Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሲሃም ዓሊ ዓብዱ፡ ጓሉ ንሚኒስተር ዜና ስርዓት ህግደፍ ነበር፡ ብህይወት ምህላዋ ዘጠራጥር ምዃኑ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ዜና ዝነበረ፡ ኣቦኣ ዓሊ ዓብዱ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሕዎ ምስ ከደ ኣብ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ንልዕሊ ክልተ ዓመትን 5 ኣዋርሕን ተዳጒና ዝነበረት ጓሉ ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ብዘጋጠማ ምቕጥቓጥን መግረፍትን ከቢድ ኣካላዊ ጉድኣት በጺሕዋ ከምዝነበረ ምንጭታትና ካብ

ሚኒስተር ዜና ዝነበረ፡ ኣቦኣ ዓሊ ዓብዱ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሕዎ ምስ ከደ ኣብ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ንልዕሊ ክልተ ዓመትን 5 ኣዋርሕን ተዳጒና ዝነበረት ጓሉ ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ብዘጋጠማ ምቕጥቓጥን መግረፍትን ከቢድ ኣካላዊ ጉድኣት በጺሕዋ ከምዝነበረ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ሲሃም ሰባን መቕርባን ክበጽሕዋን ክርእይዋን ይትረፍ ሃለዋታ ምሕታት ጥራሕ ንባዕሉ ብኸቢድ ጥርጠራ ዘሕትት ገበን ሙዃኑ ብዛዕባ ሲሃም ዝሓተቱ’ሞ ብክፍሊ ጸጥታ ከቢድ መጠንቐቕታ ዝተዋህቡ ሰባት ይገልጹ። ብህይወት ብዛዕባ ምህላዋን ዘይምህላዋን ዝጠራጠሩ `ውን ብዙሓት እዮም።

ብኣዚዩ ሕልፍ ዝበለ ሕንቓቐን ምቾትን ከምዝዓበየት ዝንገረላ ሲሃም ዓሊ፡ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ ኩነታት ክትቕበሎ ስለዘይከኣለት ንነዊሕ እዋን ስነኣእሙረኣዊ ጭንቀትን ነውጽን ከተማዕብል ከምዝጸንሐት እቶም ምንጭታት ይገልጹ።

ዓሊ ዓብዱ ዝፈልጦ ምስጢራት መታን ከይዛረብ ጓሉ ሲሃም ዓሊ ንልዕሊ ክልተ ዓመትን 5 ኣዋርሕን ኣብ ጎዳጉዲ ከምዝተመቚሐት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ብቐጥታ ካብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ብዝተዋህበ ትእዛዝ ኣብ ማእሰርቲ ክትሳቐ ከምዝተወሰነ ይፍለጥ። ሽሕኳ ብዙሓት ሚኒስተራትን ሓለፍትን ‘እንታይ የርእዩና ኣለዉ’ ኢሎም እንተተደናገጹ፡ እቶም ምስ ዓሊ ዓብዱ ፍሉይ ቅርሕንቲ ዝነበሮም ጀነራል ፍሊጶስን: ተስፋልደት ሃብተስላሰን ሓለፍቲ ህግደፍን ማእሰርቲ ሲሃም ውልቃዊ ጽልኦም ንምውጻእ ብዝለዓለ ክጥቀሙሉ ከምዝተራእዩ`ውን ቅርበት ዘለዎም ሰባት ገሊጾም። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብረሃ ካሳ ኣብ ገዛ ናይታ ኣብ እንዳ ኮርያ እትርከብ መዓሾ ዝተባህለት ኣማኒቱ ብምኽንያት ምውሳኽ ማዕርግ ናይ ሓደ ሰብ ኣብ ዝገበሮ ግብጃ ‘ንዝኾነ ምሳይ ዝነበረ ሰብ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም ንዓሊ ንዓብዱ ሓንቲ መዓልቲ`ውን ከምሓላፊ ተቐቢለዮ ኣይፈልጥን። ጓሉን ኣቡኡን ንዓሊ ዓብዱ ዝኣሰርኩላ መዓልቲ እታ ዝበለጸት ዕለት ኣብ ህይወተ`ያ።’ ኢሉ ክዛረብ ብእዝኖም ዝሰምዕዎ ሰባት ሓድሕዳዊ ጽልኢ ሓለፍቲ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑን ናብ ደቆም ከምዝመሓላለፍን ይገልጹ።

ብዘይካ ጓሉ ሲሃምን ወዲ 87 ዓመት ኣቡኡ ኣቶ ዓብዱን ምስ ዓሊ ዓብዱ ብዘለዎም ቅርበት ተጠርጢሮም  ኣሕዋቱ: ዘማታቱ: ሰራሕተኝኡ: መራሕቲ መካይኑ: ጽሓፍቱ ዝርከብዎም ልዕሊ 10 ሰባት ከምዝተኣስሩ ዝፍለጥ’ዩ። ኣቡኡ ኣቶ ዓብዱ ኣብ ቤትማእሰርቲ ብሕማም ተሳቕዮም ብዊልቼር ይኸዱ ከምዘለዉ ኣብ ማእሰርቲ ዝረኣይዎም ሰባት ገሊጾም። ናስር ዝተባህለ ንዓሊ ዓብዱ ኣውቲስትኡ ዝነበረ`ውን ንኽልተ ዓመት ኣብ ልዕሊኡ ከቢድ ምቕጥቓጥን ግፍዕታትን ክፍጸም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ከምዝወጸ ካብ ኣስመራ ዝመጻና ሓበረታ ይጠቅስ።

ብዘይካ `ዚ ሚኒስተር ተስፋይ ገብረስላሴ ብዛዕባ`ታ ብዘይወዓለቶ ገበን ኣብ ማእሰርቲ ትሳቐ ዘላ ሲሃም ዓሊ ከይገደሶ ንገዘኣ ዘሚቱ ኣብ መደቀሲ ናይታ ኣብ ጎዳጉዲ ንእስነታ ዝበሊ ዘሎ ሲሃም ዓሊ መዘነኣ ጓሉ ከምትሰፍር ምግባሩ ብብዙሓት ነበርቲ ከባቢ ቲራቮሎ ተኻዒቡ መዛረቢ ኮይኑ ከምዘሎ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት። እቶም ሓለፍቲ ህግደፍ ካብ ሓድሕድ ዘይሕሹ ንግዝያዊ ረብሓ ዝግዝኡ ዕሱባት ምዃኖም ዝጠቐሱ ምንጭታት፡ ‘ደቆምን ስድራቤቶምን ግዳያት ምዃኖም `ዩ ዘሕዝን እምበር ዓሊ ዓብዱ ‘ውን ኣብ ስልጣን ከሎ መዓስ ነቶም ቅድሚኡ ከምዚ ናቱ ዘጋጠሞም ግዳያት ተጣቢቑሎም፡ ብቐደሙስ ደይ ነንሕድሕዶም ባዕሎም ዝተማቐልዎ ቪላታት`ዩ’ ዝብል ርእይቶ ዘለዎም ብዙሓት ተዓዘብቲ ከምዘለዉ `ውን የገንዝቡ።

ምኒስተር ዜና ዝነበረ ዓሊ ዓብዱ ንስርዓት ህግደፍ ካብ ዝርሕርሖ ልዕሊ 2 ዓመትን 6 ኣዋርሕን `ኳ እንተኣቚጸረ ብዛዕባ`ቲ ውሽጡን ውሻጢኡን ዝፈልጦ ስርዓት ህግደፍ ይኹን፡ እቲ ከምውላዱ ዘዕበዮ መራሒኡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ብጩቕ ዘይምባሉ ንብዙሓት ሰባት ከምዘቖጠዖም ዝፍለጥ’ዩ። መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ነቲ ‘ዓሊ ዓብዱ ኣብ ልዕሊ ስድራቤቱ ሓደጋ ከይመጽእ ኢሉ`ዩ ዘይተዛረበ’ ዝበሃል ምጉት ዘይቅቡል`ዩ ኢሉ እዩ ዝኣምን። ንስድራቤቱ ካብዚ ድሮ ኣጋጢምዎም ዘሎ ሽግር ንላዕሊ ከጋጥሞም ስለዘይክእል፡ እቲ ዝወሃብ ምኽንያት ንኻልእ ዕላማ ዝቐርብ መመሳመሲ ደኣምበር ሓቅነት ኣለዎ ዝብል እምነት የብሉን።

በዚ ኣጋጣሚ ማዕከን ዜና ኣሰና፡ ነታ ኣብ ንኡስ ዕድሚኣ ግዳይ ናይ ዘይፈለጠቶ ፖለቲካዊ ቊርቊስ ኮይና ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ኣደራዕ ወዲቑዋ ዘሎ ሲሃምን ሽማግለ ኣባሓጎኣን ራህዋ እናተመነየት፡ ዓሊ ዓብዱ ካብቲ ተሓቢእዎ ዘሎ ውሻጠታት መልበርን ናብ ቅርዓት ወጺኡ ዝፈልጦም ሓቅታት ኪገልጽን ንህዝቢ ኤርትራ ኪኽሕስን ትጽውዕ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
118 COMMENTS
  • Hilina March 15, 2015

    Ahmed,

    As long as you write, on this web. anyone have a right to read and comment. you can’t say or give an order to anyone
    to commment or not to comment. And sometime is better to read many times I mean your comment before you post,
    because is good for you.

  • Halafi March 15, 2015

    Is this unconfirmed “news” spread deliberately to waste our time on Ali Abdu, the Nazi Joseph Gobelles of Eritrea as former minister of Disinformation?

    Though Ali Abdi is not innocent himself, as he was the right man of the dictator, however, the poor girl is innocent beyond any doubt. We don’t know if this is true or another ploy to put pressure to produce her out in the public or to keep her on the front news again by some individuals.

    The higdef criminals have nothing to gain by torturing a young girl though Ali Abdu and Hgdef were known for torturing and sending many innocent veteran tegadelti, innocent citizens and many journalists and poets. Ali Abdu himself had gone to Adi Abyeto and Mai Surwa prisons and concentration camps to order punishments and method of torture. There are many living witnesses to this.
    The only way Al Abdu can absolve himself is to confess to his participation and expose Issaias Afewrki to the bone to every crime, political intrigue, moral degradation including the selection of the young girls from sawa and many high schools exclusively to entertain to Issais, selected friends, Arab diplomats … Ali Abdu may write the books or start by giving a candid interview to Assenna or Erena.
    Whatever happens Ali Abdu needs to rewrite his own history and avenge the pain Issaias had inflicted on him from his early childhood years as fitewrari, radio operator, valet and a minister.

  • ኣርዓዶም March 15, 2015

    ata Debre
    ድሕሪ ሰላም፡ ክብለካ ዝደሊ፡ ናይ እንክሒራ መልስታት ክህልወካ የብሉን፡ እቲ ኸምኡ ዝገብረካ ዘሎ ግን ንኻልእ ግሉጽ ይኹን ኣይኹን ኣይፈልጥን ኢየ፡ ንዓይ ግን እግዚኣብሄር እመስገን ፈሊጠካ ኣለኹ። ብዛዕባ እታ መጀመርታ ዝጽሓፍክዋ ደጊምካ ንበቦ፡ ነዛ ቖልዓ ትሕቲ ዕድመ ትተኣሰር ኣይበልኩን። ዕድሚኣ ይብጻሕ ኣይብጻሕ ግን እወ ሕጂ`ውን ብሕንቓቐ ኢያ ዓብያ፡ ብሕንቓቐ ዓብያ`ያ ሞ ትተኣሰር ግን ኣይወጻንን። ጸለመ ግደፍ።

    ምስ ኣሰና`ውን ከተባኣሰኒ ፈቲንካ፡ ሕጂ`ውን እቲ ከም`ኡ ዝገብረካ ዘሎ፡ ካልእ ኢዩ፡ ንኣሰና ግሉጽ ይኹን ኣይኹን ኣይፈልጥን፡ ኣነ ግን ፈሊጠካ ኣለኹ። ብዝኾነ ይኹን፡ ሕጊ ኣሰና ኣየፍረስኩን፡ ከም ዝኾነ ሰብ ርእይቶይ ይጽሕፍ ኣለኹ።

    መንቐፊኻ ፈሊጥካ እንተትእረም ንኹሉ ደላይፍትሒ ጽቡቕ፡ ንዓኻ`ውን ጥዕና ኢዩ። ተዘይኮይኑ ብኽልተ ማንካ ክትጨርም ዓገብ፡ ምስጢርኩም ንዓመታት ላሕ ዘበለና ስለዝኾነ፡ ኣይንዝንግዕን ኢና። ቓልስና ብዝኾነ ይኹን፡ ንሃገርን ህዝብን ሰላም ንምግባር እምበር፡ ግዜ ምድንጋጽ ኣይኮነን። ጠባይካ ኣሰና እንተተለልዮ ጽቡቕ ምኾነ፡ ሕጂ`ውን ብሰንኪ ከም`ዚታት ኢዩ ቓልሲ ንዓመታት ጎተት ክብል ዝገበረ። በቲ ደላይ ፍትሒ ሰላም መሲልካ መንበር ኣሰና ሰቒልካ፡ በቲ ድማ ተደናጋጺ ወይ ሃሱስ`ቲ ስርዓት ብምዅን፡ ጽሑፋትካ ምስጢራዊ መልእኽቲ ትጎሳጉስ። ጽሑፋትካ ንዘለለናዮ ግን ኣብ ኤርትራ ብሓወይ ሓውኻ ዝኸይድ ሕጊ ክትተክል ትደሊ ሰብ ኢኻ።

    ዓወት ንኹሉ ቕኑዕ ደላይ ፍትሒ

    ኣርዓዶም

  • Truly Truly i say to you March 16, 2015

    First of all to serve the country in whatever level is not sin, until you know the true behavior of the evil regime. So be Ali abdu, Mustafa Nurhussein, Ambasador Andebirhan or Adhanom you name them for they served i do not blame for that? Ok! it might for Ali Abdu took him long time to left the country, but in a time he got opportunity finally he did it like other officials. I heard a lot demonization talk, Ali Abdu for nothing done when his father imprisoned. Please you stupid people without know any person´s personal family situation, how do you dear to give rush judgement? Do you mean any person would be happy when sees own father unjustifiably imprisons ? Ali Abdu which power he had to rescue his father even he be liked? In my view Ali Abdu because his family situation inforced him until he got opportunity to abandon could be a lot of nonsense interview he was giving by exaggerating the evil regime did and about Isayas´s health condition. Who knows weather he talked that as tactic manover so that to get opportunity to abandon and to rescue his family members could be. I do not think he is selfish like you accusing he doesn´t care about his father and his own daughter fate. In my view he was simply unlucky person to protect his family and because he didn´t get opportunity his own daughter to send abroad could be finally he enforced to abandon alone. In my view this family tragedy to no one could pain hard above than him. But in exile while knowing the savage regime evil behaviour the alternative choice he choosed “Absence” was absolute wrong.
    Even for God not determined middle Character like Ali Abdu because detestable is said the bible,
    “Because you are lukewarm, neither hot nor cold, I am going to spit out of my mouth!” (Revelation 3; 16)
    ኣቦታትም ነዚ ሓቂ ኣቀዲሞም ስለዝፈለጡ እንድዩ፡
    ፈራህ ኣይሞተ ደፋር ኣይሞተ ላንጋ ላንጋ ሞተ ዝበሉ። ስለዚ ናይ ኣሊ ኣብዱ ኩኔታ በከምዚ ተረዲእና እንተደንገጽናሉ ይሓይሽ ኣብክንዲ ንፈርደሉ። ንሱውን ብህጂ እታ እንኮ ንጓሉ ኮነ ንነፍሱ ከድሕነላ ዝኽእል መንገዲ፣ ብድፍረት ናይዚ ኣረመናዊ ስርዓት ጉድ ንዓለም እንተጋለጸ ደኣእንበር፣ እንተተሓበዕ ስለዘይኮነ፡ በጃካትኩም ናይ ቀደም ሓጥያቱ ከይጸብጸብኩም፣ብፍላይ እቶም ናይ ሰብዓዊ መሰላት ተጣበቅቲ ኢና በሃልቲ፣ ነዛ ሃደ ኣብሳ ዘየብላ ንጽሕቲ ጓሉን መሰልታን ሕይወት ከተድህኑ ተጓየዩ። እዚ እዩ ንኩላሕና ኣብ መወዳእታ ከክስብና ዝኽዕል።

  • Zeray March 16, 2015

    The story reveals the true color of Ali Abdu. If he can sleep in peace and save himself from tyranny without ensuring the safety of his own child then nobody should expect any ounce of good from this man, even while in diaspora. He was rotten before and he is rotten now.

  • Victim March 16, 2015

    With the way they are treating this under age little girl, as if she inherits the sins of her father, Iseyas and Wedi Kasa and other Higdefite leaders, are creating a precedent that will also come to their children whenever the time comes also for them.

  • Teme March 17, 2015

    I am sorry for her, but there are also countless nameless victims of the regime with equally valuable life. Hundreds of thousands youth lost their best age and ultimately for some their life. And non of them had a minister father or rich family, so this needs to be seen for what it is. One in a hundreds of thousands list of crimes. As of her father he deserves the worst of the worst(along with all the other ykealo ina endabelu mes amlak ziwedaderu) but there is no justice in this life.

  • Taazabi March 19, 2015

    ዓሊ ዓብዱ ምንስተር ዜና ነበር ንስርዓት ህግደፍ ምርሕራሑ ንዓና ንተቃወምትን ደለይት ፍትሕን ዓቢ ዓወትን ረበሓን ምኻኑ ዘይማትእ ሓቂ እዩ።እቶም ገና ነቲ ስርዓት አብ ምግልጋል ዝርከቡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ነቲ ናቱ ፈለግ ተኸቲሎም ክስሕቡ ተስፋ ንገብር ።
    እንተ ብዛዕባ ምንስትር ዓሊ ዓብዱ ምዝራብን ዘይምዝራብን በዝመልከት ጉዳይ ወላቶም ተቃወምቲ ኢና ዝብሉ ከም እንበዓል መስፍን ሓጎስ እንታይ ቡጩቅ ኢሎም ዶ አለዉ፣

  • Taazabi March 19, 2015

    አቐዲመ ንቶም ዘስካሕክሕ መከራን ስቃይን ወሪድዎም ዘሎ ስድራ ጽንዓትን ራህዋን እምነየሎም። ብምቅጻል

    ዓሊ ዓብዱ ምንስትር ዜና ነበር ንስርዓት ህግደፍ ምርሕራሑ ንዓና ንተቃወምትን ደለይት ፍትሕን ዓቢ ዓወትን ረብሓን ምኻኑ ዘይማትእ ሓቂ እዩ።
    ከምእውን እቶም ገና ክሳብ እዚ እዋንዚ ነቲ ስርዓት ከይተሓለሉ አብ ምግልጋል ዝርከቡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ንቲ ናቱ ፈለግ ተኸቲሎም ንክስሕቡ እዋናዊ ጻዊዕትና ክኸውን ይግበእ።

    እንተ ብዛዕቦ ምንስትር ዓሊ ዓብዱ ምዝራብን ዘይምዝራብን ብዝምልከት ጉዳይ ወላቶም ተቃወምቲ ኢና በሃልቲ ከም በዓል መስፍን ሓጎስን ዓብደላ አደምን እንታይ ምሽጥር
    ቡጩቅ ዝበልዎ አሎ ኾይኑ እዩ?

1 5 6 7

Post a Reply to Halafi Cancel Reply