Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Breaking News:ሽወደን፡ መንእሰያትት ስመር ንለዉጢ፡ ንኣኼባ መንእሰያት ህግደፍ ንምፍሻል ተጠማጢሞም…ፖሊስ ጠያይቲ ተኲሶም

ካብ ዕለት 6 ክሳብ 9 ሚያዝያ ሻሙናይ ምትእኽኻብ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ይካየድ ኣሎ። እዚ ብብዙሕ ምስጢራዉነት እኳ ተታሒዙ እንተጸንሐ፡ ድሒሩ ብማዕከናት ዜና ሽወደን ኢዩ ተቓሊዑ። እቲ ንሽወደናዊ ዜግነት ዘለዎ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ንዓሰርተ

ካብ ዕለት 6 ክሳብ 9 ሚያዝያ ሻሙናይ ምትእኽኻብ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ይካየድ ኣሎ። እዚ ብብዙሕ ምስጢራዉነት እኳ ተታሒዙ እንተጸንሐ፡ ድሒሩ ብማዕከናት ዜና ሽወደን ኢዩ ተቓሊዑ። እቲ ንሽወደናዊ ዜግነት ዘለዎ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ንዓሰርተ ሓደ ዓመት ብዘይፍርዲ ኣሲሩ ዘሳቕይ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ንከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ፕሮፓጋንዳ ምትእኽካብ ንኸካይድ ብመንግስቲ ሽወደን ፍቓድ ብምርካቡ፡ ብሓያለ ማዕከናይ ዜና እታ ሃገር ከቢድ ነቔፈታ ይዘንብ ኣሎ። እታ ኣደራሻ ዘካረየት ሆቴል ዉን ብዛዕባ እቲ ምትኽኻብ ጌጋ ሓበሬታ ከምዝተዋህባን፡ እቲ ምትእኽኻብ ብስም ዉልቀሰብ እምበር፡ ፖለቲካዊ ምንባሩ እንተንፈልጥ ኣቐዲምና እቲ ፍቓድ ምሰረዝናዮ ብምባል መግለጺ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሂባ።

ኣብዚ ኣጋጣሚ ከምቲ ልሙድ ኣማኻሪ ፕረዝደንት የማነ ገብረኣብ ንከም ወዲ ትካቦ ዝኣመሰሉ ኣእምሮኦም ነቲ ስርዓት ዝሸጡ መንእሰያት ስነጥበባዉያን፡ ካብ ኤርትራ ኣሰንዮሞ ኣብ ሽወደን ይርከቡ።

እዚ ሕርር ኩምትር ዘበሎም ሓያለ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ብስመር ንለዉጢ ዝፍለጡ መንእሰያት ድማ ነቲ ንዕኦም ዘይዉክል ስርዓት፡ ኣብቲ ናይ ኣኼባ ሆቴል ብምርካብ፡ ነቲ ኣኬባ ንምፍሻል ብቐዳም ኣብ ጥምጥም ኣትዮም። እቲ ኩነታት ኣዝዩ ስለዝተነሃሃረን ካብ ቁጽጽር ስለዝወጸን ድማ ፖሊስ ተጸዊዖም ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ዉን ጠያይቲ ንላዕሊ ተኲሶም። ኣብቲ ኣጋጣሚ ጉድኣት ዝወደረዶም ሰባት ድማ ብኣምቡላንስ ናብ ሆስፒታል  ንህጹጽ ረዲአት ተወሲዶም። እዞም ሕጹባት መዓንጣ ምዑታት መንእሰያት ኤርትራ እምበኣር፡ ንስርዓት ህግደፍን ነቶም ኣብቲ ኣደራሽ ዝነበሩ በሃም መንእሰያትን ዓቢ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎሙሎም ኣለዉ።

ስርዓት ህግደፍ ንመስንእሰይ ወለዶ ኣብ ዘጽንተሉ ዘሎ እዋን፡ እቶም ኣብ ደገ ተወሊዶም ዝዓበዩ ብዛዕባ ኤርትራ ዓሚቕ ኣፍልጦ ዘይብሎም መእሰያት፡ ምስዚ ናብ ዕርብርብ ዝንቖት ዘሎ ስርዓት ምምጽዳቕ ከምዘየዋጽኦም ዘየማትእም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎሙሎም ኣለዉ።  መንስእሰያት ብኣማኢት ናብዚ ናይ ህግደፍ ፈንጠዝያ ክዉሕዙ ንዝዕዘብ ወዲ ሃገር መዓንጣ ከብዱ ሕርር ኩምትር ዘብል፡ ንሽወደናዉያን ተደናገጽቲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ሕንቅልሕንቂሊተይ ዝኾነ ጉዳይ ኢዩ።

ምትእኽኻብ መንእሰያት ህግደፍ፡ ዉጺኢት ሃገራዊ ፍቕሪ’ዶ  ወይስ ቅልዉላው መንነት

እቲ ቀንዲ ሃንዳሲ ናይዚ ምትእኽኻብ ኣማኻሪ ፕረዝደት የማነ ገብረኣብ ኪኸዉን እንከሎ፡ ካብቲ ቀንዲ ዕላማ ነዚ ምትእኽኻብ ዝመስረተሉ ድማ ነቶም ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ዝዓበዩ እሞ ብዛዕባ ኤርትራ ቅንጣብ ኣፍልጦ ዘይብሎም፡ መንእሰያት ብቐሊሉ ብፕሮፓጋንዳ ኣታሊልካ መጋበርያ ናይ እቲ ስርዓት ኣብ ወጻኢ ንምግባሮም ዝዓለመ ኢዩ። መብዛሕትኦም ካብዞም መንእሰያት ወለዶም ዝተፋትሑ ኪኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ርእሲ እዚ ብከቢድ ናይ መንነት ቅልዉላዉ ዉን ዝሳቐዩ ዘለዉ ኢዮም።

ስለዚ እምበኣር እዮም ወለዶም ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእኽኻብ ብምስዳድ ንደቆም ብዛዕባ ታሪኽ ሃገሮምን ህዝቦም ንኽፈልጡ፡ ከምኡ’ዉን ኣብ ግርዝዉና ስለዝርከቡ ካብ ናብ ካልእ ዓልየት ከይዶም ዝዋሰቡ ምናልባት ምስ ከምኦም ዝኣመሰሉ ደቂ ዓዶም ሓዳር ናብራ ኣንተገበሩ ዝብል ኣተሓሳስባ ወለዶም ዉን ኣሎ።

እዞም መንእሰያት እዚኦም ብሓደ ወገን ኣዝዮም ዘደንግጹ ኮይኖም ኢኻ ትረክቦም። ምኽንያቱ ኣብዚ ሕጂ ዘለዉዎ ደረጃ ብድሌቶም ኣይኮኑን ወዲቆም ዝርከቡ፡ እንታይ ደኣ ብምርጫ ወለዶም እምበር። ስርዓት ህግደፍ ከምዚ ዝኣመሰለ ምቹእ ባይታ ብምርካቡ እምበእር እቲ መርዚ ስነሓሳብ ኣብዞም መንእሰያት ብምስራጽ ንህዝቢ ኤርትራ ንምክፍፋል ዘይተሓለለ ጻዕሪ ኣብ ምግባር ይርከብ።

ብዙሓት ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት፡ እዞም መንእሰያት ስለምንታይ ናይዚ ህዝብን መንእሰያትን ኤርትራ ዘፍልስ ዘሎ ስርዓት ተሓለቕቲ ይኾኑ፡ ኣብተን ዝነብሩለን ሃገራት ብዉሕዱ ሰብኣዊ መሰልን ደሞክራስን ዝኣመሰሉ ክብርታት ከይተማህሩ ድዮም ዝዓብዩ ዘለዉ፡ ከመይ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብዘይነቐፌታዊ ዓይኒ ይቕበልዎ ዝብሉ ሕቶታት ይልዓል ኢዩ። እንተኾነ ግን መብዛሕትኦም ካብዞም መንእሰያት ኣዝዩ ትሑት ደረጃ ትምህቲ ዘለዎም፡ ገሊኦም ግዙኣት ናይ ሕማቕ ወልፍታት ኮይኖም ዝርከቡ ብምኻኖም፡ ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣምራት ከልዕሉ ትጽቢት ኣይግበረሎምን ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ናብዚ ምትእኽኻብ ክመጹ ከለዉ፡ ዝዓበዩ ቆላሕትኦም እቲ ኣብዚ ኣጋጣሚ ተረኺብካ ምስ ከምኦም መንእሰያት ክዕንድሩን ክጭፍሩን ጥራሕ ኢዩ ዝርኣዮም። ነዚ ክዉንነት ዝተገንዘብ ስርዓት ህግደፍ እምበር ነዞም መንእሰያት ንምርኻስ ከም በዓል ወዲ ትካቦ ዝተባህሉ ሽዩጣትን ተበለጽትን መንእሰያት ስነጥበባዉን ካብ ኣስመራ ብምምጻእ ነቲ ፈንጠዝያ ከም መዳመቒ ይጥቀሙሎም።

እቶም ደለይቲ ለውጢ ኤርትራዉያን ነዚ ክዉንነት ብኸመይ ክገጥምዎ ይግባእ ዝብል ሕቶ ምልዓል ኣዝዩ ኣገዳሲ ይመስለኒ። ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ድማ ነቲ ምትኽኻብ ካብ ዓመት ናብ ዓመት መንእሰያት ኣባላቱ እንዳወሰኹ ይመጹ ብምህላዎም ኢዩ። እዞም መንእሰያት ነቲ ስርዓት ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ምትኽኻብ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ጠሚቶም፡ ፖሊቲካዊ ዝምባለ ሓዲርርዎም ዘይኮነ እንታይ ደኣ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ካብ ዝኾነ ፖሊቲካዊ ዝምባለ ናጻ ዝኾነ ምትእኽኻብ ዝፈጥረሎም ምቹእ ባይታ ብዘይምርካቦም እምበር። ብናተይ ርእይቶ ዋላ’ኳ ማሕበረኮም  ኤርትራ ኣብ  ወጻኢ ብሰሪ ምትእትታዉ ህግደፍ ኣብ ዓሚቕ ምፍንጫለት ኣትዩ እንተሎ፡ እዞም ሕጂ ናብ ወጻኢ ዝመጹ መንእሰያት ነዚ ምትእኽኻብ ህግደፍ ዝብድህ ካብ ዝኾነ ፖሊቲካዊ ዝምባለ ናጻ ዝኾነ ምጥርናፍ ክፍጠረሉ ዝኽእል መኣዲ እንተዝፈጥሩ፡ እቲ ዉጺኢቱ ድማ ድሕሪ ቅሩብ እዋን ኣዝዩ ዕዉት  ክኸዉን ምኸኣለ ኮይኑ ይስምዓኒ።

ነዚ ክዉን ንምግባር መንእሰያት ጓይላን ጭፈራን ስለእንፈቱ፡ ነቶም እንተስ ኣማራጺ ብምስኣን ወይ እንታይ ገደሰና ብምባል ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝቖላመጹ ዘለዉ ስነጥበባዉያን ናብዚ ምትኽኻብ ንኽመጹ ሪሒብ ባብ ምኸፈተ። ኣብዚ ዘይከሓድ ሓቂ ግን እቶም ኣብ ወጻኢ ነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጡ ኤርትራውያን ኣብ ከቢድ ዉልቃዉን ማሕበራዉን ቅልዉላው ከምዝርከቡ ክንዝግዖ ኣይግባእን። ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተቐመጥሉ ሃገራት ምስቲ ዝነብርሉ ሕብረተሰብ ገና ኣይተጸንበሩን፡ ናብ ሃገሮም ድማ ከም ቱሪስት ዓመት ዓመት ንዙረት እንተዘይኮይኑ ተመሊሶም መነባብሮምኦም ከጣይሱ ዉን ዝሓስቡ ኣይኮኑን። እቲ ምኽንያት ነቲ ወድዓዊ ኩነታት ኤርትራ ንሶም ንኽነብርሉ ዝዕድም ቅድመ ኩነት ከምዘይብሉ ኣንዳዕዲዕም ስለዝፈልጡን፡ ዉሕስነት ዉን ስለዘይስምዖም ኢዩ። ነዚ ሓቅን ክዉንነትን እንዳፈለጡ እምበኣር ኢዮም መብዛሕትኦም ምስቲ ስርዓት ዝጨማለቑን ቆልመጽመጽ ክብሉን ዝርኣዩ፡ እቲ ምኽንያት እንቃዕ ንዓይን ንደቀይን ኣይሓሰመና እምበር እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ኢሎም ፈሪዶሞ ኢዮም። እዚ ከኣ ኣብ ብዙሓት ንስደት ዝወጹ ዘለዉ ኤርትራዉን መንእሰያት ሕጂኸኣ ነዞም ተበለጽቲ ወይጦ ሃገረይ እንዳበልኩ ግዜይ ከባኽን ብምባል ካብ ፖሊቲካዊ ምትእኽኻብ ከምዝሃድም ኮይኑ ጸኒሑ ኢዩ። እዚ ዝርአ ዘሎ በቶም ቀደም ዝተሰዱ ኤርትራዉያን ዕዉር በለጽ እምበር ካልእ መግለጺ ቃላት ዝርከቦ ኣይመስለንን። ኣቦታት ዉን መሲሎሞ ቀደም፡ ዘይስንኻስ ሑጻ ቆርጥመሉ። ቀደም መንእሰይ ኣብ ሜዳ ምስ ጸላኢ ብብረት ክቖሻመድ ከሎ ኣብ ወጻኢ ጅብኦም የስብሑ ኔሮም፡ ሕጂ ኸኣ ኤርትርዊ ደም እንዳነብዖ ባዕልኻ ትፈልጥ ብምባድ ድርብ ኽሕደት ንህዝቢ ኤርትራ ፈድዮሞ ይርከቡ።

ልዕሊ ኩሉ ግን ሓደ ንሓርነት ካልኦት ሰባት ክጣበቕ እንተደኣ ኮይኑ መጀመርያ ንነብሱ ሓራ ከዉጽኣ ኪኽእል ኣለዎ። እዚ ድማ ርእሰ ተኣማማንነት ይፈጥር፡ ካብቲ ዘሕዝን ግን ኣብ መብዛሕትኦም እዞም ዝጠቐስናዮም ኤርትራዉያን እዚ ረቓሒ ሃሲሱ ይርከብ። ካብዚ ብምብጋስ’ዩ ዝኸዉን ሓደ ጸሓፊ ”ኤርትራዉን ሞይቶም ከለዉ ግን ከኣ ንሞት ዝፈርሑ ህዝቢ ኢሉ ዝጸሓፈ። እዚ ኣበሃህላ ሓቕነት ከምዘይብሉ እምበኣር ብተግባር ከነረጋግጽ መድረኽ ዝጠልቦ ሓላፍነት ይጽበየና ኣሎ።

 

ዊንታ ሰለሙን

ስቶኮልም ስዊድን

Solomon_winta@yahoo.se

aseye.asena@gmail.com

Review overview
70 COMMENTS
  • Mark April 9, 2012

    First of all where was the YPFDJ conference and where was the Fest ( CONCERT ) ?http://www.thelocal.se/ you can find the right news.

  • Abdi April 9, 2012

    Hahajahahahaha

  • Ismaeel Ahmed April 9, 2012

    ጸማም ሓደ ደርፉ፥ ከም ዝበሃል፡ ናትኩም ነገር ማይ ንዓቐብ ኢዩ። ብድሕሪ ኮምፒዩተር ትሓቢእካ መኣስ ኮይኑ፡ ዲሞክራሲ ዝመጽእ። ደምካ ኣፍሲስካን ኣዕጽምትካ ከስኪስካን እምበር። ሰላም ናይትዮም ኣዕቑይቦሙኹም ዘለዉ ኣህዛብ ኣይ ትዝረጉ ኢኹም በጃኹም። ኣይኮነን ዶ ንስኹም ዑሱባት ወያነስ፡ ሓሙሻይ መስርዕ እካ ኣይ ትዓወቱን።

    • girmay April 10, 2012

      jelgad aytekun donkoro astewele bejaka.down 2 pfdj.

      • SINGAPO - ERITREAN April 12, 2012

        Girmay ,
        While your bheart is in the right place ,you have to stop calling people names ,leave it to sub human PFDJ. If not ,how are you going to mbe different from them.And sometimes you make mistake in accusing people of being PFDJ…and then you do not apologize.Anger is an expression of powerlessness & we all do it. But, brother/son take it bout of your blood.

        • girmay April 12, 2012

          got ur picture my men millon thanks!!distructive idea’s makes me feel nervious singapo eritrea!!got u any ways.lebam eka naybehaki zearkey.

    • Berhe Jida April 10, 2012

      Eza Arkey eza shim dea kemey gerki eki merizkya. Hamushay mesre kea aetikila metan ktemeni…..KKKKKKKKKKKKKKKKKk

    • idris April 10, 2012

      Dirbay aytkun, N HGDEF kidgf?

  • Truly,Truly i say to you April 10, 2012

    Friends excuse me for posting the following not that much with the text unrelated view. I don´t know how many of you have listened, about what Ato Keleta Kidane has given it the explanation at Meskerem net? I really found it his explanation very teachable and his analysis very impressive,patriotic and very brilliant which any body, who says i am sick in Eriterian political situation scrupulous should have to give regards to what he said. Ofcourse last time i was a little bit was saddened and very resented, when Ato Keleta with Amanuel Iyasu and Alena unnecessarily each other because were arguing and defaming. However regardless the past mistake, Ato Keleta seems to learn from past mistake and by began from admitting his own mistake,he able to given us a very very important message. Respect! Kibur Abona Ato Keleta Kidane. A worthy man is always worthy and will die worthyfully. But Ato Keleta, please admit when people not trusting Mefin Hagos for his unopenness and hiding Isayas´s crime. Look people like “Pilot” how they exposing Isayas´s crime. Maybe who knows the late Naizgi kiflu dead body may speak ,or have a very vital political roll, for bringing regime change and democracy, than Mesfin Hagos´s unclear foxy political stand.

    • Semhar April 10, 2012

      Keleta kidane and Mesfin Hagos support Isayas and his followers.
      They are defenders for Isayas and his followers the PFDJ.

  • Semhar April 10, 2012

    Keleta kidane and Mesfin Hagos support Isayas and his followers.
    They are apologist (defenders)for Isayas and his followers the PFDJ.

  • Kiflom April 10, 2012

    WINTA!!!! Thank you very much for your fact dissemination of this info which i was eager to hear about to staying thousands of miles away from Sweden. I have sent an email message to the Foreign Minster of Sweden before the meeting was to be held. I requested him on what ground they permitted. I also raised the fallacy of the political office holders of Sweden to refer to hum,an rights as an argument to get these termites of Isaias get together to dance and collect money for his terrorist activities. There is no International or regional (EU) instrument that could same the name of the officials who permitted the meeting and allowed Yemane to step in the sacred soil of Sweden. Sweden was not a colonialist country. It faced drought and famine more than a century back. It suffered during WW II. Therefore, the youth who blocked the meeting were correct and supported by all international and regional legal instruments. If anything happens to them we may be forced to challenge the Swedish officials who forgot their citizen Dawit and his family. Dear pro-democracy youth! keep up your collective socio-politcial action. You are on the right track. That is the only thing left for all democratic forces to get rid of totalitarianism and fascism in Eriteria. I wish all of a Happy Easter!!!!!!

  • M I April 10, 2012

    Wow Wow Wow Wow

    Please visit http://www.alenalki.com with plenty audio-visual. It is amazing.

    On this Occasion I ask Assena to Shut-up its mouth. Thanks to the technology, it shows the atmosphere of an event wherever we are.

    • jonas-1923@hotmail.com April 10, 2012

      MI
      Yes nice atmosphere, as long as you are far and away from Isayas’ grip everywhere is a nice atmosphere.

    • SINGAPO - ERITREAN April 12, 2012

      MI,
      I do not deny what I see with my eyes .And an organized Devil is stronger than a useless “angel”,.But, what is Assennas fault…???.they presented what was transmitted by Swedish news papers.Amanuel is doing a remarkable job. However ,as much as I resent/despise PFDJ more than cancer or A.I.D.S ,you can not compare EPLF with the worthless ,rigid ,argumentative..opposition .while Isaias is leading in a way that makes me nauseated..he knows his s#”$%$t ,this mother “#$%/ rs opposition ,can not administer a lemonade stand. THAT DOES NOT MAKE MUDADA right .

  • Agamino2001@yahoo.com April 11, 2012

    kkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkkk, hahahahahahahhahahah ohohohohhhhhhhkkkkkkkkkkkkkkkk. funnnnnnnyyyyy teraro teraro, TERRAAAAARRRRRROOOOO
    KKKKKKKKKK, WOOOOYYYYEEEEENNNNNNTTTTTTTEEEEEEEE.

    • idris April 12, 2012

      foolishshshshshhs…………

  • mokonen April 12, 2012

    WENTA IZOM TATAMATIMOM TIBLYOM ZALAKI ABAY EU AB NAKFA WALAS AB KABABI ASMARA AB KOMSHTI NATATKIN ATYOM INTA FAKARUS SIBENAT MASILUKI HADIMOM EYOM EKO MAXIOM HADAMI DA INTAY KITAMATAM EU YIKRETA HATITU KA MIS HIZBU YTAHAWAS EMBAR

  • samrawit April 13, 2012

    mekonen atehasasibakan mikrikan nay hadamin ferahin laza slezelewo kemey aynet seb mukuanka migmat bizuh ayeshegirn iyu hade neger biruh kikonelka gen mes kemzikemaka hageru gezaeti ethiopia inateberareyula hadimu zimetse emo ab europe,usa,20,30,amet zigebere seb mitmitam sibenet ayedliyon eyu. men yu koratse menyu dihul kulatna nifalet ina

POST A COMMENT