ATV: ካብ ሰነዳት ፤ ምስዚ ግዜ ተዛሚዱ ክርአ ዘለዎ እዋናዊ ድራማ – ኢሳይያስ ካብ ገብሩ ብምንታይ ይፍለ? https://www.youtube.com/watch?v=_aINmCamnL4 October 7, 2019 4:22 pmassenna223907Views SHARE
Koraley October 7, 2019
welcome beloved Assenna!!!!!!!!!!!!!!!!!
ገብረዝጊ ሽምሓላል October 7, 2019
ብዓንተቦ! ወዲ ስግር ማዕዶ
ሰረት እንዲዩ ናይ እንዳቦ
ናበይ ድኣ ከብሎ! ንመን ክህቦ?
ወዲ ኣሉላ፣ ዮሃንስ፣ ዉበ፤ ደቀቦ።
ኣሎ ከምልማዱ!
ተወሊዱ፤ ኣይግዱ።
ተንቤን ጉድ ወሊዳ
ኣመንዝራ ምስ ተነግዳ
ክዕንድር ኣብ ሱዳን፣ ሶማል፣
ፊሊፕንስ፣ ዓዲ ዓረብ ጅዳ
ኣምሰሉ! ሰፋሪ ሓርጭ ኣብ ሜዳ።
ዘርኢ ክርዳድ
ተወሊዱ፤ ኣይግዱ።
ዝተፈጥረ፤ ከድምየና
ተመልሚሉ፣ ንኽድምና
ደምና ሰትዩ ዝጎስዕ ተጻይ፣ኣባይና
ኣየ መዓልቲ! ዝበልናዮ ወዲ ላምና።
ወዲ ድሙ፤ ሓኽሊ-ድሙ
ሓድሽ ነገር የለን፤ ኣሎ ከም ቀደሙ።
ናይ ምትላል ትምህርቲ ቀሲሙ
ከም ዝብኢ ክሕንክስ ከሪሙ
ምሁራት ኣጥፊኡ በብእዋኑ
ጨጋር ዳንጋ ዓስኪሩ ከሳልጥ ዋኒኑ።
በለና “ጌም ኦቨር” ኣግሂዱ
ባጫ፣ ማስዩና ተሃንዲዱ
ልኡኽ ሓሊቦ፤ ታይ ግዱ
ሃገር ክሸይጥ ብኢዱ
ኣርካካናት፣ ደቀባት ኣሳዲዱ
ኣሎ’ቲ ጠላሚ፣ ከምልማዱ።
ኣመል ምስ መግነዝ፤ እዩ ‘ቲ ጉዳይ
እዚ ኣመንዝራ፣ ኣይክድቅስን’ዪ ተጻይ
ፕላን “ኤ” ገዲፉ ፕላን “ቢ” ቢሉ ተገላባጣይ
መጥፊእና ክፍሕስ ናይ ጥፍኣት ተማሃራይ።
ኣበደን በልዎ ነዚ ራሳዪ፣ ከዳዕ
ዕሱብ፣ ብህላውነትና ዝጣላዕ
ሳቭያ! ኢደይ ኢድካ ኢልና ንተስእ
ኩሪንኩሪት ኣሲርና ክንደፍኣሉ ሽንፋእ
ከርበ ክንዓጥኖ ወንኡ ክሳብ ዘጥፍእ።