ኣገዳሲ መጸዋዕታ : ንኹሎም ኣብ ፐንሲልቫንያ፡ ደለዌርን ደቡባዊ ኒው-ጀርሲን ዝነብሩ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒ
ኣገዳሲ መጸዋዕታ ንኹሎም ኣብ ፐንሲልቫንያ፡ ደለዌርን ደቡባዊ ኒው-ጀርሲን ዝነብሩ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒ ዕላማ ኣኼባ፡ ኩልና ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድመና ኣብ ፐንሲልቫንያ ደለዌር ስተይት ከምኡ’ውን ደቡባዊ ኒው-ጀርሲ እንነብር ኤርትራያን ተቓለስቲ ንፍትሒ፣ ዝውክሉና መራሕቲ ንኽንመርጽ ዕለት፡ ቀዳም ሕዳር 18፣ 2017
ኣገዳሲ መጸዋዕታ
ንኹሎም ኣብ ፐንሲልቫንያ፡ ደለዌርን ደቡባዊ ኒው-ጀርሲን ዝነብሩ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒ
ዕላማ ኣኼባ፡ ኩልና ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድመና ኣብ ፐንሲልቫንያ ደለዌር ስተይት ከምኡ’ውን ደቡባዊ ኒው-ጀርሲ እንነብር ኤርትራያን ተቓለስቲ ንፍትሒ፣ ዝውክሉና መራሕቲ ንኽንመርጽ
ዕለት፡ ቀዳም ሕዳር 18፣ 2017
ሰዓት፡ 3:00 ድ.ቀ.
ቦታ፡ University of the Sciences
Rosenberger Hall, Room 102
600 S 43rd St. Philadelphia, PA 19104
ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤሪትራዊ ብዘይ ናይ ጾታ ፡ ብሄር ወይ ሃይማኖት ፍልልይ ሽግርና ንምፍታሕ ጉዳይ ኩልና ምዃኑ ኣሚንና ኣብዚ መዓልቲ ክንሳተፍ ብትሕትና ይሕተት።
ኣኼባ ልክዕ ሰዓት 3:00 ድ.ቀ. ክጅመር ስለዝኾነ በጃኹም ኣብ ሰዓትኩም ተረኸቡ። ኣኼባ፡ ተሳተፍቲ ብዝጠለቡዎም ቋንቋታት ክካየድ/ክትርጎም እዩ። በጃኹም ንኹሎም ትፈልጡዎም ኤርትራውያን ዓድሙ።
ንምዝኽኻር ድኣ’ምበር፡ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ጉዳይ ኣፈርክቡ ምዃኑ ምንጋር ዘድልዮ ኣይኮነን። መስርሕ ምቛም ዓለምለኻዊ መሪሕነት፡ ብምቛም ናይ ኣካባቢ ባይቶ ጀሚሩ፡ ስዒቡ ዞባዊ ባይቶ ብደረጃ ሃገር፡ ቀጺሉ ብደረጃ ክፍሊ ዓለም: ኣብ መወዳእታ ዓለምለኻዊ ባይቶ ብምቛም ኩሎም ተቓለስቲ ንፍትሒ ብውልቅን ብጥርኑፍን ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ዝገብሩዎ ኣበርክቶ ድሙር ውጽኢት ንኽህልዎ ባይታ ይፈጥር።
ዓለምለኻዊ ተበግሶ፡ንልዕሊ ዓመት ብዘካየዶ መጽናዕቲን ልዝብን ዝዘርገሖም ጽሑፋት ኣብዚ ዝሰዕብ ጥብቆ ኣቲኩም ንበቡዎም።
http://www.snitna.com/gieegm/gieegm.html
ብደሓን ምጹ!
ናይ ምርጫ ሽማግለ