Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ንፍትሒ ዋሺንግቶን-ዲሲን ከባቢኡን

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ንፍትሒ ዋሺንግቶን-ዲሲን ከባቢኡን ኢመይል: together.for.justice.dmv@gmail.com ተሌፎን: (202) 677-5880 መበል 28 ናጽነት ኤርትራ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ንፍትሒ ዋሺንግቶን-ዲሲን ከባቢኡን ንዝኽሪ መበል 28 ናጽነት ኤርትራ፡ ናይ ክልተ መዓልቲ መደብ ኣዳልዩ ከም ዝሎ ብሓጎስ ይገልጽ። እዚ ታሪኻዊ ፍጻመ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ተመስሪተን

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ንፍትሒ
ዋሺንግቶን-ዲሲን ከባቢኡን
ኢመይል: together.for.justice.dmv@gmail.com
ተሌፎን: (202) 677-5880

መበል 28 ናጽነት ኤርትራ
ማሕበረኮም ኤርትራውያን ንፍትሒ ዋሺንግቶን-ዲሲን ከባቢኡን ንዝኽሪ መበል 28 ናጽነት ኤርትራ፡ ናይ ክልተ መዓልቲ መደብ ኣዳልዩ ከም ዝሎ ብሓጎስ ይገልጽ። እዚ ታሪኻዊ ፍጻመ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ተመስሪተን ብዘለዋ ማሕበረኮም ኤርትራውያንን ጉጂለታትን ዝግበር ዘሎ እዩ። እዚ ንህላወ ሃገረ ኤርትራ ዘስግኡ ፍጻመታትን ክስተታትን ዝርኣየሉ እዋን ይግበር ስለ ዘሎ፡ ታሪኻዊ ፍጻመ የብሎ። ኣብ ሞንጎና ኣትዮም ክሓላልኹና ዝጸንሑ ፍልልያትና ገዲፍና፡ ናብ ዋሺንግቶን-ዲሲ ብምውሓዝ፡ ብዓውታ ይኣክል ንበል።

እቲ መደብ፡ ዓርቢ ግንቦት 24 ናይ ንግሆ፡ ብሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ፊት ኢምባሲ ኤርትራን ክጅመር እዩ። ድሕሪኡ ናይ ድሕሪ ቐትሪን፡ ንጽብሒቱ ቀዳምን ህዝቢ ዝዝትየሉ መደብ ኣሎ። ድሕሪ ናይ ዘተ እዋን፡ ህዝቢ ንምዝንጋዕ፡ ናይ ሙዚቃ ትልሂት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝውሰን ቦት ክግበር እዩ።

ክሳብ ሎሚ ኣብዘን ዝስዕባ ከተማታት ዘለዋ ማሕበረ ኮማትን ጉጂለታትን ወከልተን ናብቲ ብሰሜን ኣሜሪካ ዘወሃህድ ዘሎ ኮሚተ ሰባት ሰዲደን ኣለዋ።

ቻርሎት          ኣትላንታ         ቬጋስ
ፊላደልፍያ       ኒው ዮርክ        በይ ኤርያ
ፊኒክስ             ኒው ጀርሲ     ሳንድያጎ
ኦታዋ              ኮሎምቦስ        ስያትል
ቦስቶን           ሲንሰናቲ          ሚነሶታ
ሃሪስበርግ      ዋሺንግቶን-ዲሲ             ህዩስቶን
ቺካጎ              ቶሮንቶ           ኢንዲያናፖሊስ
ፖርትላንድ
በዚ ኣጋጣሚ፡ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ንፍትሒ ዋሺንግቶን-ዲሲን ከባቢኡን ንኹሎም ኤርትራውያን ነዚ መደብ ንምዕዋት ክሰርሑ ንዝደልዩ ዜጋታት ይዕድም። ኣብ ዝግበር መደባት ኣብ ምድላውን፡ ምምራሕን ክትዋስኡ ትደልዩ ኣካላት፡ ብስልኪ ቁጽሪ ወይ ኢመይል ክትረኽቡና ብትሕትና ንሓትት።

ነዚ ንምድላው ነውስወከፍ ቀዳም ብኣቆጻጽራ ዋሺንግቶን-ዲሲ ካብ ሰዓት 5:00 ድ.ቀ. ክሳብ 7:00 ምሸት ብቴለኮንፈረንስ ስለንዝቲ፡ ካብዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ከተማታት ወጻኢ እትነብሩ ኤርትራውያን፡ ናይ ተለኮንፈረንስ ቁጽርን መእተዊ ኮድን ንምርካብ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ተሌፎን ወይ ኢመይል ርኸቡና።

ብደሓን ምጹ!
ማሕበረኮም ኤርትራውያን ንፍትሒ
ዋሺንግቶን-ዲሲን ከባቢኡን

https://ericom.org/pressrelease

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT