Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Eritrean Justice Seekers in Skara, Sweden, Held Memorial for Victims of Lampedusa

http://www.youtube.com/watch?v=yzO6rDj-Y8I&width=200&height=200

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • sherer November 23, 2013

    awet ndeleyti fthin hizbi Eritrea. Widket Nkorakur isayas.Kalsi hizbi kulu gize teawatay iyu.

  • awet April 17, 2014

    መቸም ምቅዋምን ምድጋፍን ውልቃዊ ናጽነት ናይ ዝኮነ ዜጋ ምኳኑ ኣዐርየ እፈልጥ ኢይ። እንተኾነ ግን ብዙሓት እንተስ ምሳርሒ ደመኛታት ጸላእትና ንምዃን ብረብሓ ተታሊሎም እንተስ ጥቅሞም ተተንኪፎም ጸጸኒሖም ሓደስቲ ክቕልቀሉ ይርኣዩ ኣለዉ። ብዙሓት ዝተዋህቦም ኣርእስቲ ከምዝጽሕፉን ከም ዝዛረቡን ከኣ ናይዚ ቀዳማይ ተዛራቢ ኣብነት ክኸውን ይኽእልዩ። እዚ ትርፊ ጊዚኡ፣ ኩታ ጋቢ ተጎልቢቡ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ከሕልፎ ዝግባእ ኣቦ፣ ብከምዚ ዘረብኡ ጀሚሩ *እዛ ናተይ ጽሕፍቲ ብቋንቋ ሽወደን ኣዳልዋ ስለ ዝተበሃልኩ ኢዩ ብቋንቋ ሽወደን ዘቕርባ ዘለኹ* ኢሉ። ዘገርም ዩ መንዮም ኣቕርባ ኢሎም ዚኣዘዝዎ። መልሱ ንዑኡን ንለኣኽቱን ክገድፎ ኢየ።
    ካብቲ ንዑኡ ተኸቲሉ ዝተዛረበ ውን ገለ ክብል * ሹሃዳ* ማለት ስዉኣት እትብል ቃል ደጋጊሙዋ። ቋንቋ ደኣ ሓጺሩኒ እምበር ብዙሕዩ ዝዛረብ ዝነበር። ሕቶ ግን ኣላትኒ፣ ናይ ኩልና ሕቶ ኢያ ውን ትኸውን፣ እዞም ኣሕዋትና ኣብ ባሕሪ ላምፓዱዛ ዝጠሓሉ ኣምላክ ኣብ መንግስተ ሰማያቱ ይቀበሎም፣ ንሕና ዘይፈለጥናዮ ደኣ ኣበየናይ ዓውደ ውግእ ዲዮም ሞይቶም፧ ስዉእ ዝበሃል ደኣ ኣብ ቃልሲ እንዳ ሃለወ ወይ ኣብ ዓውደ ውግእ ዝተበጀወ ዶ ኣይኮነን፧ ዋላስ ጥልያን ስለ ዘይሰማዓቶም እምበር ክወሩ ክብሉ ዝተሰዉኡ ኢዮም ኢልካ ስም ኤርትራ ንምጽላም ኢዩ፧
    እቲ ሳልሳይ ከኣ ትግርኛ እንዳፋራረሰ *ክቡራንን ዝኸበርኩምን …. ፡ ይብል እሞ ቀጺሉ ብምኽንያት ሰማእታት ላምፓዱዛ ክንራኸብ ምኽኣልና ዝለዓለ ክብርም ምስጋናን ይግበኣና ኢሉ። ግርም እባ ነብስኻ ባዕልኻ ምኽባር፡፡ ኣንቱም ሰባት ዝለዓለ ክብርን ምስጋናን ደኣ ንጎይታ ጥራይ ዶ ኣይኮነን ዝግባእ፧ ንቶም ግዳያት ኣብ ኪንዲ ጎይታ ኣብ በቱ ክቕበሎም ምጽላይሲ፡ ነቶም ዝተኣከቡ ክብርን ምስጋናን ክብልሲ ለኣኽቱ ሳንሱር ዘይገበርዎ መእተዊ ጽሑፍ ኣንቢቡ ይኸው፧ ቀጺሉ *ኤርትራውያን ሃይማኖታዊ ዓሌታዊ ፖለቲካዊ፡ መልክዕና እምበር መፈላለይና ኮይኑ ኣይፈልጥን ኢዩ።* ይብል፡፡ ትግርኝኡ ኣይፈራረሰን ዶ። ኣብ ዙርያኡ ቆብዕ ባንዴራ ኣመሪካ ኣብ ርእሱ የማነ ጸጋሙ ዝኾልል ዝነገረኸ ዓጃቢኡ ዶኾን ይዅን፧
    ድሒራ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ዝተዛረበት ምሰናይ ጸያፍ ዘረበኣ፡ (ኣብ ደገ ዝተወልደት ክትከውን ስለ ትኽእል፡ ሓቂ ካብ ዘውጽኣቶ እንተ ነይሩ) * ንግዳያት ላምባዶዛ* ዝሓሸ ናብራ ክትረኽቡ ኢልኩም ተበጊስኩም፡ ከም ዝሓሰብኩሞ ግን ኣይኮነልኩን .. * ኢላ።

Post a Reply to awet Cancel Reply