ጠንቂ ጋዝ ንመፍልሒ ቡን ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዛ ስደተኛታት ዘስዓቦ ባርዕ ሓዊ
ኣብ ከተማ ባክናንግ ወረዳ ምምሕዳር ሉድቪክስቦርግ ኣብ ላዕልን ታሕትን ደርብታት ብዙሓት ሓደስቲ ኤርትራውያንን ካልኦት ዜጋ ስደተኛታትን ዝነብሩሉ ገዛ ብዕለት 17.02.2019 ኣስታት ሰዓት 18፡30 ድ.ቀ ኢዩ እዚ ሓደጋ ዝተኸስተ። ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ መብዛሕትኦም ነበርቲ ኣብ
ኣብ ከተማ ባክናንግ ወረዳ ምምሕዳር ሉድቪክስቦርግ ኣብ ላዕልን ታሕትን ደርብታት ብዙሓት ሓደስቲ ኤርትራውያንን ካልኦት ዜጋ ስደተኛታትን ዝነብሩሉ ገዛ ብዕለት 17.02.2019 ኣስታት ሰዓት 18፡30 ድ.ቀ ኢዩ እዚ ሓደጋ ዝተኸስተ። ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ መብዛሕትኦም ነበርቲ ኣብ ኣባይቶም ነበሩ። ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ሓንቲ ኤርትራዊት ሓብትና ምስ ክልተ ሕጻናታን ዓርካን ኣብ ክፍላ ኮይና ቡን ናይ ዠበና ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዛ ክትሰርሓሉ ዘይፍቀድ ብጋዝ ኣፍሊሖም እንዳሰተዩ ከለው ነቲ ጋዝ ከይተርድኣ ብእግራ ምስ ተንከፈቶ ምስ ዠበንኡ ወዲቑ ነቲ ኣብ መሬት ዝነበረ ጨርቀመርቂ ኣቃጺሉዎ ብኡ ንብኡ ከኣ ነቲ መሓለውታ ተባሂሉ ተቐሪቡ ዝጸንሐ ካርቱሽ ጋዝ ስለዝተንከፎ ከም ሓደ ቦምብ ተተኲሱ ብምብራዑ ክሳብ ነጸላ መናድቕ ጎረባብቲ ኣፍሪሱ ሓዊ ብፊንስትራታት ወጸ። ሓብትና ምስ ስንባዴኣ ተቐላጢፋ ነቲ ወዲ ክልተ ሰሙን ውላድ ሕጻና ሒዛ ዓርካ ከኣ ነታ ካልኣይቲ ጓል ሸውዓተ ዓመት ሕጻን ሒዞም ካብቲ ላዕለዋይ ደርቢ ወሪዶም ህይወቶም ክድሕኑ ከኣሉ። እቲ ዓርኪ ናይ ኣልሞት ባይ ተጋዳይ ኮይኑዎ ነቲ ሓዊ ብኢዱ ከጥፍእ ኢሉ ፈተነ ኣካይዱ ብሰሩ ከኣ ክልቲኡ ኣእዳዉ ተቓጸለ። እቶም ካልኦት ኣሕዋትናን ካልኦት ዜጋታትን በቲ ናይ ገዛ ኣላርም ተሓቢሮም ቀልጢፎም ካብቲ ገዛ ብምውጻእ ሂወቶም ኣድሒኖም ብህጹጽ ከኣ ንፖሊስን ንመጥፋእቲ ሓውን ሓቢሮም ዝምልከቶም ኣካላት መጺኦም ነቲ ባርዕ ገዛ ተቆጻጸሩዎ። ኣብቲ ክፍሊ ናይ ሓብትና ጎረባብታን ዝነበረ ኲሉ ንብረት ፈጺሙ ሓረረን ወደመን። እቲ ገዛ ክሳዕ 300,000.00 ኦይሮ ዝግመት ክሳራ ከምዘስዓበ ተነጊሩ። ኣምላኽ ካብ ሰሪ መዓቱ የውጽኣና !! ኩሎም ኣሕዋትናን ከምኡ`ውን እቶም ካልኦት ዜጋ ስደተኛታትን እንካብ`ዚ መቕዘፍትዚ ሂወቶም ብሰላም ምውጽኦም ንኣምላኽ ክብሪ ይብጽሓዮ !!
ነዚ መልእኽቲ ከተሓላልፎ ካብ ዘገደደኒ ምኽንያት ካልእ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ገዛ ብዘይፍቀድ መሳርሒ ጋዛት ተጠቒምካ ቡን ምፍላሕ ይኹን እንጀራ ምስንካት ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛን ብሂወትካ ምጥላዕን ከምኡ`ውን ኣብ ጎረባብትኻ ከስዕቦ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤናትን ምዝንጋዕ ጥራሕ ኢዩ ዘርኢ። እቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዘይፍቀድ ጋዛት ኣብ ደገ ኣብ ባልኮን ወይ ጋርደን ክትጥቀመሉ ይከኣል ኢዩ ኩሉ ከኣ መምርሕን ሓበሬታን ምስ መጠንቀቕታ ጽሑፍ ኣለዎ። ስለዚ ሓደራ ! ሓደራ ! ብኻልእና ንጠፍኦ ዘለና ከይኣኽለናስ ባዕልና ብእነምጽኦ ጠንቂ ሂወትና ከነጥፍእ ኣየምሕርን ዓገብ ከኣ ኢዩ።
ፖሊስ ባክናንግን ሓደጋ ዝበጽሓ ሓብትናን ነዚ መልእኽቲ`ዚ ናብ ኲሎም ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎም ኤርትራውያን ከቃልሖ ፍቃዶም ሓቲተ ከምዝተሰማምዑ ይሕብር።
ኣንገሦም ገ/ዮውሓንስ
ኣባል ደላይ ፍትሒ ስቱትጋርትን ከባቢኣን
28.02.2019
Deglel March 6, 2019
Asmarinos./Italinos/Singaporinos – Eritreans, after all the hype and gurrrrras you are not that advanced or modern!!!
While you are still backward and underdeveloped the Ethiopians have progressed and developed rapidly without U.
Wedi Hagher March 6, 2019
ኣንታ ክርዳድ ፥ ኩፉእ ዘርኢ !!
ብህዝቢ ኤሪትራ ትላገጽ ኣለኻ ?
ዳሓን ፥ ማዓልትኻ ተጸበ ።
k.tewolde March 6, 2019
Wedi Hagher,that’s the attitude straight from adi halo towards Eritreans,it was born in Asmara and bred there,it watched us eat ,play,grow and learn with envy,it loathed us,it seethed with grudge and vindication for years…today it regurgitates from the mouths of Deglel and company and most off all from their capo to humiliate and take down this nation and its people in every way possible as if they never existed before.Undisputed number one enemy beside s ourselves.
Wedi Hagher March 6, 2019
Dottore
Thank you for being always here to defend your people.
We will prevail.
ወዲ ህዝቢ March 6, 2019
Deglel
ብዕንጨይቲ ፈሊጻ ስለዘየፍልሓቶ እዚ ስልጣኔ ኣየርእንዶ ?
Aba thimmer March 6, 2019
ኣንታ ሰብ ወዲ ሰብ ! ሓደጋ ቀልዲ ኮይኑ ኣይፈልጥን ኣዩ።ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ከምስሙ፡ ሓደጋ ሓደጋ እዩ።ሓደጋ ፡ንድሕረት ወይ ስልጣንየ ዝመሚ ኣይኮነን ።ሓደጋ ዕዉር እዩ።ንዓና ኤርትራውያን ሓደጋ ሞት፡ብርሰትን ህልቂትን ፡ገዛእትን ኣስፋሕፋሕትን፡ደግለላትን ዲክታቶራትን፡ባጨውትን ሽሓጥን ወይ’ውን ከድዓትን ፡መናብርትን ይኹኑ’እምበር እምቢ!!!…ምባልና’ኸ ስልጣንየ’ዶ ኣይኮነን ?
Maico Sol March 6, 2019
They (the German authority) should kick out the stupid woman with her more stupid partner back to Eritrea.
Who will now pay the huge compensation money, not the bankrupt Eritrean government or the community?