ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣስመራ ከምዝኣተወ ኤረ ቲቪ ሓቢራ።
ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሎሚ ንጉሆ ኣስመራ ከምዝኣተወ ኤረ ቲቪ ሓቢራ። ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ክቕበሎ ኸሎ፡ ህዝቢ `ውን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ተሰሊፉ እንኳዕ ደሓን መጻእካ ኢሉዎ። ስርዓት
ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሎሚ ንጉሆ ኣስመራ ከምዝኣተወ ኤረ ቲቪ ሓቢራ።
ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ክቕበሎ ኸሎ፡ ህዝቢ `ውን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ተሰሊፉ እንኳዕ ደሓን መጻእካ ኢሉዎ።
ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብዚ ሳልስቲ ካብ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ኣጋይሽ ክመጽኡና ኢዮም ኢሉ ምድላዋት ክገብር ከምዝቐነየ ይፍለጥ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመት ብሰንኪ `ቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ ህልኽ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሓደ ወለዶ ዕዳ ከምዝኸፍል ኳ እንተኾነ፡ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጽልኢ ከምዘይብሉ፡ ደላይ ሰላም ክንሱ ግዳይ ተነጽሎ ኮይኑ ከምዝጸንሐ፡ በቲ ብፍሕሹውን ምቕሉልን ኣቀባብላኡ ይገልጽ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ህዝባዊ ኣቀባብላ፡ ነቶም ንዝህቢ ኤርትራ ምስ ጎረቤቱ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከይራኸብ ዓብዒቦም ኣብ ሳንዱቕ ቆሊፎሞ ዝጸንሑ ኢሳይያስን ጭፍርኡን ከሕንኾም ዝግባእ መግለጺ ተቓውሞ `ውን እዩ።
ማዕረማዕረ`ዚ ዝረኸቦ ትንፋስን ተስፋን ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ነዚ ኩነታት`ዚ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ከይትቀመሉ ክጥንቀቐሉ፡ ቅድሚ ዝኣገረ፡ ከምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ `ውን ንስምምዕ ኣልጀሪስን ውሳኔ ኮምሽን ዶብን ተቐቢሉ ምሉእ ብምሉእ ከተግብሮ ምዃኑ ተቐቢሉዎ ዘሎ፡ ነቲ ን 16 ዓመት ትግባረ ክጠልብ ዝጸንሐ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ዕጥይጥይ ምባል ገዲፉ ኣብ ባይታ ነቲ ከተግብሮ ጸቕጢ ክገብረሉ፡ እቲ ስርዓት ምስ ኢትዮጵያ ዝኣትዎ ዝኾነ ውዕላት `ውን ግሉጽ ክኸውን ከምዘለዎ ክጽውዕ ይግባእ።
Wedi Hagher July 8, 2018
“እቲ ስርዓት ምስ ኢትዮጵያ ዝኣትዎ ዝኾነ ውዕላት `ውን ግሉጽ ክኸውን ከምዘለዎ ክጽውዕ ይግባእ።”
Iseyas is against transparency. His secret dealings with Weyane led to war.
Now he will try to keep much of what is discussed and agreed to with PM Dr. Abiy Ahmed as secret. There is no doubt about that. I hope the Ethiopian PM will avoid Iseyas’ secret dealings because that will not bring peace in the long run.
Sol July 8, 2018
Yes wefi Hagher, you are absolutely right IA is a secrecy addicted and socially sick person. He considers his sickness as smartness forgetting that those very few who believe him and worship him him are socially sick people like him.
May the Great Creator protect the man of Peace Ethiopian PM from the malignancies of IA.
Gezae July 8, 2018
Your Game is OVER. It does not matter to you!!!!!!!!!!!!!!Give us peace.
Tes July 8, 2018
What a cursed land. After endless suffering and extreordinary loss of life and materials back to square one. Bye my beloved country you’re dead and burd just at 27 years old. You were under terminal illness for so long and eventually you choose ti depart quitly. Abey Ahmed appear from no where and assumed god sent angel but he was in contrary. He is just a message of big actors though he is sherwd he knew what is doing. The ASSEB deal is already sealed and completed behind the back of Eritrea people. If you look closely Abey delegation are composed of Amhara regional president and Afar regional president but no tigrai president. It is all clear from the outset the peace process is just a cover while selling Asseb to Amhara.
Danilo July 8, 2018
ኣንታ ኣኣዝነይ ድዩ ወላስ….? ብዘይ ዕጻይ-ምጻይ ዓፍራ ክርገጽ ዝነበረ ጽቅጥቅጥን ህቦቡላን ዝሓዝካ ዘይብልካ ወዳጄየ ዕልልልል….ቅድሚ መንግስቲ፡ ምቅያር ህዝቢ ዝቀለለ ኮይኑ ይስመዓኒ።