ካብ ውሽጢ ኤርትራ ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ልዕለኡ ክመጽእ ካብ ዝኽእል ዝኾነ ናይ ሰራዊት ተጻብኦ ንምድሓን ንብሪጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ናይተን ባዕሉ ዝዓለመን ሸውዓተ ክፍለሰራዊታት ኣዛዚ ገይሩዎ ኣሎ። ፍሊጶስ ይኹን ካልኦት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣድላይነቶም ሃሲሱ ደስኪሎም ከምዘለዉ ዘለዉ ‘ውን እቲ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ልዕለኡ ክመጽእ ካብ ዝኽእል ዝኾነ ናይ ሰራዊት ተጻብኦ ንምድሓን ንብሪጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ናይተን ባዕሉ ዝዓለመን ሸውዓተ ክፍለሰራዊታት ኣዛዚ ገይሩዎ ኣሎ። ፍሊጶስ ይኹን ካልኦት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣድላይነቶም ሃሲሱ ደስኪሎም ከምዘለዉ ዘለዉ ‘ውን እቲ
ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ (EYGM) ኣብ ውሽጢ ሃገር ተሳታፍነት መንእሰያት ብምብርባር ብዝገበሮ ዘሎ ናይ ምልዕዓል ተበግሶታት ዝተሻቀለ ስርዓት ህግደፍ፡ ብመንገዲ ሃመማተኤ፡ ናብ መንእሰያት ዘተኮረ ጽዑቕ ናይ ምክልኻል ፖለቲካዊ ጎስጓሳት ከካይድ ከምዝቐነየ ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ ንምንቅስቓስ መንእሰያት ንምብርዓን ዝሓለነ ጎስጓስ፡ ድሮ ኣብ ኣብያተ ትምህርታት ክካየድ ከሎ፡
[embed]http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2012/04/propaganda-meeting.pdf[/embed]
ፈጻሚ ኣካል ምንቅስቓስ ንደሞክራስንፍትሕን ኤርትራ(ምደፍኤ)፡ ኣብ ጽባሕ ምዝዛም ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለ፡ ማለት ካብ ዕለት6-ሚያዝያ 2012 ኣብ ናይ ቀትርን ለይትን ሰዓታት ጽዑቕ ኣኼባታት ብምክያድ፡ ኣብ ኣገደስቲ ዛዕባታት ተመያይጡ ኣገዳሲ መድረኻዊ ውሳኔታት ብምምሕልላፍ ፡ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ፡፡ ፈጻሚ ኣካል ምደፍኤ፡ ማእከላይ ሽማግለ ውድብና ንዘቐመጦ መድረኻዊ ገምጋማትን፡ ዝሓንጸጾም ናይ
ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ጀሚሩ ኣብ መርበብ ሓባራዊ ርክባት ፓልቶክ ሓደ ኦፕረተር ፕረዝደንት ኢሰያስ ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ መንእሰይ፡ ንኹሉ እቲ ኢሰያስ ድሕሪ መጋረጃ ዝገብሮ ዓሚቕ ዝርዝራት ዘለዎ ዘስደምም ሚስጢራት ኣብ ዘቃልዓሉ ዘሎ ህሞት ኣብ ዉሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ይከታተልዎ ከመዘለዉ
ካብ ዕለት 6 ክሳብ 9 ሚያዝያ ሻሙናይ ምትእኽኻብ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ይካየድ ኣሎ። እዚ ብብዙሕ ምስጢራዉነት እኳ ተታሒዙ እንተጸንሐ፡ ድሒሩ ብማዕከናት ዜና ሽወደን ኢዩ ተቓሊዑ። እቲ ንሽወደናዊ ዜግነት ዘለዎ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ንዓሰርተ ሓደ ዓመት ብዘይፍርዲ ኣሲሩ ዘሳቕይ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ንከምዚ ዝኣመሰለ
ዕዉት ባህላዊ ምሸት ንዝኽሪ ኣቦ ስውኣት ኣብ ሎንደን ሸክ ጀማል ዓብድልቃድር ከቢረ ወዲ ኣቦ ስውኣት ሸኽ ዓብድልቃድር ከቢረን ብዙሓት ግዱሳት ኤርትራውያን ዝተረኽብዎ፡ ማሕበር ግብረ-ሰናይ ከቢረ ብምኽንያት መበል 65 ዝኽሪ መቕተልቲ ኣቦ ስውኣት ሸኽ ዓብድልቃድር ከቢረ፡ ብሰንበት 1 ሚያዝያ ዕውት ባህላዊ ምሸት ኣካይዱ። መጀመሪያ፡ ኣቦ ወንበር ማሕበር
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ ኣምባሳደሩ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ብምልኣኽ፡ ኣብ ማንቸስተር (ዓባይ ብሪጣንያ) ምርጫ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ንምክያድ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኢድ ስለዘእተወ፡ ትማሊ ቀዳም 31 መጋቢት ኣብታ ከተማ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣካላዊ ምትህርራም ዝተሓወሶ ግጭት ስዓቡ እቲ ቆጸራ ንሰለስተ ሰሙን ከምዝተሰጋገረ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብቲ
ሎሚ ዕለት 03/28/2012 ብወግዒ ምንቅስቃስ መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ላስቬጋስ ተመስሪቱ፡እዚ ብግዝያዊ መጸውዒ ስም ዝተመስረተ ምንቅስቃስ መንእሰያት ስርዓት ህግደፍ ከም ቐዳማይ ጸላኢ ብ ምቅማጥ፡ ነቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ መንእሰያት ኤርትራ ድማ ብፍላይ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ንምቅላስ ብሓድነት ከምዝሰርሕ ኣስሚርሉ። ብምቕጻል እቶም መንእሰያት መጀምርታ ብዝኽሪ እቶም
ህግደፍን ሰዓብቱን ናይ ዕግርግር ሓይሊ ኢዮም¨፡፡ እዚ ናይ ራዕድን ሽበራን ኣከያይዳዚ ሎሚ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለምን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን እናተሰዓረ ይኸይድ ኣሎ። ከም መቐጸልታ ናይዚ ዲሞክራሲያዊ ምዕብልናታት ድማ ሰንበት ዕለት 12 ለካቲት 2012 ነዚ መሊሱ ዘረጋግጽ ኣጋጣሚ ተኸሲቱ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ መዓልቲ መበል ሻምናይ ዓመት ማሕበር መንእሰያት
ኣብዚ ቐረባ መዓልታት፡ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኮርባርያ ዝተባህለ ዓዲ፡ ሰራዊት ልኢኹ ግፋ ከካይድ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ፡ ንሓደ ኣቦ ብጥይት ድሕሪ ምቕታሉ፡ ህዝቢ ኮርባርያ ነዲሩ ነቶም ህግደፍ ክገፉ ዝለኣኾም ኣባላት ሰራዊት ብፋስን ጎዞሞን ከምዝተሳህሎም፡ ነቶም ኣቦ ብጥይት ዝቐተለ ኣባል ሰራዊት ድማ ብኡ ንብኡ
ጋዜጣዊ መግለጺ ሰላማዊ ሰልፊ ኒደራድ - ፍራንክፎርት 2012 ንቀዳም ዕለት 24 መጋቢት 2012 ካብ ሰዓት 12 ክሳብ ስዓት 15 (3 ድሕሪ ቀትሪ) ዝተመደበ፡ ኢድ ኣእታውነት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላት ኤርትራ ዘወግዝ ሰላማዊ ሰልፊ ብጽቡቕ ተኻይዱ። ካብ መዓርፎ ባቡር ምድሪ ኒደራድ-ፍራንክፎርት ተበጊሱ ክሳዕ‘ቲ ኣኼባ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን
ኣብ በርጋሞ ዓዲ ጥልያን ዝርከቡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ብዕለት 19/02/2012 አብ ዘካየዱዎ ፈላሚ አኼባ፡ ማሕበር መንእሰያት ንለውጢ ብወግዒ አቚሞም። ብመሰረት እቲ ንነዊሕ ግዜ ከካይድዎ ዝጸንሑ ቀጻሊ ቃልሲ አማሓደርቶም ብምምራጽ ስርሖም ጀሚሮም አለዉ ። እዚ ማሕበር መንእሰይ ንለውጢ ንማሕበሩ ሕጋዊ ማሕበር ብምግባሩ ቀዳማይን ዓቢ ዓውትን ብምዃኑ ነአባላቱ አበሲሩ ። ማሕበር
ትማሊ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ህይስተን ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣንጻር ህግደፍ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እቲ ብኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢን ዝተወደበ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ነቲ “ቁጠባዊ መሰረታት ኤርትራን መጻኢ ዕድላታን፡ ህሉው ማሕበራውን ፖለቲካውን ተጻብኦ ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ብዶ/ር ተስፋይ ኣርዓዶም ዝተኻየደ
ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ፡ EYGM-UK ካብ ትማሊ ቀዳም ምሸት 24 መጋቢት ክሳብ ወጋሕታ ዝቐጸለ ኣስተምህሮን ምዝንጋዕን ዘካተተ ዕዉት ናይ መላለዩ ስነጥበባዊ መደብ ኣብ ከተማ ሊድስ ኣካይዱ። ኣብቲ ‘ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ግድን ክነግስ’ዩ ‘ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ፡ ኣማኢት መንእሰያት ኣባላት ዓለም
ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዛጊት ብዘይተጋህደ ምኽንያት፡ ንሬሳ ናይቲ ቅድሚ 45 መዓልታት ኣብ ለንደን ዝዓረፈ ነፍሲሄር ናይዝጊ ክፍሉ ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ምስ ከልከለ፡ ኣቦኣ ኣብ ዓደቡኡ ክቕበር ንኢሳያስ ከተእምኖ ኣብ ኤርትራ ሰሙናት ዝቐነየት ጓል ናይዝጊ ክፍሉ ብዘይፍረ ናብ ለንደን ከምዝተመልሰት ተፈሊጡ። በዚ ድማ እቶም ብዓዲ ሬሳ ሓዎም
ቦኽሪ ወዱ ንውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብርሃም ኢሳይያስ፡ ጽዑቕ ናይ ሰለስተ ወርሒ ስልጠና ወተሃደራዊ ስነፍልጠትን ምሕደራን ድሕሪ ምውሃቡ፡ ምኽትል ሓይሊ ኣየር ክኸውን ብኢስይያስ ከምእተመዘዘ ምንጭታት ሓቢሮም። ነዚ ሓበሬታ’ዚ ብዝተፈላለየ መንገዲ ንምርግጋጽ ኣብ ዘካየድናዮ ፈተነ፡ ኣብ ሓይሊ ኣየር ተወሳኺ ስልጠና ይወስድ ከምዘሎ፡ ከምኡ ‘ውን ክብ ዝበለ መዝነት ተዋሂቡዎ
ኣብ ስርዓት ህግደፍ ብደረጃ ሚኒስተርነት ዘገልገለ የማናይ ኢድ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀንዲ ዓርኩን ናይ ዝነበረ ሬሳ ነፍሲሄር ናይዝጊ ክፍሉ፡ ከምቲ ልሙድ ንላዕለዎት ሓለፍቱ ዝገብረሎም ስነስርዓት ቀብሪ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዋላ ኣብ መሬት ዓደቡኡ ከይተረፈ ሓመድ ኣዳም ከይለብስ ሬስኡ ናብ ኤርትራ ምእታው ኢሳይያስ ስለዝኸልከሎ፡ ንመበል 43 መዓልቱ
ሰራዊት ኢትዮጵያ ንውሽጢ ኤርትራ ክሳብ 18 ኪሎሜተር ብምእታው፡ ራሚድ፡ ገለህቤና፡ ጊቢና፡ ኣብ ዝብሃሉ ስርዓት ህግደፍ ከም መዐለሚ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ዝጥቀመሉም ዝነበረ ሰለስተ ቦታታት መጥቃዕቲ ከምዝወሰደ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ሎሚ 15 መጋቢት ዝተኻየደ ውግእ ዝቖሰሉን ዝተማረኹን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምዘለዉ ብምጥቃስ ከኣ፡ ስርዓት ህግደፍ
ልኡኽ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ብሩክሰልስ ዑደት ከም ዘካየደ ተሓቢሩ። ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዶክተር ዩሱፍ በርሃኑን፡ ኣቶ መስፍን ፍትዊ ሓላፊ ሽማግለ ወጻኢ ዝምድናታት ሃገራዊ ባይቶ-ምምሕዳር ዞባ ኢወሮጳን፡ ኣብ’ታ ዋና መደበርን መንሃርያን ሕብረት ኤውሮጳ ዝዀነት ከተማ ብሩክሰልስ፡ ምስ ላዕለዎት ሰበ
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ስደት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትነብር ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተቓለሰት ወ/ሮ መርየም መሓመድ ዑመር፡ ከምኡ ‘ውን ውፍይቲ ሓፋሽ ወድባት ኮይና ሃገራዊ ኣበርክቶ ዝገበረት ኣብ ጀርመን እትነብር ወ/ሮ ሽዋ ስዩም፡ ብምኽንያት 8 መጋቢት መዓልቲ ደቀንስትዮ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበራኦ ዘተ፡ ብሰንኪ ዓመጽን ጭፍጨፋን
ኣብ እስራኤል ቴልኣቪቭ ዝነበረት እንዳ መድሃነኣለም ቤተክርስትያን ብፖሊስ እስራኤል ብምዕጻዋ ትማሊ ሰንበት 4 መጋቢት ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ክትህብ ከምዘይከኣለት ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። እታ ብቐጥታዊ ምትእትታው ስርዓት ህግደፍ ካብ ኣስመራ እትመሓደር ዝነበረት ቤተክርስትያን፡ ምንጪ ኣታዊ ገንዘብ ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ምንጪ ግርጭት ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን
ውምቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ሎሚ 4 መጋቢት ንደገፍቱ ዓዲሙ፡ ብመሪሕነት ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ወካሊኡ ሽለሺ እድሪስ፡ ኣብ ዋና ከተማ ስዊዘርላንድ፡ በርን፡ ከካይዶ መዲቡዎ ዝነበረ ኣኼባ፡ ብመኸተ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ከይተጀመረ ፈሺሉ ከምዝተረፈ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ነቲ እኼባ ንምቅዋም ካብ ትሽዓተ ካንቶናታት ስዊዘርላንድ
ዘካርያስ ክብረኣብ ዝተባህለ ወዲ 28 ዓመት ኣብ ጀርመን ዝቕመጥ መንእሰይ ፡ ካብ ኤርትራ ኣትሒዙ ብምድረበዳ ሱዳንን ሊብያን ማእከላይ ባሕርን ጥሒሱ ንጀርመን ቅድሚ ምእታው ዘጋጠሞ ናይ ባህርን ናይ ሰብን ተጻብኦታትን መስገደልን ኣጻምእን ዝገልጽ መጽሓፍ ብቋንቋ ጀርመን ኣሕቲሙ ንዕዳጋ ኣውሪዱ ኣሎ፡፡ እዛ ብመንእሰይ ዘካርያስ ዝተሓትመት 400 ገጻት ዝሓዘለት
መንእሰያት ኤርትራ ብዘርእይዎ ዘለዉ ናዕብን ጎስጓስን ብምስጋእ ኣብ ፍራንክፈርት ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ኤርትራ፡ ንሽማግለታትን እሙናት ኣባላት ህግደፍን እንተዘይኮይኑ፡ ንካልእ ንዝኾነ ይኹን ኣካል ከምቲ ልሙድ ማዕጾ ክፉት ከምዘይኮነን፡ ብፍሉይ ፍቓድ ጥራይ ከምዝእቶን፡ ካብ ፍራንክፈርት ዝተረኽበ ሓበረታ ገሊጹ፡፡ ናይ ፍራንክፈርት ቤ/ጽሕፈት ብፍላይ ሎሚ ነዚ ስጉምትዚ ዝወሰደሉ ምኽንያት፡
ሬሳ ኣቦኣ ኣብ ኤርትራ ክቕበር ንመራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ክትልምን ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ኣስመራ ዝኸደት ጓል ናይዝጊ ክፍሉ፡ ኣብ ኣስመራ ንዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ክሕልዉ ብኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተኣዘዙ ወተሃራት ስርዓት ህግደፍ ናብቲ ገዛ ምእታው ከምዝኸልኡዋ፡ ኣብ መወዳእታ ግን መራሒ ስርዓት ግህደፍ ተሓቲቱ ሓንቲ ክፍሊ ጥራይ ክኸፍቱላ
OAKLAND, CA February 25, 2012 – EYC Bay Area, California and EYSC North America announced today that they have successfully concluded the unification agreement of both groups. Both groups are at the forefront of promoting democracy and rule of law in Eritrea, and this unification
ልዕለዋይ ብዓል ስልጣን ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ከምኡ ‘ውን ናይ ቀረባ ዓርኪ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝነበረ፡ ብ6 ለካቲት ኣብ ለንደን ዝዓረፈ ነፍሲሄር ናይዝጊ ክፍሉ፡ ክሳብ እዚ ስዓት’ዚ፡ ሬስኡ ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ብምኽልካሉ ኣብ ቤተሰቡ ዝፈጠሮ ጭንቀትን ዓቕሊ ጽበትን ኣብ ጥርዚ በጺሑ፡ ቍንቍኛኡ ንደገፍትን
ከም መቐጸልታ ዝሓለፈ ርክብ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ንሕና ኣብ መዓስከራት እንነብር ስደተኛታት ካብ ዕለት 16/02/2012 ካብ ሓሙሽትኡ መዓስከር ስደተኛታትን ኣዲስኣበባን ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ተኣኪብና ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዘቲና፡፡ ኣብዚ ናይ ዘተ መኣዲ ዝተሳተፍና ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ኣስታት 210 ኮይና 29 ካብ ተሳተፍቲ
ኣብ ናይ መደብ ድምጺ ኣሰና ሎሚ ሰኑይ 20 ለካቲት፡ ኣብ ርእሲ ልሙድ ዜና፡ “ክልተ ሞት!” ዘርእስቱ፡ ንዕረፍቲ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉን፡ ብኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ሬሳኡ ኣጋጢሙዎ ዘሎ እገዳን ኣመልኪቱ ዝተጻሕፈ ቃል ኣሰና። ከምኡ ‘ውን፡ ክሳብ ሎሚ 20 ለካቲት ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ሽረ ንዝተኻየደ ልዕሊ 200 ዝተፈላለያ
ስርዓት ህግደፍ፡ ንኹሎም መራሕቲ ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ ዝገበረሎም ምስጢራዊ ኣኼባ፡ ኩሉ ዓቕምታቶም ኣኻኺቦም ኣንጻር ወያነ ኣብ ዝካየድ ኵናት ንምስታፍ ኣድላዪ ምድላዋት ክገብሩ ከምዝኣዘዞም ምንጭታት ሓቢሮም። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣኼባ ዝመርሐ፡ ሓደ ካብቶም ዕሉላት ናይ ወጻኢ ስለያ ስርዓት ግህደፍ ዝኾነ፡ ብሬገደር ጀነራል ጠዓመ
ፍልጥቲ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰል ኤልሳ ጭሩምን ጋዜጠኛ ኣሮን ብርሃነን፡ ንኡስ-ኮሚተ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰል ፈደራላዊ ባይቶ ካናዳ ብዘቕረበትሎም ዕድመ መሰረት ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ቃል ሂቦም። ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ዝወርዶም ኣስካሕካሒ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ መደበር ዑቕበኛታት ዘጋጥሞም ብድሆታት ከምኡ ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ካናዳውያን ዝፍጸም
ብዕለት 28.01.2012 ነጻ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን ብክብ ዝበለ ድምቀት ናይ ሓድሽ ዓመት በዓል ኣብዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኖርወይን ካብ ሃገረ ሽወደንን ዝመጹ ኣጋይሽ ዝተጸንበርዎ በዓል’ዚ፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን ተቐማጦ ኖርወይ ናይ መጀመርታን ፍሉይን ኢዩ ኔሩ፡ ከመይ ማሕለኻ ህግደፍ ዝበጠሰ ብምዃኑ። ነጻ ማሕበረሰብ
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ከባቢ ጸሮና፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ውግእ ከምዝተገብረ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ወተሃደራት ክሞቱ ከለዉ፡ ሰለስተ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምዝተማረኹ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ቦታ ተቖጻጺሩዎ ከምዝነበረ፡ ብርክት ዝበለ ፈኮስቲ ብረታት ‘ውን ብሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝተመንዝዐ ተፈሊጡ። ብኻልእ
ኣብ ጉዕዞ ንስደት እናሃለዉ፡ ብወተሃደራት ግብጺ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ተታሒዞም ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዝነበሩ’ሞ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ናይ ምምላስ ሓደጋ ከንጸላልዎም ዝጸንሐ፡ 42 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብምትሕብባር ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ፡ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኸዱ ምንጭታት ሓቢሮም። ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ስደት ብግዴታ ንምዝለሱ ኤርትራውያን ናይ ምእሳርን
ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ጥራሕ፡ ልዕሊ 6300 ኤርትራዉያን ኣብ ኖርወይ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ኣብ ክፍሊ ኢሚግሬሽን እታ ሃገር፡ ተኸታታሊት ጉዳይ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ወ.ት ክሪስትነ ሽዮርተነስ ኣብ ከተማ ስታቫንገር ብዕለት 07 ለካቲት፡ ንዕዱማትን ሰበ-ስልጣን እታ ከተማን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ። ንሳ ኣብ መግለጺኣ ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን ጠንቂ ህልዉ
ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ሰሜን ኣሜሪካ ድሕር’ቲ ካብ 21-30 ሕዳር 2011 ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ካብ ዝውዳእ ኣትሒዞም ንህዝቢ መግለጺታት ክንህብ እኳ እንተጸናሕና፡ ንሸውሃትን ህንጢትን ህዝብና ኣዕጋቢ ይኸውን ከምዘይነበረ ግን ብህዝብን ፈተውቲ መራኸቢ ሓበሬታታን ተገንዚብናዮ’ሎና። እዚ ድማ ስራሓትና ብስሉጥን ህዝባውን ብዝኾነ ቅርጻ ንምስራዕ ፈጻሚት ሽማግለን፡ ባይቶን ዞባን
ሓንቲ ካብተን ክቡራት በዓላት ህዝቢ ዜርትራ፡ መዓልቲ ዝኽሪ ሰማእታትና ኢያ። ህዝቢና ኣብዛ መዓልቲ’ዚኣ ዓመት መጸ ተኣካኪቡ ሕሉፍ ሓዘኑ ዝገልጸላን ኪዳኑ ኣጽኒዑ ዝድበሰላን ክትኮነሉ ነበረ ትጽቢቱ። ኣብታ ክብርቲ መዓልቲ ኣይሂ ንብዓት ክዛሪ ዝድርኽ ጎስጓስ’ውን ይርአ ኢዩ። እንተኾነ መዓልቲ ሰማእታት ከም ጽንዕቲ ትሕጃ ጅሆ ሓኒቑ ንብዓት ኣዴታት
ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን እሙን ኣገልጋልን ዓርክን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ዝነበረ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኣብ ለንደን ብሕማም ምኽንያት ከምዝዓረፈ ምንጭታት ሓቢሮም። ንሱ ብሕማም ሽኮርያ ይሳቐ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ናዝይጊ ክፍሉ ድሕሪ ናጽነት፡ ብዝለዓለ ጽፍሒ ዘገልገለሎም ክፍልታት ከም ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣብ ሚኒስትሪ