ኣብ ማእከላይ ኤሽያ እትርከብ ቱርክምኒስታን ኣትብሃል ሃገር፡ ን3 ,700 እሱራት ምሕረት ብምሃብ ነጻ ሎሚ ቐዳም 27 ነሓሰ ከምዝለቀቐቶም ሮይተርስ ሓቢሩ።
ኣብ ማእከላይ ኤሽያ እትርከብ ቱርክምኒስታን ኣትብሃል ሃገር፡ ን3 ,700 እሱራት ምሕረት ብምሃብ ነጻ ሎሚ ቐዳም 27 ነሓሰ ከምዝለቀቐቶም ሮይተርስ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ፡ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራ ሃገራት እገዳ መገሻ ዝተገብረሎም ከምኡ ‘ውን ህጹጽ ኣዋጅ ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ስልጣን ኣመሪካ ዝውግዞም ወጻእተኛታት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል ኣዋጅ ከምዘውጽአ ካብ ‘ዋይት ሃውስ’ ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣገንዚቡ።
ሽወደናውያን ዶካትር ኣብ ዓለም ናይ መጀምርያ ዕዉት ኣርተፊሻል ህዋሳዊ ፈልሲ ብምክያድ ሕክምናዊ ታሪኽ ሰሪሖም ክብል kjrh.com ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።
ግብጻዊ ኦፕሬተር ሳተላይት ፡ ‘ኣራብሳት’ ን14 መስመራት ቴለቭዥን ሊብያ ደው ከብለን ብናይ ካይሮ ቤትፍርዲ ከምዝተኣዘዘ ‘ራፒድ ቲቪ ኒውስ’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ዋና ሓላፊ ጸረ-ግብረሽበራ ‘ዋይት-ሃውስ’ ጆን ብሪናን፡ ምስ ምኽትል ፕረዚደንት የመን ብምርካብ ኣመሪካ ኣብ የመን ቅልጡፍ ምስግጋር ስልጣን ክግበር ድሌት ከምዘለዋ ከምዝገለጸሉ ኣሾሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኣመሪካ ‘ፓኪስታን ኣብ መኸተ ግብረሽበራ ቁልፊ መሓዛ ‘ያ’ ብምባል ነታ ሃገር ክህቦ መዲቡዎ ዝነበረ $800 ሚልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ከምዘበሎ ካብ ‘ዋይት ሃውስ’ ዝተዋህበ መግለጺ ብምጥቃስ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ሓቢረን።
ጥረ ካንሰር ካብ ኣካላቱ ከምዝተወገደሉ ብሃንደበት ዝገለጸ ፐርዚደንት ቬንወዝዌላ ሁጎ ቻቬዝ፡ ኣብ ኩባ ዝግበረሉ ዘሎ ሕክምናዊ ክንክን ዋላ 6 ወርሒ እንተወሰደ ነታ ሃገር ብማዕዶ ክመርሓ ሕጊ ከምዘፍቅደሉ ምክትል ፕረዚደንት ናይታ ሃገር ከምዝገለጸ ነው ዮርክ ታይምስ ሓቢሩ።
ሎሚ ሰንበት 12 ሰነ 2011 ኣጋ ምሸት ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ማእከላይ ዓቐን ማለት 5.7 ሬክተር ስኬል ዝመጠኑ ተኸታታሊ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዘጋጠመ BNO NEWS ሓቢሩ።