Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ATV: ዝርርብ ምስ ተጋዳሊት ገነት ብርሃነ – ብዛዕባ ማእሰርታ ብስርዓት ደርግ፡ ማእሰርቲ ተጋዳላይ ሓዋ (ዮሴፍ) ብህግደፍ – 1ይ ክፋል

https://www.youtube.com/watch?v=p4UjsHl1DUw&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • ተወልደመድህን December 17, 2019

    ወረጃ ኣዘራርባ ገነት።ብዙሕ ግዜ ኣብ ቃለ መጠይቕ ዝቀርባ ገለ ደቀ’ነስትዮ ከምዚ ምስገበርናየን ምስ ማረኽናየን …..ወ.ዘ.ተ ብምባል ነቲ ታሪኽ ቅጭ ዘምጽእ ቃላት ይድርብያሉ።ብ ኡ ኣቢሉ ኣዘናትዋአን ናብ ፖሮፖጋንዳ ኣቢሉ ይዘዚ።ፍጹም ታሪኽ ኮይኑ ዝነበረ ሓቂ ኣብ ባይታ ዝነበረ ምስ ጌጋኡን ስቃዩን ገጽ ንገጽ ኣብሪሁ ሚዛን ግምት ንሰማዒ ዘይገድፍ ባዕላተን ጽቡቕን ሕልፍ ዝበለ ወዲ ሰብ ክሰርሖ ኢልካ ዘይትሓስቦ ተሰሪሑ ብምባል ይዝብሕኦ።………ንስኺ ግን ሰባት ምእንቲ ክርድእዎ ህድእ ኢልኪ ነተን ቃላት ኣንብር ኣቢልኪየን።ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ኣበ’ዘራርባኺ ናይ ኦኣመታት ስቓይ እቲ ገድሊ ንባዕሉ ስቃይ ምንባሩ ይገልጽ።ብሓቂ ነቲ ሽዑ ንስኺ ዝስመዓኪ፡ብዙሓት ስሚዒት ሃጽ ኣቢሉዎም እምበር ምስ ሃገራዊ ኣረኣኣያን ኣፍልጦን ርክብ ዘይብሉ ኣወጻጽ ኣ ሎሚ ከም መንፈዓት ገይሮም ዝጀሃርሉ ዘይኮነ ነቲ ሓቂ ኣቐምጥ ኣቢልኪዮ።ንጸላኢኺ ዘይምን ኣስ ዝዓበየ ብስለት ኢዩ ወላ የጋፍዑ።ሽዑ ጸላኣቲ ኔሮም።ናይ መደብ ጸላእቲ።ጽል ኢ ግን ከምኡ ኢሉ ስለዘይቅጽል፡በዳሊ ፈታዊ ዝኾነሉ ግዜ ስለዘሎ ከየጸለምኪ ከየነኣኣስኪ ክትገልጽዮ ፈቲንኪ።ጽቡቕ።
    ሓደ ዘገረመኒ ነገር ሽዑ ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ዞባዊ ሰራዊት ኮይነ እርእዮም ኔረ እቶም መሃይመነት ከጥፉኡ ንከባቢ መረታ ቴድረር ዝመጹ ብጾትኩም።ልክዕ ከምቲ ኣማኑኤል ዝበሎ (ምናልባት ተረኣኢና ንከውን )።ከም ናትኩም ዕድመ ናብ ከምዚ ዝ ኣመሰል ጽንኩር ቦታ ምስዳድ ፡ኣቲ ውድብ ኣባካትኩም ተገዳስነት ስለዘይነበሮ ጠራይ ኢዩ።ህዝቢ ኤርትራ በታ ሃለንጊ ሰውራ ትብል ቃሎም እናደከሩ እናቀንጸሉ ገባራይ ካብ ባይቶ ክሃድሙ ካብ ጉዳይ ዓዱ ክርሕቁ ገይሮም ናይ መሃይም መሃይም ገሮሞምስ ንዓኻትኩም ሰዲዶም ህዝቢ ከማዕብሉ ዘሕዝን ኢዩ ኔሩ።ግን ኩሉ ግዜ ኣብ ገድሊ ዝግበር ዝነበረ እቲ ክስራ ኣይጽብጸብን ኢዩ።እቲ ዓወት ወይ ጽቡቅ ተሰሪሑ ጥራይ ዝጽብጸብ ስለዝኮነ ናይ ህዝቢ ምርህሓቕ ኣየገድስ።ናታትኩም ምጥፋእ ኣየገድስ።
    ጽቡቕ ምላሽ ጽቡቕ ኣዘናትዋ ገነት።

POST A COMMENT