብጸልማቱ ኣይነብርን፥ እሱር ብእሱሩ ብዘይፍትሒ ንዘለኣለም ኣይነብርን። ኩላትና ንተባዕን ንፉዕን ክንዲ ነተባብዕ ዘየሎ ነቒስና ከነጉድም ምፍታና ዘሕዝን እዩ። እዞም ክቡር ቀሺ ንሓቂ ምእንቲ ፍትሒ ደው በሉ፥ እቲ መንግስቲ ፍትሒ ኣብ ዘውጻሉ ድማ ኣመስግንዎ፥ ፍትሒ ኣብ ዝሰኣነሉ ድማ ኣእውዩ እብሎም ኣነ

  • Almaz Gual Asmera April 28, 2015

    ዶር ርእሶም ስለ መብርሂኻን፡ ኣበርክቶኻ ከም መቐጸልታ ስለቲ ንፍትሒ ትገብሮ ዘሎኻ ቃልስን ደጊመ የመስግን። ብዛዕባ Mrs/Ms ብወገነይ ተማሂረላ ኣሎኹ። የቐንየልና። ብዛዕባ ክህነት ግን ካብቲ ዝተገልጸ ንላዕሊ ዕሙቕ ዝበለ ትርጉም ስለዘሎዎ፡ ናብ ካልእ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ስለዝወስደና…ንምሕጻሩ ዝኣክል ተዋህዶን ካቶሊክን ብሚስጥረ ክህነት ስለዝኣምና…ንኣገልገልትን ከከም ጻውዕቶምን ዝተቐብእሉ ማዕርግን እየን ዚጽውዖኦም። ስለዚ ፓስተር ሓደ ካብቲ ክፍሊ ዕዮኦም ዚገልጽ ስም እኳ እንተኾነ መጸዊዒኦም ግን ኣይኮነን። ስለዚ ንካህን ናይ ተዋህዶ/ካቶሊክ ፓስተር ኢልካ ምጽዋዕ ወግዓውን ሕጋውን ኣይኮነን…ብመንጽር ትምህርቲ ናይተን ኣብያተክርስቲያናት። ምናልባት ንካህን ገብረሚካኤል ኣቐዲምካ እታ ጽሕፍትኻ ኣርኢኻዮ እንተትነብር፡ ኣይመስለንን …ኣታ ስሙ ብፓስተር ኪጽዋዕ ዝደሊ። ብወገነይ ግን ንትምህርትን ንምትህንናጽን ድኣ ኣምጺእዮ እምበር …ቅጽል ኣስማት ነቲ ሕመረት ናይቲ መልእኽቲ ኣይልውጦን’ዩ። ቀጽሎ ኣጆኻ፡ ክሳብ ዝወግሕ ንንከስ ኣብ ዕላማ ብምባል..ርእይቶይ ወስ ዘብል ሓፍትኻ ምስ ብዙሕ ኣኽብሮት እየ።

  • tewelde April 28, 2015

    ዝኸበርካ ሳህለ፥ እቲ ናይ ቅጽል ኣስማት ብዙሕ ትርጉም ዝህብ ኣይኮነን፥፡ ሓቂ እዩ ኩሉ በቢኣገባቡ ክጽዋዕ ጽቡቕን ተመራጽን እዩ፡፡ ኣብቲ ነዞም ቀሺ ክትወቅስን ቅስሚ ክትሰብርን ኢልካ ዝጸሓፍካዮ ግን ክትእረመሉ ይግባእ፡፡ እንታይ ደኣ ክብሉ ትጽበ ካብ ኣቦኦም ዝተኣስርዎም፡ ኣሕዋቶምን ናይ ሃይማኖት ደቆምን ዝተገፍዕዎምን ዝሞትዎምን ቀሺ መራሒ፡፡ እሞ መራሒ ሃይማኖት ኮይኖም ጾር ዝተሰከሙ ኣቦ ህዝቢ ምኳኖም ደኣ እንታይ ክብሉ ተጸቢኻ? ነዞም ግፉዓት መመሊሱ ይጸልምቶም፡፡ ነቶም ገፋዕቲ መመሊሱ የንውሓሎምን የውግሓሎምን ዶ ክብሉ ነይርዎም ትብል ክቡር ሓው ሳህለ?
    እቲ ትምህርቶም ሰሚዕካዮዶ? ሃገሮም ረመጽ ተቐይራቶም ሃጽ ኢሎም ብሃይማኖት ዝመርሕዎም ደቆም እናጠፍኡ ኣጆኹም ክወግሓልኩም እዩ ስለ ዝበሉ፡፡ ህዝቢ ቤተክርስትያን ሓዲጉ ክጠፍእ አዩ ዲኻ ትብል ዘለኻ? ኣነ እዚ ንስኻ ትብሎ ስርዓት ህግደፍ እንተ ተሓጎሰልካ ትብሎ ዘሎኻ ተመሳሳልነትካን ምቅብጣርካን ክትገልጽ እምበር ይትረፍ እቲ ኣማኒ ህዝቢ ህግደፍውን እንተ ኮኑ በዚ ናትካ ቅብጥሮት ግምት ዝህብዎ ኣይመስለንን፡፡ ንስኻውንሲ ሒልና ዘሎካ ሰብ እንተ ኮንካ እዚ ሽግር የሕጽሮ የውግሓዮ ትብል ትኸውን ይብል፡፡ ብዝኮነ ነዞም ከምዚእቶም ዝበሉ ኣቅሽሽቲ ኣጆኩም ከማካትኩም ይብዝሑ ምባል ይግባእ፡፡

  • russom Mesfun April 28, 2015

    Hi Almaz, you’re a breath of fresh air. We can learn so much from your keen ability to communicate, learn and educate others. I appreciate your point on the “pastor” part. I was introduced to the man as a Pastor KY, although his outgoing message says “Father.” It’s a valid point and something to adjust if necessary and, upon making further research, to correct. If we can learn to critique the way you do, we would have gained so many people wishing to take part in healthy political dialogue.

  • russom Mesfun April 28, 2015

    Meant to say “Pastor GY.”

  • keshi Gebremichael April 30, 2015

    ሰላም ኣምላኽ ምሳኻ ይኹን ዶር ርእሶም።
    እቲ ካብ ትዕዝብትኻ ዝሃብካዮ ናይ ምስጋና ቃል ነኣይ ልዕሊ ዓቕመይ እዩ። ክንድኡ ዝበቅዕ ሰብ ኣይኮንኩን።
    ኣብቲ ዝጸሓፍካዮ ጽሑፍ ቋንቋ ቤተ ክርስቲያን ዘይምጥቃምካ፥ ጌጋታት ፈጢሩ ኣሎ።
    ብፍላይ ግን ኣብ መወዳእታ ዘቕረብካያ ዓንቀጽ፥ ፍጹም ካብቲ ናተይ ኣረዳድኣና ኣባሃህላን ወጻኢ ምዃና ክትበርሃልካን ንኣንበብቲ ክትበርሃሎምን ከብርሃ። ብሰንኪ እቶም ኣብሊብያ ዝተሓርዱ ንጹሃት ዜጋታትና ኣመልኪተ ዝሃብኩኻ ቃል። እቶም ገፋዕቲን ገበርቲ እከይን ጊዜ ቀትሪ እንተመሰሎም ሕጂ እንተገፍዑ፥ ጸሓይ ትዓርቦም እያ ዘላ። ነቶም ተገፋዕቲ ግን ሕጂ ኣብ ጸልማት እንተሃለዉ ድህሪ ጸልማት ዝመጽእ ቀትሪ ስለ ዝኾነ ይወግሓሎም እዩ ዘሎ” ዝብል እዩ ዝነበረ እቲ ኣብ መንጎና ዝነበረ ዝርርብ።
    ከም ናይ ቤተ ክርስቲያን ካህንን ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ጸግዕን ደጋፍን ኣይኮንኩን። ክኸውን’ውን ኣይግባእን። ቤተ ክርስቲያንን ኣገልገልታን ኩሉ ጊዜ ሓበስቲ ንብዓት፥ ድኻ ተበደለ ፍትሒ ጎደለ ኢሎም ኣብ ጎድኒ ዝተወጽዑ ደው ዝብሉ እዮም።
    መሳርሒና ጸሎት ክሳብ ዝኾነ ኣምባሳደራት ክርስቶስ እምበር ወኪላት መራሕቲ ፖለቲካን ተመረጽትን ስለ ዘይኮና፥ ምስ ሰብ ብረትን ሰበ ሥልጣን ዓለምን ጎኒ ጎኒ ንምድረሉን ኣነባ ንስኻ እባ ነባሃሃለሉን መወዳደሪ ቦታን ኩነትን የለን። ክርስቲያናት ኣሕዋትና በስመ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን፥ ኢላ ዘጠመቐቶም ቤተ ክርስቲያን ብኣረሜናትን ገፋዕትን ከም በጊዕ ክሳዶም ክሕረዱ እናረኣና፥ ሱቕ ኣይንብል። ሰማዕ ኣምላኽ ስለ ዘሎና ካኣ ጥርዓንና ነቕርበሉ ኣሎና። ንህዝቢ ዓለም ድማ ዓገብ በሉ፥ ተገፍዑልና ምባል ግቡእና እዩ።
    ስለቲ ዘይውዳእ ምሕረቱ ኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ።