Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ መግለጺ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ኣሜሪካን ኮሚዩኒቲ ላስቬጋስ

ህዝባዊ መግለጺ  ህዝባዊ መግለጺ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ኣሜሪካን ኮሚዩኒቲ ላስቬጋስ    ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ ፤ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ስርዓት ህግደፍ መቀጸልታ ናይቶም ንሱ ዝኽተሎም ኣዕነውቲ ተግባራት ዋላ”ዃ እንተኾኑ ፡እዚ ምስ ምፍራስ ኣባይቲ

ህዝባዊ መግለጺ

 ህዝባዊ መግለጺ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ኣሜሪካን ኮሚዩኒቲ ላስቬጋስ

   ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ ፤ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ስርዓት ህግደፍ መቀጸልታ ናይቶም ንሱ ዝኽተሎም ኣዕነውቲ ተግባራት ዋላ”ዃ እንተኾኑ እዚ ምስ ምፍራስ ኣባይቲ ተታሓሒዙ ኣብ መላእ ሃገር ዝውሰድ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራት ፤ንኣብነት ኣርባዕተ ኣስመራዳዕሮ ጳውሎስጸሎት ዓዲ-ቀይሕይን ካላኦት ከተማታትን ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ኣውሪድዎ ዘሎ ስነ-ኣእምራውን ሞራላውን።ቁጠባውንዕንወት መወዳድርቲ የብሉን።

  እዚ ኣረሜናዊ ተግባራት እዚ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ከተማታት ጥራሕ ደው ኽብል እዩ ዝብል እምነት ስለዘይብልና ነቲ ህዝቢ  ዓድ-ቀይሕ ወሲድዎ ዘሎ ተባዕ ስጉምቲ ሙሉእ ደገፍና እንዳገለጽና ንኩሎም በዚ ተባዕ ህዝባዊ ተበግሶ ዝውሰዱ  ስጉምታት ኣብ ጎኑ ደው ከምንብል ከነረጋግጽ ንደሊ።

  ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ እዚ ኣረሜናዊ ተግባራት እዚ ኣብ መላእ ሃገር ከተግብሮ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን ኹሉ ኤርትራዊ ነዚ ኣጸያፊ ተግባር ብምቕዋም ኣብ ጎኒ ናይቶም ተባዕ ስጉምቲ ዝወስዱ ዘልዉ ሃገራውያን ኽከተል ይግባእ።ስለዚ ኤርትራውያን ኣሜሪካን ኮሚዩኒቲ ላስቬጋስ ከም ወትሩ ኣብ ጎኒ ናይዚ ተቓሊሱ  ዘቓልስ ተባዕ ህዝቢ ደው ከምንብል ደጊምና ብመትከል ነረጋግጽ። ብተወሳኺ ነቶም ኣብቲ ናይ ምፍራስ ኣባይትን ቕትለትን ጭፍጨፋን ተዋፊሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢና ጭኻነ ዝመልኦ ተግባራት ዘሳስዩ ዘልዉ ብጭኻነ ዝዓወሩ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ህዝባዊ ምምሕዳራትንካብዚ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ጨካን ተግባራት ተቖጢቦም ኣብ ጎኒ ህዝቦም ደው ንኽብሉ ሕጂውን ከም_እንደገና  ጻዊዕትና ነቕርብ።

  ኣብ መወዳእታ ነቶም ኣብ ህዝባዊ ተቓውሞ ከተማ ዓዲ-ቀይሕ ዝተጎድኡን ዝተመዛበሉንዜጋታትና ኤርትራውያን ኣሜሪካን ኮሙዪኒቲ ላስቬጋስ ከም ሃገራውያን ጸገምኹም  ጸገምና እዩ ራህዋኩም እውን ራህዋና ስለዝኾነ እቲ ዝለዓለ ኣበርክቶና ከነበርክት ምዃና ደጊምና ብትሪ ከነረጋግጽ ንደሊ።

                             ኤርትራውያን ኣሜሪካን ኮሙዩንቲ ላስቬጋስ

                                 ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ  03/13/15

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • ኮሚኒቲ ላስ ቬጋስ ጽቡቕ ስራሕ ኣብነታውያን ኩሉ ነዚ ኣብነት እዚ ክስዕብ ይግብስእ፡ ድሕሪ ገዛውቲ ምዕናውከ እንታይ ክስዕብ ኢና ንጽበ ዘሎና?

  • hawsha March 13, 2015

    ናይ ብሃኪ ተባዕ ስጉምቲ አኩም ውሲድኩም ዘሎኩም ኣብ ግድንኩም ኣሎና ። ሕጂ ህዝባዊ ብዝዕበል ክለዓል ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ ንቶም ተድጋጋኒ ስጉምቲ ዝወስዱ ዘለዉ ውድብ ከኣ ኣጆኩም በርትዑ ይብል ኩሉ ህዝቢ እንደዝዓስሎም ከኣ ዚያዳ ክሰርሑ ምካኣሉ ዝብል እምነት ኣለኒ።

  • mm March 13, 2015

    What can we expect from the criminal Isaias and his gangs. The only solution is liberating our people at any cost. I call world wide protest,exposing the criminal and the thief Isasis. Let the world hear the cries of our brothers and sisters in the dungeons and underground cemeteries all over Eritrea. I pray for god to hear the cries of the people of Eritrea. Let the skeletons of the dead without proper burial speak to the world,their pain,their suffering,their unjust agony . Let the world hear the cries of our mothers,the pain and the misery they are going through. Justice will be served ,no doubt one day, and his off spring will pay the price. Viva Las Vegas you guys are brave. And the people of Adi Keyeh, My people, I pray for your safety,and I will fight for you. One day, we the people of Eritrea, will be free of the evils of Issais Aforkie.

  • ስመርርር March 13, 2015

    ኮሚኒቲ ላስ ቬጋስ ጽቡቕ ስራሕ ኣብነታውያን ኩሉ ነዚ ኣብነት እዚ ክስዕብ ይግብስእ፡ ድሕሪ ገዛውቲ ምዕናውከ እንታይ ክስዕብ ኢና ንጽበ ዘሎና ምስ ስሙር ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ ኮንካ ምስራሕ ኣቲ ኣማራጺ ነይሩ ኣንተኮነ እዚ ውድብ ክንረክቦ ኣይከኣልናን

  • Tes March 13, 2015

    Community Las Vegas! Great example. Your stand and statements give a hope and encouragement to those under the repressive regime and the victims. Our people need us and this is the time to give hand to those in need.

    Keep up the good work. God bless deki Ere!!

  • Meharenazgi Merhawi March 13, 2015

    “ኣርሆ ክሳብ ዝድብደቡ ይስሕቁ” ኩነታት ኤርትራ ንሓደ ኣብ ህዝብና ንዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ግፍዕን በደልን ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት እናረሳዕና ኣብ ጓይላን ሳዕሳዒትን ዳንኬራን እናኣቶና ኩነታትና “ኣርሆስ ክሳብ ዝድብደቡ ይስሕቁ” ኮይኑ ከይተርፍ ነቲ በብግዚኡ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ኣረሜናዊ ግፍዒ ከም ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፣ህዝቢ ዘጽንት ጠንቂ ስደት፣ጢሳን ዓድን ናይ ደቀባት ዘዕኑ ምፍራስ ገዛውቲ ብምቅዋም ከምዚ ናይ ላስቬጋስ ኣብ ኩለን ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካን ምሉእ ዓለምን ተወዲብና ብጽሑፍ ይኹን ብሰላማዊ ሰልፊ ኣውያትና ከነስምዕ ተባዕ ስጉምቲ ንውሰድ። እዚ ግፍዒ’ዚ ኣብ ነብሲወከፍ ኤርትራዊ ስድራ ይወርድ ስለ ዘሎ እቶም ሕሊናኹም ሸጥኩም ነዚ ኣረሜናዊ ጉጅለ ህግደፍ ወጊድ ኢልኩም ምስ ህዝብኹም ተሰለፉ።ንኹሉ ግዜ ስለ ዘለዎ ኣብ ግጉይን ምዉትን ሕሊናኹም ጸሓይ ኣይዕረብኩም።

  • amanuel March 13, 2015

    Community Las Vegas! Great example. Your stand and statements give a hope and encouragement to those under the repressive regime and the victims. Our people need us and this is the time to give hand to those in need.
    Keep up the good work. God bless deki Ere!!
    Rating: 0.0/5 (0 votes cast)

  • yosief z. March 14, 2015

    It is good to applaud and praise those who courageously decide to confront oppression, tyranny and injustice. But we should also realize that all citizens who care about their country and people must take, individually or in groups, practical steps (such as promised by Eritrean-Americans in Las Vegas) if Eritrea’s popular struggle is to succeed.

    We should all strive to expose, fight and defeat the political and financial machinations that PFDJ (or Hgdef) undertakes abroad in order to sustain its grip on political power in Eritrea.

  • Wedi Mengstu March 16, 2015

    ኮሚኒቲ ላስ ቬጋስ ጽቡቕ ስራሕ ኣብነታውያን ኩሉ ነዚ ኣብነት እዚ ክስዕብ ይግብስእ፡ እዚ ኣብ ሃገርና ዘንጸላሉ ዘሎ ጸሊም ደበና ህግደፍ ብናይ ቃል ደገፍ ጥራይ ተሓጺርና ደው ክንብል ኣይ ግበኣናን እቶም ደለይቲ ሰናይ ናይ ሃገርን ህዝብን ዝኮና ዓቅምና ዝክእሎ ኩሉ ከነበርኽት ይግባኣና.ኸምዚ ኽብል ከለኹ ድማ ንቶም ዕድመ ስቃይ ዘጋታቶም ነከብቅዕ ዝቃለሱ ዘለው ኣብ ምድሪ ብዝካኣለና ብገንዘብ ይኩን ብካልእ ኣብ ምሕጋዝ ክነጥፍ ይግባኣና ደቂ ሃገረይ ግዝየ ኣይ ንውሰድ

POST A COMMENT