International Volunteering Award ተባሂሉ ንዝፍለጥ ምስ መዓልቲ ወለንተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተኣሳሲሩ 5 ታሕሳስ ዝወሃብ ኣህጉራዊ ሽልማት ተሓጽያ ዘላ ዶር ኣልጋይነሽ ፍስሃ ጋንዲ ምእንቲ ክትዕወት ድምጽና ንሃባ።
ቀዋሚ ቦታኣ ኣብ ሚላኖ ዓዲ ጥልያን ዝኾነ ክኢላ ሕክምና ኤርትራዊት ገባሪት ሰናይ ዶር ኣልጋነሽ ፍስሃ ጋንዲ መስራቲት ናይቲ `ጋንዲ` ዝብሃል ዘይመንግስታዊ ወለንታዊ ማሕበር እያ። ነቶም ዝተፈላለዩ ሓደጋታት እንተላይ ሽግራት ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርትን ጨወይትን ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ
ቀዋሚ ቦታኣ ኣብ ሚላኖ ዓዲ ጥልያን ዝኾነ ክኢላ ሕክምና ኤርትራዊት ገባሪት ሰናይ ዶር ኣልጋነሽ ፍስሃ ጋንዲ መስራቲት ናይቲ `ጋንዲ` ዝብሃል ዘይመንግስታዊ ወለንታዊ ማሕበር እያ። ነቶም ዝተፈላለዩ ሓደጋታት እንተላይ ሽግራት ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርትን ጨወይትን ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምድሓን ድማ ንሓያለ ዓመታት ሰሪሓ እያ።
ሰብኣዊ ኣበርክቶኣ ኣብቶም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያን ካልኦት ክፍልታት ኣፍርቃን ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኣፍሪቃውያንን ስደተኛታት ዘተኮረ ኮይኑ፡ እቲ ንሳ እትመርሖ ሰብኣዊ ማሕበር ብሕልፊ ኣብ ህጻናት፡ ኣዴታትን ኣረገውትን ዘነጻጸረ ዕዉት ሰብኣዊ ፕሮጀክትታት ኣብ ምስላጥ ይርከብ። ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ግብጽን ኣብ ኢድ ጨወይትን ተታሒዞም ንዝነበሩ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ምድሓን `ውን ከይተሓለለት ብትብዓት ተንቀሳቒሳ። ካብኡ ሓሊፋ ደቀንስትዮን ቆልዑን ኣብ ምሕያል ኣብ ኮትዲቮር ክትነጥፍ ጸኒሓ።
ዶር ኣልጋይነሽ ነቲ ከተካይዶ ዝጸንሐት ሰብኣዊ ኣበርክቶ ዘተባብዕ ሓያለ ኣህጉራዊ ደረጃ ዘለዎም ሽልማታት ክትወስድ በቒዓ `ያ። እዚ ኣብ ዝመጽእ 5 ታሕሳስ ንዕዉታት ክወሃብ ተመዲቡ ዘሎ ሽልማት `ውን ይግብኣ እዩ `ሞ፡ ንዓኣ ዝያዳ ድርኺት ዝፈጥረላ፡ ንሰብኣዊ ዕማማ `ውን ዘሳልጥ ብምዃኑ ድምጽና ብምሃብ ተዓዋቲት ክንገብራ ንንቀሳቐስ።
ድምጺ ንምሃብ ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሊንክ `ዚ ጠውቑ
Danilo September 27, 2017
Lie meritava tutto. perché perché! Scoperto tutto, come è la sua professione dovrebbe utile per li altri. Tu auguro dottoressa.
alemseged gebrezghabihier September 29, 2017
ሰላም ኣሰና ብክብረትኩም ናይ ሓብትና ዶክተር ኣልጋነሽ ናይ መድመጺ ንቁጣ ክትልእኩለይ ብትሕትና የሓትት።በዚ ኣብ ምድረ ገጽኩም ዘሎ ኣቢኒ ኮይኑ ወሰላም።
Mesmer September 29, 2017
Please help us it is not working for me I tried Google translation but no success can you please make it easier for many of us thanks